ፑቲን ምስ ጉዳይ እታ ጾታዊ ክትዕ ዝፈጠረት ኣልጀርያዊት ተጓሳጢት እንታይ ኣራኸቦ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኦሎምፒክ ፓሪስ ካብ ዝኽፈት ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ሓደ ዓብይ ክትዕ ገጢምዎ’ሎ።
ጉዳይ ጾታ ኣልጀርያዊት ተጓሳጢት ኢማነ ኸሊፍ ካብ ዶናልድ ትራምፕ ክሳብ ፍልጥቲ ደራሲት ጀይ ኪንግ ሮሊንግ ንዓለም ዘዘራረበ ጉዳይ ኰይኑ ይርከብ።
ብዘይካ ዛዕባ ኣልጀርያዊት ኢማነ፡ ጉዳይ ታይዋናዊት ሊን ዩ ቲንግ እውን ይለዓል።
ንምዃኑ እዚ ክትዕ ምስ ሩስያ እንታይ ርክብ ኣለዎ? ስለምንታይ እዩ ስም ፑቲን ኣብዚ ዝለዓል ዘሎ?
ማሕበር መኸተ ጕስጢን ጽልዋ ሩስያን
ኣልጀርያዊት ኢማነ ከምኡ’ውን ታይዋናዊት ሊን ንግዚኡ መዳልያ ነሓስ ከምዝረኽባ ኣረጋጊጸን ኣለዋ። ኣብ ዝቕጽሉ ግጥማት እንተተዓዊተን ከኣ ናብ ወርቂ ወይ ብሩር መዳልያ ክበቕዓ እየን።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንኽልቲአን ኣትለታት ካብ ውድድር ሻምፕዮና ጕስጢ ዝኣገደን መን’ዩ ነይሩ? ዝብል ሕቶ ቀንዲ ነጥቢ እዩ።
ነዘን ኣትለታት ዝኣገደን ዓለምለኸ ማሕበር ጕስጢ (IBA) እዩ ነይሩ።
እቲ ዓለምለኻዊ ማሕበር ‘ንምንታይ ዝሓለፈ ዓመት ነዘን ኣትለታት ካብ ውድድር ኣጊድካየን?” ዝብል ሕቶ ምስቀረበሉ "ምርመራ ጾታ ክሓልፋ ስለዘይከኣላ" ዝብል ጥቕሉል መልሲ ሂቡ።
መርትዖ ከቕርብ ምስተሓተተ ግን ከምጽእ ኣይከኣለን።
ብሰኑይ ዕግርግር ዝመልኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃበ ዓለምለኸ ማሕበር ጕስጢ "ንዅሉ መርትዖታት ብዝርዝር ከቕርብ እየ" ዝብል ቃል ብምእታው ነቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ዓጽይዎ፤ እዚ ድማ ብዙሕ ሕቶታት ኣበጊሱ።
ዓለምለኸ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ከኣ ኣብ ዓለምለኸ ማሕበር ቦክሲን እምነት ከምዘይብሉ ገሊጹ።ካብዚ ሓሊፉ "ብፖለቲካ ዝተመልአ እዩ" ክብል ነቲ ማሕበር ነቒፍዎ።
እዚ ነቐፌታ ከኣ ምስ ዜግነት እቲ ንማሕበር ቦክሲን ዓለም ዝመርሕ ሰብ ክተሓሓዝ ጀሚሩ፤ ነቲ ማሕበር ዝመርሕ ሩስያዊ ምዃኑ እዩ።
እዚ ጥራይ ኣይኮነን። ኮሚቴ ኦሎምፒክ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ሰነ ጀሚሩ ንማሕበር ቦክሲን ዓለም ኣፍልጦኡ ከምዝኸልኦ ይግለጽ።
እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ እቲ ዓለምለኻዊ ማሕበር መኸተ ጕስጢ ዝመሓደረሉ ኣገባብ ግልጽነትን ተሓታትነትን ዘይብሉ ስለዝዀነ እዩ ክብል ይኸስስ።
ንምዃኑ መንቀሊ ናይቲ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ኣካየድቲ ስፖርት ዘሎ ክትዕ እንታይ እዩ?
ምናልባት ፖለቲካዊ ትርጕም’ዶ ይህልዎ ይኸውን?
ዓለምለኸ ማሕበር መኸተ ጕስጢ [ኢንተርናሽናል ቦክሲን ኣሶሲየሽን - IBA] መን እዩ?
ኣይ.ቢ.ኤ ኣብ 1946 [ኣ.ኣ] ተመስሪቱ። ብናይ ቀደም ስሙ ኤ.ኣይ.ቢ.ኤ (AIBA) ተባሂሉ ይጽዋዕ ነይሩ።
ንዓለማዊ ውድድር ጕስጢ ጀመርቲ ተጓሰጥቲ [ዎርልድ ኣማተር] ዘመሓድር ኣካል እዩ።ዓለማዊ ኮሚተ ኦሎምፒክ ክሳብ 2019 ኣብ ዝነበረ እዋን ንኣይ.ቢ.ኤ ምሉእ ኣፍልጦ ይህብ ነይሩ።
እሞ ደኣ ንምንታይ እዩ ካብኡ ንደሓር ኣፍልጦ ዝኸልኦ?
እቲ ቀንዲ ምኽንያት ኣይ.ቢ.ኤ ብብልሽውና ስለዝተመልአ ዝብል እዩ። ኮሚቴ ኦሎምፒክ፡ እቲ ብልሽውና እናበኣሰ እንተኸይዱ ንውድድር ቦክሲን ኣብ 2028 ካብ ኦሎምፒክ ክእግዶ ከምዝኽእል ክሳብ ምጥንቃቕ እውን በጺሑ’ሎ።
መራሕቲ ኣይ.ቢ.ኤ በዓል መን እዮም?
ኣብ 2018፡ ፕረዚደንት እቲ ማሕበር ነበር ሲኬ ዉ ከምኡ’ውን ዳይረክተር እቲ ማሕበር ነበር ሆ ኪም ካብቲ ስፖርት ናይ ዕድመ ልክዕ እገዳ ከምዝተነበረሎም ይፍለጥ።
ሽዑ ን ሲኬ ው ዝተክአ ሰብ ጋፉር ራኪሞቭ ይበሃል፤ ኣብቲ እዋን ኣመሪካ “መራሒ ጕጅለ ሸፋቱ” ክትብል ነዚ ኰኒናቶ ነይራ።
ብድሕሪኡ ኣብ 2020 ሩስያዊ ኡማር ክሬምሌቭ ፕረዚደንት ኰይኑ ተመሪጹ።
ኡማር ክሬምሌቭን ፑቲንን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ክሬምሌቭን ንቤተ መንግስቲ ሩስያ ዝቐረበ ሰብ ከምዝዀነ ይዝረብ።
ንሱ ኣብ ሓላፍነት ኣብ ዝነበረሉ እዋን እቲ ማሕበር ካብ ሩስያ ልዑል ሓገዝ ይረክብ ነይሩ።ኩባንያ ነዳዲ ሩስያ ጋዝፕሮም እውን ነቲ ማሕበር ቦክስ ብገንዘብ ይምውሎ ነይሩ።እዚ ኸኣ ንምዕራባውያን ኣየሐጐሶምን።
ኣብ ግንቦት 2022 ክሬምሌቭ ዳግማይ ነቲ ማሕበር ክመርሕ ተመሪጹ።
መወዳድርቱ ኰይኑ ዝቐረበ ሆላንዳዊ ቦሪስ ቫን ደር ነቲ ውድድር ብቝዕ ኣይኮነን’ዩ ተባሂሉ።
ድሒሩ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ቦሪስ ቫን ደር ዝተነበረ እግድ ቅኑዕ ኣይነበረን ክብል ውሳነ ኣሕሊፉ።
ብድሕሪ’ዚ ከኣ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ዓለም ጉዳይ ኣይ.ቢ.ኤ ስክፍታ ፈጢሩለይ ኣሎ ክብል ተሰሚዑ። ሽዑ ቫን ደር ብወገኑ ‘በዚ ኣካይዳ፡ ጕስጢ ካብ ኦሎምፒክ ክእገድ ይኽእል’ዩ” ክብል ተዛሪቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሻምፕዮን ቦክሲን ዓለም፣ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ህንዲ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ኣብ ኡዝቤኪስታን ተኻይዱ።
ሽዑ ዓባይ ብሪጣንያን ኣመሪካን ዝርከብአን 19 ሃገራት ኣይንሳተፍን ኢለን።
ንምንታይ ዝብል ሕቶ ምስቀረበለን ከኣ ኣይ.ቢ.ኤ ተወዳድርቲ ሩስያን ቤላሩስን ሃገሮም ወኪሎም ክወዳደሩ ምፍቃዱ ከምዘየሐጐሰን ኣፍሊጠን።
ፕረዚደንት እቲ ማሕበር ነዚ ምስ ሰምዐ ኣብ ልዕሊ በዓል ኣመሪካን እንግሊዝን ኣባጭዩ።
ነተን ኣብቲ ውድድር ኣይንሳተፍን ዝበላ ሃገራት ከኣ “ካብ ዝብእን ተኹላን ዝሓሰማ” ክብል ገሊጽወን። ንምንታይ ከምኡ ክብል ከምዝገለጸን ከረድእ ከሎ ከኣ “ንስፖርት ካብ ፖለቲካ ክፈልያ ዘይምኽኣለን” ከም ምኽንያት ኣቐሚጡ።
እዚ ክስተት ከኣ ኣብ መንጐ ዓለማዊ ኮሚተ ኦሎምፒክን ማሕበር ቦክሲን ዓለምን ስንጣቕ ፈጢሩ።
ጉዳይ ኣልጀርያዊት ቦክሰኛ
ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ሻምፕዮን ዓለም ኣልጀርያዊት ኢማነ ከሊፍ ተሳቲፋ ነይራ።
መዳልያ ወርቂ ንምውሳድ ኣንጻር ቻይናዊት መጋጥምታ ክትጻወት ድልውቲ ኣብ ዝነበረትሉ፡ እቲ ግጥም ሓደ ሰዓት ምስተረፎ ሓደ ዘይተጸበየቶ መርድእ ተነገራ።
ኣይ.ቢ.ኤ “መርመራ ጾታ ኣይሓለፍክን" ኢልዋ።
ናብቲ መዳልያ ወርቂ ንምርካብ እትጋጠመሉ ናይ ፍጻመ ውድድር ቅድሚ ምሕላፋ ግን ንታይላንዳዊት፣ ኡዝቤኪስታናዊትን ሩስያዊትን መጋጥምታ ብምስዓር እያ ሓሊፋ።
ብዛዕባ ኣብ ጾታኣ ዝተገበረ መርመራ ዘሕጕስ ውጽኢት ኣይተረኸቦን።
ቢቢሲ ነዚ ጸብጻብ ክሳብ ዘዋደደሉ እዋን ብዛዕባ መስርሕ መርመራ ጾታ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይተዓወተን። እቲ መርመራ እንታይ ከም ዘጠቓልል ዝፈልጥ የለን።
ኣሰናዳኢ ስፖርት ዳን ሮን ምስ ላዕለዋይ ሓላፊ ኣይ.ቢ.ኤ ክሪስ ሮበርትስ ቃለ መሕትት ኣካይዱ ነይሩ። ኣብ እዋን መርመራ ኢማኔ ከሊፍ፡ ‘XY’ ክሮሞዞም [መመልከቲ ጾታ] ከም ዝተረኽበ ከኣ ገሊጹ።
እዚ ማለት ግን ኢማነ ተባዕታይ እያ ማለት ኣይኰነን።
ቅድሚኡ ኣብ ኢስታንቡል መርመራ ጾታ ዝገበረት ኢማነ ካብ ውድድር ኣይተኣገደትን።
ፕረዚደንት ኣይ.ቢ.ኤ ብወገኑ እቲ መርመራ ንደረጃ ቴስቶስትሮን ተወዳደርቲ ዝዕቅን ምዃኑ እዩ ዝገልጽ። ቴስቶስትሮን ንዓቐን ጭዋዳታትን ሓይልን ናይ ምውሳኽ ዓቕሚ ዘለዎ ዓይነት ሆርሞን እዩ፤ ክሮሞዞማት ከኣ ጾታ ይውስኑ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኢማነ ልዑል መጠን ቴስቶስትሮን ከም ዘለዋ ብመርመራታት ከም ዘረጋገጹ ፕረዚደንት ኣይ.ቢ.ኤ ይዛረብ።
ብተወሳኺ ተወዳደርቲ ‘ደቂ ኣንስትዮ ኴንና ኢና ተወሊድና’ ዝብላ እንተዀይነን ብናይ ባዕለን መገዲ ምርመራ ብምግባር ከረጋግጻ ከምዝግባእ ሓቢሩ። ግን ከኣ እዚ ዘረባኡ እንታይ ማለት ከምዝዀነ ምድንጋር ዝፈጠረ እዩ ኰይኑ።
ኣይ.ቢኤ ቅምሶታት (‘ሳምፕል’) መርመራ ናብ ክልተ ላቦራቶሪታት ብምልኣኽ ከምዝተረጋገጸ እዩ ዝሕብር። እቶም ላቦራቶሪታት ድማ ብዓለምለኸ ኤጀንሲ ጸረ - ሓይሊ ወሃብቲ መድሃኒት መረጋገጺ ዝተወሃቦም ምዃኖም ገሊጹ።
ዓለማዊ ኤጀንሲ ጸረ - ሓይሊ ወሃብቲ መድሃኒት ብወገኑ ብዛዕባ’ቶም ላቦራቶሪታት ዝፈልጦ ነገር ከምዘየለ እዩ ገሊጹ። "ስራሕና ምስ ምፍላይ ጾታ ዝተሓሓዝ ኣይኰነን" ክብል መስኪሩ።
ነዚ ስዒቡ ድማ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ዓለም ብዛዕባ እቲ መርመራ ጥርጣረ ከምዘለዎ ገሊጹ።
ወሃቢ ቃል እቲ ኮሚቴ ማርክ ኣዳምስ “እንታይ ዓይነት ናይ መርመራ ፕሮቶኮል ይኽተሉ ከምዘለዉ ኣይንፈልጥን። እቲ መርመራ ቅኑዕ ድዩ ኣይኮነን ኣይንፈልጥን" ኢሉ።
ኮሚተ ኦሎምፒክ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ እውን ኢማነ ኸሊፍን ሊን "ግዳያት ብልሽውና ኣይ.ኤ" ከምዝዀና ብምግላጽ ነተን ስፖርተኛታት ተኸላኺሉ፤ ነቲ ማሕበር ከኣ ብግልጺ ኮኒኑ።
ዕጫ ኣይ.ቢ.ኤ እንታይ ክኸውን?
ኣብ ሰነ 2023 ካብ 70 ፈደረሽናት ኦሎምፒክ ዓለምና እተን 69 ኣፍልጦ ኣይ.ቢ.ኤ ክለዓል ኣድሚጸን ነይረን።
ቅድሚ እቲ ድምጺ ምሃብ ከኣ ፕረዚደንት ዓለምለኻዊ ኮሚተ ኦሎምፒክ ቶማስ ባክ “ንሕና ኣንጻር ስፖርት ቦክሲን ኣይኰናን ዘለና፤ ምስ ቦክሰኛታት ጸገም የብልናን። ጸገምና ምስቲ ማሕበር እዩ" ክብል ተሰሚዑ
ብኣንጻሩ ኣይ.ቢ.ኤ ንውሳነ ኮሚተ ኦሎምፒክ ምስቲ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝነበረ ተግባራት ጀርመን ኣመሳሲልዎ።
ሓድሽ ማሕበር ቦክሲን?
ኣይ.ቢ.ኤ ኣብዚ ቅልውላው እናሃለወ ኣብ ሚያዝያ 2023 ‘ዎርልድ ቦክሲን’ ዝበሃል ሓድሽ ማሕበር ተመስሪቱ።
እቲ ሓድሽ ማሕበር ቦክሲን ካብ ኦሎምፒክ ንኸይእገድ ከምዝሰርሕ እዩ ኣፍሊጡ።
ዓባይ ብሪጣንያ፣ ጀርመን፡ ሆላንድ፤ ኒውዚላንድ፤ ፊሊፒንስ፤ ሽወደንን ኣመሪካን ከኣ ነቲ ማሕበር ኣፍልጦ ሂበናኦ ኣለዋ።
ኣይ.ቢ.ኤም ብወገኑ ንምምስራት እዚ ሓድሽ ማሕበር ብትሪ ኰኒንዎ’ሎ።
ሕጂ ንውድድራት መኸተ ጕስጢ ዘመሓድሮ ዘሎ መን እዩ?
ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ንውድድር መኸተ ጕስጢ ዘመሓደሮ ኮሚተ ኦሎምፒክ ዓለም እዩ ነይሩ። እዚ ቅድሚ ሕጂ ተፈጺሙ ኣይፈልጥን።
እቲ ኮሚቴ ኣብ 2019 ንዅሉ ጉዳያት መርመራ ናብ ዓለምለኻዊ ኤጀንሲ መርመራ ኣመሓላሊፉዎ ነይሩ። ኮሚቴ ኦሎምፒክ ብዛዕባ ዶፒን ዝዀነ ድንጋጸ ከምዘይብሉ (ምሕረት ከምዘይህብ) ኣፍሊጡ እዩ።
እቲ ዓለምለኻዊ ኤጀንሲ መርመራ ጥዕና ክገብር ከሎ ደረጃ ቴስቶስትሮን እውን ይምርምር እዩ።
ኮሚተ ኦሎምፒክ ኣብ ለውጢ ጾታ እንታይ መርገጺ ኣለዎ?
እቲ ኮሚቴ ኣብ 2021 ሓድሽ ሕጊን መምርሒን ከምዘርቀቐ ይፍለጥ።
ጾታ ዝቐየራ (ትራንስጀንደር) ኣትለታት ኣብ ውድድራት ደቂ ኣንስትዮ ክወዳደራ ይኽእላ ድየን ወይስ ኣይክእላን? ዝብል ናይ ውሳነ ስልጣን ናብ ፈደረሽናት ነፍሲ ወከፍ ሃገር ኣሰጋጊሩ ኣሎ።
እዚ ማለት እተን ሃገራት ብዛዕባ ዝውክልወን ስፖርተኛታት ሓላፍነት ይወስዳ።
እዚ ውሳነ ዝመጸ ከኣ እታ ፈላመይቲ ‘ትራንስጀንደር’ ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ብምልዓል ክብደት ምስ ደቂ ኣንስትዮ ድሕሪ ምስታፋ እዩ።
ኮሚተ ኦሎምፒክ ጾታ ቀይርካ ምውድዳር ንተወዳዳሪ ዘይፍትሓዊ ብልጫ ይህብ እዩ ኣብ ዝብል ጉዳይ ጽኑዕ መርገጺ'ኳ እንተዘይወሰደ፡ ቅድሚ ኦሎምፒክ ፓሪስ ግን 10 ነጥቢ ዝሓዘ ሰነድ ናብተን ፈደረሽናት ሰዲዱ ነይሩ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ብዙሓት ካብ ተባዕታይ ናብ ኣንስታይ ጾታ ዝቐየሩ (ንትራንስጀንደር) ተጻወትቲ ካብ ራግቢ፣ ኣትለቲክስን ካልኦት ውድድራትን ተኣጊዶም ኣለዉ።
ይዅን እምበር፡ እቶም ሕጊታት ብዝተፈላለየ መንገዲ ስለዝትርጐሙ ትራንስጀንደር ተወዳደርቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ምስታፍ ይርከባ።
ቦክሲን ሓደ ካብኣቶም እዩ።
ካብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ሓደ ትራንስጀንደር ኣብ ቦክሲን ክሳተፍ ይኽእል ድዩ? ኣብ ዝብል ዝዀነ ምምሕያሽ ኣይተገብረን።
ኮሚተ ኦሎምፒክ ብዛዕባ ቦክሲን ዝብሎ ነገር እንተሃለወ ‘ተወዳደርቲ ፓስፖርተን ጓል ኣንስተይቲ ዝብል እንተዀይኑ’ ኣብ ውድድር ቦክሲንግ ደቂ ኣንስትዮ ክሳተፉ ከምዝኽእላ ይገልጽ።
ደንቢ እቲ ኮሚቴ ከምዚ ዝስዕብ ይንበብ።
“ዓለማዊ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ቅድመ ኵነት ዘማልአ ዝዀነ ይዅን ኣትለት ኣብ ውድድራት ክሳተፍ ይፈቅድ። ዓለማለኻዊ ፈደረሽናቶም ክሳብ ዘፍቀደሎም ይሳተፉ። ኮሚተ ኦሎምፒክ ብሰንኪ ጾታዊ መንነት ኣብ ስፖርተኛታት ኣድልዎ ኣይገብርን'ዩ" ይብል።
ኣልጀርያዊት ኢማነ ጓል ኰይና እያ ተወሊዳ። ከምኡ’ውን እያ ዓብያ። ፓስፖርታ'ውን ጾታ "ጓል ኣንስተይቲ" ምዃና እዩ ዝሕብር።
ምናልባት ደረጃ ቴስቶስትሮን ጥራይ እዩ ውዱእ ዘይኰነ።
እሞ ደኣ ኢማነ ግዳይ ፖለቲካዊ፡ ባህላውን ስነ-ሓሳባውን ምፍሕፋሕ ክልተ ሓያላት ትካላት ስፖርት ኰይና’ዶ ትኸውን?




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







