'ብላክ ኣርሰናል'፡ ምስጢር ዘይብተኽ ምትእስሳር ኣርሰናልን ጸለምቲ ተጻወትን

ዶክተር ክላይቭ ቺጂዮከ ንዎንካ ብ28 መስከረም 2002 ምስ ኣዕሩኽቱ ንምርኻብ ናብ ሓደ ኣብ ከተማ ማንቸስተር ዝርከብ እንዳ ሻሂ ክኣቱ እንከሎ ካብ ንቡር ወጻኢ ዝዀነ ነገር ኣይተረኣየን።
ግን ከኣ ኣብ ኩዕሶ እግርን ዝጸንሐ ታሪኽን ሓደ ፍልይ ዝበለ ህሞት ዝተዓዘበሉ ኣጋጣሚ ተፈጢሩ።
ኣብታ መዓልቲ ኣርሰናል ኣብ ፕሪምየር ሊግ ናብ ሜዳ ኣትዮም ካብ ዝጻወቱ 11 ተጻወትቲ እቶም 9 ጸለምቲ ዝገበረት ፈላመይቲ ጋንታ ክትከውን ክኢላ።
ሰለስተ ካብኣቶም ማለት ቲየሪ ሄንሪ፡ ንዋንክዎ ካኑን ኮሎ ቱረን ድማ ጋነርስ ካብ ሜድኣ ወጻኢ ኣንጻር ሊድስ ዩናይትድ 4ብ1 ክትዕወት ከላ ሸቶ ኣቝጺሮም።
"ብቕዓቶም ንጽልዋ እቲ ታሪኻውን ዓሌታውን ትርጕም ዘለዎ ህሞት ኣግዚፍዎ" ክብል እቲ ሕጂ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ለንደን ፕሮፌሰር ዝዀነ ዶክተር ንወንካ ንቢቢሲ ኣፍሪቃ ተዛሪቡ።
"ተሳትፎኦም ኣብ ብቕዓቶም ዝተመርኮሰ ምዃኑ’ውን ኣርእዩ" ክብል ወሲኹ።
ዶክተር ንዎንካ፡ ኣብታ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተሓትመት መጽሓፍ ‘ብላክ ኣርሰናል’፡ እታ ጋንታ ኣብ ታሪኽ ጸለምቲ ተጻወትቲ ንዘለዋ ኣበርክቶ ዳህሲሱ'ሎ። እታ መጽሓፍ ምስ ኣርሰናል ምትእስሳር ዘለዎም ዝሃብዎ ምስክርነት ከምኡ’ውን ኣሳእል ዘጠቓለለት’ያ።
"ኣነ እንግሊዛዊ ናይጀርያዊ እየ። ጸለምትን ኣፍሪቃውያንን ተጻወትቲ ኣብ ኵዕሶ እግሪ ብሪጣንያ ክውከሉ ምርኣይ ንዓይ ዓቢ ነገር'ዩ" ይብል።
ገለ ክፋላት እታ መጽሓፍ፡ ኣርሰናል ኣብ ዋሕዚ ጸለምቲ ተጻወትቲ ፕረምየርሊግን ኣብ ስታድዩም ኤምሬትስ ዝወሰኸ ተሳትፎ ጸለምቲ ደገፍትን ንዘለዋ ኣበርክቶ ይትንትን።
"ኵሉ ግዜ፡ ጸለምቲ ምስ ኣርሰናል ብዛዕባ ዘለዎም ምትእስሳር ብዙሕ ዘይተዳህሰሰ ኣገዳሲ ጉዳይ ከምዘሎ ይስምዓኒ ነይሩ" ይብል ዶክተር ንዎንካ።
ዕቱባት ደገፍቲ እቲ ንጋንታኦም ዝገብርዎ ደገፍ ዳርጋ ኣብ ኵሉ መዳያት መዓልታዊ ህይወቶም ጽልዋ ክህልዎ ይኽእል እዩ። እዚ ተወፋይነቶም ድማ ኣብታ መጽሓፍ ሰፊሩ’ሎ።
ዶክተር ንዎንካ ወሲኹ፡ “ኣርሰናል ክብል ከለኹ፡ እታ ጋንታ ንጸለምቲ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲት ከምዝዀነት ንዘርኢ ባህሊ ማለተይ እየ” ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቨንገርን ኣፍሪቃን
ኢያን ራይት ኣብ 1990ታት ብዝነበሩ ወለዶታት ጸለምቲ ደገፍቲ ኣርሰናል በታ ሓንቲ ወርቃዊት ስኑ፡ ጽቡቕ ስብእናኡን ንሸቶታት ብዝነበሮ ጻምእን ዝልለ ኣብነታዊ ከምኡ’ውን ኣሳእሉ ኣብ ፖስተራት ብብዝሒ ዝዝርጋሕ ብሉጽ ተጻዋቲ ነይሩ።
ብዙሓት ደገፍቲ ጋነርስ ስእሉ ኣብ ገጽ መጽሓፍ ‘ብላክ ኣርሰናል’ ምህላዉ ኣይቃወሙን። ንዶክተር ንዎንካን ካልኦት ናይጀርያውያንን ግን ካልእ ትርጕም ዘለዎ ተጻዋታይ ነይሩ።
ኣብ 1996 ንኣርጀንቲና ረቲዓ ወርቂ መዳልያ ኦሎምፒክ ንዝዓተረት ሃገራዊት ጋንታ ናይጀርያ ብፍላይ ድማ ነቲ ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ኣብ ልዕሊ ብራዚል ኣብ ዝተዓወተትሉ ጸወታ ወሳኒት ሸቶ ዘመዝገበ ካኑ ይዝክሩ።
ኣብ ናይጀርያ ግዝኣት ኢሞ ዝተወልደ እዚ ኣጥቃዓይ ኣብ 1999 ካብ ኢጣልያዊት ጋንታ ኢንተር ሚላን ናብ ኣርሰናል ተጸንቢሩ።
"ናብ ኣርሰናል ምምጽኡ ንዓይን ከማይ ንዝኣመሰሉ ሰባትን ፍሉይ ኣገዳስነት ነይርዎ" ይብል ዶክተር ንዎንካ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብቲ እዋን ኣሰልጣኒ ኣርሰናል ዝነበረ ኣርሰን ቨንገር ፈረንሳውያንን ኣፍሪቃውያንን ተጻወትቲ ብምፍራም ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ካብ 1996 ክሳብ 2018 ኣብ ዝጸንሓሉ 22 ዓመታት ንኣስማት ገለ ዓበይቲ ተጻወትቲ ኣፍሪቃ ሃኒጹ።
ሽዑ ካብ ጋዜጣታት ኣብ ዝቐርበሉ ነቐፌታታት “ዝያዳ ብቑዓትን ምስ ባህሊ እንግሊዝ ዝያዳ ዝሰማምዑን ተጻወትቲ ከፈርም ኣለዎ” ዝብሉ ርእይቶታት ይስምዑ ነይሮም።
ኣብ 2003-04 ግን ኣርሰናል ዋንጫ ምስ ተዓወተት እዚ ፈረንሳዊ ኣሰልጣኒ ብቕዲ ኣሰለጣጥናኡ ዓቢ ኣኽብሮት ረኺቡ።
እታ ጋንታ፡ ንተኸላኻላይ ኣይቮሪኮስት ቱረን የማናይ ተኸላኻላይ ካሜሩን ሎረንን ምስ ናይጀርያዊ ካኑ ዝሓቘፈት እያ ነይራ።
“ጽቡቕ ዝጻወቱን ዘዘናግዑን ኣፍሪቃውያን ተጻወትቲ ምህላዎም ሓደ ነገር’ዩ፤ ዓወት ምርካብ ግን ዓቢ ለውጢ’ዩ” ክብል ዶክተር ንዎንካ ይገልጽ።
ገለ ኣፍሪቃውያን ደገፍቲ ኩዕሶ እግሪ ንቸልሲ ዝድግፉሉ ምኽንያት’ውን እዚ ቅዲ ውጽኢታውነት’ዩ። ኣብ ትሕቲ ኣሰልጣኒ ጆሴ ሞሪኖ ኰይና ልዕልና ክተርኢ ዝኸኣለትሉ ምኽንያት ከም በዓል ኣይቮርያዊ ዲድየር ድሮግባ፡ ጋናዊ ማይክል ኤሰንን ናይጀርያዊ ጆን ኦቢ ሚከልን ዝኣመሰሉ ብሉጻት ተጻወትቲ ብምሓዛ ነይሩ።
ቃልሲ ኣንጻር ዓሌታውነት
ጸለምቲ ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ዘገርም ዓወታት'ኳ እንተረኸቡ ኣብ ሜዳን ካብ ሜዳ ወጻእን ዘጋጥሞም ዓሌታውነት ግን ዓቢ ጉዳይ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።
ኣብ 2021 ሰለስተ ተጻወትቲ እንግሊዝ ማለት ቡካዮ ሳካ፡ ጃዶን ሳንቾን ማርከስ ራሽፎርድን ድሕሪ’ቲ ኣብ ዩሮ 2020 ብኢጣልያ ዝወረዶም ስዕረት ፍጹም ቅላዕ ብምስሓቶም ኣብ ኢንተርነት ከቢድ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ከምዝበጽሖም ይዝከር።
ሽዑ 11 ሰባት ተኣሲሮም፤ ኣርሰናል ድማ ንሳካን ደቂ ጋንታኡን ዝድግፍ መግለጺ ኣውጺኣ።
ይዅን እምበር፡ ሳካ ዝሓለፈ ዓመት ኣንጻር ኖቲንግሃም ፎረስት ገጢማ ኣብ ዝተሳዕረትሉ ጸወታ ሓዊሱ ዝያዳ ግህሰት ይበጽሖ ኣሎ።
ዓሌታውነት ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ኣብ ኩዕሶ እግሪ እንግሊዝ ዝበዝሐ ጸብጻብ ኣድልዎ ዝቐርበሉ ጉዳይ ኰይኑ ይቕጽል ከምዘሎ ኪክ ኢት ኣውት ዝተብሃለ ኣንጻር ኣድልዎ ዝሰርሕ ትካል ግብረ ሰናይ ዝኣከቦ መረዳእታ ይሕብር።
ካብ ውሑዳን ዓሌት ዝውለዱ ተጻወትቲ ዋላ’ውን ኣብታ ዝውክልዋ ሃገር ተወሊዶም ዝዓበዩ ይዅኑ ብዝያዳ ዒላማ ዓሌታውነት ይዀኑን ስምዒት ሃገሮም ከይህልዎም ይግበሩን ከምዘለዉ ይግለጽ።
መጻኢ ዕድል ኣርሰናል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ኣርሰናል ንኣፍሪቃዊ ዝምድናኣን ምስታ ኣህጉር ዘለዋ ምትእስሳርን ኣብ ማልያኣ ምልክት ብምግባር ኣኽቢራቶ ኣላ። እቲ ምልክት ከኣ ምስ ባንዴራ ፓን ኣፍሪቃ ዝሰማማዕ ሕብሪ እዩ።
ተወላዲ ሴራሊዮን ፎዳይ ዱምቡያ ከኣ ነቲ ማልያ ዲዛይን ገይርዎ።
ኣፍሪቃ ቆላሕታ ምርካባ ዘሐጐሶ ፎዳይ ዱምቡያ “ኩዕሶ እግሪ ኣብ ኣፍሪቃ ህይወት ከምዝዀነ” ተዛሪቡ’ሎ።
ዶክተር ንዎንካ ከም ሓደ ኣብ ለንደን ዝዓበየ ሰብ ንማልያ ኣርሰናል “ዩኒፎርም” ናይታ ከተማ ክብል ይገልጾ።
ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ’ውን ተመሳሳሊ ስምዒት ከምዝንጸባረቕ ይስምዖ።
ካብ ናይጀርያውያን ወለዲ ኣብ ለንደን ዝተወልደ ሳካ ብደገፍቲ ኣርሰናል ከም 'ኮኾብ' ይምለኽ።
እዚ ወዲ 23 ዓመት ተጻዋታይ ንጋነርስ ልዕሊ 230 ጸወታታት ዝተሰለፈ ኰይኑ፡ ኣብ ጸወታ ንዘጋጥሙ ዓሌታውነትን ግርጭት ባህልን ብምቅላስ ይፍለጥ።
ሳካ ብብዙሕ መዳይ ስግር ዓሌቱ ዝሓስብ መንእሰይ ተጻዋቲ ከምዝዀነ ዝዛረብ ዶክተር ንዎንካ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ባህልታት ናይ ምውሃድ ጸገም ከምዘይብሉ ይገልጽ።
ከምኡ ስለዝዀነ ድማ ንነብሱ ከም ኮኾብ ፕረምየርሊግን ዓለምለኻዊ ተጻዋታይን ብዕቱብ ሃኒጹ ኣሎ። ድሕረ ባይታኦም ብዘየገድስ ኣብ ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪን ደገፍትን ቀጸልቲ ወለዶ ድማ ዓቢ መነቓቕሒ ክኸውን በቒዑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







