እየሩ ገብሩ፡ ካብ ኲናት ትግራይ ክሳብ ተወዳዳሪት ብሽክለታ ኦሎምፒክ ፓሪስ

እየሩ ገብሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እታ ካብ ትግራይ ዝኸደት እየሩ ገብሩ፡ ሰንበት ኣብ ውድድር ኦሎምፒክ ብሽክለታ ደቂ ኣንስትዮ ክትወዳደር እያ

“እቲ ኲናት ተጀሚሩ፡ ኵሉ ነገር ብሓቂ ሕማቕ ኰይኑ፡ ኣነ ግን ክሕይልን ኣብ ሕልምታተይ ከድህብን መሪጸ።

“እዚ ኸኣ ነቲ ጽንኩር እዋን ተጻዊረ ክሓልፍ ሓጊዙኒ እዩ።”

እየሩ ገብሩ ንቅድድም ብሽክለታ ዘለዋ ፍቕሪ ከምኡ’ውን ነቲ ክትነብሮ ዘኽኣላ ህይወት ዘለዋ ኣድናቘት መወዳእታ የብሉን።

ኣብ መፋርቕ 1990ታት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝተወልደት እየሩ፡ ሓንቲ ካብተን ንጋንታ ኦሎምፒክ ስደተኛታት ዝተመርጻ 36 ኣትለታት ኰይና ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ክትሳተፍ እያ።

ካብ ንእስነታ ኣትሒዛ ትሓልሞ ዝነበረት ዕድል እዩ።

“ጓል ሽዱሽተ ወይ ሸውዓተ ዓመት ከለኹ፡ ኣብ ከተማና ይወዳደሩ ነይሮም። ነቶም ተዓወትቲ ብምዕዛብ ፍቕሪ ሓዲሩኒ” ክትብል ንቢቢሲ ዎርልድ ሰርቪስ ስፖርት ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ተዛሪባ።

“ኣነ’ማ ‘ብሽክለታ ክዝውር’የ ዝደሊ’ ኢለ። ንኽምሃር ዳርጋ ዓሰርተ ዓመት ወሲዱለይ፡ ግን ሃረርታይ እዩ ነይሩ።

“ድሕሪኡ ‘ሕራይ፡ ኣበርቲዐ ክሰርሕን ኣብ ሕልመይ ክኣምንን ኣለኒ’ ኢለ።”

እየሩ ንብሽክለታ ደንጉያ ዝጀመረትሉ ምኽንያት፡ እቲ ንሓያሎ ስፖርት ዝጸሉ ንዘመናት ዝጸንሐ ጸገም ተበጻሕነት’ዩ - እዚ ድማ ብሰንኪ ማሕበረ-ቍጠባዊ ወይ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ዘሎ ፋይናንሳዊ ድሩትነት እዩ።

“ብሽክለታ ናይ ሃብታማት’ዩ ነይሩ፡ ናይ ገዛእ ርእስኻ ብሽክለታ’ውን ክህልወካ ኣይክእልን’ዩ” ክትብል እታ ጓል 27 ዓመት መንእሰይ ትገልጽ።

እየሩ ጓል 16 ዓመት ከላ፡ ምዝዋር ክትምሃር ብሽክለታ ተኻርያ። ብድሕሪኡ ኣብ ሓደ ክለብ ብሽክለታ ከተማ ኣክሱም ተጸንቢራ ብዛዕባ እቲ ስፖርት “ዝያዳ ክትፈልጥ” ጀሚራ።

ከቢድ ምርጫ

እየሩ፡ ንፈለማ ግዜኣ ኣብ 2015 ኣብ ሻምፕዮን ኮንቲነንታል ኣፍሪቃ ዓለምለኻዊ ጸወታኣ ኣካይዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እየሩ፡ ንፈለማ ግዜኣ ኣብ 2015 ኣብ ሻምፕዮን ኮንቲነንታል ኣፍሪቃ ዓለምለኻዊ ጸወታኣ ኣካይዳ

ድሕሪኡ፡ ትምህርታ ክትቅጽል ድያ ወይስ ግዜኣ ንብሽክለታ ክትውፊ ዝብል ከቢድ ምርጫ ነይሩ።

"ኣብ ቤት ትምህርቲ ናይ ብሓቂ ንፍዕቲ ስለ ዝነበርኩ ከቢድ እዩ ነይሩ፡ ውድድር ምስ ጀመርኩ ድማ ክመርጽ ነይሩኒ" ትብል።

“ኣደይ ጽቡቕ ምዃኑን ከምእትድግፈኒን ነጊራትኒ፡ ካልኦት ኣዝማደይ ግን ሕጕሳት ኣይነበሩን ምኽንያቱ ኣብ ሃገረይ ጽቡቕ ህይወት ንምንባር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ክትምሃር ኣለካ ዝብል እምነት ኣሎ።

“ኣነ ግን ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ከድህብ ከምዝደሊ ገሊጸ። ከቢድ ውሳነ’ኳ እንተነበረ፡ ብእኡ ግን እሕበን’የ።”

ውሳነ እየሩ ካብ መላእ ኣፍሪቃ ዝመጹ ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ ክስስኑ ምስ ረኣየት’ዩ ዝያዳ ዝቐለለ።

ኣብ ሻምፕዮን ዓለምን ጸወታታት ኮመንወልዝን ሰለስተ ግዜ ኦሎምፒያዊትን ተዓዋቲ ነሓስ መዳልያን ዝዀነት ደቡብ ኣፍሪቃዊት ኣሽሊ ሙልማን-ፓሲዮ፡ ካብቶም ኣነቓቓሒታ እያ ነይራ።

"ኣዝያ ሓያል እያ ነይራ፡ ኵሉ ግዜ ድማ ኣብ ጥቓ ላዕለዋይ ደረጃ ትዛዝም ነይራ" ትብል እየሩ።

“ኢትዮጵያ ኣብቲ እዋን’ቲ ሓደ ተቐዳዳማይ ዎርልድ ቱር’ውን ነይሩዋ፤ ንሱ ድማ ጽጋቡ [ግርማይ] እዩ። ኣነ እውን ኣብኡ ክበጽሖ ከምዝኽእል ኣሚነ።

“ብኣታቶም እየ ዝድረኽ ነይረ።”

ምጅማር ኲናት

እየሩ ናብ መቐለ ብምኻድ ንኢትዮጵያ ወኪላ ኣብ ዓለምለኻውን ኣህጉራውን መድረኽ ክትሳተፍ ጀሚሩ።

ኣብ 2017 ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝርከብ ማእከል ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ክትስልጥን ዕድመ ረኺባ፤ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ግን ናብ ሃገራ ምስ ተመልሰት ነዊሕ ከይጸንሐ ዘጋጠሙ ፍጻመታት ንህይወታ ብሓያል መልክዑ ቀይሮምዎ።

ኣብ ሕዳር 2020 ዝተላዕለ ኲናት ትግራይ፡ ህርፋን ቅድድም ብሽክለታ እየሩ ኰሊፍዎ።

ዝተቓጸለት ታንኪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኲናት ትግራይ ንክልተ ዓመት ቀጺሉ እዩ ኣብ ሕዳር 2022 ብዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ደው ኢሉ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ሓይልታት ኣብ ግጭት ኣትዩ።

ብሰንኪ እቲ ኲናት ክሳብ 600 ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱ ዝእመን ኰይኑ፡ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም እዮም። ኣስታት 900 ሽሕ ድማ ስደተኛታት ኰይኖም ክሃድሙ ከምዝተገደዱ ይግለጽ።

ካብዞም ስደተኛታት ሓንቲ ድማ እቲ ግጭት ምስ ተጀመረ ድሕሪ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ ቤልጅየም ኣብ ዝካየድ ሻምፕዮን ዓለም 2021 ክትሳተፍ ክትብል ካብ ሃገራ ዝወጸት እየሩ እያ ነይራ።

ኣብ ክንድኡ ግን ኣብ ኒስ ፈረንሳ ዑቕባ ሓቲታ። ንኽልተ ዓመት ብሞያኣ ክትወዳደር ዘየኽእላ ውሳነ እዩ ነይሩ።

"ህይወተይ ንምድሓን ካብ ሃገረይ ክወጽእ ነይሩኒ" ትብል።

“ኣብ ውድድር ወይ ልምምድ ኣይነበርኩን፡ እምነተይ ግን ኣይጠፍአን። እቲ ሓቂ ብሓቂ ከቢድ'ኳ እንተነበረ፡ ብቐሊሉ ተስፋ ክቘርጽ ኣይደለኹን።”

ሕቶ ዕቝባኣ ምስ ጸደቐ፡ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ኣሰልጣኒ ኣምሓዳሪ ዓለም ቅድድም ብሽክለታ ዩሲዩ፡ ንእየሩ ናብ ፈረንሳዊት ክለብ ክትጽንበር ሓጊዝዋ።

"ድሕሪኡ ናብዛ ዓለምለኻዊት ጋንታ ተጸንቢረ፤ ንኦሎምፒክ ዝኸውን ናይ ስደተኛታት ስኮላርሺፕ ረኺበ" ክትብል ወሲኻ ትገልጽ።

“እሺ ምስ በልኩ፡ ናይ ብሽክለታ ሂወተይ ዳግማይ ተሓዲሱ።”

ውክልና ‘100 ሚልዮን’ ስደተኛታት

እየሩ ካብቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መላእ ዓለም ን53 ስፖርተኛታትን ደቂ ኣንስትዮን ዝድግፍ ስኮላርሺፕ ስደተኛታት ኣትለት ዓለምለኻዊ ኮሚተ ኦሎምፒክ ብዝረኸበቶ ተወሳኺ ደገፍ፡ ዳግማይ ኣብ ምዝዋር ብሽክለታ ከተተኩር ክኢላ።

ብፍላይ ድማ ሓደ ዕላማ ኣብ ውሽጣ ጸኒዑ ነይሩ።

"ኦሎምፒክ ሕልመይ እዩ ነይሩ - ኦሎምፒካዊት ክኸውን" ትብል።

“ኢትዮጵያ ኣብ ጉያ ኣዝያ ፍልጥቲ ስለዝዀነት ብዙሕ ውድድራት ኦሎምፒክ ተዓዚበ’የ። ስለዚ ውድድር ኦሎምፒክ ኵሉ ነገር እዩ ዝብል ምስሊ ኣለኒ።

“ሕጂ ድማ እዚ ሕልመይ ንኽዕወት ዝኽእለሉ ዕድል እየ ረኺበ። እዚ ተመኵሮ ክረክብ ምዃነይ ኣዝየ’የ ዘመስግን።”

ኣብ ፓሪስ ዝሳተፉ ጋንታ ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ፓሪስ ንጋንታ ኦሎምፒክ ስደተኛታት ወኪሎም ዝወዳደሩ 37 ስፖርተኛታት ኰይኖም፡ ትሽዓተ ካብኣቶም ኣፍሪቃውያን እዮም - እየሩ ድማ ሓንቲ ካብኦም።

እየሩ ሰንበት ኣብ ውድድር ጽርግያ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ትሮካዴሮ ምስ ተሰለፈት ናይ ዕድመ ምሉእ ህርፋን ክገሃድ’ዩ።

“ዓቢ ነገር’ዩ” ድማ ትብል።

“ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ልዕሊ 100 ሚልዮን ስደተኛታት ክውክል’የ። [ንዓኣቶም] ብምውካለይ ሕጕስቲን ሕብንቲን’የ።”

ንብዙሓት መነቓቕሒት ዝዀነት እየሩ፡ ሓንቲ ካብተን ተሰከምቲ ሽግ ኦሎምፒክ ኰይና ተመሪጻ እያ።

ኣብ ውድድር ክመጽእ ከሎ ግን፡ እቲ ካብ ርእሰ ከተማ ፈረንሳ ንምዕራብ ናብ ገጠራት ዝሽፍን 158 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ናይ ጽርግያ ውድድር ቀሊል ኣይክኸውንን’ዩ።

“ከቢድ ከምዝኸውን እፈልጥ’የ” ትብል።

“ኣነ ምድያብ ኣዝየ እየ ዝፈቱ፡ እዚ [መስመር] ድማ ንክላሲካዊ ተቐዳደምቲ እዩ። ኣነ ግን ዝከኣለኒ እዳሎ ኣለኹ፡ ናይ መጀመርታ ኦሎምፒክ ከስተማቕርን ዝበለጸ ውጽኢተይ ክህብን’የ ዝደሊ።

“ንውሑድ ዕላማ ክገብር ኣይደልን’የ፤ ንስደተኛታት ክውክል ዝከኣለኒ ክገብር እየ።”