‘ሓደ ሓደ ግዜ እናበኸኹ እየ ኮሜዲ ዝጽሕፍ’ - ኮሜድያን እሸቱ

ኮሜድያን እሸቱ

ምንጪ ስእሊ, ESHETU

ንኮሜድያን እሸቱ ዓቢ መነቓቕሒ ዝፈጠሩ ጸሊም ኣሜሪካዊ ኬቪን ሃርትን ደቡብ ኣፍሪቃዊ ትሬቨር ኖዋን እዮም።

ኮሜድያን እሸቱ መለሰ፡ ስነ-ጥበብ ትያትር እዩ ተማሂሩ።

ኣብ ኣዳማ ዝዓበየ እሸቱ፡ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኣብ ቤተክርስትያን ትያትር ይሰርሕ ነይሩ።

ቅድሚኡ ኮሜድያን ክኸውን እየ ዝብል ሕልሚ ኣይነበሮን።

ካብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ምስ ተመረቐ ስራሕ ስኢኑ ኣብ ሓደ ጋራጅ ከም ተሓጋጋዚ ኰይኑ ሰሪሑ፤ ኣብ ካልዲስ ቡን እውን ኣአንጋዲ ነይሩ።

ሎሚ ግን ክንዮ ኮሜዲ ኣብ ዩቱብ ዳርጋ ክልተ ሚልዮን ተኸታተልቲ ኣለዉዎ።

እሸቱ ንገዳም ማይ ከእቱ፡ ገዳምን መስጊድን ንምህናጽ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ቦረና ብድርቂ ንዝተሃስዩ ሰባት፡ ኣብ ሃገራት ዓረብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዝርከቡ፡ ብቐጥታ ኣብ ዩትዩብ ብምፍናው ብዙሕ ገንዘብ ኣኪቡ።

ንሰለስተ መዓልታት ዝቐጸለ ቀጥታዊ ፈነወ፡ ንማእከል ኣረጋውያንን ሕሙማት ኣእምሮን መቄዶንያ 3 ሚልዮን ዶላር ኣዋህሊሉ’ዩ።

ኮሜድያን እሸቱ ኣብ ዶንኪ ትዩብ "አንቂ አንደበቶች፡ ጀግና መፍጠር፡ ድንቅ ልጆች፡ ኢትዮጵያዊ ነን" ዝብሉን ካልኦት ህቡባት መደባትን የቕርብ።

ካብቶም ኣብ ዩትዩብ ዝሰርሖም ስራሓት ልዕሊ 5 ሚልዮን ግዜ ዝተረኣየ ቪድዮ ኣለዎ።

ልዕሊ ሸውዓተ ናይ መድረኽ ስርሓት ኣቕሪቡ፤ ሰባት ተዳፊኦም ርእዮምሉ’ዮም።

ቢቢሲ ምስቲ ኮሜድያን ብዛዕባ ሞያኡን ዓወቱን ዝገበሮ ዕላል ኣሎ፤

‘ኮሜዲ ምስ ኣረግኩ እየ ጀሚረ’

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኮሜድያን እሸቱ ብዛዕባ እቲ ናብ ኮሜዲ ዝኣተወሉ እዋን ክዛረብ እንከሎ፡ "ድሕሪ ምእራገይ" እየ ጀሚረ ይብል።

ኣብ 2013 ‘Let Me Explain’ እትብል ስራሕ ኣሜሪካዊ ኮሜዲያን ኬቨን ወጺኣ ነይራ።

ነዚ ምስ ረኣየ “. . .ኣዝየ ተሓጒሰ፡ ኣብ ልበይ ብዙሕ ቃንዛ ተሰሚዑኒ። እታ ኮሜዲ ኣስታት 17 ግዜ ደጋጊመ ርእየያ። ሽዑ እየ ኮሜዲ ኣብ ውሽጠይ ከም ዘሎን ክሰርሓሉ ከም ዘለኒን ዝፈለጥኩ፡” ይብል።

ብድሕሪ'ዚ ድማ ናይ መጀመርታ ስርሑ ‘ጣዝማ ማር' ጽሒፉ ናብ ህዝቢ ኣቕሪቡ።

ቀጺሉ ‘ዘመን ፍስሃ’፡ ‘የት ነበርን’፡ ‘ነግ በኔ’ ከምኡ’ውን ‘. . .ተምታታብን’ ዝብሉን ካልትን ብድምር 7 ስርሓት ኮሜዲ ንህዝቢ ኣቕሪቡ።

ቢቢሲ፡ ሕጂ ብናይ ዩቱብ ምርኢታቱ ፍሉጥ ኴንካ፡ ግን ሕጂ’ውን ኣብ መድረኽ ኮሜዲ ተቕርብ ኣለኻ። ንምንታይ? ክብል ሓቲትዎ።

"መጀመርታ ኮሜድያን ዝዀንኩ፡ ኣነ ዝኣምኖምን ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝዀኑን ኣርእስታት ስለዘለዉ ነቶም ድምጺ ዘይብሎም ድምጺ ኰይነ ናብ ህዝባዊ ንምቕራብ እዩ" ክብል መሊሱ።

ካብዚ ወጻኢ መጀመርያ ብኮሜዲ ስርሓቱ ናብ ህዝቢ ስለዝቐረበ፡ ንተዓዘብቲ ኣኽቢሩ ከዘናግዖም ከም ዘለዎ ይኣምን።

እሸቱ ዕላማ ስርሑ ብቐንዱ ነቶም ድምጺ ዘይብሎም ድምጺ ምዃን እዩ ክብል ይሕብር።

"ወጽዓ ብሓቂ የሕርቐኒ እዩ" ይብል እሸቱ፤ ነዚ ክሳዕ ሕጂ ዘለዉ ስርሓቱ ይጠቅስ።

"ሓደሓደ ግዜ እናበኸኹ እየ ኮሜዲ ዝጽሕፍ፡ . . . ክጽሕፍ ከለኹ መጽናዕቲ እገብር። ንኣብነት ብዛዕባ እቲ ንጥምቀት ዝተቐትለ ወዲ ዝገልጽ ኮሜዲ ቅድሚ ምስራሕ፡ ንኣቦኡ ቃለ መጠይቕ ገይረሉ።

“ቅድሚ ዝዀነ ስራሕ ምስርሐይ ብዙሕ ናይ ሚድያ መጽናዕቲ እገብር፡ መጽናዕቲ ዝገብሩ ሰባት እቘጽር፡ ብሰብ ሞያ ሕጊ፡ ስነጥበባውያን የገምግም። በደልን ወጽዓን ኣብ ልበይ ኣትዩ ከብክየኒ ከሎ፡ ብኮሜዲ እየ ነቲ ኣብ ልበይ ዘሎ ድምጺ ዘውጽኦ።"

ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ኣይዋዘን እትብሎ ኣሎ ድዩ?

"እወ፤ ኣርእስቲ ዘይኮነስ ኣተሓሳስባ ኣሎ። ብዛዕባ ንሃይማኖት ካልኦት ዝጸርፍ፡ ንእምነት፡ ፍልስፍና፡ ቋንቋ፡ ባህሊ ካልኦት ዝጸርፍ፡ ኣብ ህዝቢ ቂምታ፡ ጽልእን ንዕቀትን ዝፈጥር ሓሳብ ፈጺመ ኣይዋዘየሉን እየ።"

ንምዃኑ ንኮሜድያን እሸቱ ዘስሕቕ ኮሜድያን መን’ዩ ንዝብል ሕቶ ፍልፍሉ ክብል ይምልስ። “. . . ቀደም ክጅምር ከሎ 'ኣባባ ኣቡሽ' እትብል ኮሜዲ ነይራቶ። ክበበው ኣዝዩ ኣዝዩ እዩ ዘስሕቐኒ" ይብል።

ካብ ዝዀነ ንላዕሊ ግን ኮሜዲያን ደረጀ ሃይሌ ከም ዘስሕቘ ይዛረብ።

ኣብ ደገኸ ንመን ትመርጽ? ዝሰዓበ ሕቶ ቢቢሲ እዩ ነይሩ።

“ቀደም ኣርኣያ ዝዀኑኒ ኬቨን ሃርትን ትሬቨር ኖዋን እዮም እብል ነይረ። ሕጂ ግን ምስ ረኣኽዎም ብዛዕባ ብቕዓቶም ይደናገር። ሕጂ ኬቨን ሃርት ኣልኮላዊ መስተ የወዓውዕ ኣሎ። . . .ከምኡ ክገብር ከሎ ናተይ ኣርኣያ ምዃኑ የቋርጽ። ዋዛታቱ ክሳብ ዘስሓቐ፡ ዘይትንክፎ ኣርእስቲ የለን። ሕጂ ስርሓቶም ጥራይ እየ ዝርኢ እምበር ኣርኣያታተይ እዮም ኣይብልን።"

ኮሜድያን እሸቱ

ምንጪ ስእሊ, ESHETU

ህቡብ ክኸውን ኣካያዲ ስራሕ ዝቘጸረ ኮሜድያን

እሸቱ ኣብ ዘይመንግስታዊ ትካል እናሰርሐ እንከሎ እዩ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ስታንድ-ኣፕ ኮሜዲ ከቕርብ መደብ ሒዙ ክሰርሕ ጀሚሩ።

እንተዀነ በቲ ዘቐመጦ ገደብ ግዜ ስርሑ ክውድእ ኣይከኣለን። ድሕሪኡ ንምንታይ ኣካያዲ ስራሕ ዘይቈጽር ኢሉ ወሲኑ።

". . .ሓደ ሰብ ኣካያዲ ስራሕ ዝቘጽር 'ፌመስ' ምስ ኮነ እዩ። ኣነ ግን ኣካያዲ ስራሕ ዝቘጸርኩ 'ፌመስ' ንምዃን እየ። ኣገዳሲ ምዃኑ ፈሊጠ" ይብል።

ብሓቂ እቲ ዝቘጸሮ ኣካያዲ ስራሕ፡ ስራሕቱ ብግዜ ተወዲኦም ናብ መድረኽ ንምቕራብ ድሉዋት ክዀኑ ኣብ ምግባር ኣድማዒ ስራሕ ከም ዝሰርሐ እሸቱ ይምስክር።

ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ናይ ሓደ ሰዓትን ልዕሊኡን ንውሓት ዘለዎም 7 ምርኢታት ኮሜዲ ኣቕሪቡ ኣሎ።

ናብ ባህርዳር፡ ኣዳማ፡ ጎንደር፡ ሃዋሳ፡ ቢሾፍቱ ተጓዒዙ ስርሓቱ ናብ ኣድነቕቱ ኣቕሪቡ።

ካብ ሃገር ወጻኢ ምስ ዘለዉ ኣድነቕቱ ግን ክሳዕ ሕጂ ኣይተራኸበን።

ንምንታይ?

በይኑ ናብ ወጻኢ ሃገራት ከይዱ ንኣድነቕቱ ምርኢት ምቕራብ ኣድማዒ’ዩ ኢሉ ኣይሓስብን።

ንነብሱ ከም ፕሮፌሽናል ኮሜድያን ከም ዝርእያ ይገልጽ። “ስታንድ-ኣፕ ኮሜዲ ክሰርሕ ከለኹ ብዘይ ማናጀረይ ክኸይድ ኣይክእልን” ይብል።

". . .እቲ ማናጀር ጥራይ ዘይኮነስ ኮሜዲ ከጽንዕ ከለኹ ብሳውንድ ኢፈክት ዝገብሮም ገለ ዋዛታት ስለዘለዉ፡ ከምኡ ዝጻወት ዲጄ ኣለኒ። ሙዚቃ ዘይኮነስ ሳውንድ ኢፈክት ዘጻውት።

“ብዙሓት ካብኣቶም ድማ ነዚ ላይቭ ዲጄን ማናጀርን ሒዘ ክመጽእ ክብሎም ከለኹ ፍቓደኛ ኣይኰኑን። ናብ ገለ ሃገር ኬድና ከም እንጠፍእ ጥራይ እዮም ዝሓስቡ። ወይ ድማ ሆቴልን ትኬትን ክቡር ክኸውን ይኽእል። ምስ ሰብ ሞያ ክኸይድ ክሳብ ብቕዓት ዝህልወኒ ክኸይድ ከምዘይብለይ እሓስብ።"

እሸቱ ብዘይካ እቲ ኮሜዲ ኣብ ዩትዩብ ዳርጋ ክልተ ሚልዮን ተኸታተልቲ ክረክብ ክኢሉ’ዩ።

58 ሰራሕተኛታት ቈጺሩ’ውን የመሓድር።

እሸቱ፡ እቲ ኣካያዲ ስራሕ ዝገበሮ ጻዕሪ፡ ተወሳኺ 57 ሰባት ከም ዘፍረየ ይገልጽ።

ኮሜዲን ናይ ዩትዩብ ስራሕን በይንኻ ወይ ምስ ውሑዳት ሰባት ሰሪሕካ ዕዉት ክኸውን ኣብ ዝከኣለሉ እዋን፡ ንምንታይ እዩ ክንድዚ ዝኣኽሉ ሰባት ምቝጻር ኣድለየ?

“ምቝጻር ኣማራጺ ኣይኰነን፣ ግዴታ እዩ። ዶንኪ ትዩብ ኣብዚ እዋን 58 ሰራሕተኛታት ኣለውዎ። ኣብ ሓደ ቀጥታዊ ፈነወ ሰለስተ ሚልዮን ዶላር ክእክብ ክኢሉ። ክሳብ ክንድዚ ክትዓቢ እንተደሊኻ ሰብ ክትቈጽር ኣለካ" ክብል ይምልስ።

ኣብ ዩትዩብ ባዕልኻ ኤዲት እናገበርካ 60 ሽሕ ወይ 70 ሽሕ ሰባት ክርእይዎ ይኽእሉ፤ ኣታዊኻን ተፈላጥነትካ’ውን ብኡ መጠን ንእሽቶ ከም ዝኸውን የረድእ። ስለዚ ሰብ ከይቈጸርካን ኣቝሑ ከይገዛእካን ኣድማዒ ክትከውን ኣይትኽእልን ይብል።

“እኹል ሓይሊ ሰብ ኣብ ዘይብሉ ከመይ ገይረ ላይቭ ኣትየ ከቕርብ ክሓስብ እኽእል?” ክብል ይሓትት።

ኮሜድያን እሸቱ

ምንጪ ስእሊ, ESHETU

ሕልሙ ናይ ኢትዮጵያ ሚድያ ምቕያር እዩ

እሸቱ ስታንዳፕ ኮሜዲ ክሰርሕ ምስ ጀመረ ኣብ ህዝቢ ዝና ንምርካብ ልዕሊ ዓመት ከምዘይወሰደሉ ይዝክር።

". . እታ ቀዳመይቲ ስራሕ ‘ዘመን ፍስሃ’፡ ኣብ መስከረም እያ ተዘርጊሓ። ኣብ ተለቪዥን ኣዝዩ ተፈታዊ ኰይኑ። ብሕቶ ተዓዘብቲ ሸሞንተ ግዜ ተደጋጊሙ። ብድሕሪኡ ኣብ ቲቪ ዝተራእየትን ኣዝያ ተፈታዊት ዝዀነትን 'የት ነበርን' ዝብል ስራሕ ሰሪሐ። ደሓር ኣብ በዓል ፋሲካ 'ነግ በኔ' ምስ ደገምኩ ተወዓዊዑ። . . . ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ፍሉጥ ኰይነ ንገለ ስራሕ ንሓደ መድረኽ ክሳብ 100 ሽሕ ብር እናተኸፈለኒ ክሰርሕ ጀሚረ።”

ዶንኪ ዩትዩብ እውን ብዙሕ ተኸታተልቲ ንኽረክብ ልዕሊ ዓመት ኣይወሰደለይን ይብል።

“...ስታንድ-ኣፕ ኮሜዲ ንጽዕን ነይርና። ኣብ ሰለስተ ወርሒ ሓደ ግዜ ስለ ዝጸዓን ግን ናተይ ምዃኑ ዝፈልጥ ብዙሕ ሰብ ኣይኮነን። በቃ ናይ ‘የቤሰተብ ጨዋታ’ እናሰራሕኩ ከለኹ ለበዳ ኮሮና ምስ ኣጋጠመ ኣብ ገዛና ዩትዩብ ጀሚርና።

"ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት፡ ‘ለአገርሽ ያብቃሽ’፡ ‘ጀግና መፍጠር’ ዝበሃሉ መደባት ተቐባልነት ረኺቦም፤ ኣብ ካልኣይ ዓመት ‘ድንቅ ልጆች’ ጀሚርና። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ግን ብኽልተ እግሩ ደው ኢሉ ደሞዝን ክራይ ቤት ጽሕፈትን ክሽፍን ክኢሉ ነይሩ፡ ጽቡቕ ድማ ይኸይድ ነይሩ።"

ሕጂ ሃብቲምካ ኢኻ?

"እወ። ንኣብነት ኣነ ገዛ የብለይን። ዝዀነ ናይ ባንክ ተቐማጢ ገንዘብ የብለይን። ሎሚ ኣነን ንስኻን ክንዛረብ ከለና ብሽም ትካል ኣብ ባንኪ ሕሳብ እንተሃለወ 10 ሽሕ ወይ 20 ሽሕ ብር እዩ። ሃብተይ ግን እንታይ እዩ . . . ተበጻሕነተይ ኣሎ፡ ጽልዋ እፈጥር’የ። ንኣብነት ሓደ ሰብ ከወዓውዓሉ እንተደልዩ እቲ ዝሓቶ ገንዘብ ቀሊል ኣይኮነን።

"ኣብ ዶንኪ ትዩብ መወዓውዒ ክትገብር እንተደሊኻ፡ ስቕ ኢልካ ከተወዓውዕ ኣይትኽእልን ኢኻ። . . . እቲ ጽልዋ ዓቢ'ዩ። ከም ዶንኪ ትዩብ ኣብ ኢትዮጵያ ዓቢ ጽልዋ ከሕድር ዝኽእል ሚድያ ክንፈጥር በቒዕና ኣለና። ሃብቲ እንተይልካ ንሱ እዩ ሃብቲ እዩ እምበር ጥረ ገንዘብ፡ ንብረት፡ ገዛ ክንብሎ እንኽእል ነገር የለን። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ መብዛሕትኡ ሃብቲ ኣብ ዶንኪ ትዩብ ስለዘሎ እዩ።"

ኮሜድያን እሸቱ

ምንጪ ስእሊ, ESHETU

እሸቱ ካብ ኣሜሪካን ኣውሮፓን ንመቄዶንያ ክልተ ሚልዮን ዶላር ዘወፈዩ ሰባት 12 ሽሕ ከምዝዀኑ ይዛረብ።

ካብ ሃገሮም ርሒቘም ዝነብሩ ኣማኢት ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን ንሰናይ ዕላማ ክውዕሉ ዝኽእሉ ከምዘለዉ ኣስተብሂሉ።

ስለዚ "ሚድያ ንእወታዊ ለውጢ ንጠቐመሉ" ይብል።

ኣብ ዩትይብ ናይ ሓሶት ዜና ወይ ሰበር ዜና እንተዘይገይርካ፡ ወይ ንሰባት እንተዘይጸሪፍካ ገንዘብ ዝብል ኣተሓሳስባ ተቐይሩ፡ "ሕጂ ከም ዶንኪ ትዩብ ክኸውን ኣለኒ?" ዝብሉ ሰባት ከም ዘለዉ እውን ይገልጽ።

እሸቱ፡ ዩትዩብ ንጽቡቕ ክጥቀሙሉ ዝደልዩ 110 መንእሰያት ብምእካብ፡ "ምስጢር ዓወት ዶንኪ ትዩብ" ይምህር ከምዘሎ ይዛረብ።

እዞም መንእሰያት ናብ ስራሕ ምስ ኣተዉ፡ መልክዕ ዩትዩብ ኣብ ምቕያር እወታዊ ጽልዋ ክህልዎም ተስፋ ይገብር።

"ስለዚ ናይ መወዳእታ ሕልመይ ናይ ኢትዮጵያ ሚድያ ኢንዱስትሪ ምቕያር'ዩ።"

ኣብ ዩትዩብ ብዘይተለምደ መገዲ፡ ዶንኪ ትዩብ ምስ ዓበይቲ ትካላት ልምዓት፡ ባንክታትን ፋብሪካታትን ይሰርሕ።

ዶንኪ ትዩብ ካብ ፖለቲካ፡ ዓሌትነትን ንሃይማኖት ዝጐድእ ዝኾነ ነገርን ነጻ ኮይኑ እንተጸኒሑ፡ ዓበይቲ ትካላት መጺኦም ከወዓውዑ እዮም ዝብል ጽኑዕ እምነት ከም ዝነበሮ ይዛረብ።

ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣብ ዩትዩብ ክንዲ ዝደለይዎ ገንዘብ ኣብ ዘይረኽብሉ እዋን'ውን እንተዀነ፡ ኣብ ጥንቃቐ ከም ዝጸንሑ ይዛረብ።

“...ብዙሕ ናይ ክሳራ ኣዋርሕ ኣሕሊፍና ኢና። ገለልተኛ ዝዀነ ምልክት ብጥንቃቐ ብምህናጽን ዕላማና ብምፍላጥን...ኣብዚ በጺሕና” ይብል።

ሎሚ ፋብሪካታት ቢራ ከምኡ’ውን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከባ ትካላት ቍማር ካብቶም ትካሎም ኣብ ዶንኪ ትዩብ ከላልዩ ዝደልዩ እዮም።

እሸቱ ግን እዚ "ሕብረተሰብ ኣይሃንጽን እዩ" ይብል።

"ንወለዶ ናብ ዘይኰኑ ትረከምርኪ ዝዀኑ ነገራት ክወስዱ እንተዀይኖም ፈጺምና ኣይንገብሮን ኢና፤ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመት ከይፈለጥና ከለና ዝሰራሕናዮም እንተሃልዮም’ውን ይቕሬታ ንሓትት" ይብል እሸቱ።