ኣበበ በቂላ፡ ጥራሕ እግሩ ብምጕያይ ታሪኽ ዝሰርሐን ወለዶታት ዘለዓዓለን ስሙይ ኢትዮጵያዊ ኣትለት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ 1960 ምሸት’ዩ፡ ሓደ ወዲ ጓሳ ጥራይ እግሩ ብምጕያይ ንዓለም ኣገሪሙ፤ ንኣፍሪቃ ድማ ታሪኽ ሰሪሑላ።
ኣብታ ምሸት እቲኣ፡ ኣብ ጐደናታት እታ ከተማ ነቶም ኣብ ውድድር ኦሎምፒክ ዝወዳደሩ ዝነበሩ ተቐዳደምቲ ማራቶን ዘለዎም ደገፍ ዝገልጹ ብዙሓት ተዓዘብቲ ተሰሪዖም ነበሩ።
ኣብ ወሰን ጽርግያ ድማ፡ ኣበበ በቂላ ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ ጎያዪ ናብ መስመር መዛዘሚ ገጹ ፈንጢሱ ክመጽእ እንከሎ፡ ወተሃደራት ኢጣልያ ሽግ ሒዞም ይኸዱ ነይሮም።
ቀይሕ ሕብሪ ዘለዎ ሓጺር ስረን ጸሊም ቬስትን ዝተኸድነ ኣበበ በቂላ፡ ማዕረ ማዕረ ምስቲ ኣብ ማራቶን ዝፍቶ ዝነበረ ራዲ በን ዓብዱሰለም ዝተባህለ ሞሮኮኣዊ ይጐዪ ነይሩ።
ድሕሪኡ፡ 1.6 ኪሎ ሜትር ምስ ተረፈቶ፡ ካብቲ መነሓንሕቱ ክፍለ ጀሚሩ፤ ናብ መዛዘሚ ገጹ ፈንጢሱ ኸደ፤ ነታ መስመር ምስ ሰገራ ድማ ኣእዳዉ ኣልዒሉ ታሕጓሱ ክገልጽ ጀመረ።
እቲ ውድድር ቀዳማይ ብምዃን ዛዚሙዎ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣበበ ፈላማይ ጸሊም ኣፍሪቃዊን ኣብቲ ጸወታታት ወርቂ መዳልያ ዝተዓወተ ፈላማይ ኢትዮጵያዊን'ዩ ነይሩ።
እቲ ውድድር ማራቶን፡ ብ2፡15፡16 ብምዝዛም ሓድሽ ክብረወሰን ዓለም ኣመዝጊቡ።
ኣበበ፡ ፍጹም ዘይፍለጥ ሰብ ምንባሩ ጥራይ ዘይኰነ፡ ምሉእ እቲ ውድድር ጥራሕ እግሩ ስለ ዝወድኦ ስንባደ ዝመልኦ ዓወት እዩ ነይሩ።
ኣበበ በቂላ፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ናይ ጉያ ጫማኡ ስለ ዝበለየ ሓድሽ ጫማ እንተወድየ እግረይ ክለሓሓጽ’ዩ ኢሉ ስለ ዝሰግአ’ዩ ከምኡ ክገብር ወሲኑ።
ብዛዕባ'ዚ ኣትለት መጽሓፍ ዝጽሓፈ እንግሊዛዊ ቲም ጁዳ፡ “ከም ንቡር ሻምፕዮናት ኣብቲ ናይ ሽልማት መድረኽ ክድይቡ እንከለው ይፍለጡ’ዮም፤ ኣበበ ግን ፍጹም ኣይፍለጥን ነይሩ። ስለዚ፡ ጥራሕ እግሩ ዝጐየየ ኣፍሪቃዊ ማራቶን ምዕዋቱ ነቲ ስንባደ ኣጋዲዱዎ” ይብል።
ኣበበ፡ ሃገራዊ ጅግና ኰይኑ ናብ ዓዱ ተመሊሱ፤ ኣሽሓት ሰባት ክኣ ኣቀባብላ ገይሮምሉ።
ይዅን’ምበር፡ እቲ ኣብ 1960 ዘመዝገቦ ዓወት ክንዮ ሃገሩ ልዑል ትርጕም ነይርዎ።
ጁዳ፡ “እቲ እዋን’ቲ ኣብ ኣፍሪቃ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝእለየሉን ኣፍሪቃ ናብ መድረኽ ዓለም ትጽንበረሉን እዋን እዩ ነይሩ። በዚ መንጽር ኣበበ ተወንጫፊ ኰኾብ ተስፋን ኣርማን እቲ ዘመን’ዩ ነይሩ” ይብል።
ኣበበ በቂላ ዘመዝገቦ ኣብነታዊ ዓወት ክሳብ ሕጂ ብቐጻሊ ይለዓል ኣሎ።
“ኣፍሪቃ እንታይ ከም ዘጋጠመ እንተርኢና፡ ኣበበ በቂላ ኣብ ሮማ ምስ ተዓወተ’ዩ ናጽነት ኣፍሪቃ ጀሚሩ” ይብል ሻምፕዮን ኦሎምፒክን ዓለም ዝነበረ ኣትለት ሃይለ ገብረስላሰ።
ኣበበ፡ ናብ ዓዱ ምስ ተመልሰ ኔሽን ዝተባህለት ጋዜጣ ኬንያ፡ ሃጸይ ሃይለስላሰ ኰኾብ ኢትዮጵያ ከም ዝሸለሞ ጸብጺባ። ብተወሳኺ ናብ መዓርግ ኮርፖራል ኣዕብይዎ፤ ገዛን ሓዳስ ቮልክስዋገን ቢትልን ሂብዎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብኸመይ ጀሚሩ?
ኣተዓባብያኡ ካብቲ ኣብ ኦሎምፒክ ዝረኸቦ ውዕውዕ ጽባቐ ኣዝዩ ዝተፈለየ’ዩ።
ብ1932 ኢትዮጵያ ጃቶ ኣብ ዝተባህለ ገጠር ተወሊዱ፤ ወዲ ጓሳ’ዩ።
መንእሰይ እንከሎ ናብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ መጽአ፡ ናብ ሃገራዊ ሃጸያዊ ሓለዋ ተጸንቢሩ፤ ኣብኡ ድማ ነቲ ሽዑ ዝነበረ ሃጸይ ሃይለስላሰ ናይ ምሕላው ፍሉይ ስራሕ ተዋሂቡዎ።
ኣብዚ’ዩ እምበኣር፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወተሃደራት ከሰልጥን ዝቘጸሮ ሽወደናዊ ኣሰልጣኒ ኦኒ ኒስካነን ናይ ኣትለቲክ ተውህቦ ከም ዘለዎ ከለልዮ ዝኽኣለ።
ሽዑ፡ ኒስካነን ኣበበ ኣብ ማራቶን ንክሳተፍ ከሰልጥኖ ጀሚሩ።
እንተዀነ፡ ኣበበ ከም ብሉጽ ጎያዪ ኢትዮጵያ ኣይተራእየን፤ ወዲ ጋንታኡ ዋሚ ቢራቱ ኣብ ውድድራት ሮማ ክሳተፍ ተሓርዩ።
ቅድሚ ምብጋሶም ቅድሚ ሒደት መዓልታት ግን ቢራቱ ሓሚሙ፤ ናብ ሮማ ከይከደ ክኣ ተሪፉ።
ካልኣይ ወርቂ መዳልያ ኦሎምፒክ
ብ1964 ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ቶክዮ ኣብዚ ውድድር’ዚ ኣከታቲሉ ወርቂ መዳልያ ዝዓተረ ፈላማይ ሰብ ብምዃኑ ውርሻ ኣበበ በቂላ ብሓወልቲ ተሰሪሑ።
ክሳብ ሕጂ ድማ፡ ንዋልደማር ሲርፒንስኪን ኤሊዩድ ኪፕቾገን ሓዊሱ ሓደ ካብቶም ነዚ ከዐውቱ ዝኽኣሉ ሰለስተ ብሉጻት ኣትለታት ኰይኑ ስሙ ይለዓል ኣሎ።
ኣብዚ ውድድር ጫማ ወድዩ ነይሩ፤ ግን ካልእ ብድሆ ኣጋጢሙዎ።
እቲ ወድድር ቅድሚ ምጅማሩ ቅድሚ 40 መዓልቲታት፡ ህጹጽ መጥባሕቲ ተገይሩሉ ነይሩ።
ናብ ምሉእ ጥዕና ዝምለሰሉ ሒደት ሰሙናት ጥራይ ይተርፎ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ሃገራዊ ስታድየም ቶክዮ ካልእ ክብረወሰን ብምምዝጋብ ወርቂ መዳልያ ተዓወተ።
እቲ ውድድር፡ ብ2፡12፡11 ዛዚሙ።
ብመሰረት ጸብጻብ ዎርልድ ኣትለቲክስ፡ ካብ 1960 ክሳብ 1966 ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ዝተኻየዱ 13 ዓለምለኻዊ ውድድራት ነቶም 12 ተዓዊቱሎም።
ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ኦሎምፒክ ድሕሪ ምዕዋቱ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ግን ሓደ ትራጀዲ ኣጋጢምዎ።
ኣብ መጋቢት 1969፡ ኣበበ መኪና እናዘወረ እንከሎ፡ ካብ ክሳዱ ንታሕቲ ዘልመሶ ሓደጋ መኪና ከም ዘጋጠሞ ይንገር።
ንሕክምና ናብቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከብ ሆስፒታል ስቶክ ማንደቪል ዝርከብ ፍሉይ ክፍሊ መጕዳእቲ ዓንዲ ሕቘ ብነፋሪት ተወሲዱ፤ ድሕሪ ሽዑ ብእግሩ ክኸይድ ከም ዘይከይድ ክቕበል ግድን ነይሩ።
ግን ኣእዳዉ ክሰርሓሉ ስለ ዝጀመራ፡ ትዅረቱ ናብ ካልእ ዓይነት ስፖርት ገበረ።
ኣብ ምውርዋር ጭማራን ሰደቓ ቴንስን ክኣ ፍሉይ ክእለት ኣማዕበለ።
ኣብ 1970 ኣብ ለንደን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፓራኦሎምፒክ ስቶክ ማንደቪል ተሳቲፉ።
ኣብ ዝቐጸለ ዓመት ድማ ኣብ ኖርወይ ተሳቲፉ፤ ኣብ ውድድር ክሮስ ካንትሪ ንጉድኣት ኣካላት ኣብ ዝተዳለወ ውድድር ተዓዊቱ።
ነባሪ ውርሻ
ኣበበ በቂላ፡ ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ድሕሪ ዘጋጠሞ ጥዕናዊ ጸገማት ብ1973 ኣብ መበል 41 ዓመቱ ሞይቱ።
ሃጸይ ሃይለስላሰ፡ ሃገራዊ መዓልቲ ሓዘን ኣዊጆም ሃገራዊ ስነ ስርዓት ቀብሪ ክፍጸም ገይሮም።
ንሱ፡ ዋላ’ውን ኣብ ንኡስ ዕድመኡ እንተሞተ፡ ውርሻኡ ግን ቀጻሊ ኰይኑ ይርከብ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ብስሙ ዝተሰየመ ስታድየም ኣሎ፤ ብስሙ ዝተሰየማ ብርክት ዝበላ ኣብያተ ትምህርትን ሽልማታትን’ውን ኣለው።
እቲ ዝዓበየ ውርሻ ኣበበ በቂላ፡ ኣብ መላእ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘለው ሓደስቲ ወለዶታት ተወዳደርቲ ነዊሕ ርሕቀት ክተባብዑን ኣሰር እግሩ ክስዕቡን ገይሩ’ዩ።
ከም ሃይለ ገብረስላሰን ኢሉድ ኪፕቾገን ዝኣመሰሉ ብርክት ዝበሉ ኢትዮጵያውያንን ኬንያውያንን ኣትለታት፡ ኣብ ብርክት ዝበሉ ዓለምለኻዊ ውድድራት ማራቶን ፍሉይ ዝና ኣትሪፎም’ዮም።
“ንሕና [ኣፍሪቃውያን ጐየይቲ] ውጽኢት ኣበበ በቂላ ኢና። ሳላ ኣበበ በቂላ ብሉጽ ኣትለት ዓለም ኰይነ’የ” ይብል ኣትለት ሃይለገብረስላሰ።
ብ3000 ሜትሮ ኣብ ፓሪስ ኦሎምፒክ ውድድር መሰናኽል ንኢትዮጵያ እትውክል ዘላ ኣትለት ገነት ዋሌ ብወገና፡ “ሃንዳሲ’ዩ” ነይሩ ትብል።
“ናይ መጀመርታ እዩ ነይሩ፤ ክሳብ ሕጂ ክኣ ይዝከር።”




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







