ፔን ኤርትራ፡ ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ ተሸላሚ ሓርነት ምግላጽ ሓሳባት ፔን ኤርትራ 2021 ኮይኑ

ምንጪ ስእሊ, Pro. Ghirmai Negash
ፔን ኤርትራ ብምኽንያት ምእሳር ጋዜጤኛታትን ምዕጻው ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ዓመታዊ ኣብ 18 መስከረም ንዝህቦ ሽልማት፡ ናይዚ ዓመት እዚ ዕዉት ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ ክኸውን ወሲኑ።
ኮሚቴ ፔን ኤርትራ ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ፡ ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ፡ ኣብ ዕቤት ስነጽሑፍ ትግርኛ፡ ቅድሚኡ ዘይነበረ ሓዲሽ ፍልጠት፡ ኣጠማምታ፡ ምደባታት ኣገዳሲ ምሰረት ዘቐመጠ ምዃኑን ናይ ሓደ ዘመን ታሪኽን ኣመዓባብላን ቋንቋን ስነጽሑፍን ትግርኛ (ኤርትራን ኢትዮጵያን) ዝዳህሰሰ፡ The history of Tigrinya literature oral and written (1890 ክሳብ 1991) ዝብል ኣገዳሲ መጽናዕታዊ መጽሓፍ ምብርካቱ ተጠቂሱ።
መጽሓፍ 'ሓደ ዛንታ' ናይ ኣባ ገብረእየሱስ ሃይሉ፡ 'The conscript- a novel of Libya's Anticolonial war' ብዝብል ኣርእስቲ ናብ እንግሊዝኛ ብምትርጓም።
'Who needs a story' ብዝብል ካብ ትግርኛ ትግረን ዓርብን ዝተሓረዩ ግጥምታት ኤርትራ፡ ናብ እንግሊዝኛ ብምትርጓምን ብምሕታምን (ምስ ፕሮፌሰር ቻርለስ ካንታሎፖ) ግጥምታት ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻትን ኣብ ዩኒቨስታትን ትካላት ምርምርን ከምዝፍለጥ ብምግባር ንሽልማት ምብቅዑ ኮሚቴ ሽልማት ፔን ኤርትራ ገሊጻ።

ምንጪ ስእሊ, Pro. Ghirmai Negash
ኣብ መሰል ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት'ውን ብዘይ ምቁራጽ ብዕትበትን ብተኸታታልነትን ብውሕዱ ካብ 1992 ንሰንሰርሲፕን ናጽነት ጽሓፍትን ደርስትን ኣምልኪቱ ዝተማጓተን ዝጸሓፈን ምዃኑ እታ ኮሚቴ ገሊጻ።
ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ ኣብ 1992 ኣብ ኣስመራ ንኤርትራውያን ጸሓፍቲ፣ ደረስቲ፣ ጋዜጤኛታት፣ ምሁራትን ሰብ ስልጣን መንግስትን ብዛዕባ ናይ ደረስቲ ናጽነት ዝገልጽ ጽሑፍ ብምቅራቡ ካብ መጀመርታ ናጽነት ኣትሒዙ ንመሰል ሓሳብ ምግላጽ ይማጎት ምንባሩ ተሓቢሩ።
ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ መስራትን ቀዳማይ ፕረዚደንት ፔን ኤርትራን'ውን እዩ ነይሩ።
ዕዉት ፔን ኤርትራ፡ ዋንጫን 1000 ዶላርን እዩ ዝሽለም።
ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ ነቶም ብማንዛ ንዝተኣከቡ ኣባላት ፔን ኤርትራ ብቀጥታ ብፌስ ቡክ ኣብ ዝመሓላለፍ ዝነበረ መደብ ኣብ ዘስምዖ መደረ "ኣብዚ መዓልቲ'ዚ ብዛዕባ እቶም ቅድሚ 20 ዓመት ንምልኪን ጭቆናን እምቢታ ዘስምዑ ናይ "ሓሳብትካ ምግላጽ ጀጋኑ" ኣስተንቲንና ክንሓስብን ንኣብነታዊ ተዋፋይነቶም ብክብርን ኣድናቖትን ክንዝክሮ ግዴታና ኢዩ" ኢሉ።
ብምስዓብ "ኣብ'ዚ ኣጋጣሚ'ዚ ነቶም ኣብ'ዚ ዓመት'ዚ ኣብ ስደት ዝኸሰርናዮም ብሉጻት ጋዜጠኛታት ክዝክር'ውን እደሊ። ንምስክር፡ ካብ ኣፍ ገበል ወጺኦም ከበቅዑ ኣብ ስደት ብሞት ንዝተፈልዩና፡ ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ቀስተ-ደበና ነበር ሚልቂያስ ምሕረትኣብ፡ ዋና ኣሰናዳኢ ጋዜጣ ሰቲት ነበር ኣሮን ብርሃነ፡ ከምኡ'ውን ግዳይ ዘይሕጋዊ ኣርባዕተ ዓመት ማእሰርቲ ዝነበረ ጸሓፊን ጋዜጠኛን ተስፋጊዮርጊስ ሃብተ . . . ምእንቲ ክብሮም ከኣ፡ ነዚ ተዋሂቡኒ ዘሎ ሽልማት ፔን ኤርትራ ንዓቶም አውፍዮ ኣለኹ፡፡ እተን ዝዋሃባኒ ገንዘብ'ውን ነቶም ኣብ ሓዘን ዝርከቡ ስድራቤታት እዞም ሰለስተ ጋዜጠኛታት አበርክተን" ኢሉ።
ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ ኣብ ዩኒቭርስቲ ኦሃዮ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዳይረክተር 'ኣፍሪካን ስታዲስ' እዩ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ሽልማት ራድዮ ኤሬና፡ ኣካያድን መስራትን መርበብ ሓበሬታ ኣዝማሪኖ ኣቶ ተስፋልደት ኣለም መሓረናን ኣሕታሚ ትካል እምኩሉን ምስ ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ ብኣባላት ፔን ኤርትራ ተሓጽዪም ከምዝነበሩ ኣባላት ኮሚቴ እቲ ሽልማት ገሊጾም።
ፔን ኤርትራ ካምዚ ዓይነት ሽልማት ሎሚ ዓመት ንሳልሳይ ግዜኡ'ዩ ዝሽልም ዘሎ።
ኣብ 2019 ገጣሚትን ጋዜጠኛን ክትሽለም እንከላ ኣብ 2020 ከኣ መስራቲ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ኣቶ ሳልሕ ጋዲ ምሽላሙ ይዝከር።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







