ኣትለት ግርማይ፡ ስለምንታይ’ዩ ካብ ዓለማዊ መድረኻት ሃሲሱ? ብቕዓት ‘ዶ ካልእ ጉዳይ?

ኦሎምፒካዊ ኣትሌት ግርማይ ገብረስላሴ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኦሎምፒካዊ ኣትሌት ግርማይ ገብረስላሴ

ኣብ ታሪኽ ኣትለቲክስ ኤርትራ፡ ‘ኦሎምፒክ’ እንክልዓል፡ ዘርእሰናይ ታደሰ ኣብ 2004 ኣብ ኣቴንስ ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ነሓስ መዳልያ ንሃገሩ ዘግዘመሉ ዓወት፡ ኤርትራውያን ካብቲ ብሓበን ዝዝክርዎ ዓወታት እዩ።

ማራቶን ምስ ዝልዓል ከኣ፡ ኦሎምፒካዊ ኣትለት ግርማይ ገብረስላሰ’ዩ ኣብ ቅድሚት ዝመጽእ። ቅድሚኡ ንኤርትራ ወኪሎም ኣብ ማራቶን ዝተሳተፉ ከም ዮናስ ክፍለ፣ ተስፋሃንስ መስፍን፣ ዘርእሰናይ ታደሰ፣ ሳምሶም ጸጋይ፣ ንጉሰ ኣምለሶም፣ ሳምሶም ገብረዮውሃንስን ካልኦትን’ኳ እንተሃለዉ፡ ክንዲ ግርማይ ሰዓት ዘመዝገበ፤ ሽም ‘ታ ሃገር ዘጸወዐን መዳልያታት ዝተሸለመን ግን ዛጊት የለን።

ኣብ ሕዳር 1995 ኣብ ክሳድ ዒቃ፡ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዓዲዃላ ዝተወልደ ኣትለት ግርማይ፡ ዘርእሰይ ታደሰ ኣብ ኣቴንስ ዓወት ከመዝግብ እንከሎ ወዲ ትሽዓተ ዓመት’ዩ ነይሩ። ዓወት ዘርእሰናይ፡ ኣትለት ንኽኸውን ድርኺት ከምዝፈጠረሉ ከኣ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ይገልጽ።

ድሕሪ ዓሰርተ ዓመታት ዓወት ዘርእሰናይ፡ ግርማይ ቦዅሪ ዓለም ለኻዊ ውድድሩ፡ ብ12 ጥቅምቲ 2014 ኣብ ማራቶን ቺካጎ ውድድሩ ብ2 ሰዓት 9 ደቒቕን 8 ካልኢትን ብምዝዛም፡ ሻድሻይ ኰይኑ ዛዚሙ።

ኣብዚ ፈላሚ ዓለምለኻዊ ውድድሩ ከምዚ ዓይነት ውጽኢት ከመዝግብ ምኽኣሉ፡ ኣብቲ ዓውዲ ቀጻልነቱ ዘረጋግጽ እንፈት ምዃኑ ኣረጋጊጹ። ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ውድድራት ምስ ቀዳሞት ሽዱሽተ ኰይኑ ዝኣተወ ኣትለት ስለዘይነበረ ኸኣ፡ እቲ ዓወት ኣብ ግዚኡ እቲ ዝበለጸ ውጽኢት ተባሂሉ ተመዝግበ።

ብድሕሪ’ዚ ኣትለት ግርማይ፡ ብ26 ሚያዝያ 2015 ኣብ ጀርመን ሃምቦርግ ማራቶን ውድድሩ ብ2 ሰዓት 7 ደቒቕን 47 ካልኢትን ዛዚሙ ካልኣይ ኰይኑ ተዓወተ። እዛ ውጽኢት እዚኣ ኸኣ ኣብ ቻምፕዮና ዓለም ንኽሳተፍ ተኽእሎ ግዜ ዘመዝገበላ ውድድር’ያ ነይራ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት፡ ብ22 ነሓሰ ኣብ በይጂን ኣብ ዝተኻየደ ቻምፕዮና ዓለም ቀዳማይ ብምውጻእ ንኤርትራ በዅሪ ወርቂ መዳልያ ኣግዘማ፤ ነዚ ዓወት እዚ ከመዝግብ እንከሎ ወዲ 19 ዓመት ስለዝነበረ፡ ኣብ ቻምፕዮና ዓለም ኣብ ማራቶን ወርቂ መዳልያ ዝረኸበ ዝነኣሰ ኣትለት ዝብል ክብረ ወሰን ሒዙ ይርከብ።

ኣብ 2016’ውን ኣብ ማራቶን ኒውዮርክ ቀዳማይ ብምውጻእ ሽሙን ሽም ሃገሩን ኣጸውዐ። ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ኣብ ርዮ ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ከኣ፡ ውድድሩ ብ2 ሰዓት፡ 11 ደቒቕን 4 ካልኢትን ዛዚሙ ራብዓይ ወጺኡ።

ኤርትራ፡ ካልኣይቲ ነሓስ መዳልያ ኦሎምፒክ ካብ ምርካብ ብሓንቲ ደረጃ ተዓንቂጻ።

ብሓፈሻ ኦሎምካዊ ኣትለት ግርማይ፡ “ብዘይካ እቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ውድድር ዘቋረጽኩሉ ኣብ ኵሉ ዘካየድክዎ ዓለምለኻዊ ውድድራት ማራቶን ምስ ቀዳሞት ሽዱሽተ ኰይነ’የ ውድድረይ ዛዚመ” ይብል።

ኣብዚ እዋን ከኣ፡ ድሕሪ ነዊሕ ክብሃል ዝክኣል እዋን ኣብ ዓለምለኻዊ ውድድር ንምስታፍ ኣብቲ ኣብ ቦስተን ዝካየድ ውድድር ዓወት ንምምዝጋብ ዘኽእሎ ምድላዋት ገይሩ ኣብ ምቅርራብ ይርከብ።

ኣትሌት ግርማይ፡ ድሕሪ’ቲ ዘመዝገቦ ዓበይቲ ዓወታት እንታይ ኰይኑ’ዩ ሽሙ ካብ ዓለምለኻዊ ውድድራት እናሃሰሰ ክመጽእ ጸኒሑ? ዝብል፡ ብዙሓት ክምለሰሎም ዝጽበይዎ ንቡር ሕቶ እዩ።

ግርማይ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃል መጠይቕ ብኸምዚ መልሲ ሂቡሉ’ሎ።

ኣቐዲምና ግን ንውድድር ማራቶን ቦስተን ክንድህስስ።

ግርማይ ገብረስላሰ ኣብ ማራቶን ኒውዮር [6 ሕዳር 2016] ቀዳማይ ኣብ ዝወጽኣሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ግርማይ ገብረስላሰ ኣብ ማራቶን ኒውዮር [6 ሕዳር 2016] ቀዳማይ ኣብ ዝወጽኣሉ

ምድላዋት ንማራቶን ቦስተን

እዚ ግርማይ ክወዳደረሉን ዓወት ከመዝግበሉን ዝሸባሸበሉ ዘሎ ኣብ 17 ሚያዝያ 2023 ዝካየድ፡ መበል 127 ማራቶን ቦስተን እዩ።

“ካብ ካልእ ውድድራት ብዝተፈለየ ፍሉይ ምድላዋት ገይረ ክብል ኣይክእልን’የ፡ መዓልታዊ ክልተ ግዜ ልምምዳት ይገብር ኣለኹ፣ ሰንበት ናይ ምሸት ጥራይ’የ ዘዕርፍ” ድሕሪ ምባል ካብ ታሕሳስ ጀሚሩ ግን ክብድ ዝበለ ልምምዳት ይገብር ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብ ማራቶን ቦስተን ኣብ ዓለም ኣለዉ ዝበሃሉ ተቐዳደምቲ ማራቶን ዝወዳደርዎ፡ ኣብ 1897 ጀሚሩ ብዘይ ምቍራጽ፡ ንልዕሊ ሓደ ዘመንን ርብዕን ዝቐጸለ ውድድር’ዩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ውድድር ምዕዋት ከኣ ንዕዉትን ሃገሩን ዓቢ ክብሪ ዘውህብ እዩ።

“ኣብዚ ውድድር እዚ ከም ዝዀነ ኣትለት ክዕወት’የ ዝብል መንፈስ ሒዘ ክኸይድ ከምዝግብኣኒ ኣሚነ ክሰርሕ ጸኒሐ ኣለኹ፤ ናብ ዓወት ከብቅዓኒ ዝኽእል ልምምድ ከኣ ገይረ ኣለኹ” ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ዝተኣማመነሉ ጽቡቕ ብቕዓት ከምዘሎ ሓቢሩ።

“ውድድር ሓደ ነገር ኰይኑ፡ ኣብ ውድድር ግን ካብ ቅድሚ ሕጂ ዘመዝግቦ ዝነበርኩ ዝበለጸ ግዜ’የ ዝሃርም ዘለኹ፣ ኣብቲ ውድድር ጥራይ ጽቡቕ መዓልቲ የውዕለና፡” ኢሉ።

ንምንታይ’ዩ ኣብ ዓለምለኻዊ ውድድራት ሃሲሱ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ግርማይ ንሃገራዊት ጋንታኡ ወኪሉ ኣብ 2019 ኣብ ሞሮኮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድራት መላእ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ፍርቂ ማራቶን ተወዳዲሩ ነይሩ። ብድሕሪ’ዚ ግን ማልያ ሃገራዊት ጋንታ ለቢሱ ኣይተወዳደረን።

ኣብ 2017 ኣብ ብርኩ ብዘጋጠሞ ማህሰይቲ፡ ንኣስታት ኣርባዕተ ኣዋርሕ ካብ ዝዀነ ልምምድ ከምዝተኣለየ ብምሕባር፡ “ናብ ኣሜሪካን ናብ ሆላንድን እናተመላለስኩ ሕክምና ብምግባር ቀልጢፈ ናብ ልምምድ ክምለስ ክኢለ” ኢሉ።

ኣስዒቡ፡ “ነቲ ብማህረምቲ ብርከይ ዝጐደለ ብቕዓተይ ንኸማልስ ጐነጽ ዝተሓወሶ ልምምዳት ስለዝገበርኩ፡ እቲ ክብ ለጠቕ ብዙሕ ዋጋ ከኽፍለኒ ክኢሉ’ዩ” ብምባል ክሳብ ሓምለ 2018 ተደጋጋሚ ማህሰይቲ የጋጥሞ ስለዝነበረ፡ ሕማቕ እዋን ከምዘሕለፈ ይሕብር።

እቲ ኣትለት፡ ብቕዓቱ ናብ ንቡር ንምምላስ፡ “ካብ ዜሮ ክጅምር ኣለኒ ብምባል፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ትራክን ኣብ ፍርቂ ማራቶንን ውድድራት ከካይድ ጀሚረ፡” ይብል።

ኣብ 2020 ኣብ ዝኽሪ ፈንቅል [ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ባጽዕ ሓራ ዝወጽአትሉ] ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ምብራቕ ኣፍሪቃ ኸኣ ቀዳማይ ወጺኡ።

ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ‘ሲንየር ትራክን ፊልድ’ እውን ቀዳማይ ብምውጻእ ናብ ንቡር ብቕዓቱ ክምለስ ጀሚሩ።

ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ማራቶን ቪየና ንምስታፍ ኣብ ጽዑቕ ልምምድ እንከሎ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ስለዝጀመረ፡ ከም ኵሉ ሰብ ከም ዝተጸልወ ግርማይ ይጠቅስ።

ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ንምእታው ዘኽእሎ ሰዓት [ሚኒማ] ንምምዝጋብ፡ “ጽቡቕ ምትሕብባር ተገይሩለይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይደ ልምምድ የካይድ ነይረ፤ ውድድረይ ብ2 ሰዓት 7 ደቒቕን 11 ካልኢትን ዛዚመ ብሉጽ ግዜ ኣመዝጊበ፤ ክሳተፍ ስለዘይተደለኹ ግን ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ከምዘይሳተፍ ተገይረ” ይብል።

ግርማይ፡ ካብ ኦሎምፒክ ቶክዮ’ኳ እንተበዀረ ኣብ 20 ለካቲት 2022 ኣብ ስጳኛ፡ ከተማ ሰቪያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን፡ 2 ሰዓት 5 ደቒቕን 34 ካልኢትን ብምዝዛም ሳልሳይ ወዲኡ።

ኣትለት ግርማይ፡ ኣብቲ ካብ ኦሎምፒክ ቶክዮ ዝተረፈሉ ኣጋጣሚ ብደረጃ ያፍ፡ ኣብ ማራቶን ካብ ኤርትራውያን ኣትለታት ብነጥቢ ቀዳማይ ኰይኑ ይምርሕ ምንባሩ ብምግላጽ፡ ምትራፉ ምኽንያታዊ ከምዘይነበረ’ዩ ዝሕብር።

“ብዘይካ እቲ ዝሃርሞ ዝነበርኩ ብሉጽ ግዜ፡ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ይዅን ካብ ሃገራዊት ጋንታ ወጻኢ ኵሉ እቲ ኣትለት ከማልኦ ዝግባኦ ዲስፕሊን፡ ልምምድን ካልእን የማልእ ነይረ፤ ብዝኾነ ዓይነት መለክዒ ኸኣ ንዓይ ካብ ኦሎምፒክ ከትርፈኒ ዝኽእል ነገር ኣይነበረን። ሕጽር ብዝበለ ክዛረብ፡ ኣነ ብዝርያ’የ ተሪፈ” ይብል።

ኣትሌት ግርማይ ገብረስላሰ ካብ ጻጋም ካልኣይ ምስ ብዓል ኢትዮጵያ ኣትሌት ቀነኒሳ በቐለ፡ ኬንያዊ ኢሉድ ኪፕቾገን ካልኦትን [20 ሚያዝያ 2016]

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣትሌት ግርማይ ገብረስላሰ ካብ ጻጋም ካልኣይ ምስ ብዓል ኢትዮጵያ ኣትሌት ቀነኒሳ በቐለ፡ ኬንያዊ ኢሉድ ኪፕቾገን ካልኦትን [20 ሚያዝያ 2016]

ኣትለት ግርማይ ካብቲ ኣብ 2015 ዓወት ዘመዝገበሉ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊኡ “ምውጥዋጥ ኣእዳው” ከምዝበዝሐ ብምሕባር፡ “እዚ ኸኣ ንውልቃዊ ረብሓታት ኣብ ዝሕተተሉ ሃገራውን ህዝባውን ክብርታተይ ከምኡ ከኣ መንግስትን ህዝብን ኣብ ዝደልየኒ ክብሪ እንተዘይኰይኑ፡ ውልቀሰባት ኣብ ዝደልይዎ ጉዳያት ክጨማለቕ ፍቓደኛ ኣይኰንኩን ስለዝበልኩ ጥራይ’ዩ፣ ‘ከነርእየካ ኢና!’ ብምባል ኣብ ልዕለይ ፈኸራታት ዝዝምቢ ነይሩ” ኢሉ።

ግርማይ፡ “‘ክህሉ ስለዘይተደለኹ’ምበር ኣነስ ምስ ብቕዓተይ’የ ነይረን ዘለኹን፡ ምስ ብቕዓተይ እንከለኹ ድማ’የ ኣብ ብዙሕ ዓለምለኻዊ ውድድራት ክርአ ዘይክኣልኩ፣ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ተኸታተልቲ ዓመታት ኣብ ኦሎምፒክን ቻምፕዮና ዓለም ዘይተሳተፍክሉ ምኽንያት ከኣ እዚ’ዩ፣ ምጕዳል ብቕዓት ኣይኮነን።”

ኣተሓሒዙ፡ “ኣብ ግዚኡ ንዝምልከቶ ኣካል ንምንታይ ከምዝተረፍኩ ክሕበረኒ ሓቲተ ብቝዕ መልሲ ኣይተዋህበንን” ይብል ግርማይ።

“. . . እቲ ካብ 2016 ጀሚሩ ዝወጣወጥ ዝነበረ ኣእዳው ከኣ ኣብ ሞያይ ብዙሕ ዋጋ’ዩ ኣኽፊሉኒ። ክሳብ እቲ ናብ ቻይና ዝኸድኩሉ ኣርባዕተ ግዜ ብደረጃ ኣፍሪቃን ዓለምን ክሳተፎ ካብ ዝግብኣኒ ውድድራት በቲ ፈደረሽን ተኸልኪለ’የ፣ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ከኣ ተመሳሳሊ’ዩ ዘሎ። ኣብ ታሪኽ ኣትለቲክስ ኤርትራ ልዕሊ ሽዱሽተ ግዜ ካብ ክሳተፎ ዝግብኦ ውድድራት ምስ ብቕዓቱ እንከሎ ብህልኽ ዝተኸልከለ ኣነ ጥራይ’የ” ብምባል መረረኡ ይዛረብ።

ግርማይ፡ እቲ ወጽዓ ኣብኡ ጥራይ ከምዘይኮነ ብምግላጽ፡ “ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣብ ዝካየድ ውድድራት ትሕቲ ክልተ ሰዓትን ሽዱሽተ ደቒቕን ውድድሮም ዝዛዝሙ [ኣብ ማራቶን]፡ ግን ከኣ ዝዀነ መገሻ ዘይረኸቡ ብዙሓት ኣትለታት ኣለዉ። እዚ ሰዓት እዚ ኸኣ ኣብ ዝዀነ ዓለምለኻዊ ውድድራት ናብ ‘ፖድየም’ ከደይበካ ዝኽእል’ዩ” ይብል።

ኣብ መወዳእታ፡ “ተመሳሳሊ ሰዓታት ሒዝና ኣብ ዓለምለኻዊ ውድድራት ንሳተፍ ግን ብኣጻብዕ ንቝጸር ኢና፤ እንታይ’ዩ እቲ ምኽንያት እንተኢልና ኸኣ ሓደ ዝተሓብኣና ጉዳይ ኣሎ፣ ኣነ ንኣብነት ድምር ናይ ብዙሕ ሓርጐጽጐጽን በቲ ዝግብኣኒ መንገዲ ከይከይድ ስለዝተኸልከልኩ’የ ጠፊአ’ምበር፣ ብቕዓተይ ስለዝጐደለ ኣይኮነን።” ይብል።

ነዚ ዛዕባ ምርኩስ ንምግባር ምስ ሃገራዊ ፈደረሽን ኣትለቲክስ ኤርትራ ንምዝርራብ ቢቢሲ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰለጠን።