ሉክማን፡ ካብ 'ውድቀት' ናብ ኣፍሪቃዊ ኰኾብ - ዘገርም ጉዕዞ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images/EPA
"ንመንእሰያት ኣፍሪቃ ክብሎ ዝደሊ፡ ተስፋ ኣይትቑረጹ። ንቃንዛ ናብ ዓወት ቀይርዎ።" ይብል።
ኣደሞላ ሉክማን ክሳብ ኰኾብ ተጻዋታይ ኣፍሪቃ ኮይኑ ዝምረጽ ኣብ ጉዕዞ ህይወቱ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ሓሊፉ'ዩ። እዚ ናይጀርያዊ ኣብዚ እዋን ዝረኽቦ ዘሎ ዓወት ንብዙሓት መነቓቕሒ ይኸውን ኣሎ።
ገና ኣብ ዕድመ ንእስነቱ ብዝለዓለ መጠን ገንዘብ ናብ ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ዝገበሮ ጉዕዞ ዕውት ኣይነበረን።
ኣብ ብዙሓት ጋንታታት ብልቓሕ እናተዘዋወረ ክጸንሕ ተገዲዱ። ንዓወታቱ ከስተማቕር ዝጀመረሉ እዋን ግን ናብ ኢጣልያ ተጓዒዙ ኣብ 2022 ናብ ጋንታ ኣትላንታ ምስ ተጸንበረ ነይሩ።
እዚ ወዲ 27 ዓመት ተጻዋታይ "ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ናይ ኩዕሶ እግሪ ህይወተይ ኣብ ቅልውላው ኣትዩ ነይሩ። ሎሚ ድማ ከም ኰኾብ ኣፍሪቃ ሽልማተይ ክቕበል በቒዐ ኣለኹ" ክብል ኣብ ሞሮኮ - ማራካሽ ንሽልማቱ ክቕበል ከሎ ተዛሪቡ።
"ማሕለኻታት ካብ ሕልምታትኩም ክዓግቱኹም የብሎምን" ይብል።
ቢቢሲ ኣፍሪቃ ስፖርት ድሕሪ ራሺዲ የኪኒ፣ ቪክቶር ኢክፔባ፣ ኣማኑኤል ኣሙኒኪ፣ ንዋንክዎ ካኑን ቪክቶር ኦሲመንን ኰኾብ ተጻዋታይ ኣፍሪቃ ናይ ዝኾነ ሻድሻይ ናይጀርያዊ ሉክማን ጉዕዞ ህይወት ዳህሲሱ'ሎ።
ግዘ ቁልዕነት
ካብ ናይጀርያውያን ስድራ ኣብ ለንደን ተወሊዱ። ካብ ቍልዕነቱ ጀሚሩ ፍቕሪ ኩዕሶ እግሪ ነይርዎ።
"ብካልሰይ ኩዕሶ እናሰራሕኩ ኣብ ገዛይ ክጻወት ይዝከረኒ" ክብል ንቢቢሲ ስፖርት ተዛሪቡ።
ገና ኣብ ዕድመ ንእስነቱ ምስታ ኣብ ካልኣይ ሊግ ዓዲ እንግሊዝ እትጻወት ጋንታ ቻርልተን ኣትለቲክ ክፍርም በቒዑ። ኣብ 2014 ከኣ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ መዛዘሚ ፈተና ሓሊፉ።
"ኣደይ ንትምህርቲ እያ ኣተኵሮ ትህብ። ናይጀርያዊ ክትኸውን ከላኻ ድማ እቲ ኩነታት ዝያዳ ብርትዕ ይብለካ። እቲ ጽልዋ ከቢድ እዩ ነይሩ" ይብል።
ሉክማን ኣብ 2015 ምስ ዓባይ ጋንታ ቻርልተን ንፈለማ እዋኑ ተሰሊፉ ጸወታ ኣካይዱ። ኣብ ሓሙሻይ ጸወታኡ'ውን ሓንቲ ሸቶ ኣመዝጊቡ። ኣብታ ውጽኢት ንምምጻእ ትጽግም ዝነበረት ጋንታ ዘርኣዮ ብቕዓት ኣቓልቦ ዓበይቲ ክለባት ስሒቡ።
ኣብ 2017 ጋንታ ኤቨርተን ንወዲ 19 ዓመት ሉክማን ብ11 ሚልዮን ፓውንድ ኣፈሪማቶ። ኣብቲ እዋን ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ዝነበረ ሮናልድ ኮማን "ናይ መጻኢ ኮኾብ ተጻዋታይ" ክብል ይንእዶ ነይሩ።
"ካብዚ መንእሰይ ብዙሕ ኢና ንጽበ። ጽቡቕ ልምምድ እንተገይሩን እንተኣመሓይሹን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ክበጽሕ'ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ" ክብል እቲ ሆላንዳዊ ኣሰልጣኒ ገሊጹ።
ተቐይሩ ኣብ ዝኣተወሉ ቀዳማይ ጸወታኡ ድማ ሸቶ ኣመዝጊቡ። እታ ጋንታ ንማንቸስተር ሲቲ 4ብ0 ረቲዓታ። ውጽኢታውነታ ግን ነዊሕ ኣይጸንሐን።
ሓደ ካብቲ ምኽንያታት ድማ ኣብታ ጋንታ ዝካየድ ዝነበረ ምቅይያር ኣሰልጠንቲ እዩ። ኣብ ኤቨርተን ኣብ ዝጸንሓሉ ክልተ ዓመትን ፈረቓን፡ ሽዱሽተ ኣሰልጠንቲ (ግዝያዊ ኣሰልጠንቲ ሓዊሱ) ተቐይሮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓድሽ ጅማሮ
ሉክማን ንእንግሊዝ ኣብ 2017 ኣብ ዋንጫ ዓለም ትሕቲ 20 ዓመት ውጽኢታዊት ንኽትኸውን ሓጊዙዋ። ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝተዳለወ ውድድር ሰለስተ ሸቶታት ኣመዝጊቡ።
ኣብ 2018 ናብ ጋንታ ኣር.ቢ ሊፕዚግ ብልቓሕ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ምስከደ ዕዉት ግዘ ኣሕሊፉ። ኣብታ ጀርመናዊት ክለብ ብ22.5 ሚልዮን ፓውንድ ብምፍራሙ ከኣ ዝውውሩ ቀዋሚ ኮይኑ።
ኣብ ዝቐጸሉ ዓመታት ናብ ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ተመሊሱ ብልቓሕ ምስ ፉልሃምን ሌስተርን ተጻዊቱ።
ኣሰልጣኒ ሌስተር ነበር ብሬንዳን ሮጀርስ፡ ሉክማን ኣብ ልምምድ ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከምዘሎ ርእይቶ ሂቡ ነይሩ። ብቀዋምነት ክስለፍ ግን እኹል ዕድል ክረክብ ኣይከኣለን።
"ካልኦት ተጻወትቲ ምስ ከዱ ንበይኑ እናተረፈ ብኽልቲኡ እግሩ ልምምድ ይገብር" ክብል ሮድጀርስ ይገልጽ።
ንነብሱ ዘመሓየሸ ተጻዋታይ
ናይጀርያ ነዚ ተጻዋታይ ኣብ ሃገራዊ ጋንትኣ ከተእትዎ ተደጋጋሚ ፈተነታት ኣካይዳ እያ። ኣብ 2021 ከኣ ሉክማን ተሰማሚዑ።
ምስ ሃገራዊት ጋንትኡ ኣብ ዝገበሮ ካልኣይ ጸዋታ፡ ናይጀርያ ኣብ ኣውዲቅካ ምሕላፍ ብጋና ተሳዒራ ካብ ዋንጫ ዓለም 2022 ተኣልያ።
ቀጺሉ ዝተጸምበራ ጋንታ ጣልያናዊት ኣታላንታ ኮነት።
"መጀመርታ ክፈርም ከለኹ፡ ናብ ሓደ ቤት መግቢ ከይደ ድራር በሊዐ። ሓጎስ ዝፈጠረለይ ምሸት እዩ ነይሩ" ክብል ነታ መዓልቲ ይዝክራ።
ህይወት ኣብ ጣልያን ግዝኣት ሎምባርዲ ምቹእ ኰነሉ። ጋንታ ኣታላንታ ኣብ መጥቃዕቲ ዝተመርኮሰ ጸወታ ስለትመርጽ ንሉክማን ኣብ ሜዳ ብሉጽ ብቕዓቱ ንከርእይ ምቹእ ኩነታት ፈጠረሉ። ክእለቱ ከርኢ ድማ ቀጸለ።
ነታ ክለብ 97 ጸወታታት ተጻዊቱ 43 ሸቶታት ኣመዝጊቡላ። 23 ናብ ሸቶ ዝተቐየራ ኵዓሳሱ ኣቐቢሉ።
ካብተን ሸቶታት ነተን ሰለስተ ኣብቲ ጋንታ ኣታላንታ ኣብ መድረኽ ኤውሮጳ ንፈለማ ግዜ ዓወታ ዘመዝገበትሉ ጸወታ ዋንጫ ዩሮፓ ሊግ እዩ ኣቝጺርወን። ብተወሳኺ ድሕሪ 49 ዓመታት ኣብ መዛዘሚ ጸወታ ኤውሮጳ 'ሃትሪክ' ዘመዝገበ ፈላማይ ተጻዋታይ ኮይኑ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተስፋ ናይጀርያውያን
ሉክማን ሕጂ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ኮነ ጋንትኡን ስሩዕ ተጻዋታይ ኮይኑ ኣሎ። ናይጀርያ ኣብ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2023 ናብ ፍጻመ ክትሓልፍ ከላ ቁልፊ ተጻዋቲት ምዃኑ ኣመስኪሩ።
ኣብቲ ግጥም ንካሜሩን ክትስዕር ከላ ክልተ ሸቶታት ኣብ ርእሲ ምምዝጋቡ፡ ኣብ ርብዒ ፍጻመ'ውን ኣንጻር ኣንጎላ ናይ ዓወት ሸቶ ኣቝጺሩ።
ሃገራዊት ጋንትኡ ካልኣይቲ እኳ እንተወጸት፡ ሉክማን ግን ኣብታ ዝበለጸት ጋንታ ናይቲ ውድድር ክስለፍ ክኢሉ።
ወዲ ሃገራዊ ጋንትኡ ኣሌክ ኢዎቢ፡ "ፍሉይ ተውህቦ" ክብል ንሉክማን ካብ ምግላጽ ብተወሳኺ ኰኾብ ተጻዋታይ ኣፍሪቃ ክኸውን ዝግብኦ ምዃኑ ገሊጹ።
ኢዎቢ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ "ንለውጡ ንርእዮ ስለዝነበርና እቲ ዓወት ኣይገረመናን። ውጽኢታዊ'ዩ፤ ንኻልኦት ተጻወትቲ የነቓቕሕ'ዩ" ኢሉ።
ሉክማን ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ሕጹያት ባሎን ዲ ኦር ዝኣተወ እንኮ ኣፍሪቃዊ እዩ ነይሩ። መበል 14 ደረጃ ክሕዝ ከኣ ክኢሉ።
ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ብዛዕባ ዘመዝገቦ ለውጥታት ብቢቢሲ ስፖርት ኣፍሪቃ ተሓቲቱ ነይሩ።
"ለውጠይ ነቲ ዝሓስቦ ዓወት ቀዳማይ ስጉምቲ እዩ" ክብል መሊሱ።
ጋንታ ኣታላንታ ንሰሪኤ ጣልያን ትመርሕ ኣላ፤ ጽልዋ ሉክማን ድማ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







