ቻምፕዮን ኤርትራ 2023፡ ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄር ዕዉት ናይ ግዜ ውድድር ኮይኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሎሚ ኣብ ዝተኻደ ቻምፕዮን ኤርትራ 2023 ናይ ግዜ ናይ ውልቂ ውድድር፡ ተቐዳዳማይ ኣሜሪካዊት ጋንታ ትረክ ሰጋፍረዶ ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄር ተዓዋቲ ወርቂ መዳልያ ኮይኑ።
ኣማኑኤል፡ ኣብ 2019 ኣብ ናይ ግዜ ናይ ውልቂ ውድድር ተዓዋቲ ወርቂ መዳልያ፡ ኣብ 2014 ከኣ ቻምፕዮን ኤርትራ ኮይኑ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።
ኣብዚ ሎሚ ዝተኻየደ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ኣማኑኤል ነቲ ዝተሰለዐ ርሕቐት ብ40 ደቂቕ 4 ካልኢትን ብምዝዛም’ዩ ቀዳማይ ክኸውን ክኢሉ።
ዓሚ ንቢንያም ግርማይ ተኸቲሉ ካልኣይ ዝወጽአ ኣባል ጋንታ ኢኤፍ ኢዲከሽን ኢዚፖስት መርሃዊ ቅዱስ ሎሚ’ውን ደጊሙ ካልኣይ ብምውጻእ ነታ ዓሚ ዝተሸለማ ብሩር መዳልያ ደጊሙዋ'ሎ።
መርሃዊ፡ ንውድድሩ ብ44 ደቒቕን 16 ካልኢትን’ዩ ዛዚምዎ።
ንመርሃዊ ተኸቲሉ ኣባል ጋንታ ኢንተርማርሽ ሰርከስ ቮንቲ ኣኽሊሉ ኣረፋይነ ነቲ ውድድር ብ44 ደቒቕን 43 ካልኢትን ብምዝዛም ሳልሳይ ክወጽእ እንከሎ፡ ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ግን ቀዳማይ ብምውጻእ ተሸላሚ ወርቂ መዳልያ ኮይኑ።
ቻምፕዮን ኣፍሪቃን ተዓዋቲ ዙር ርዋንዳ 2023 ዝኾነ ሄኖክ ሙሉብርሃን ከኣ ራብዓይ ብምዃን ውድድሩ ከምዝዛዘመ ዝብጽሓና ሓበሬታ የመልክት።
ኣብ ናይ ደቂ ኣንሰትዮ ተቐዳዳሚት ክለብ ደንደን ኣድያም ዳዊት ኣብ ናይ ኢልትን ትሕቲ 23 ዓመትን ተሸላሚት ወርቂ መዳልያ ብምዃን ክልተ ግዜ ናብ ፖድዮም ደይባ።
ካብ ጅንየር ደቂ ተባዕትዮ ሳሙኤል ሓየሎም፡ ሮቤል ዳዊትን ኤስሮም ተስፋይን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ወጺኦም።
ኣብ ጁንየር ደቂ ኣንስትዮ ሚዛን ሃብተስላሰ፡ ራሄል ዘርእሰናይን ኣድያም ኢሳቕን ተኸታቲለን ተሸለምቲ ወርቂ፡ ብሩርን ነሓስን መዳልያታት ኮይነን።
ቅድሚ ሕጂ ኣብ ናይ ግዜ ውድድር ዝተዓወቱ
- 2022፡ ቢንያም ግርማይ
- 2021፡ መርሃዊ ቅዱስ
- 2020፡ ብምኽንያት ኮቪድ ኣይተኻየደን
- 2019፡ ኣምንኤል ተኽለሃይማኖት
- 2018፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት
- 2017፡ መኽሰብ ደበሳይ
- 2016፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት
- 2015፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት
- 2014፡ ናትናኤል ብርሃነ
- 2013፡ መትከል ክፍላይ
- 2012፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት
- 2011፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት
ሰንበት ኣብ ዝካየድ ናይ ጽርግያ ውድድርከ መን ቻምፕዮን እዚ ዓመት ይኸውን?

ምንጪ ስእሊ, Yemane Gebremeskel
ሰንበት 25 ሰነ እቶም ኣብ ምዕዛብ ቅድድም ብሽክለታ ኣዝዮም ዕሉላት ዝኾኑ ኤርትራውያን፡ ንጎዶናታት ኣስመራ መሊኦሞ ክውዕሉ’ዮም።
ኣብታ ዕለት ከኣ እቲ ንዓመት ምሉእ ብባንዴራ ሃገሩ ዝወቀበት ማልያ ለቢሱ ዝወዳደር ተቀዳዳማይ ክፍለጥ’ዩ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ቻምፕዮን ኤርትራ፡ እቶም ኣብ ኣውሮጳዊ ውድድራት ዝቀዳደሙ ፕሮፈሽናላት፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ምስ ክለባት ተጠርኒፎም ዝወዳደሩን ብውልቂ ዝሳተፉን፡ ከምኡ'ውን ካብ ዞባታት ዝምጽኡን ተቐዳደምቲ ክሳተፉ’ዮም።
እቲ ካብ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ዓለምለኻዊ ውድድራት ዝበረኸ ዓወታት ዘመዝገበ ቢንያም ግርማይ ግን ነቲ ካብ 1 ሓምለ ክሳብ 23 ሓምለ ዝካየድ ቱር ዲ ፍራንስ ንምድላው ኣብ ቻምፕዮን ኤርትራ 2023 ከምዘይወዳደር ብወግዒ ተፈሊጡ ኣሎ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር እቲ ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ቀዳማይ ዝወጽአን ኣብ ጂሮ ዲ ኢታሊ ኣብ ጽቡቕ ቁሞና ከምዘሎ ዘርኣየ ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄርዶ ይዕወተሉ ይኸውን?
ዶ ዋላስ እቲ ዓሚ ንልዕሊ 100 ኪሎሜተር ምስ ናትናኤል ተስፋጽዮን በይኖም ኣብ ቅድሚት ውዒሎም ቻምፕዮን ኤርትራ ክኸውን ዝኸኣለ መርሃዊ ቅዱስ?
ዓምን ሎሚ ዓመትን ቸምፕዮን ኣፍሪቃ ክኸውን ዝኸኣለ፡ ኣብ ዙር ርዋንዳ 2023 ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ዝኾነን ኣብ ግራንድ ቱር ንመጀመርትኡ ግዜ ተወዳዲሩ ኣብ ሓደ መድረኽ ጽቡቕ ጸወታ ዘርኣየ ተጻዋታይ ተባሂሉ ብተዓዘብቲ ተመሪጹ ዝተሸለመ ሄኖክ ሙሉብርሃን’ውን ንመጀመርታ ግዜ ቻምፕዮን ኤርትራ ንምዃን ስኑ ክነክስ’ዩ።
ዓሚ ምስ መርሃዊ ቅዱስ ሃዲሙ ብምውዓል ‘ብፌር ፕለይ’ ንመርሃዊ ቅዱስ ኣቐዲሙ ካልኣይ ዝኾነ ናትናኤል ተስፋጽዮን’ውን በታ ዓሚ ዝረኸባ ብሩር መዳልያ ዝዓግብ ኣይኮነን።
መን ይፈልጥ እቲ ኣብ 2008፡ 2012፡ ከምኡ ከኣ 2016 ቻምፕዮን ኤርትራ ዝኾነን ሓሙሽተ ግዜ ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ቻምፕዮን ኤርትራ ብምዃን ክብረ ወሰን ሒዙ ዘሎ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት’ውን ውህሉል ተሞክርኡ ሓጊዝዎ ናይ ዓወት ናፍቖቱ የርዊ ይኸውን።
እቲ ውድድር ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ተጀሚሩ ፡ ብከረን ሆቴል ሓሊፉ ናብ ፎርቶ ብምድያብ፡ ብቤት ትምህርቲ ቀይሕ ባሕሪ ናብ ሽዳ ብምውራድ ናብ ሲቲ ፖርክ በጺሑ ናብ ሲነማ ሮማ ብምምላስ ናብ ኢንሹራንስ ደይቡ፡ ኣብ ባር ቶሪኖ ተጠውዩ ናብ ጎዶና ሓርነት ብምሕዋስ፡ ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም’ዩ ክዛዘም። ተቐዳደምቲ ብሓፈሻ 16 ዙርያ (ጅሮ) ክገብሩ’ዮም።
ቅደሚ ቅሩብ መዓልታት ዝተኻየደ ማራቶን ኣስመራ ኣብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም’ዩ ተዛዙሙ፡ ኣብቲ ውድድር ከኣ ዝኾነ ትጽቢት ዘይተገበረሉ ውልዶ ተቐዳዳማይ ናሆም ኤርሚያስ ንስሙያት ኦሎምፕካውያን ተቐዳደምቲ ብምስዓር ቀዳማይ ክወጽእ ክኢሉ’ዩ።
ስለዚ መን ይፈልጥ ጽባሕ ሰንበት’ውን ሜዳ ባሕቲ መስከረም ተመሳሳሊ ክስተት ተአንግድ ትኸውን።
ቅድሚ ሕጂ ቻምፕዮን ኤርትራ ዝኾኑ
- 2022፡ መርሃዊ ቅዱስ
- 2021፡ ዳዊት የማነ
- 2020፡ ብምኽንያት ኮቪድ ኣይተኻየደን
- 2019፡ ናትናኤል ብርሃነ
- 2018፡ መርሃዊ ቅዱስ
- 2017፡ ሜሮን ኣብርሃም
- 2016፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት
- 2015፡ ናትናኤል ብርሃነ
- 2014፡ ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር
- 2013፡ ሜሮን ተሾመ
- 2012፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት
- 2011፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







