'መኪና'ያ ትግብኣኒ' ብምባል ካብ ፕረዚደንት ዝተወሃቦ ሽልማት ዝነጸገ ኣሰልጣኒ

ገመዶ ደደፎ

ምንጪ ስእሊ, ETV

ኣሰልጣኒ ተወዳደርቲ ጕያ ፓሪስ ኦሎምፒክ ዝነበሩ ኣትለታት ብኢድ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ዝተወሃቦ ሽልማት ገንዘብ “ነዓይ ጸርፊ እዩ” ክብል ነጺጉ።

ገመዶ ደደፎ ነቶም ኣብቲ ቅድሚ መዓልታት ዝተዛዘመ ኦሎምፒክ ኣብ ውድድር ማራቶን ንዝተሳተፉ ኣትለታት ትእግስት ኣሰፋን ታምራት ቶላን ዘሰልጠነ እዩ።

ኣብቲ ውድድር ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ማራቶን ዝተሳተፈ ታምራት ቶላ መዳልያ ወርቂ ክረክብ ከሎ፡ ትእግስት ኣሰፋ ድማ ኣብ መወዳእታ ብሆላንዳዊት ሲፋን ሓሰን ተቐዲማ ንሃገራ መዳልያ ብሩር ክተምጽእ በቒዓ።

ነዞም ኣትለታት ዘሰልጥን ገመዶ ደደፎ ኣብቲ ትማሊ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ዝተረኸበትሉ ሃገራዊ መድረኽ ሽልማት ንዝተወሃቦ ክልተ ሚልዮን ብር [ኣስታት 20 ሽሕ ዶላር] መተባብዒ “እዚ ነዓይ ከም ጸርፊ እየ ዝቘጽሮ” ክብል መሊስዎ’ሎ።

ኣሰልጣኒ ገመዶ ደደፎ

ምንጪ ስእሊ, EBC

ናብ መድረኽ ተጸዊዑ ነቲ ሽልማት ካብ ኢድ እታ ፕረዚደንት ምስተቐበለ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ “ክብርቲ ፕረዚደንትና ሓደ ቃል ክዛረብ እደሊ። ንሕና ኣሰልጠንቲ ንነዊሕ እዋን ለፊዕና ኢና። እዚ ሽልማት ግን ንልፍዓትና ዝምጥን ኣይኰነን” ክብል ተቓውሞኡ ኣስሚዑ።

ነቲ ሽልማት ኣብ ኢዱ ምስሓዘ ዘረባኡ ዝቐጸለ ኣሰልጣኒ ገመዶ፡ “እቲ ኣዝዩ ብዘሕዝን ኵነታት፡ ኣነ ወርቅን ብሩርን ከምኡ’ውን ዲፕሎማ ንኽመጽእ ገይረ። ስለዚ ነዓይ ክልተ ሚልዮን ከም ጸርፊ ዝቝጸር ስለዝዀነ ቅር እንተዘየቢለክን ነዚ ሽልማት ክመልሶ እደሊ። ንዝመጽእ ኵሉ ድማ ክቕበሎ እየ” ብምባል ነቲ ዝተወሃቦ ሽልማት ኣብቲ መድረኽ ኣቐሚጥዎ ከይዱ።

እቲ ኣሰልጣኒ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ትጽቢቱ መኪና ክሽለም ከምዝነበረ ብምግላጽ፡ እቲ ዝነጸጎ ክልተ ሚልዮን ብር ምስቲ ዝተጎናጸፎ ዓወት ከምዘይመጣጠን ተዛሪቡ።

"ክልተ ወርን ብሩርን፡ ከምኡ'ውን ዲፕሎማ ከምዝርከብ ገይረ. . .ንዓይ ክልተ ሚልዮን ጸርፊ'ዩ" ብምባል ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ንኣሰልጠንቲ ዝወሃብ ዝነበረ ሽልማት ዝነኣሰ ምዃኑ ከምዘቖጥዖ ይገልጽ።

"ቅድሚ ሕጂ ኣብ ቤተመንግስቲ ኣብ ዝነበሩ ጽንብላት፡ ኣትሌታትን ኣሰልጠንትን መኪና'ዮም ዝሽለሙ ነይሮም፡ ሎምዘበን ስለምንታይ ከምዝተቐየረ ኣይፈለጥኩን"።

ንዕዉታት ዝተዋህበ ሽልማት'ውን ምስቲ ናይ ቀደም ከምዘይወዳደር እቲ ኣሰልጣኒ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ንታምራራት 7 ሚልዮን ብር ተዋሂቡ። [ኣብ ናይ ቶክዮ ንዝተዓወቱ ግን] ኣስታት 50 ሚልዮን'ዩ ነይሩ" ዝበለ ኣቶ ገመዶ፡ ኣብ ኦሊምፒክ ቶክዮ ናይ 10 ሽሕ ሜትሮ ወርቂ ዝዓተረ ሰለሞን ባረጋ ሽዱሸተ ሚልዮን ዝዋጋኣ መኪና ከምዝተዋህቦ ይጠቅስ።

ኣቀባብላ ኣትለታት

ምንጪ ስእሊ, ENA

እቲ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ዝተረኸበትሉ ናይ ሰሉስ መድረክ ሽልማት፡ ነቶም ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ንኢትዮጵያ ዝወከሉ ኣትለታትን ኣሰልጠንትን ወግዓዊ ኣቀባብላን ንምግባርን ንምትብባዕን ዝተዳለወ እዩ ነይሩ።

ንኢትዮጵያ እንኮ ዝኾነት መዳልያ ወርቂ ዘምጽአ ተወዳዳሪ ማራቶን ኣትለት ታምራት ቶላ 7 ሚልዮን ብር ክሽለም እንከሎ፡ ብሩር ዝረኸቡ ኣትለታት ጽጌ ድጉማ፣ ትእግስ ኣሰፋን በሪሁ ኣረጋውን ድማ ንሓድሕዶም 4 ሚልዮን ብር ተሸሊሞም።

ኢትዮጵያ ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ሓደ ወርቅን ሰለስተ ብሩርን ብምርካብ ብደረጃ ዓለም መበል 47 ክትስራዕ እንከላ ጐረቤታ ኬንያ ድማ ኣርባዕተ ወርቂ፡ ክልተ ብሩርን ሓሙሽተ ነሓስን ብምርካብ ኣብ መበል 17 ክትስራዕ ክኢላ።