ብሽግርን ጸበባን ዘይጸዓድ ተበላሓቲ መስራቲ 'ካቢ' መንእሰይ ኣልኣዛር ዮሴፍ

ኣልኣዛር ዮሴፍ ሓሸሊት

ምንጪ ስእሊ, ALAZAR

መግለጺ ስእሊ, ኣልኣዛር ዮሴፍ ሓሸሊት

ሰራሕቲ ፊልም ኤርትራ፡ ‘ሞያዊ ግዴታ’ ስለዝኾኖም ’ምበር ካብ ዩትዩብ ትርጉም ዘለዎ ኣታዊታት ከምዘይረኽቡ እዮም ዝሕብሩ።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ግን ‘ካቢ ፕላስ’ ዝተባህለ መኽሰብ ዘይብሉ ትካል፡ እኹል ምወላ ብምሃብ ንሰራሕቲ ፊልም ከተባብዕ ስለዝጀመረ፡ ብዙሓት ሰራሕቲ ፊልም ፊልምታቶም ኣብዚ ከፊልካ ዝርኣዮ መተግበሪ [ኣፕሊኬሽን] ንምጽዓን ተገዳስነት የርእዩ ኣለው።

ነዚ ናይ “ካቢ” ሓሳብ ዘበገሰ፡ ኣብ ኣሜሪካ ዝነበር ኣልኣዛር ዮሴፍ ሓሸሊት ዝተባህለ ኣብ ከተማ ከረን ተወሊዱ ዝዓበየ መንእሰይ እዩ።

ኣብዚ እዋን እዚ ኣልኣዛር፡ ምስ በዓልቲ ቤቱን ክልተ ደቁን፡ ኣብ ኖርዝ ካሮላይና ኣሜሪካ ይነብር ኣሎ።

ኣልኣዛር ኣብ መወዳእታ 2005 ካብ ኤርትራ ናብ ሱዳን ተሰዲዱ፡ ክሳብ መስከረም 2006 ከኣ ኣብ ሱዳን ጸኒሑ። ብድሕሪኡ ናብ ሰኔጋል ሰጊሩ። ኣብ ጥሪ 2007 ብስጳኛ ገይሩ ናብ ሜክሲኮ ክኣቱ ምስ ፈተነ ኣብ ሜክሲኮ ተታሒዙ ናብ ሰኔጋል ተጠሪዙ።

እንተኾነ በቲ ዘጋጠሞ ተስፋ ከይቆረጸ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ብፖርቱጋል ናብ ቬነዝዌላ ኣትዩ። ሽዑ'ውን ኣይሰለጦን፤ ካብ ቬኒዝዋላ ዳግማይ ናብ ፖርቱጋል ተጠሪዙ፤ ፖርቱጋል ከኣ ናብ ሰኔጋል ጠሪዛቶ።

ሓሳብ ልቡ ከተግብር ዘንቀደ ኣብ ዝሓለሞ ከይበጽሐ ስለዘይቀስን፡ ድሕሪ ኣስታት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ካብ ሰኔጋል ተበጊሱ፡ ብፖርቱጋል ገይሩ ናብ ቬኔዝዌላ፡ ካብ ቬኔዝዌላ ናብ ሜክሲኮ ኣትዩ። ካብ ሜክሲኮ ከኣ ኣብቲ ኣብ ኣውቶቡስ ኣቑሑት ዝጸዓኖ ቦታ ተሰቒሉ ን14 ሰዓታት ተሓቢኡ ናብ ዶብ ኣሜሪካ ኣትዩ። ካብኡ ን36 ሰዓታት ብእግሪ ተጓዒዙ ናብ ቴክሳስ ኣትዩ።

ጉዕዞ ስደት ኣልኣዛር ብዙሕ ዝርዝራት ዘለዎ ዓቢ ዛንታ እዩ። ስለዝኾነ ንጉዕዞ ስደቱ ብዝምልከት ሓደ መዓልቲ ብሰፊሕ ከነቕርቦ ኢና።

ነዛ “ካቢ” እትበሃል ትካል ንምብጋስ ዝደረኸ ረቛሒ እንታይ’ዩ?

ኣልኣዛር፡ ዝንባሌኡ ብዘይምልላዩ ኣብ ኣመሪካ፡ ኣብ ዱኳን፡ ኣብ ሓለዋ [ሰኵሪቲ] ዳሕራይ ከኣ ታክሲስታ ኮይኑ ሰሪሑ።

“ፌይስ ቡክ ንዋትስኣፕ ክገዝእዎ እንከለው፡ ኣነ ኣብቲ ዝተፈራረምሉ ህንጻ ከም ዋርድያ “ሰኵሪቲ” ኮይነ ይሰርሕ ነይረ። ኣብቲ ትካል ዝሰርሕ ንዝነበረ ክሪስ ዝብሃል ሰብ ኣብ ኤርትራ እንከለኹ ዝርእዮም ዝነበርኩ ናይ እንግሊዝ ፊልምታት ምስ ነገርክዎ፡ ‘ንስኻ ብዘለካ ዝንባለ ምስ ኮምፒተር ኣብ ዝተኣሳሰር ስራሓት ከተድምዕ ትኽእል ኢኻ’ ስለዝበለኒ ሓሲበዮ ዘይፈልጥ ዝንባለ ከምዘበራብር ገይሩኒ” ይብል።

ድሕሪ እታ ኣብ ኣመሪካ ምስ ኣተወ ኣብ ሓሙሻይ ዓመቱ (2012) ዝረኸባ ናይ ክሪስ ሓሳብ ንምትግባር ከኣ ካብ መጻሕፍትን ናይ ዩትዩብ ትምህታዊ ሓበሬታ ነብሱ ከማዕብል ፈቲኑ። ቁሩብ ኣፍልጦ ምስ ደለበ ከኣ ብዘይ ወግዓዊ ዲፕሎማን ዲግሪን ኣብዚ ሕጂ ዝሰርሓሉ ዘሎ ትካል ግዝያዊ ስራሕ ሓቲቱ ተቐቢሎሞ።

ኣይዶንጎዩን፡ ዓቕሙ ርእዮም ከኣ ከም ቀዋሚ ሰራሕተኛ ቆጺሮምዎ። ካብ ሽዑ ክሳብ ሕጂ ኣብኡ ይሰርሕ ኣሎ።

“ኣብ 2013 ምሉእ ናይ ኣሜሪካዊ ዜግነት ተዋሂበ። ሕጂ ከኣ ከም ‘ሶፍት ዌር ኢንጂነር ኮይነ ይሰርሕ ኣለኹ። ኣብ ካቢ ድማ ከም ኣቦ መንበር ኮይነ ይዓዩ ኣለኹ” ይብል።

ተማሃሮ ካቢ ኣብ እዋን ትምህርቲ

ምንጪ ስእሊ, KABBEE

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

“ካቢ” ብቋንቋ ብሌን ኮይኑ፡ “ሓግዝ” እዩ ትርጉሙ።

ዕላምኡ ከኣ “ነቶም ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ኣሕዋትና ኣሓትናን ግዚኦም ብግቡእ ንኽጥቀምሉ ብዝተፈላለየ ትምህርታዊ ሞያታት ምስልጣን’ዩ” ይብል ኣልኣዛር።

ብምቅጻል “ነዚ ሓሳብ እዚ ንኸበግስ ዝደረኸኒ ኣብ 2017 ናብ ካናዳ ኣብ ዝኸድክሉ፡ ብዙሓት መንእሰያት፡ ነቲ ኣነ ኣብ መጀመርታ ዝሓለፍክዎ ከቢድ ጉዕዞ ስደት ደጊሞም ክኸድዎ ምስ ርኣኹ’የ ምምስራት ካቢ ብልጭ ኢሉኒ” ይብል።

“ኣነ ንኣሜሪካ 2007 ክኣቱ እንከለኹ ብዘይ ዝኾነ ሞያ’የ ኣትየ፡ ኣሜሪካ ከኣ ከምዚ ቀሊል ዓዲ ዝደለኻዮ ኣብ ዝደለኻዮ ትረኽበሉ’ዩ ዝመስለኒ ነይሩ፡ እንተኾነ ብኣንጻሩ ግን ከቢድ ኮይኑ’ዩ ጸኒሑኒ፡ ነቲ ናይ ብሓቒ ዝንባለይ ንኸለሊ ከኣ ሸውዓተ ሸሞንተ ዓመታት’ዩ ወሲዱለይ። እቲ ኣነ ዝኸድክዎ መገዲ ኣሕዋተይ ንምንታይ ይደግምዎ? ካብ ዝብል ድማ “ካቢ” ንኽትምስረት ድርኺት ፈጢሩለይ”

“ . . . እዚ ሓሳብ እዚ ምስ መጽኣኒ ንኣሕዋተይን ክርድኡኒ ይኽእሉን’ዮም ምስ ዝበልክዎም ሰባት ተዛትየ ካቢ ከምእትምስረት ገይረ”

ካቢ ኣብ ካሊፎርንያ ዝተመዝገበ መኽሰብ ዘይብሉ ትካል’ዩ “እቲ ሓሳብ ምስ ኣብሰልክዎ፡ ኣብ ሚያዝያ 2018 ኣብ ሱዳን ሓደ መቐበሊ ኣጋይሽ ብምክራይ 12 ተማሃሮ ከነሰልጥን ጀሚርና፡ ክሳብ ሕጀ ከኣ ብዝተፈላለለየ ሞያን እብረን ኣስታት 1270 ዝኾኑ ተመሃሮ ኣመሪቕና ኣለና” ይብል።

ነቲ ክሳብ ሕጂ ዝሃብዎ ስልጠናታት ከኣ ትምህርቲ ቋንቋ፡ ጽርበት ሓጺንን ዕንጨይትን፡ ቪድዮ ‘ኤዲቲንግ’፡ ናይ ሶፍትዌር ቴክኖሎጂ፡ ምምዕባል ዌብ ሳይትን ምምዕባል መተግበሪ [ኣፕሊኬሽን] ከምዝኾነ ይገልጽ።

ካቢ፡ ኣብ መጀመርታ ኣብ ሱዳን ብውሑድ ቁጽሪ’ኳ እንተጀመረ፡ ሕጂ ግን ጨናፍራቶም ብምስፋሕ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኡጋንዳን ከምኡ ከኣ ኣብ ግብጺ መምሃሪ ከፊቶም ከምዘለዉ ኣልኣዛር ሓቢሩ።

ኣልኣዛር እቲ ሓሳብ ባዕሉ’ኳ የበግሶ ብሓሳብን ብገንዘብን ዝደጋገፉዎ ኣሕዋት ከምዘለዉዎ ብምሕባር ንሱ እናኣማእከሎ እቲ ስራሕ በቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ኣባላት ካቢ ይካየድ ምህላዉ ገሊጹ።

ኣልኣዛር ሓደ ካብቶም ኣብ 1998 ንከተማ ከረን ወኪሎም ብኩዕሶ እግሪ ናብ ስዊድን ዝገሹ ናይ ሽዕኡ ህጻናት ናይ ሕጂ መንእሰይ'ዩ፡ እዚ ዛንታ'ውን ሓደ መዓልቲ ከነዘንትዎ ኢና።

ተማሃሮ ብኸመይ’ዮም ዝምረጹ?

ተማሃሮ ካቢ ኣብ እዋን ትምህርቲ

ምንጪ ስእሊ, KABBEE

ኣልኣዛር፡ መጀመርታ፡ ኣብ ሱዳን ነቶም ዝነበሩ 12 ተማሃሮ ንምምራጽ፤ ኣብ ሱዳን ዝነበረ ‘ኤቨን መሰልጠኒ ማእከል’ ዝተባህለ ትካል ምስኦም ብምውህሃድ ከምዝጀመርዎ ይገልጽ።

 “ከም ሮቋሒ ክልተ ነገራት ጥራይ ኢና ንጠልብ፡ ድሌትን ተወፋይነትን፡ ሰብ ክምሃር’የ ክስልጥን’የ እንተኢልና ሓንጎፋይ ኢልና ኢና ንቕበሎ” ከኣ ይብል።

ብምስዓብ ነቶም ተማሃሮ ኣሰልጢኖም፡ ኣዕጢቖም ናብ ስራሕ ከምዘዋፍርዎም ይሕብር።

“ንኸነሰልጥኖም መጀመርታ ዝንባሌኦም ከምዘለልዩ ንገብሮም። ነቲ ዝተዋህቦም ትምህርቲ ብግቡእ ምስ መለኽዎ ከኣ ኣብተን ኣብ ካቢ ዘለዋና ዓበይቲ ጉጅለታት ተጸንቢሮም ተመክሮ ከምዝቐስሙ ብምግባር ናብ ስራሕ ነሰጋግሮም” ይብል ኣልኣዛር።

ንነብሱ ከም ኣብነት ብምጥቃስ ከኣ “ኣነ ዝኾነ ዲግሪ ይኹን ዲፕሎማ የብለይን እቲ ዝንባለይ ስለዘለለኹዎ፡ ካብ ዩትዩብን ካልእ መምሃሪ ናውትን እናተጠቐምኩ’የ ነብሰይ ኣማዕቢለ” ይብል።

ኣልኣዛር፡ “ካቢ”፡ ክሳብ ሕጂ ንመሰልጠኒ እቶም ተማሃሮ ክሳብ 300 ሽሕ ዶላር ከምዘውጽአ እቲ 25 ሽሕ ዶላር ሰባት ከምዘዋጽኡሎም እቲ ዝተረፈ ግን ካብ ጁቡኡን ናይ ስጋ ኣሕዋቱን ከምዝተሸፈነ ይገልጽ።

ኣብ ርእሲኡ እቶም ኣብ “ካቢ” ዝሰርሑ’ውን ፍርቂ ዶሞዞም ንካቢ ብምውፋይ ቀጻልነቱ ኣብ ምውሓስ ተራኦም ከምዝተጻወቱ ይገልጽ።

ሕጂ ካቢ ኣብ ምህንድስና ሶፍትዌር 30፡ ኣብ ክፍሊ ስነጥበብን ክፍሊ ሕግን ፋይናንስን ከኣ 10፡ ብድምር 40 ዝኾኑ ንጡፋት ኣባላት ኣለዉዋ።

ኣልኣዛር፡ ኣብ ኤርትራ ንመንእሰያት ሞያዊ ስልጠና ክህብ ልዑል ድላይ እኳ እንተለዎ፡ ንግዝይኡ ናይ ኢንተርነት ‘ኣክሰስ’ ( ዕድላት) ስለዘየለ ከምዘይተኻእለ ይሕብር። ይኹን እምበር ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮይኖም ምሰኦም ዝሰርሑ ከምዘለው ይዛረብ።

‘ካቢ ፕላስ’ እንታይ’ዩ ስርሑ

“ሰለስተ ዕላማታት ዘለዎ ካቢ ፕላስ፡ ልክዕ ከምዚ ኔትፍሊክስ ኮይኑ ንመምሃርን መዘናግዕን ዝተሰርሐ መተግበሪ ኮይኑ፡ ንተዓዛቢ ሚዛኑ ዝሓለወ መሃርን ኣዛናጋዕን ፊልምታት ንኽርኢ ባይታ ዝፈጥር እዩ። ብኡ ከኣ ንስነ-ጥበባውያን ሃገርና ሓደ ምእኩል ዝኾነ ባይታ ንምፍጣርን በቲ ዝርከብ መኽሰባት ንምምዕባል ሕብተሰብን መንእሰያትን ምውዓል’ዩ” ይብል ኣልኣዛር።

“ነዛ ኣፕሊኬሽን ኣብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ዘለዉ መንእሰያትና’ዮም ኣማዕቢሎማ ዳርጋ ኩሎም ከኣ በቲ ናትና ስልጠና ዝሓለፉን ዝዓጠቑን’ዮም” ብምባል ክሳብ ሕጂ ሓያለ ፊልምታት ኣብቲ ‘ኣፕሊኬሽን ጽዒኖም ምህላዎም ይገልጽ።

ብመምህር ኤፍሬም ካሕሳይ [ወዲ ኳዳ] ዝተደርሰትን ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ፊልም ፌስቲቫልን ዝተዓወተት ‘ዓለም ኣብቲ ደብሪ’ ኣርእስታ ፊልም ብካቢ ፕላስ ተመዊላ ዝተሰርሐትን ኣብ ካቢ ፕላስ ብክፍሊት ትርአ ዘላን ፊልምን’ያ።

ብዘይካዚኣ ቅኒት ለይቲ፡ ብዕድላ፡ ት’ዘሎ የለን፡ ደሃይ፡ ባህጊ፡ ቦታ ቀይሪ፡ ፈዳይ ሕነን ካልኦትን ፊልምታት’ውን ኣብ ካቢ ፕላስ ይርከባ።

ኣልኣዛር እቲ ክፍሊት ከከም ቁጠባዊ ኩነታታት ናይ ሃገራት ኣብ ግምት ብምእታው ከምዝገበርዎ ብምሕባር፡ ኣብ ኣሜሪካ ዝርከቡ ዓማዊል ንወርሒ ብ7 ዶላር ንዓመት ከኣ 60 ዶላር ከፊሎም ኣብ ከብሕታታት ካቢ ፕላስ ዘሎ ፊልምታት ክርእዩ ከምዝኽእሉ ይሕብር።

ክሳብ ሕጂ ኢንተርነት ዘለዎም ዓማዊል ጥራይ ፈልምታት ካቢ ፕላስ ክርእዩ ከምዝኽእሉ ዝሕብር ኣልኣዛር “ነቲ ኢንትርነት ዘይብሉ [ብፍላይ ከኣ ኤርትራ] ነቲ ፊልምታት ብኦፍላይን ዝርኣየሉ ኣገባብ ንምግባሩ ኣብ ምጽናዕን ምጽፋፍን ኢና ዘለና፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ናብ ተግባር ከነሰጋግሮ ኢና” ይብል።

ኣልኣዛር ኣብ ካቢ ፕላስ ዝጽዓን ፊልምታት ተመሪጹ ከምዝኣቱ ብምሕባር “መጀመርታ ዘይተሰርሐ እንተኾይኑ ነቲ 'ስክሪፕት' ርእዮም ዝመምዩ ኣለዉ፡ ብቁዕ ኮይኑ እንተረኺብናዮ ከኣ ናብ ምስራሕ [ፕሮዳክሽን] ነስግሮ፡ ዝተሰረሐ ፊልም እንተኾይኑ ከኣ ርኢና ደረጅኡ መዚንና ኢና ንገዝኦ” ይብል።

ብምስዓብ “መዊልና ነስርሖ ፊልምታት ከኣ ኣሎ ሓንቲ ካብኡ ኣብ ብዙሓት ናይ ፊልም ፌስቲቫላት ተወዳዲራ ዝተዓወተት ናይ ኤፍሬም ካሕሳይ “ዓለም ኣብቲ ደብሪ” ትብል ፊልም’ያ፡ ብስክሪፕት ጥራይ ዝመጽኣና ፊልምታት እቲ ስክሪፕት ብቑዕ ኮይኑ እንተረኺብናዮ መዊልና ኢና ነስርሖ”

“... ፊልም ከነስርሖ እንከለና ብኽንድዚ ስርሕዎ ዘይኮንና ንብሎም ብዝበለጸ ንኽትስራሕ ክንደይ የድልያ ኢልና ኢና ንምውሎም” ብምባል ብቕዓቱ ዝሓለወን ተወዳዳርን ፊልምታት ጥራይ ከምዝቕበሉ ኣልኣዛር ይገልጽ።

ካብ ኣባላት ካቢ ንገሊኦም

ኢንጂነር ሮቤል ሰመረ በይን

ኢንጂነር ሮቤል ሰመረ

ምንጪ ስእሊ, KABBEE

ኣብ 2015 ብምህንድስና ኮምፒተር ካብ ኮሌጅ ማይ ነፍሒ ተመሪቐ።

ኣብ ሱዳን ምስ ካቢ ተላልየ፡ ካቢ ፕላስ ክትስራሕ እንከላ ከኣ ካብቶም መስረትቲ’የ ነይረ፡

ብዛዕባ ናይ ‘ፕሮግራሚግ’ ኣፍልጦ ነይሩኒ’ዩ ብዛዕባ ‘ክላዉድ ኮምፒቲንግ’ ግን ካብ ዜሮ ጀሚረ ኣብ ካፒ ፕላስ’የ ኣማዕቢለዮ።

ሕጂ ኣብ ጀርመን እየ ዘለኹ፡ እቲ ኣብ ካቢ ኮይነ ዘጥረኽዎ ሞያ ስለዝሓገዘኒ ከኣ ኣብ ‘ክላውድ ኮምፒቲንግ’ ይሰርሕ ኣለኹ። ልዕሊ ኩሉ ኣብ ካፒ ዝተመሃርክዎ ግን ንብዙሕ ዓቕሚ ሰብ ዘለዎ ጉጅለ ከመይ ገይርካ ኣወሃሂድካ ጽፉፍ ስራሕ ትሰርሕ’ዩ

ኢንጂነር ፊልሞን ኪዳነ ፍትዊ

ኢንጂነር ፊልሞን ኪዳነ ፍትዊ

ምንጪ ስእሊ, KABBEE

መግለጺ ስእሊ, ኢንጂነር ፊልሞን ኪዳነ ፍትዊ

ብምህንድስና ኮምፒተር ካብ ኮሌጅ ማይ ነፍሒ ተመሪቐ።

2018 ናብ ኢትዮጵያ ኣትየ፡ ምስ ካቢ ከኣ ንክልተ ዓመት ሰሪሐ፡ ሕጂ ከም ናይ ‘ፕሮዳክት’ ማናጀር ኮይነ ይሰርሕ ኣለኹ።

ኣነ ናብ ካቢ ምስ ኣተኹ ቀንዲ ዝኸሰብክዎ ነገር እምነትን ራእን’ዩ። ልክዕ ከም ኔትፍሊክስ ዝመሳሰል ኣፕሊኬሽን ብኤርትራዊ ዓቕሚ ክትሰርሕ እየ ኢልካ ምእማን ሓደ ካብ ካቢ ዝኸሰብክዎ’ዩ።

እቲ ካልኣይ ራኢ ዝበልክዎ ንነዊሕ ዝዓለመ ራኢ ክህልወካ ከምዘለካ’ውን ካብ ካቢ’የ ተማሂረዮ።

ኣብ ቴክኖሎጂ ክንመጽእ እንከለና ከኣ ካቢ ፕላስ ንምስራሕ ዝተጠቐምናሉ እቲ ኣሎ ዝብሃል ሓደሽቲ ሶፍቲዌራት’ዩ እዚ ከኣ ኣብ ካቢ’የ ተላልየዮ።