ኣብ ኒውዮርክ፡ ኣንጻር ኲናት ትግራይ ተቓውሞ ዘስመዐ ኣትሌት ተሾመ መኮንን፡ መን እዩ?

ምንጪ ስእሊ, TESHOME MEKONEN
ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣብ ኣመሪካ፡ ከተማ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ብምስታፍ ንውድድሩ ብሓደ ሰዓትን 40 ካልኢትን ብምዝዛም ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ ዝተዓወተ ኣትሌት ተሾመ መኮነን፡ ኣንፃር እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ግፍዕታት ብምቅዋም ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ነቒፉ።
ኣትሌት ተሾመ፡ ነቲ ውድድር ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ክልተ ኣእዳዉ ንላዕሊ ኣውፂኡ ብምምስቓል፡ "ኣብ ትግራይ ዘሎ ጃምላዊ ጨፍጫፍ ደው ይበል"፣ "ኣብይ ኣሕመድ ውልቀ መላኺ'ዩ" ብምባል ኣብ መድረኽ ዓለም ተቓውምኡ ገሊፁ'ዩ።
ኣብ ብዙሓት ዓለምለኸ ውድድራት ጉያ ዝተሳተፈ ኣትሌት ተሾመ ምስ ቢቢሲ ሓፂር ጻንሒት ገይሩ ኣሎ፡ መን እዩ ዝብል ክንድህስስ ኢና።

ጉያ ምስ ውሑጅን ማንቲለን
ሓረስታይ ኣቦይ መኮነን፤ ዘስመዩ ብርቱዕ ጎያይ'ዮም ነይሮም፤ በዚ ድማ ነበርቲ እቲ ከባቢ 'ጉያስ ከም ኣይተ መኮነን 'ምበር' ብምባል የውግዑ ነይሮም።
ኣብ ትግራይ ከባቢ ብዘት ደብረዳሞ ተወሊዱ ዝዓበየ ኣትሌት ተሾመ'ውን፡ ንሓረስቶት ስድርኡ ካብ ምሕጋዝ ብዝዘለለ፡ ከም'ቲ 'ራዛ ናይ ኣቡኡ ሓዛ' ዝበሃል፡ ህፃን ተሾመ'ውን ንጡፍ ጉያ ወላዲኡ ንውሽጡ ክገዝኦን ክፀልዎን ጀመረ።

ምንጪ ስእሊ, TESHOME MEKONEN
ሻቡ ኣብ መድረኻት ዓለም ክወዳደር'የ ዝብል ሓሳብ ዋላ'ኳ እንተዘይነበሮ፡ ከም ሓደ ወዲ ሓረስታይ ግና ፍቖዶ ዱርን ገደልን ምስ እንስሳትን ተፈጥሮን እንከይተረፈ ክጓየይ፡ ክቀዳደም ይውዕል ከም ዝነበረ ይዝክር።
"ወላድየይ ብጣዕሚ ጎያይ እዩ ነይሩ፤ መሓዝቱይ 'ክላእ ንስኻ ናይ ኣቦኻ ኣይሓዝካን፡ ናይ ኣቦኻ እንተትሕዝስ ዝሕዘካ ኣይምነበረን' እናበሉ ይቕሉድለይ ነይሮም" ዝብል ኣትሌት ተሾመ፡ "ህፃን ኮይነ፡ ምስ ማንቲለን ውሑጅን ይቀዳደም ነይረ" ብምባል ፍቕሪ ጉያ ኣብ ውሽጢ ዝሓደረሉ እዋን ቁልዕነቱ ንድሕሪት ምልስ ኢሉ ኣውጊዑና።
ኣብ ግዘ ቁልዕነቱ ካብ ቤተ ክርስትያን ብዘይምፍላይ ብዘርእዮ እምነት፣ ብምስጉን ባህርያቱን ንዝተብኣሱ ሰባት ብምትዕራቕን ዘዘውትር ከምዝነበረ ዝዛረብ ተሾመ፡ ደሓር ፍቕሪ ጉያ ወላዲኡ እናሓደሮ ከምዝመጽአ ይዝክር።
ኣብቲ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ዝኸደሉ ብዘት ናይ ቀዳማይን ካልኣይን ብርኪ ተምሃራይ ኮይኑ፡ ጉያ'ውን ጎና ጎኒ ኣስኳላ ከኽይዶ ጀመረ።
ዓስራይ ክፍሊ ምስ በፅሐ ግና፡ ከምቲ ፈለማ ከም ወላዲኡ ንፉዕ ጎያይ ንምዃን፡ ንጉያ ፍሉይ ትኹረት ክህቦ ጀሚሩ።
ብ2001 ዓ.ም ኣቆፃፅራ ግእዝ ዓቕምን መፃእን ተሾመ ዝውስን መቐይሮ ነጥቢ ተፈጠረ፤ ብብርኪ ክልል ኣብ ዝተገበረ ውድድር ብጥራይ እግሩ ብምውድዳር ስሩዕ ውድድር ጉያ ኣሃዱ ኢሉ ጀሚሩ።
"ኣብ ዛላምበሳ ኣብ ዝተኻየደ ናይ 15 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ውድድር ጉያ ጎደና ብጥራሕ እግረይ ጎይየ ሳልሳይ ወፂአ። ሻቡ ወለደይ ሓረስቶት ስለ ዝኾኑ ግና ናብ ጋንታ ኣይተፀንበርኩን፤ ንወለደይ እናሓረስኩ ክሕግዝ ናብ ገዛይ ተመሊሰ" ይብል።
ብድሕሪኡ ኣብ ከተማ ዓድግራትን ዓብይ ዓድን ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ብምስታፍ ካብ ወረዳታት ትግራይ ቀዳማይ፣ ተሓቑፎም ካብ ዝሰርሑ ጋንታታት ድማ ራብዓይ ኮይኑ እንትዛዝም፡ ተሾመ ኣብ ሓፂር እዋን ንሳልሳይ ግዘ ቀዳማይ እንትወፅእ ዝተዓዘቡን እዚ ሰገን ኣብ ዓብይ ፀፍሒ ኣትሌቲክስ ክበፅሕ ከምዝኽእልን ዝተርኣዮም ኣሰልጠንቲ ጋንታታት ትግራይ ኣብ ዓይኒ ኣእተውዎ።
ኣብ ምዝዛም እቲ ዓመት ድማ ብወግዒ ኣትሌት ኮይኑ ናብ ጋንታ መስፍን ኢንዳስትርያል ኢንጂነሪንግ ተፀንበረ።
"መስፍን ሻቡ ተቐቢሎም፡ እኹል ድጋፍ ገይሮምለይ'ዮም። ከም ኣቦን ኣደን ኮይኖም ኣብዚ ብርኪ ኣብፂሖምኒ'ዮም" ዝብል ኣትሌት ተሾመ ብድሕሪኡ ብወረዳታትን ብብርኪ ክልልን ዓወታት ብምጉንፃፍ ዝጀመሮ ናይ ጉያ ህይወት እናገወደ፡ ንፃት ደው ክብል ዘይመርፀሉ ብብርኪ ሃገርን ዓለምን ናብ ዝወዳደረሉ ምዕራፍ ተሰጋገረ።
ተሾመ ኣብ ኣትሌቲክስ ዓለም
ኣትሌት ተሾመ፡ ብወግዒ ናብ ጋንታ መስፍን ድሕሪ ምፅንባሩ ንኢትዮጵያ ወኪሉን ብውልቁን ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣብ ዝተሳለጡ ውድድራት ኣትሌቲክስ ብምውድዳር ብርክት ዝበሉ ዓወታት ሓፊሱ'ዩ።
ብ2005 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ዩጋንዳ ካምፓላ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ትሕቲ 18 ዓመት ሰገናት ውድድር ጉያ ሸሞንተ ኪሎ ሜትር፡ ንኢትዮጵያ ወኪሉ ብምስታፍ ዓስራይ ዝወፅአ እንትኾን፡ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 2016 ኣብ ብሪጣንያ ለንደን ካርዲፍ ሲቲ ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ለኸ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ድማ ብምስታፍ መበል 11 ኮይኑ ውድደሩ ዛዚሙ።
ክልቲኦም ዓለም ለኸ ውድድራት ኣብ ጉዕዞ ናይ ኣትሌቲክስ ሂወቱ መሰረት ከም ዘንፀፉ ዝገልፅ ተሾመ፡ ብድሕሪኡ ኣብ ዝተኻየዱ ኣስታት ዓሰርተ ዓለምለኸ ውድድራት ድርብ ዓወት ዝተጎናፀፈሎም'ዮም ኮይኖም።

ምንጪ ስእሊ, TESHOME MEKONEN
ኣብ 2019 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ንኢትዮጵያ ወኪሉ ንምውድዳር ናብ ኣሜሪካ ዝተጓዓዘ ኣትሌት ተሾመ ከም ወትሩ ዓወት ሓፊሱ ናብ ዓዲ ንምምላስ ሓሳቡ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብቲ ዓመት ብዘጋጠመ ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስን ንዑ ስዒቡ ብዝተኣወጁ ዕፅዋታትን ኣብ ኣሜሪካ ክፀንሕ ተገዲዱ።
ኣትሌትተሾመ ኣብ ዓመተ 2020 እውን ናብ ዓዲ ክምለስ ኣይከኣለን፡ እቲ ካብ ስድራይ ፈልዩ ኣብ ሂወተይ ፅልዋ ኣሕዲሩለይ ዝብሎ ኵናት ትግራይ ተወሊዑ።
"ስድራይ ክረክብ ኣይከኣልኩን"
ወርሒ ሕዳር ዓመተ 2020 እቲ ኣብ ትግራይ ሂወት ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ዝበልዐ፣ ሚልዮናት ካብ መረበቶም ዘመዛበለ፣ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ንክፍፀም ጠንቂ ዝኾነን 6.3 ሚልየን ካብ ህዝቢ ትግራይ ተፀባይ ህፁፅ ሓገዝ ንክኾኑ ዘገደደን ኵናት ዝተወልዐሉ እዋን'ዩ።
እዚ ኵናት ኣብ ሂወቱ፣ ኣብ ሞይኡን ኣብ ስድርኡን ፅልዋ ከም ዝፈጠረ ዝገልፅ ተሾመ፡ ኣሰልጣኒኡን ካልኦት ኣትሌታት መሓዙቱን'ውን በቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝነበረ ጃምላዊ ማእሰርቲ ተጋሩ ግዳይ ከም ዝኾኑ ይገልፅ።
በዚ ድማ ተሾመ ዕጫ ኣሰልጠንቱን መሓዙቱን ከይበፅሖ ብምስጋእ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምምላስ ሓሳቡ ክቕይር ከም ዘገደዶ ንቢቢሲ ገሊፁ።
"ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዙሓት ናይ ሞያ መሓዙተይን ብሄር ከይፈለየ ብማዕረ ዘሰልጥን ኣሰልጣንየይን ብሰንኪ መንነቶም ተኣሲሮም'ዮም። ኣነ እንተተመሊሰ'ውን እዛ ዕጫ እዚኣ'ያ ትፅበየኒ" ኢሉ።
ኣትሌት ተሾመ፡ ኣብዚ ዓመተ 2022 ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ'ኳ እንተተዓወተ፡ በቲ ዝረኸቦ ውፅኢት ግና ሕጉስ ይኮነን።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ ዘይእዉጅ ዕፅዋ ኣብ ትግራይ ንዘለዉ ስድርኡ ክረክብ ከም ዘይኸኣለ ዝዛረብ ኣትሌት ተሾመ፡ እዚ ኣብ ሞያዊ ህይወቱን ኣብ ውፅኢቱን ፅልዋ ከምዘሕደረ ይገልፅ።
"ቤተሰበይ ክረክብ ኣይክኣልኩን፣ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ወሪዱ ዘሎ ፀገም ብቕልጡፍ ክፍታሕ ብዘይምኽኣሉ፡ ብጣዕሚ እዩ ፀልዩኒ። ኣብ ጭንቅን ናፍቖትን'የ ዘለኹ" ዝብል ኣትሌት ተሾመ፡ ካብ ካልኦት ኣዝማዱ ብዝረኸቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ገለ ኣባላት ቤተሰቡ "ቅትለትን ፆታዊ ዓመፅን" ከም ዝተፈፀመ ንቢቢሲ ይሕብር።
ኣብዚ ኣብ ኒውዮርክ ዝተኻየደ ውድድር፡ "ንህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ወኪሉ ከም ዝተወዳደረ" ዝገልፅ ኣትሌት ተሾመ፡ ምስኡ ቀዳማይን ካልኣይን ኮይኖም ዝተዓወቱ ኬንያውያን ኣትሌታት ምስዝርእይ፡ ኣብ ተሾመ ዝተፈጠረ ስምዒት ግና ናይ ዓወትን ሓጎስን ኣይነበረን።
ኣትሌት ተሾመ፡ "ቅድሚ ሕዚ ባንዲራ ኢትዮጵያ ሒዘ ብዙሕ መድረኻት ጎየን ተዓዊተን እየ። ሕዚ ባንዴራ ኢትዮጵያ ከይሓዝኩ ደው ምባለይ ኣየሐጉሰንን ግና፡ ንሂወተይን ንሂወት ህዝቢ ትግራይን ክብል ገይረዮ" ብምባል፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ግፍዒ ኣብቲ መድረኽ ከቃልሕ ከም ዝደረኾ ይገልፅ።
"ተቓውሞይ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘይኮነስ ምስቲ ነዚ ፀገም ዝፈጠረ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ እዩ" ክብል ይዛረብ።
"ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት ኣሎ፡ ኣደታትና፣ ኣሕዋትና፣ ህዝብናን ቅርስታትናን ኮታስ ኩሉ ነገር ዓንዩ። ህዝቢ ብጥሜት ክረግፍ ይግበር ኣሎ። እዚ ዓለምለኻዊ ሕጊ ዝቕበሎ ስለ ዘይኮነ፡ መንግስታት ዓለም ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገምን ፀበባን ፍታሕ ንክህቡ'የ ተቓዊመ" ይብል ኣትሌት ተሾመ መኮንን።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ወተሃደራቱ ምፅናት-ዓሌት ከም ዘይፈፀሙ'ዩ ዝምጉት። ነቲ ንትግራይ 'ኣብ ዘይእውጅ ዕጽዋ ኣእትይዋ ኣሎ' ዝብል ክሲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት'ውን፡ ኣይቕበሎን። ብዛዕባ ዘረባ እቲ ኣትሌት ግን ዝበሎ የለን።
ጥሙሕ ባህጊ ፅባሕ
ኣቦ ክልተ ቆልዑን በዓል ሓዳርን ዝኾነ ኣትሌት ተሾመ መኮነን፡ ኣብዚ ሕዚ በፂሕዎ ዘሎ ፀፍሒ ንክበፅሕ በዓልቲ እንድኡን ማናጀሩን ኣብዚ ከቢድ ግዘ ኣፅኒዓ ዓወት ንክጎናፀፍ ዕዙዝ ግደ ከም ዘለዋ'ዩ ዝገልፅ።
ኣትሌት ተሾመ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ዕፅዋን ዘይዛረየ ፀበባን ናብ ንቡር እንተተመሊሱ ባህግታቱ ብዙሕ ከምዝኾነ እዩ ዝዛረብ።
ድሌቱ ናብታ ሀ ሁ... ኣትሌቲክስ ኣምሂራን ኣብቂዓን ናብዚ ብርኪ ንክበፅሕ መሰረት ዝኾነት ጋንትኡ መስፍን ኢንዳስትርያል ኢንጂነሪንግ ምምላስ ወይ ድማ ኣብ ትግራይ ምስ ዘለዉ ስድርኡን ኣዝማዱን ኢሉ'ውን ህዝቡ ጥራሕ ምርኻብ ኣይኮነን።
"እዚ መንግስቲ ከይተቐየረን እቲ ዘሎ ስርዓት ናብ ሰላም ከይተመለሰን ናብ ዓዲ ዝምለሰሉ መገዲ የለን" ዝብል ኣትሌት ተሾመ፡ "ንፅባሕ ግና ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ወሪድዎ ዘሎ ሽግርን ፀበባን ወጺኡ፣ ትግራይ ሃገር ኮይና፡ ንሃገረይ ወኪለ ንክጎዪ እብህግ" ይብል።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







