ቫሌንሲያ፡ ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ ኣብ ቅድድም ጉያ ፍርቂ ማራቶን ሓድሽ ክብረ-ወሰን ዓለም ኣመዝጊባ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሎሚ ኣብ ቫሌንሲያ፡ 'ትሪኒዳድ አልፎንሶ ኢዲፒ' ብዝብል ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ጉያ ፍርቂ ማራቶን ዝተሳተፈት ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ፡ ሓድሽ ክብረ-ወሰን ኣመዝጊባ።
ለተሰንበት ነቲ ውድድር 1 ሰዓት 02 ደቒቓ ምስ 52 ካልኢታት ብምዝዛም፡ ቅድሚ ሕዚ ብኬንያዊት ኪቢዎት ካንዲ ተታሒዙ ዝጸንሐ ክብረ ወሰን እያ ሰይራ።
ለተሰንበት ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ወናኒት ክብረ-ወሰናት 5 ሺሕ ሜትሮን 10 ሺሕ ሜትሮን ዓለም እያ።
ለተሰንበት እቲ ሕዚ ሓድሽ ክብረ-ወሰን ዘመዝገበትሉ ቦታ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብ5 ሽሕ ሜትሮ ክብረ ወሰን ዝሰበረትሉ እዩ።
ኬንያዊት ሩት ቼፕንጌቲክ ኣብ ዝሓዝናዮ ዓመት እያ ነዚ ውድድር ጉያ ፍርቂ ማራቶን ክብረ ወሰን 1 ሰዓት ምስ 04 ደቒቃን 02 ካልኢትን ብምእታው ተዓዊታ ነይራ።
ኣብ ኦሊምፒክስ ቶኪዮ ወናኒት ነሐስ ዝኾነት ለተሰንበት፡ ነቲ ናይ ሎሚ ውድድር ጉያ፡ 5 ኪሎ ሜትር ብ15 ደቂቃ ከም ዝጎየየት ጸብጻባት ይሕብሩ፡።
ለተሰንበት ናይቲ ውድድር 10 ኪሎ ሜትር ብ29 ደቒቓ እንትዛዝም፡ ኣብ ታሪኽ ፍርቂ ማራቶን ሳልሳይ ፈጣን ሰዓት ኮይኑ ተመዝጊቡላ ኣሎ።
ለተሰንበት ብዘገርም ፍጥነት ነቲ ዝቕጽል 15 ኪሎ ሜትር ብ44 ደቒቓን 29 ካልኢትን ክትዛዝም ክኢላ እያ።
ኣብ ናይ መወዳእታ ሲሶ እቲ ጉያ፡ ፍጥነት እንተነከየት'ኳ፡ በቲ ኣብ መጀመርታ ዝጎየየቶ ፍጥነት ነቲ ክብረ ወሰን ክትሰብር ኣኽኢሉዋ ኣሎ።
ብሓፈሻ፡ ለተሰንበት ነቲ ውድድር 1 ሰዓት 02 ደቒቓ ምስ 52 ካልኢታት ብምዝዛም፡ ብስማ ሳልሳይ ክብረ ወሰን ዓለም ኣመዝጊባ ኣላ።
ኣብቲ ውድድር ተሳታፊት ዝነበረት ካልእ ኢትዮጵያዊት ኣለምዘርፍ የኋላው፡ ንለተሰንበት ብምስዓብ ብ1 ሰዓት ምስ 03 ደቂቃን 52 ካልኢትን ብምዝዛም፡ ካልኣይቲ ኾይና ውድድራ ዛዚማ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







