ንኢትዮጵያን እንግሊዝን ሓዊሱ ነዊሕ ዓመታት ዋንጫ ዘይዓተራ 10 ሃገራት

ሃጸይ ሃይለስላሴ ዋንጫ እናሃቡ

ኢትዮጵያን እንግሊዝን ኣብ ኵዕሶ እግሪ ዋንጫ ካብ ዝዕወታ ፍርቂ ዘመን ሓሊፍወን ኣሎ። ደቡብ ኮርያን ሞሮኮን እውን ንነዊሕ ዓመታት ዋንጫ ዘይረኣያ ሃገራት እየን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ኤውሮጳ ናብ ፍጻመ ዝበጽሐት እንግሊዝ፡ ዘመናት ዘቝጸረ ጽምኢ ዋንጫኣ ከብቅዕ እኳ ትጽቢት እንተነበረ ግን ኣብ መወዳእታ ብስፔን ተሳዒራ።

እስከ ነተን ኣብ ዝዀነ እዋን ዋንጫ ኩዕሶ እግሪ ወሲደን ብድሕሪኡ ግን ነዊሕ ዝቐጸለ ድርቂ ዋንጫ ዘጋጠመን ዓሰርተ ሃገራት ንርአ።

10. ኢራን - 48 ዓመት

'ኢራናዊ ማራዶና' ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ዓሊ ዳኢ፡ ካብ 1993 ክሳብ 2006 ኣብ ዝተሳተፈሎም 148 ጸወታታት 108 ሸቶታት ከምዝግብ ክኢሉ። ምስ ሃገሩ ግን ዋንጫ ክዕወት ኣይከኣለን። ኢራን ብርትዕቲ ጋንታ ክትሃንጽ እኳ እንተኸኣለት ን48 ዓመታት ዝጸንሐት ጽምኢ ዋንጫ ግን ክተርውይ ኣይከኣለትን።

ኢራን ንመወዳእታ ግዜ ዋንጫ ዝዓተረትሉ እዋን ኣብ 1976 ነይሩ። ኣብ ዋንጫ ኤስያ ምስ ኩዌት ዝተራኸበት ኢራን ኣብ ቅድሚ ደገፍታ ዋንጫ ኣልዒላ።

ኢራን ብተኸታታሊ ኣብ ዋንጫ ዓለምን ዋንጫ ኤስያን እንተተሳተፈት’ውን ዋንጫ ካብ ዘይትረክብ ግን 48 ዓመታት ተቑጺሩ ኣሎ።

9. ቸክ ሪፓብሊክ - 48 ዓመት

ቸክ ሪፓብሊክ ኣብ 1976 ንዋንጫ እታ ኣህጉር ተዓዊታትሉ። ኣብቲ እዋን ቸኮዝሎቫክያ ትበሃል ነይራ።

እታ ማእከላይ ኤውሮጳዊት ሃገር ብስም ቸክ ሪፓብሊክ ንመጀመርታ ግዜ ብ1996 ኣብ ዋንጫ ኤውሮጳ ተሳቲፋ። እዚ ድማ ቸኮዝሎቫክያ ብሰላማዊ መገዲ ቅድሚ ምብትታና ሰለስተ ዓመት ኣቐዲሙ እዩ ነይሩ።

ቸክ ሪፓብሊክ ኣብ ዋንጫ ኤውሮጳ ክትሳተፍ ብዙሕ ዘይትጽገም እኳ እንተነበረት ዋንጫ ከተልዕላ ግን ኣይከኣለትን።

ኣብ ዋንጫ ኤውሮጳ ተወዳዳሪት ኮይና ናብ ፍጻመ ክትበጽሕ ክኢላ’ያ። ናብ ርብዕን ፍርቅን ፍጻመታት እውን በጺሓ። ግን ነቲ ኣብ 1976 ዝረኸበቶ ዓወት ክትደግሞ ኣይከኣለትን።

8. ሞሮኮ - 48 ዓመት

ሃገራዊት ጋንታ ሞሮኮ

ምንጪ ስእሊ, CAF

ሞሮኮ ቐጠር ኣብ ዘአንግደቶ ዋንጫ ዓለም፡2022 ካብተን ኣዘራረብቲ ዝነበራ ሃገራት ሓንቲ እያ። እታ ሃገራዊት ጋንታ ናብ ፍርቂ ፍጻመ በጺሓ ብፈረንሳ እንተተሰዓረት እኳ ነዚ ክብሪ ዝረኸበት ፈላመይቲ ሃገራዊት ጋንታ ኣፍሪቃ ክትኸውን በቒዓ።

ሞሮኮ ዋንጫ ኣፍሪቃ ካብ እትዕወት 48 ዓመታት ተቑጺሩ ኣሎ።

ኣብ ዋንጫ ዓለም ካብ ዝሳተፋ ሃገራውያን ጋንታታት ኣፍሪቃ እታ ብዝሓሸ ዕውትቲ ተባሂላ እትግለጽ ሞሮኮ 6 ግዜ ናብ መድረኽ ዋንጫ ዓለም በጺሓ ነይራ። ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም ካብ ምድባ ቀዳመይቲ ብምዃን ናብ ቀጻሊ ውድድር ዝሰገረት ፈላመይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር እያ።

እዛ ሃገራዊት ጋንታ፡ ኢትዮጵያ ኣብ 1976 ኣብ ዘአንገደቶ ዋንጫ ኣፍሪቃ ንመጋጥምታ ጊኒ ኣብ ስታድዩም ኣዲስ ኣበባ ብምስዓር ዋንጫ ኣፍሪቃ ምዕዋታ ይዝከር።

ሞሮኮ ድሕሪ እዚ ዓወት ኣብ ብዙሕ ውድድራት ዋንጫ ተሳቲፋ ናብ ፍጻመ’ኳ እንተበጽሐት ዋንጫ ግን ክትዓትር ኣይከኣለትን።

7. ፔሩ - 49 ዓመት

ብዛዕባ ኩዕሶ እግሪ ደቡብ ኣሜሪካ ክዝረብ ከሎ ኣስማተን ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ብራዚል፡ ኣርጀንቲናን ኮሎምብያን እየን። ብዙሓት ንታሪኽ ኩዕሶ እግሪ ፔሩ ዘይክፈልጡ ይኽእሉ።

ኣብ 1975 ንፈለማ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ግጥማት ኮፓ ኣሜሪካ ዋንጫ ዝወሰደት ፔሩ ምንባራ ይፍለጥ። ድሕሪ እዛ ዋንጫ ግን ካብ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ርሒቓ ትርከብ።

ፔሩ ናብ ፍጻመ ኮፓ ኣሜሪካ 2019 በጺሓ ነይራ። ኣብ መዛዘሚ ግጥም ግን ብራዚል ንፔሩ 3 ብ 1 ብምስዓር ዋንጫ ክትዓትር ክኢላ። ፔሩ ናብ መዛዘሚ ጸወታ ምሕላፋ ምናልባት ኩዕሶ እግሪ እታ ሃገር ትንሳኤ የርእይ ከምዘሎ ምልክት ክኸውን ከምዝኽእል ይንገር።

6. ዲሞክራስያዊት ሪ.ኮንጎ - 50 ዓመት

ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ሓንቲ ካብተን ድርቂ ዋንጫ ዘጥቀዐን ሃገራት ኣፍሪቃ እያ። ኣብ 1960ታትን 1970ታትን ሓንቲ ካብተን ሓያላት ሃገራት ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ እያ ነይራ።

ሽዑ ብኮንጎ ኪንሻሳ ብዝብል ስማ ትፍለጥ ዝነበረት ኰይና፡ ንዛምብያ ብምስዓር ኣብ 1974 ኣብ ካይሮ ንዝተዳለወ ዋንጫ ተዓዊታትሉ።

ብሰንኪ ፖለቲካዊ ህውከትን ቁጠባዊ ቅልውላውን ዝተዳኸመ ምንቅስቓስ ኩዕሶ እግሪ ዘለዋ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብ2023 ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ኣፍሪቃ 4ይ ደረጃ ሒዛ ምዝዛማ ይዝከር።

5. ሱዳን - 54 ዓመት

ኣብ ሓደ እዋን ሓንቲ ካብ ብሉጻት ሃገራውያን ጋንታታት ኣፍሪቃ ዝነበረት ሱዳን፡ ኣብ 1970 ዋንጫ ኣፍሪቃ ተዓዊታ ነይራ።

ንጋና ብምስዓር ዋንጫ ዝተዓወተት ሱዳን ሽዑ ዝረኸበቶ ዓወት ቀዳመይትን ናይ መወዳእታን ክብራ ኰይኑ ተሪፉ። ኩዕሶ እግሪ ሱዳን ልክዕ ከም ዲሞክራስያዊት ኮንጎ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ቁጠባዊ ቅልውላውን’ዩ ናብ ድሕሪት ተሪፉ።

ዋንጫ ካብ እትዕወት 54 ዓመታት ዘቝጸረት ሱዳን ኣብዚ ቀረባ እዋን ወግዓዊ ኣብ ዝተገበረ ደረጃ ፊፋ መበል 120 ደረጃ ሒዛ ኣላ።

4. እንግሊዝ - 58 ዓመት

ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ

ምንጪ ስእሊ, Hulton Archive/Getty Images

ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ዋንጫ ካብ እትዕወት 60 ዓመት ክመልአ ቀሪቡ’ሎ። ንክልተ ተኸታታሊ ግዜ ናብ መዛዘሚ ዋንጫ ኤውሮጳ ዝበጽሐት እንግሊዝ ዓወት ካብ ዝርሕቓ ነዊሕ ኣቑጺራ።

ኣብ ፍጻመ ዋንጫ ኤውሮጳ 2024 ምስ ስጳኛ ኣብ ዝገጠማሉ እዋን ምናልባት ጽምኢ ዋንጫ ክተርውይ ትኸውን እያ ዝብል ትጽቢት ናይ ብዙሓት እኳ እንተነበረ ክሰምረላ ግን ኣይከኣለን።

እንግሊዝ ንመወዳእታ ግዜ ዋንጫ ዝተዓወተትሉ እዋን 1966 ነይሩ። ኣብቲ እዋን ንምዕራብ ጀርመን 4 ብ 2 ብምስዓር ዋንጫ ዓለም ተዓዊታ።

እንግሊዝ ኣብ ዋንጫ ዓለምን ውድድራት ኤውሮጳን ናይ ምስታፍ ጸገም እኳ እንተዘይሃለዋ ሕጂ'ውን ግን ዋንጫ ክትዓትር ኣይከኣለትን።

3. እስራኤል - 60 ዓመት

እስራኤል ሓንቲ ካብተን ዋንጫ ካብ ዝዕወታ ነዊሕ ዓመታት ዘቝጸራ ኣብ ቅድሚት ዝርከባ ሰለስተ ሃገራት ዓለም እያ።

ኣብ 1964 ንህንዲ፡ ደቡብ ኮርያን ሆንግ ኮንግን ብምስዓር ዋንጫ ኤስያ ተዓዊታትሉ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኤውሮጳ ተጠርኒፋ እያ ትጻወት ዘላ።

ኣብ መጻረዪ ዋንጫ ኤውሮጳን ኔሽንስ ሊግን ትጻወት ዘላ እስራኤል፡ ሕጂ'ውን ኣብ ኩዕሶ እግሪ ነዊሕ መንገዲ ከምዝተርፈን ካብ ሞንጎ ዝዝረበለን ሃገራት'ያ።

2. ኢትዮጵያ - 62 ዓመት

ኣብ 1962 ዋንጫ ዝረኸበት ሃገራዊት ጋንታ

ምንጪ ስእሊ, CAF

ኢትዮጵያ መስራቲት ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ እያ። ነቲ ኣፍሪቃዊ መድረኽ ኩዕሶ እግሪ ዝመስረታ ሃገራት ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ግብፂን ደቡብ ኣፍሪካን ምዃነን ይፍለጥ። ኢትዮጵያዊ ይድነቃቸው ተሰማ ድማ ካብ 1972 ክሳብ 1987 ንካፍ መሪሑ።

ኢትዮጵያ መስራቲት ኣባል ካፍ እኳ እንተኾነት ዋንጫ ኣፍሪቃ ሓንሳብ ጥራይ እያ ተዓዊታትሉ።

ዋልያ ብዝብል እትፍለጥ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ 1962 ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ዋንጫ ዓቲራ። ሉቺያኖ ቫሳሎን መንግስቱ ወርቁን ኣብ ተወሳኺ ደቓይቕ ብዘመዝገብወን ሸቶታት ንግብጺ ስዒራ ፈላማይን ናይ መወዳእታን ዋንጫኣ ክትዓትር ክኢላ። ኣብቲ ግዜ ይድነቃቸው ተሰማ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ነይሩ።

ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 1957 ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን ተሳተፍቲ ምንባረን ይዝከር።

ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ዋንጫ ኣፍሪቃ ካብ ምድባ ዝሓለፈትሉ እዋን ኣብ 1968 እዩ። ኣብዚ ብኢትዮጵያ ዝተዳለወ ውድድር ከኣ ራብዓይ ደረጃ ብምሓዝ ዛዚማ።

ኢትዮጵያ ድሕሪ 31 ዓመታት ንፈለማ እዋን ኣብ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2013 ምስታፋ ይዝከር። ግን ድማ ካብ ምድባ ክትሓልፍ ኣይከኣለትን።

1. ደቡብ ኮርያ - 64 ዓመት

ተጻዋታይ እንግሊዛዊት ጋንታ ቶተንሃም ዝዀነ ሄንግ-ሚን ሶን ብሉጽ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኤስያ ተባሂሉ ሽልማታት ክወስድ ክንድኡ ዝበጽሕ ሰብ የለን። ሽዱሽተ ግዜ ኣብ ኤስያ ብሉጽ ተባሂሉ ዝተሰየመ ሶን፡ ሃገሩ ንእትደልዮ ዓወት ከብቅዓ ግን ኣይከኣለን።

ደቡብ ኮርያ ንመወዳእታ ግዜ ዋንጫ ኤስያ ዝተዓወተትሉ እዋን 1960 ነይሩ። ካብ ሽዑ ንደሓር ድማ ኣርባዕተ ግዜ ካልኣይቲ ኮይና ዛዚማ። ብዙሕ ግዜ’ውን ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ ኣላ።