ስዑዲ ዓረብ እተአንግዶ ዋንጫ ዓለም 2034 እንታይ ክመስል ይኸውን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ደቂ ተባዕትዮ - 2034 ኣብ ስዑዲ ክካየድ፡ ፊፋ ትማሊ ውሳነ ሂቡ ኣሎ።
ኣዳለውቲ ድማ ኣብ "ሓደ ካብ ዝበለጹ ዓይነት" ስታድዩማት ክካየድ ምዃኑ መብጽዓ ብምእታው፡ ንኹሉ ኩሉ 'ብደሓን ምጽኡ' ኢሎም ኣለዉ።
ይኹን እምበር፡ እቲ ውድድር ብሕጂ ኣብ ዝህነጹ 11 ስታድዩማት ከምኡ'ውን ኣብ ሓንቲ ብሕጂ እትህነጽ ሓዳሽ ከተማ'ዩ ክካየድ ምባሉ ኣካታዒ ይገብሮ።
ስዑድ ዓረብ ንዋንጫ ዓለም 2034 ከተአንግድ ብዘይ ዝኾነ ተቃውሞ'ያ ተሓርያ።
ፊፋ ብረቡዕ ምሸት ኣብ ዘካየዶ ምርጫ ሱዕድያ ንዋንጫ ዓለም 2034 ከተአንግድ ብኹለን ኣባላት ተሓርያ።
እዚ ውድድር ቀጠር ኣብ 2022 ንዘአንገደቶ ዋንጫ ዓለም ስዒቡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ክካየድ ንኻልኣይ ግዜኡ ክኸውን እዩ።
ስዑዲ ዓረብ ካብ 2021 ጀሚራ ኣስታት 5 ቢልዮን ፓውንድ ኣብ ስፖርት ወፍሪ ገይራ ኣላ። ኣብቲ እዋን ወራሲ ዘውዲ እታ ሃገር ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን ቁጠባ ሃገሩ ንምብልጻግ ዝተፈላለየ ስፖርታዊ ንጥፈታት ከምዝእንገድ ክገብር ጸኒሑ።
ሽም ዘለዎም ውድድራት ጉስጢን ቅድድም መኪና ፎርሙላ ዋንን ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ ስፖርታዊ ውድድራት ኣብታ ሃገር ክካየዱ ጀሚሮም።
ሕጂ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝካየድ ሊግ ኩዕሶ እግሪ ከም በዓል ክርስትያኖ ሮናልዶ፡ ካሪም ቤንዚማን ነይማርን ዝኣመሰሉ ኮኾባት ዓለም ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ ናይታ ሃገር ፈንድ ህዝባዊ ወፍሪ'ውን ንእንግሊዛዊት ጋንታ ኒውካስል ዩናይትድ ዓዲግዋ'ሎ።
ይኹን እምበር፡ እታ ሃገር ኣብ ስፖርት እትገብሮ ተራእዩ ዘይፈልጥ ወጻኢታት ተጠቒማ፡ ኣብ ልዕሊ ምጥሓስ መዝገብ ሰብኣዊ መሰላትን ጽልዋ ከባቢኣን ዘለዋ ሕማቕ ሽም'ያ ክትሽፍኖ ትጽዕር ዘላ ተባሂላ ትሕመ'ያ።
ስለዚ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝካየድ ዋንጫ ዓለም ድኣ እንታይ'ዩ ክመስል?
11 ሓደሽቲ 'ተኣምራታውያን' ስታድዮማት ክህነጹ
ፊፋ ንስዑድ ዓረብ ከም ሕጽይቲ ኣአንጋዲት ዋንጫ ዓለም 2034 ኣብ ዘቕረበሉ፡ ነቶም እታ ሃገር ክትሃንጾም ወጢናቶም ዘላ ኣዝዮም ተኣምራታውያን ስታድዮማት'ዩ ክንእድ ተሰሚዑ።
"ዓቢ ዓቕሚ ኣለዎም፡ ኣብ መጻኢ ዲዛይናትን ትሕተ ቅርጽን ስታድዩማት ዝቐርበሉ ኣገባብ ክቕይሩ ምዃኖም ዘጠራጥር ኣይኮነን" ይብል እቲ ጸብጻብ።
ብድምር ኣዳለውቲ ዋንጫ ዓለም ስዑዲ ዓረብ ኣብ ሓሙሽተ ከተማታት ኣብ ዝርከባ 15 ስታድዩማት ክካየድ ምዃኑ ይገልጹ። ንሳተን ድማ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ እታ ሃገር ክትህነጽ ተሓሲባ ዘላ ከተማ፡ ኣብ ከተማ ሪያድ፡ ጅዳ፡ ኣብሃ፡ ኣል-ኮባርን ነኦምን እየን።
ውጥን ስታድዩም ኔኦም ከም ዘመልክቶ፡ እቲ ስታድዮም ካብ መሬት 350 ሜትሮ በሪኹ'ዩ ክስራሕ። ብፍጥነት ዘለወን ሊፍትን መራሒ ሰብ ዘይብለን ተሽከርከርትን ጥራይ ዝብጻሕ ክኸውን'ዩ።
ኣታ ሓዳሽ ክትህነጽ ተወጢና ዘላ ከተማ፡ ንጎኒ 200 ሜትሮ - ንውሓታ ከኣ 170 ኪሎሜተር ኮይኑ 'ዘ ለይን' ተባሂላ እያ ትጽዋዕ።
ካብ መኪና ነጻ ዝኾነት ከተማ ኮይና'ያ ተቀሪጻ ዘላ። ኣብዛ ከተማ ንዋንጫ ዓለም ከአንግድ ዝህነጽ ስታድዮም ከኣ ኣዝዩ ፍሉይ ኮይኑ'ዩ ክስራሕ።
እቲ ቂድያ ኮስት ዝተሰመየ ስታድዩም ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝህነጽ ኮይኑ፡ ተዓዘብቲ ኣብ ስታድዮም ደገፎም ኣብ ዘስምዕሉ ዘርእይዎ ማዕበል መሰል ምንቅስቃስ [ሜክሲካን ዌቭ] ንክሰርሑ ዝሕግዝ ዲዛይን ክህልዎ'ዩ።
ኣብ ሪያድ ዝርከብ ስታድዩም ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ድማ ፍርቂ ኣካሉ ናብ ገደል ጠልጠል ዝበለ ኮይኑ'ዩ ክህነጽ።
ሸሞንተ ካብ ስታድዩማት ናይዚ ውድድር ኣብ ርእሰ ከተማ ሪያድ ክህልዋ እየን፤ ንመኽፈቲ ጸወታን መዛዘሚ ጸወታን ዘአንግድ ኣህጉራዊ ስታድዩም ንጉስ ሳልማን 92,760 ሰባት ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ክህልዎ'ዩ።
ካብተን 15 ስታድዩማት እተን ኣርባዕተ ድሮ ተሃኒጸን ዘለዋ፡ ሸሞንተ መደብ ተታሒዝለን ዘለዋ፡ እተን ሰለስተ ድማ ኣብ ህንጸት ዝርከባ ኮይነን፡ ኣብ 2027 ዋንጫ ኤስያ ክእንገደለን'ዩ።
ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኣአንጋድነት ስዑድያን ክሳነዩ ድዮም?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስዑዲ ዓረብ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፣ ምግሃስ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ፣ ግብረሰዶም ከም ገበን ምግባራ፣ ብነጻ ሓሳብካ ምግላጽ ብምድራትን ኣብ ኵናት የመን ኢዳ ብምእታውን ሰፍ ዘይብል ነቐፌታታት'ዩ ዝቐርበላ።
ዘይመንግስታዊ ትካላት ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝገለጽዎ፡ መንግስቲ ሰዒድ ዓረብ ኣብ ቀዳሞት ትሽዓተ ኣዋርሕ 2024፡ ብውሑዱ 200 ውልቀሰባት ብሞት ከምዝቀጽዐ ብምግላጽ እዚ ኣሃዝ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዑቑድ ካብ ዝተረኣየ ዝልዓለ ቁጽሪ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ኣብ 2018 ንስዑድያዊ ዝመበቖሉ ፍሉጥ ነቓፊ እቲ መንግስቲ ኣመሪካዊ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ብምቕታሉ ተሪር ዓለማዊ ኵነኔ ኣጋጢምዎ'ዩ።
ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ንስፖርት መሸፈኒ ናይቲ ዝቐርበሉ ክስታት ይገብሮ ኣሎ ብምባል'ዮም ዝካትዑ።
መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ግን፡ እቲ ኣብ ስፖርት ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ቁጠባ፡ ንቱሪዚም ዕድላት ይፈጥርነ ሰባት ዝያዳ ንጡፋት ክኾኑ የነቓቕሕን ከምዘሎ ይገልጽ።
ብመሰረት መምርሒ ፊፋ፡ ነቲ መደብ ንምእንጋድ ዝወዳደራ ሃገራት፡ ሰብኣዊ መሰላት ንምኽባር ቃል ክኣትዋ ኣለወን። ስዑድያኸ ነዚ ክትገብሮ ድያ ብሕጂ ዝርአ'ዩ ክኸውን።
ኣብ ወርሒ ሕዳር፡ ፊፋ ንስዑዲ ዓረብ ሕጽይቲ ኣእገንጋዲት ዋንጫ ዓለም 2034 ገይሩ ምስ ኣቐረባ ካብ 5 ነጥቢ 4.2 ረኺባ፤ እዚ ኸኣ ኣብ ታሪኽ ፊፋ ካብ ዝተረኣየ ዝለዓለ ድምጺ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግና ጉጅለ ተጣባቂ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ዓበይቲ ጽገናታት ሰብኣዊ መሰላት እንተዘይተኣዊጁ፡ ስዑዲ ዓረብ ከም ኣእንጋዲት ሃገር 2034 ንምምራጽ ዝግበር መስርሕ ደው ክብል ኣለዎ ኢሉ ነይሩ።
ነቲ ውድድር ኣብታ ሃገር ምእንጋድ ከቢድን ሰፊሕን ግህሰት መሰላት ከስዕብ ከምዝኽእል ከኣ ኣምነስቲ ዘለዎ ስክፍታኡ ገሊጹ።

"ማዕጾና ንኹሉ ርሑው'ዩ"
ኣልኮላዊ መስተ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዘይሕጋዊ ስለዝኾነ እዚ ቅድሚ ዋንጫ ዓለም ክቕየር እዩ ዝብል ሓሳብ የለን።
ኣልኮላዊ መስተ ክሰቲ ወይ ሒዙ ዝተረኸበ ከኣ ገንዘባዊ መቅጻዕቲ፡ ማእሰርትን ካብታ ሃገር ምስጓግን ከስዕበሉ ይኽእል።
ሓማድ ኣልባላዊ ካብ ሚኒስትሪ ስፖርት ስዑዲ ዓረብ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ንስካይ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ልዕሊ ሚእቲ ስፖርታዊ ውድድራት ኣአንጊድና፡ ብዘይ ኣልኮላዊ መስተ ሰለስተ ሚልዮን ደገፍቲ ስፖርት ተቐቢልና" ኢሉ።
"ጽቡቕ ግዜ ኣስተማቒሮም፡ ስዑዲ ዓረብ እተቕርቦ - መዘናግዒ፡ ስነ-ጥበብ፡ ሙዚቃ፡ ባህልን ቅርስታትን ርእዮም ተሓጕሶም " ክብል እውን ወሲኹ።
ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ፡ ኮመንዌልዝን ልምዓትን ዓባይ ብሪጣንያ፡ ናብታ ሃገር ዝጓዓዙ ሰባት፡ ናይቲ ከባቢ ልምድታት፡ ሕግታትን ሃይማኖትን ከኽብሩ ይምዕድ።
ተጓዓዝቲ "ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ሕጋዊ ዝኾነ ነገር ብምግባሮም ኣብታ ሃገር ዘይሕጋዊ ክኸውን ስለዝኽእል ከቢድ መቕጻዕቲ ክወርዶም ይኽእል'ዩ" ብምባል ዘለዎ ስክፍታ ገሊጹ።
ኣብታ ሃገር ውልቃዊ መለለዪ መንነት ወይ ፓስፖርት ዘይምሓዝ መቕጻዕቲ ወይ ናይ ማእሰርቲ ፍርዲ ከስዕብ ይኽእል'ዩ።
ሚኒስተር ስፖርት ስዑዲ ዓረብ ልኡል ዓብዱልዓዚዝ ቢን ቱርኪ ኣል ፋይሳል ዝሓለፈ ዓመት ምስ ኣሰናዳኢ ስፖርት ቢቢሲ ዳን ሮኣን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ እቲ ጎረቤት ሃገር ቀጠር ቅድሚ ዋንጫ ዓለም 2022 ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ሰራሕተኛታት ዝነበራ ኣተሓሕዛ ዝምልከት ዝነበረ ክትዕ "ኣብዚ ኣይክድገምን'ዩ" ኢሉ።
ብተወሳኺ ኣብቲ ኣብ 2034 ኣብ ሃገሩ ዝካየድ ዋንጫ ዓለም "ማዕጾና ንኹሉ ርሑው'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።
ስዑድ ዓረብ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ካብ ዝርከባ ሃገራት ብስፍሓት ኣብ ቅድሚት እትስራዕ ሃገር ኮይና፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሓያል ሙቐት ንምምካት ስታድዮማት ነዚ ኣብ ግምት ኣእትዮም ከምዝስርሑ ተፈሊጡ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







