ኣብ ጂሮ ዲ ኢታሊ ዓቕሙ ዘርኣየ ሄኖክ ምሉእብርሃን እንታይ ይብል?

ሄኖክ ሙሉብርሃን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንመበል 106 ግዚኡ ዝተኻየደን ሰለስተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዝተሳተፍሉን ጂሮ ዲኢታሊ፡ ብ 6 ግንቦት ኣብ ፎሳስንያ ጀሚሩ 28 ግንቦት’ዩ ኣብ ሮማ ተዛዚሙ።

እዚ ሰለስተ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ብሓፈሻ ከኣ 21 መድረኻት ዝነበሮ ግራንድ ቱር፡ ተቐዳደማይ ጋንታ ጃምቦ ቪዝማ ስሎቮንያዊ ፕሪሞዝ ሮግሊክ ክዕወተሉ እንከሎ፡ እዚ ዓወት’ዚ ንፕሪሞ መበል ራብዓይ ናይ ግራንድ ቱር ዓወቱ’ዩ ነይሩ።

ኣብ 2019፡ 2020 ከምኡ ከኣ 2021 ንቮልታ ስጳኛ ዝተዓወተሉ ፕሪሞዝ ሮግሊክ ንጂሮ ዲኢታሊ ዝተዓወተሉ ቀዳማይ ስሎቨንያዊ ክኸውን ክኢሉ’ዩ።

ኣብዚ ውድድር ክሳብ ድሮ ምጅማር እቲ ጸወታ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ክሳተፉ ምዃኖም’ዩ ተሓቢሩ ነይሩ።

እንተዀነ ተቐዳዳማይ ኣሜሪካዊት ጋንታ ኢኤፍ ኤጁከሽን ቻምፕዮን ኤርትራ 2022 መርሃዊ ቅዱስ ኣብ ውዱእ ሰዓት ጋንታኡ ናብ ካልእ ውድድር ሓጽያ ካብ ዝርዝር ተቐዳደምቲ ስለዝኣለየቶ ሰለስተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ጥራይ’ዮም ኣብቲ ናይ ኢጣልያ ውድድር ተሳቲፎም።

ኣምንኤል ገብረእግዝኣብሄርን ሄኖክ ሙሉብርሃንን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄርን ሄኖክ ምሉእብርሃንን

ተቐዳዳማይ ኢጣልያዊት ጋንታ ግሪን ፕሮጀክት ባርድያኒ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2022፡ 2023 ከምኡ ከኣ ተዓዋቲ ዙር ሩዋንዳ 2023 ሄኖክ ምሉእብርሃን ምስ ኣሜሪካዊት ጋንታ ትሬክ ሰጋፍረዶ ዝወዳደሩ ምኩራት ተቐዳደምቲ ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄርን ናትናኤል ተስፋጽዮንን።

ኣብ ቮልታ ስጳኛ ኣብ 2018 ከምኡ ከኣ 2019፡ ኣብ ጂሮ ዲ ኢታሊ ኣብ 2019፡ 2020 ከምኡ’ውን 2021 ዝተወዳደረ ተቐዳደማይ ጋንታ ትሬክ ሰጋፍሬዶ ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄር’ውን ምስዚ ሎሚ ዓመት ዘካየዶ፡ ኣብ ጂሮ ዲ ኢታሊ መበል ራብዓይ ኣብ ግራንድ ቱር ከኣ መበል ሻድሻይ’ዩ ነይሩ።

ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄር ኣብ ሓሙሻይ መድረኽ ብዘርኣዩ ጽቡቕ ጸወታ ብድምጺ ህዝቢ ዝበለጸ ተቐዳዳማይ ናይታ መድረኽ ዝብል ሽልማት ክቕበል ክኢሉ’ዩ።

እንተዀነ ኣማኑኤል ኣብ መበል 14 መድረኽ ብዘጋጠሞ መውደቕቲ፡ ቃንዛኡ ስለዝበርተዖ ኣብ መበል 16 መድረኽ ጸወታ ክቕጽል ኣይክኣለን።

ወዲ ጋንታኡ ንኣማኑኤል ዕዉት ዙር ሩዋንዳ 2020 ከምኡ ከኣ 2022 ናትናኤል ተስፋጽዮን’ውን ክሳብ ዓስራይ መድረኽ ድሕሪ ምውድዳር ምልክት ሰዓል ስለዝተረኣዮ ኣብ 11 መስረኽ ውድድሩ ክጅምር ኣይክኣለን።

ናትናኤል ተስፋጽዮን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ናትናኤል ተስፋጽዮን

ንዓመተ 2023 ኣብ ጋና ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ብምዃንን ንዙር ሩዋንዳ ኣብ ክልተ መድረኻት ቀዳማይ ብምውጻእ ወናኒ ብጫ ማልያን ዝዀነ ሄኖክ ምሉእብርሃን ኣብ ግራንድ ቱር ክሳተፍ ናይ መጀመርታኡ’ዩ ነይሩ።

ኣብ ትሕቲ 23 ዓመት መበል 28 ኣብ ናይ ዓቐበት መበል 54 ኣብ ናይ ነጥቢ መበል 74 ኣብ ሮዛ ማልያ ከኣ መበል 87 ኰይኑ ዝዛዘመ ሄኖክ ኣብዚ በዅሪ ውድድር ግራንድ ቱር ዓቢ ተመክሮ ከምዝቐሰመ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕተት ገሊጹ።

ሄኖክ፡ “እቲ ጸወታ ምስቲ ዝነበረ ኵነታት ኣየር ኣብ ግምት ብምእታው ኣዝዩ በዳሂ’ዩ ነይሩ ግን ከኣ ኣዝዩ ብዙሕ ነገር ቀሲመሉ’የ” ኢሉ።

ሄኖክ፡ “ኮርሶ ኣብ ተለቪዥን ክትርእዮን ብግበሪ ክትዝውርን ኣዝዩ ፍልልይ እዩ ዘለዎ፤ ኣዝዩ ከቢድ’ዩ። ኣነ ቅድሚ ሕጂ ልዕሊ 10 መድረኻት ዘለዎ ውድድር ኣካይደ ኣይፈልጥን’የ፡ እዚ ግን 21 መድረኻት ዘለዎን፡ እተን ዝበለጻ ጋንታታት ዓለምና ነቶም ዝበለጹ ተጻወትተን ሒዘን ዝመጽኣሉ ውድድር’ዩ፤ ስለዚ ንዓይ ዓቢ ተመኵሮን መቐይሮን’ዩ” ኢሉ።

ሄኖክ ምሉእብርሃን ኣብታ 218 ኪሎሜተር ንውሓት ዝነበራ ሻውዓይቲ መድረኽ፡ ራብዓይ ርእሱ ካብ ዓባይ ጕጅለ ሃዲሙ ን132 ኪሎሜተር ብምዝዋር ኣቓልቦ ብዙሓት ክስሕብ ክኢሉ’ዩ።

ኣብታ መድረኽ ብዘርኣዩ ብሉጽ ብቕዓት’ውን ብድምጺ ህዝቢ ናይታ መድረኽ ዝበለጸ ጸወታ ዘርኣየ ተባሂሉ ክሽለም ክኢሉ።

እቶም ምስኡ ሃዲሞም ዝነበሩ ሰለስተ ተጻወተቲ ዓባይ ጕጅለ ከየርከበቶም ናብ መወዳእታ ሕንጸጽ ስለዝበጽሑ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ኰይኖም’ዮም ውድድሮም ዛዚሞም።

ኣብ ሻውኣይ መድረኽ ራብዓይ ርእሱ ሃዱሙ ዝውዓለ ሄኖክ ሙሉብርሃን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

“እወ ኣብዛ ሻውዓይቲ መድረኽ ኣነ ራብዓይ ርእሰይ ንዓባይ ጕጅለ ልዕሊ 10 ደቒቕ ኣንጺፍናላ ነይርና፡ እንተዀነ ኣነ ምስቲ ዝነበረ ዛሕልን ማይን፡ ቁሪ ስለዝኣተወኒ ምስቶም ሰለስተ ክቕጽል ኣይክኣልኩን፡ ዓባይ ጕጅለ ኣርኪባትኒ ሰለስቲኦም ግን ብዘለውዋ ወዲኦማ፡ ምስኦም እንተዝውድእ ነይረ ምተዓወትኩ ወይ ጽቡቕ ውጽኢት መምጻእኩ ነይረ” ብምባል ነታ መድረኽ ይዝክራ።

ሄኖክ ኣተሓሒዙ፡ “እታ ቀዳማይቲ ሰሙን ናይቲ ውድድር ሓሚመ ስለዝነበርኩ እቲ ጸወታ ከቢድኒ ነይሩ’ዩ” ድሕሪ ምባል “ብሓፈሻ ግን በዚ ዘካየድክዎ ጸወታን ጸወታይ ብሰላም ብምዝዛመይን ኣዝየ ዕጉብ’የ” ኢሉ።

ሄኖክ ምሉእብርሃን ኣብ መበል 14 መድረኽ’ውን ምስ መራሒት ጕጅለ ብምህዳም ን180 ኪሎሜተር ምስ መራሒት ጕጅለ ብምውዓል፡ መበል 26 ኰይኑ ውድድሩ ክዛዝም ክኢሉ’ዩ፤ እዛ ውጽኢት እዚኣ ከኣ ኣብ ጂሮ ዲ ኢታሊ እታ ዝበለጸት ውጺኢቱ ኰይና ተመዝጊባ ኣላ።

ሄኖክ ምሉእብርሃን ኣብዛ ገና ፍርቂ ዘይተለዓላ ዓመተ 2023 ኣብ ላትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ [ዙር ጋቦን]፡ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ፡ ዙር ሩዋንዳ፡ ትረፍዮ ላይጉግልያ፡ ሚላኖ ሳንሬሞ፡ ሳቲማና ኢንተርናሽናል ኮፒ ኢ ባርታሊ፡ ጂፒ ኢንዳስትሪያል ኣርቲግያናቶ፡ ቱር ኣልፐስ፡ ኢችቦርን ፍራንክፈርትን ጂሮ ዲ ኢታልን ብሓፈሻ 52 መዓልታት ውድድር ብምክያድ 7770 ኪሎሜተር ዘዊሩ ኣብ ዩሲኣይ 506.75 ነጥቢ ኣመዝጊቡ ኣሎ።

ንዕድመኡ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ውሐዳት ኣዋርሕ ክንድዚ ውድድር ኣይከብድንዶ ንዝብል ሕቶ፣ “እወ ኣዝዩ ከቢድ’ዩ ሕጂ ንሓደ ወርሒ ናብ ኣስመራ ብምኻድ ከዕርፍ’የ” ብምባል ይምልስ።

ኣብ ጂሪ ዲ ኢታሊ 2023፡ ነፍሲ ወከፈን 8 ተጻወትቲ ዝሓቘፋ 22 ጋንታታት፡ ብሓፈሻ 176 ተቐዳደምቲ ውድድር ክጅምሩ እንከለዉ ነቲ ውድድር ዝወድእዎ ግን 125 ተጻወትቲ ጥራይ'ዮም።

ሄኖክ ምሉእብርሃን ካብ ጋንታ ግሪን ፕሮጀክት ወጺኡ ናብ ካልእ ጋንታ ክኸይድ’ዩ ዝብል ዘረባታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክስማዕ ጸኒሑ’ዩ፤ ነዚ ኣመልኪትና ኣብ ዝሓተትናሉ፡ “ክሳብ ሕጂ ዝተወደአ ነገር የለን ግን ኣብ ምዝርራብ’የ ዘለኹ” ዝብል መልሲ ሂቡ።