ኤርትራ ካብ ውድድር ቻን ባዕላ ብምእላያ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ መጻረዪ ግጥም ተሰሪዙ

ሃገራውያን ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያን ኤርትራን: ናይ መጻርዪ ዋንጫ ቻምፕዮንሺፕ ኣፍሪቃ ግጥመን ኣብ ደቡብ ሱዳን ከም ዘካይድኦ ተፈሊጡ።

ኤርትራ ካብ መጻረዪ ውድድራት ንዋንጫ ቻምፒዮንሺፕ ኣፍሪቃ - ቻን ነገዛእ ርእሳ ብምእላያ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ቀዳማይ መጻረዪ ግጥም ከምዝተሰረዘ ካፍ ኣፍሊጡ።

ሃገራውያን ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ክልተ እግሪ መጻረዪ ግጥመን ካብ ሜዳአን ወጻኢ ኣብ ጁባ ደቡብ ሱዳን ከካይዳኦ ተወሲኑ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

እንተዀነ ኤርትራ ካብቲ ውድድር ከም ዘንሳሐበትን እቲ ጸወታ ድማ ከምዝተሰረዘን፡ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ።

ግጥማት መጻረዪ ውድድር ቻን 2025 ዝመጽእ ሰሙን ክካየድ ኣቐዲሙ ብዝወጸ መደብ መሰረት፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ግጥመን ኣብ ሳልሳይ ሃገር ክገብራ ተመዲቡ ጸኒሑ ነይሩ።

ብመሰረት ኣብ ፈለማ እዚ ወርሒ ኣብ ካይሮ ዝወጸ ምድብን ሰሌዳ ጸወታታትን፡ ቀዳማይ ዙርያ ግጥማት ካብ 25 ክሳብ 27 ጥቅምቲ፡ ከምኡ'ውን 01 ክሳብ 03 ሕዳር ክካየድ'ዩ።

ቀዳማይ ጸወታ ክልቲአን ሃገራት ድማ ኣብ ስታድዩም ኣዲስ ኣበባ፡ ካልኣይ ጸወታ ድማ ኣብ ታንዛንያ ክካየድ ትጽቢት’ኳ እንተነበረ ክልቲኡ ጸወታታት ኣብ ደቡብ ሱዳን ከምዝካየድ ድሒሩ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

ኩዕሶ እግሪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብዚ እዋንዚ ንዓለማዊ መለክዒታት ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ካፍ ዘማልእ ስታድዩማት ከምዘይብለን ይፍለጥ።

እቲ ኣብ 2009 ዝፈለመ ውድድር ነቶም ኣብ ክለባት ሃገራቶም ዝርከቡ ተጻወትቲ ማለት ኣብ ውድድራት ሊግ ውሽጢ ሃገር ንዝጻወቱ ተጻወቲ ጥራይ ዘሳትፍ ዋንጫ ቻን ኣፍሪካ ካብ 1 -28 ለካቲት 2025 ክካየድ እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

"ኣብ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ንፈለማ እዋን ዝተወሰነ ኰይኑ፡ ሓደ ካብቲ ንኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ንምምዕባል ካፍ ዘካይዶም ዘሎ ዘሕጕስ ምህዞ እዩ" ይብል እቲ ንውድድር ቻን ኣመልኪቱ ኣብ መርበብ ሓበሬታ እቲ ኮንፈደረሽን ዝወጽአ መብርሂ።

ኣብቲ ንመበል ሻሙናይ ግዚኡ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ቻምፕዮንሺፕ ሃገራት ኣፍሪቃ 2024 (CHAN) 40 ሃገራውያን ጋንታታት ክሳተፋ ምዃነን ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ይሕብር።

ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ለካቲት ዝካየድ ውድድር 19 ጋንታታት ክሓልፋ ትጽቢት ይግበር።

ነቲ ውድድር ስዒራ ዝወጸት ጋንታ ዋንጫ 'ቶታልኢነርጂ ካፍ ቻን (TotalEnergies CAF CHAN) ክትዓትርን 2 ሚልዮን ዶላር ክትሽለምን እያ።

ኣብቲ ኣብ ኣልጀርያ ዝተኻየደ ዝሓለፈ ውድድር፡ ጋንታ ሰኔጋል ነታ ኣአንጋዲት ሃገር ብምስዓር ዋንጫ ተዓዊታ ምንባራ ይዝከር።

ካፍ እዚ ናይ ሕጂ ውድድር ቻን ኣብ ሰለስተ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ከምዝካየድ ኣረጋጊጹ።

ፕረዚደንት ካፍ ፓትሪስ ሞትሰፐ፡ እቲ ውድድር ብኬንያ፡ ዩጋንዳን ታንዛንያን ከም ዝዳሎ ኣፍሊጡ።

ኤርትራ ናጽነታ ካብ እትእውጅ ንደሓር እተን ኣብ ምሕዝነታዊ ግጥም እንተዘይኰይኑ ኣብ ናይ ዓበይቲ ኣህጉራዊ ውድድር ተጻዊተን ዘይፈልጣ ኢትዮጵያን ኤርትራን ነቲ ግጥም ክዳለዋ ከምዝጸንሓ ክግለጽ ነይሩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተመዘዘ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣቶ መሳይ ተፈሪ፡ ነቶም ንዝሓረዮም ተጻወትቲ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ ከምዘሎ ተገሊጹ ነይሩ። ብወገን ኤርትራ ነዚ ዝምልከት ዝተረኽበ ሓበሬታ የለን።

ግጥም ክልቲአን ሃገራት ኣብ ስታድዩም ጁባ ክካየድ ምውሳኑ ብሰንኪ ድኹም መለክዒ ስታድዮማት ክልቲአን ሃገራት ወይ ብኻልእ ምኽንያት ዝተፈልጠ የለን።

ኤርትራ ኣብ ውድድር ቻን ካብ እትሳተፍ ሓያሎ ዓመታት ኣቝጺሩ ኣሎ፤ ኣብ ርእሲኡ እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ካልእ መጻረዪ ኣህጉራዊ ጸወታታት ምስታፍ ኣቋሪጻ ጸኒሓ እያ።

ብዛዕባ ምቍራጽ እዚ ውድድር ኣመልኪቱ ብወገን ኤርትራ ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።

በዚ ውጽኢቱ ድማ ኢትዮጵያ ብፎርፌ ብምዕዋት፡ ካብ ሱዳንን ታንዛንያን ምስ ዝሰዓረት ጋንታ ቀጻሊ ጸወታ ከተካይድ እያ።