ማራቶን ኣስመራ 2023፡ 'ኣብ ንኡስ ዕድመኻ'ውን ታሪኽ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ'

ዕውት ማራቶን ኣስመራ ኣትሌት ናሆም ኤርምያስ

ምንጪ ስእሊ, @tesfaldetsport

ካብ 2017 ጀሚሩ ዓመት ዓመት ዝካየድ ዝነበረ ውድድር ማራቶን ኣስመራ፡ ብሰንኪ ኮቪድ 19 ተቋሪጹ ድሕሪ ምጽናሕ ዝሓለፈ ሰንበት ምክያዱ ተገሊጹ እዩ።

ኣብቲ መድረኽ፡ ሓባራዊ ጉያ (mass sport)፡ ናይ ኣካለ ስንኩላን (ፓራ ኣትለቲክስ) ናይ ደቂ ኣንስትዮ [10 ኪሜ] ከምኡ’ውን እቲ ማራቶን ደቂ ተባዕትዮ ተኻዪዱ።

ካብ ሓሙሽተ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝመጽኡ ኣትለታት፡ ዝተሳተፍሉ እቲ ውድድር ካብ ዩጋንዳ፡ ታንዛንያ፡ ኬንያን፡ ደቡብ ሱዳንን ሓደ-ሓደ ኣትሌት ካብ ኢትዮጵያ ከኣ ክልተ ኣትለት ክሳተፉ ምዃኖም ፕረዚደንት ፈደረሽን ኣትለቲክስ ኤርትራ ኣቶ ኤፍሬም ተኸስተ ምስ መርበብ ሻባይት ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ገሊጹ።

ኣብቲ ውድድር ደቂ ተባዕትዮ፡ ብዙሕ ትጽቢት ዘይተገበረሉ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ውድድር ማራቶን ዝተሳተፈ ናሆም ኤርምያስ ቀዳማይ ብምውጽኡ ተዓዋቲ ሽዱሽተ ሽሕ ዶላር ኰይኑ።

ናሆም ኣብቲ ስሙያት ተቐዳደምቲ ዝተሳተፍሉ ውድድር፡ ንምኵራት ተቐዳደምቲ ኢትዮጵያዊ በዛብህ ኣስማረ፡ ኤርትራዊ ዮሃንስ ገብረገርግሽን ኡጋንዳዊ ኣትሌት በን ቸሊሞ ብምብላጽ’ዩ ነዚ ዓወት ከመዝግብ ክኢሉ።

ንውድድሩ ብ2 ሰዓት 14 ደቂቕን 21 ካልኢትን ዝዛመ ናሆም ተሸላሚ 6,000 ዶላር ኰይኑ።

ካልኣይ ኰይኑ ዝተዓወተ ዩጋንዳዊ በን ቸሊሞ 4,000 ዶላር ክሽለም እንከሎ፡ ሳልሳይ ዝወጽአ ኤርትራዊ ክብሮም ዑቕባእግዚኣብሄር 3,000 ዶላር ተሸሊሙ።

ናሆም ኤርምያስ፡ ንዓወቱ ኣመልኪቱ ምስ ቢቢሲ ሓጺር ቃለመሕተት ገይሩ ኣሎ። ነቲ ውድድር ምድላዋቱ እንታይ ከምዝመስል ብምንጋር ይጅምር።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ነዚ ውድድር ኣይተዳለኹሉን፡ ከይተዳለኹሉ እየ ኣትየ ምኽንያቱ ግዜ ሓጺሩኒ። ዝድለ መሳለጥያታት እውን ኣይረኸብኩን። ምስ ጉድለታት እየ ኣትየ፤ ናይ ሰሙን - ናይ ሸውዓተ መዓልቲ እየ ተዳልየ፡ ኸኣ ይብል።

ብዙሕ ሰብ ናብ ማራቶን ጸኒሑ እዩ ዝኣቱ። ሕጂ ናብ ማራቶን ምእታውካ ዝተሃወኽካ ዶ ይመስለካ?

ሓቂ እዩ ኣብ ጉያ ክትበስል ኣለካ፡ ክትዓቢ ኣለካ፡ ዕድመኻ 30 ክኸውን ኣለዎ ዝብል ዘረባታት ኣሎ። ሓደ ሰብ ኣቐዲሙ ነቲ ሃለኽለኽ ለሚድዎ እንተጸኒሑ ግን፡ ከምዚ ናተይ ኣብ 18 ዓመቱ [ኣብ ማራቶን] ከድምዕ ይኽእል እዩ። ኣብ ንኡስ ዕድመኻ ታሪኽ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ኣነ ዝገበርክዎ ማለት እዩ።

ቅድሚ ሕጂ ዝዀነት ጋንታ ከምዘይረኸብካ ተዛሪብካ ኔርካ። ኣብዚ ብሰንበት ዝተኻየደ ውድድር ብጋንታ ዲኻ ተሳቲፍካ ወይስ ብውልቂ?

ሕጂ ምስ ጋሽባርካ እየ ዘለኹ፡ ግን ክሳዕ ሕጂ ዋላ ሓንቲ ኣይገበሩለይን። ደሞዝ፡ ዕጥቂ፡ ጫማ፡ ክዳን፡ መሳለጥያ ወላሓንቲ ኣይገበሩለይን።

እዚ ናይ ትማሊ ዓወትካ ኣብቲ ናይ ኣትለቲክስ ህይወትካ እንታይ ዓይነት ለውጢ ከምጽኣልካ እዩ?

መንጠሪ ባይታ እዩ። ዓቢ ሞራል እዩ ንኣይ።

ተሸላሚ 6 ሽሕ ዶላር ኢኻ ኴንካ፤ እዚ ክሳዕ ክንደይ ጸገማትካ ከቃልለካ እዩ?

ዝተቓለለ ጸገም የለን። በዚ ኣጋጣሚ ክሕገዝ ከምዝደሊ እየ ክገልጽ ዝደሊ። ኣብ ጸገም እየ ዘለኹ። ኣብ ኢደይ ዋላ ሓንቲ ሰልዲ የብለይን።

ንናሆም ድሕሪ ክልተ ሰለስተ ዓመት ኣበይ ደረጃ ክንርእዮ ንኽእል?

ክልተ ሰለስተ ዓመት ዘይኮነ ኣብ ውሽጢ ዓመት ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኻት ክብል ይኽእል። ከምዚ ናይ ዘርእሰናይ ታደሰ፡ ቢንያም ግርማይ በጺሖሞ፡ ተጎናጺፎሞ ዘለው ክብርታት፡ ኣብኡ ክትርእዩኒ ኢኹም። ከስምረሉ ዝደሊ ዘረባ ግና፡ ቅሩብ ናይ ዕጥቒ ይጐድለኒ እዩ።