ህቡብ ስነጥበባዊ ኣብራር ዑስማን፡ ተሸላሚ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ፐን ኤርትራ 2022 ኰይኑ

ኣብራር ዑስማን
መግለጺ ስእሊ, ስነጥበባዊ ኣብራር ዑስማን

ህቡብ ኤርትራዊ ስነጥበባዊ ኣብራር ዑስማን፡ ኣብቲ ዓመታዊ ኣብ 18 መስከረም ዝወሃብ ሽልማት ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት፡ ፐን ኤርትራ ተዓዋቲ እዚ ዓመት ኰይኑ ከም ዝተረቝሐ፡ እቲ ትካል ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ወግዓዊ ገይሩ።

ኣብራር ዑስማን ነዚ ሽልማት’ዚ ዝበቕዐ፡ ቀሪቦም ንዝነበሩ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ዝነጥፉን፡ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ኣብ ምድራኽን፡ ኣብ ምዕባለ ስነጥበብ ብዝጸንሖም ውህሉል ኣበርክቶን፡ ንሽልማት ይብቕዑ እዮም ንዝተባህለ ካልኦት ሸውዓተ ሕጹያት በሊጹ እዩ ነዚ ሽልማት በቒዑ ዘሎ።

ብመሰረት’ዚ ካብ ኮሚቴ ምዕዳል ሽልማት ፐን ኤርትራ ወግዓዊ ዝዀነ ሓበሬታ፡ ነዚ ውሳነ’ዚ ንምብጻሕ፡ ሰፊሕ ዳህሳስ፡ ዘተን ክትዕን ኣብ ዙርያ ኣበርክቶ ኵሎም ሕጹያት ተሸለምቲ ተኻይዱ እዩ።

በዚመሰረት፡ ኣብራር ዑስማን፡ ካብ 1976 ኣትሒዙ ዝጅምር፡ ኣስታት ፍርቂ ዘመን ዝኸደ ስነጥበባዊ ኣበርክቶኡ፡ ኣብ ስነጥበብ ደርፊ ኤርትራ፡ ከም ሙዚቀኛ፡ ድምጻዊ፡ ገጣሚ፡ ሓዳሚን ዘያምን ብምዃን፡ ንዓመታት ብዓይነቱ ዝተፈልየን ዝበላለጽን ብዙሕን ደፍርታት ብቛንቋታት ትግርኛን ሳሆን ስነጥበባዊ ስርሓት ምፍራዩ ይፍለጥ።

ኣብ እዋን ገድሊ ንናጽነት ኤርትራ፡ ብደርፍታቱ ብዙሓት መንእሰያት ዝጸለውን ዘለዓዓለን ብምዃኑ፣ ኣብ ህርመት ሙዚቃ፡ ዜማን ውህደትን ብተደጋጋሚ ኣብ ስርሓቱ ብልጸት፡ ፍሉይነትን መሃዝነት፡ ጸብለልታን ብምንጽብራቕ፣ ንዝተፈላለየ እዋን መድረኻት ቃልሲን፡ ዝሰዓበ እዋን ናጽነትን ህዝቢ ኤርትራ፡ ብተዘከርቲ ደርፍታት ብጥበብ ክገልጽን ክስነድ ምኽኣሉን፡ ብደረጃኦም ጸብለልታ ዘለዎምን ንመወከሲ ክዀኑ ዝኽእሉ ስርሓት ከፍሪ ምኽኣሉን እዩ ነዚ ሽልማት በቒዑ ዘሎ።

ምስኡ ተተሓሒዙ’ውን ኣብራር፡ ኣብ ንኣሽቱ ስነጥበበኛታት ኤርትራ፡ ብስርሓቱ ይዅን ሓቢርካ ብምስራሕ ጸላዊን ኣተባባዒን ተራ ስለዝጸንሖ፡ ተሸላሚ ክኸውን ካብ ዘኽኣለ ተወሳኺ ነጥቢ ምዃኑ ተጠቒሱ’ሎ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ኣብራር፡ እታ ኣብ 2000 ‘ሻማ በል’ ብዝብል ኣርእስቲ ዘሕተማ ራብዓይቲ ኣልበሙ፡ ሽልማት ዝዓበየ ሽልማት ራይሞክ - ኤርትራ ክትከውን ምብቅዓን፡ እቲ ሽዑ ዝተዋህቦ ገንዘባዊ ሽልማት ከኣ ብምሉኡ ንመማዕበሊ ሙዚቃ ኤርትራ ከም ዘወፈየ፡ ኮሚቴ ሽልማት ፐን ኤርትራ ኣፍልጦ ሂብዎ እዩ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብራር ሞያዊ "ስነምግባርን ስብእናኡን ዓቒቡ፡ ንዓመታት ቃናኡን መንፈሱን ከይቀየረ ንፍትሒ፡ ንዲሞክራስን ናጽነትን ከየባተኸ ዝዘመረ ብሉጽ ስነጥበባዊ" ምዃኑ፡ ኮሚቴ ምዕዳል ሽልማት ፐን ኤርትራ ገሊጹ።

ስነጥበባዊ ኣብራር፡ ኣብቲ ዝመጽእ 1-2 ጥቅምቲ፡ ኣብ ስቶክሆልም ሽወደን ዝካየድ ዓመታዊ ዋዕላ ፐን ኤርትራ፡ ሽልማቱ ክቕበል እዩ።

ዓመታዊ ሽልማት ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ፐን ኤርትራ፡ 1,000 ዶላር ገንዘብን ዋንጫን ዝህብ ሽልማት ብምሃብ ካብ 2019 ዝጀመረን፣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ብ 18 መስከረም 2001 ዝተገብረ ምዕጻው ጋዜጣታት ብሕቲ - ናጻ ፕረስ ብሓፈሻ - ንምዝካር ተባሂሉ ኸኣ ዓመታዊ ኣብዚ ዕለት ክወሃብ ዝተወሰነ ሽልማት እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ገጣሚት ይርጋኣለም ፍስሃ ኣብ 2019፡ መስራትን ኣካያድን መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ሳልሕ ቓዲ ጆሃር ኣብ 2020፡ ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኦሃዮ ከኣ ኣብ 2021 ተሸለምቲ ምዃኖም ይዝከር።

ፐን ኤርትራ፡ ኣብ ጥቅምቲ 2014፡ ኣብ መበል 80 ኣህጕራዊ ዋዕላ ፐን - ዓለም ኣፍልጦ ረኺቡ ዝተመስረተ ትካል ኰይኑ፡ ኣብ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባትን ምዕባለ ስነጽሑፍ ኤርትራን ኣተኵሩ ዝሰርሕ፤ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ኵነታት ኤርትራ ድማ ኣብ ደገ ስለዝተመስረተ፡ "ፐን ኤርትራ ኣብ ስደት" ተባሂሉ ዝፍለጥ ትካል ምዃኑ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ሰፊሩ'ሎ።