መትከል እዮብ ዝቦኸራ ኤርትራ ኣብ ሻምፕዮን ዓለም ብ13 ተቐዳደምቲ ክትውከል’ያ

ቢንያም ግርማይ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄርን ዳዊት የማነን

ምንጪ ስእሊ, BBC/Getty images

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፡ ካብ 21 ክሳብ 29 መስከረም ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ዙሪክ ኣብ ዝካየድ መበል 91 ሻምፕዮን ዓለም ዓወት ንምምዝጋብ ድልውቲ ከምዘላ ኣሰልጣኒኣ ሳምሶም ሰለሙን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ሓጺር ቃለ መሕትት ሓቢሩ።

ብኣሰልጠንቲ ሳምሶም ሰለሙንን ሙሴ ኣስሄልን እትምራሕ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብዚ ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ዝካየድ ቻምፕዮና ዓለም ኣብ ኣርባዕተ ምድባት’ያ ክትወዳደር። ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ናይ ዓበይቲ፡ ትሕቲ 23 ዓመትን ጁንየርን ከምኡ ከኣ ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ብሓንቲ ተቐዳዳሚት ተወኪላ ኣብዚ ዓቢ ውድድር ክትሳተፍ’ያ።

እታ ጋንታ ብደረጃ ዓለም ብዘዋህለለቶ ነጥቢ ኣብ ናይ ዓበይቲ ደቂ ተባዕትዮ ብሽዱሽተ ተቐዳደምቲ ክትውከል ዘኽእል ዕድል’ኳ እንተነበራ፡ መትከል እዮብ ኣብ ድሮ ምብጋስ ብዘጋጠሞ ፈኲስ መውደቕቲ ካብቲ ውድድር ከምዝቦኸረ ሳምሶም ሰለሙን ገሊጹ።

ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ከም መሐለውታ ዝሓዘቶ ናትናኤል ብርሃነ ድማ ካብ ቱርኪ ናብ ኤርትራ ተመሊሱ፡ ናብ ኣውሮጳ ዘእትዎ ቪዛ ንኽሓትት መዓልቲ ስለዝሓጸረ ኤርትራ ኣብ ናይ ዓበይቲ ብሓሙሽተ ተቐዳደምቲ ጥራይ ከምእትወዳደር ሳምሶም ኣረጋጊጹ።

በዚ መሰረት እታ ጋንታ ኣብ ናይ ዓበይቲ ብቢንያም ግርማይ፡ ሄኖክ ምሉብርሃን፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄርን ዳዊት የማነን’ያ ክትውከል።

ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ከኣ ኤርትራ ብመንገዲ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ፡ ናሆም ዘርኣይ፡ ዓወት ኣማን፡ ያፌት ሙሉጌታን መዋእል ግርማይን ተወኪላ ክትወዳደር'ያ።

ኣብ ሻምፕዮን ኤርትራ 2024 ቀዳማይን ካልኣይን ዝወጽኡ ኤፍሬም ዘርአጋብርን መዋእል ጊላይን እቶም ንኤርትራ ኣብ ናይ ጁንየር ውድድር ዝውክሉ ክዀኑ እንከለዉ፡ እታ ኣብ ሻምፕዮን ኤርትራ ኣከታቲላ ኣብ 2023 ከምኡ ከኣ 2024 ዝተዓወተትን ኣብ ዩሲኣይ ማህደረ ትምህርቲ ትቐስም ዘላን ቅሳነት ወልደሚካኤል እታ እንኮ ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ንኤርትራ እትውክል ክትከውን እያ።

ሳምሶም ንዓበይቲ ተቐዳደምቲ ንቅሳነት ወልደሚካኤልን ሙሴ ኣስሄል ከኣ ንትሕቲ 23 ዓመትን ንጁንየር ደቂ ተባዕትዮን ኣሰልጠንቲ ኰይኖም’ዮም ናብ ስዊዘርላንድ ኣምሪሖም ዘለዉ።

ሳምሶም ኣብቲ ንቢቢሲ ዝሃቦ ሓበሬታ “እዚ ውድድር 273.9 ኪሎሜተር ንውሓት ዘለዎ ከም ምዃኑ መጠን ኣዝዩ ተጻዋርነት ዝሓትት’ዩ፤ 4470 ሜትሮ ብራኸ ዝሕኮሮ ስለዝዀነ'ውን ዝያዳ ነቶም ናይ ዓቐበት ተጻወትቲ ዘርብሕ’ዩ ክኸውን” ኢሉ።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ናይ ዓበይትን ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመትን ሓቚፋቶም ብዘላ ተቐዳደምቲ ሓንቲ ካብ ተጠመትቲ ሃገራውያን ጋንታታት ገይሩዋ'ሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ 2024 ቀዳማይ ጸሊም ናይ መድረኽ ዓመት ዘመዝገበ፡ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ሰለስተ ግዜ ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበን ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ ክኸውን ዝኸኣለን ቢንያም ግርማይ እቲ ቀንዲ ተጠማቲ እዛ ሃገራዊት ጋንታ ኮይኑ ኣብቲ 29 መስከረም ዝካየድ ውድድር ክዕወቱ ትጽቢት ካብ ዝግበረሎም ተቐዳደምቲ’ዩ።

ቢንያም ኣብዚ ሎሚ ዓመት ክሳብ ሕጂ ኣዋህሊልዎ ዘሎ ነጥቢ ኣብ ታሽዓይ ደረጃ ተሰሪዑ ዘሎ ተቐዳዳማይ ኰይኑ፡ ነዚ ውድድር ድሕሪ ታደይ ፖጋቻ፡ ሬምኮ ኢቬነፖል፡ ማርክ ሂርች፡ ፕሪሞ ሮክሎክን ማትዮ ጆርጎንሰንን ክዕወትሉ ካብ ዝኽእሉ ተባሂሉ ኣብ ሻዱሻይ ደረጃ ተሰሪዑ ይርከብ።

ኣባል ካዛኪስታናዊት ጋንታ ኣስታና ካዛኪስታን ሄኖክ ምሉብርሃን ኣብ 2024 ኣብ 67 ናይ ውድድር መዓልታት ተሳቲፉ 9834 ኪሎሜተር ብምዝዋር 366 ነጥቢ ኣዋህሊሉ ዘሎ ተቐዳዳማይ’ዩ። ሄኖክ ኣብ ቻይና ዙር ኵንሃይ ሌክ ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ኣምበሳ ዓቐበት ካልኣይ ኣብ ብጫ ማልያ ከኣ ራብዓይ ከምዝወጽአ ይዝከር።

ኣባል ሊድል ትረክ፡ ሻምፕዮን ኤርትራ 2024 ዝዀነ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ሎሚ ዓመት ኣብ 37 ናይ ውድድር መዓልታት ተጸሚዱ 5434 ኪሎሜተር ብምዝዋር 433 ነጥቢ ከዋህልል ክኢሉ ኣ። ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ መፋርቕ ጥሪ ናይዚ ዓመት ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝተኻየደ ዳውን ኣንደር ክላሲክ ካልኣይ ከምኡ ከኣ ኣብ መወዳእታ ጥሪ ኣብ ኣውስትራልየ ዝተኻፈለ ካደል ኢቫንስ ግረይት ኦሽያን ካልኣይ ዝወጽኣሉ ካብቲ ቀንዲ ክጥቀስ ዝከኣል ዓወታት ናትናኤል ተስፋጽዮን’ዩ።

ኣባል ጋንታ ሊድል ትረክ ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር፡ ኣባላት ጋንትኡ ንኽዕወቱ መጥቃዕቲ ኣብ ምፍጻምን ኣብ ምምካንን ብዘርእዮ ብቕዓት ወትሩ ብወሃብቲ ርእይቶ ምስ ተወደሰ’ዩ።

ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር ሎሚ ዓመት ኣብ 59 ናይ ውድድር መዓልታት 9,083 ኪሎሜተር ብምዝዋር 71 ነጥቢ ኣዋህሊሉ ዘሎ ምኵር ተቐዳዳማይ’ዩ።

ኣባል ጋንታ ባይክ አይድ ዳዊት የማነ ኣብዛ ገና ዘይዛዘምናያ ወርሒ መስከረም ኣብ ቻይና ኣብ ዝተኻየደ ዙር ፖያንግ ሌክ ኣብ ዓሰራይን ናይ መወዳእታን መድረኽ ቀዳማይ ብምውጻእ ማልያ ኣንበሳ ዓቐበት እቲ ውድድር ክውንን ዝኸኣለ’ዩ። ኣብ ጀርመን ኣብ ዝተኻየደ ቱር ዶችለንድ’ውን ኣብ ማልያ ኣንበሳ ዓቐበት ካልኣይ ኮይኑ ምዝዛሙ ይዝከር።

ኣብ ሚያዝያ’ውን ኣብ ቱርኪ ኣብ ዝእንገድ ቱር መረሲን ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ኣንበሳ ዓቐበት ካልኣይ ኣብ ብጫ ማልያ ከኣ ሳልሳይ ኮይኑ ዘዚሙ ነይሩ።

ዳዊት ኣብዚ ዓመት ን58 መዓልታት ኣብ ውድድር ተጸሚዱ 6,715 ኪሎሜተር ብምዝዋር 182 ነጥቢ ከዋህልል ክኢሉ’ዩ።

ሓደ ካብቶም ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ብዙሕ ውድድራት ካብ ዝወከሉ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ መትከል እዮብ’ውን ኣብ ዙር ባንየዋንጊ ኣብ ብጫ ማልያን ኣብ ማልያ ኣንበሳ ዓቐበትን ካልኣይ ኰይኑ ዛዚሙ’ዩ።

ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ዘለዉ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ እንተርኢና’ውን ቀሊል ዘይብሃል ተመኵሮ ዘለዎምን ኵሎም ኣብ ናይ ደገ ውድድር ተመኵሮ ዝቐሰሙን’ዮም።