ኣቶ ሳልሕ ቃዲ ተሸላሚ ሓርነት ምግላጽ ሓሳባት ፔን ኤርትራ 2020 ኮይኑ

ሳልሕ ቃዲ

ምንጪ ስእሊ, ሳ.ቃ

ፔን ኤርትራ ከም መቐጸልታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝጀመሮ ዓመታዊ ሽልማት ሓርነት ምግላጽ ሓሳባት፡ ሎሚ ዓመት ንመስራቲ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ.ኮም ኣቶ ሳልሕ ቃዲ ጆሃር ተሸላሚ ሓርነት ምግላጽ ሓሳባት 2020 ኢሉ ሸሊምዎ።

ኣብቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዙምን ብቀጥታዊ ፈነወ ፌስቡክን ዝተኻየደ ስነስርዓት ምዕዳል ሽልማት፡ ኣቶ ሳልሕ ኣርማ ፔን ኤርትራ ዘለዋ ዋንጫን 1000 ዶላርን ተሸሊሙ።

ፔን ኤርትራ፡ ነቶም ቅድሚ 19 ዓመታት ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታትን ዝተዓጸዋ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ንምዝካር እዩ ነዚ ናይ ምዕዳል ሽልማት ኣብዛ ዕለት እዚኣ ክትከውን ሓርይዋ።

ነቲ ብኣባላት ፔን ኤርትራ ምስ ካልኦት ተሓጽዩ፡ ብመማይት ሽማግለ ፔን ኤርትራ ተሸላሚ ሓርነት ምግላጽ ሓሳባት 2020 ኮይኑ ዝተመረጸ ክሮቑሖ ዕድል ዝተዋሀቦ ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ ክሳብ ሕጂ 16 ጋዜጠኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘለዉ ድሕሪ ምሕባር እቲ ናይ ሎሚ ዓመት ሽልማት ኣብዚ ነታ ቀጻልነት ዕቱብነትን ተኣማንነትን ዘለዋ ዓዋተ.ኮም ዝመስረተ ኣቶ ሳልሕ ቓዲ ጆሃር ክትከውን መማይት ሽማግለ ከምዝወሰነት ሓቢሩ።

ኣባል ኣማኻሪት ቦርድ ፔን ኤርትራን ኣባል መማይት ሽማግለን ዶክተር ዳንኤል ረዘነ “ናይታ ሓንቲ ካብተን ኣዝየን ህቡባት መርባባት ሓበሬታ (ዓዋተ.ኮም)፡ መስራቲ- ኣርታዒ (founding editor) ዝኾነ ኣቶ ሳልሕ ጆሃር፡ ኣብ ምድንፋዕ ስነ-ጽሑፍን ሓሳብካ ናጻ ናይ ምግላጽ ሓርነትን ኣዝዩ ጸብለል ኢሉ ዝርአ ናይ ዘይተጸዓድነትን ቀጻልነትን ባህርያት ዝረኣየሉ ሕጹይ ምዃኑ ሽማግለ ድሕሪ ምምዛና፡ ቀዳማይ ሕጹይ ክኸውን ዘኽእሎ ኣገዳሲ ረቛሒ ኮይኑ ረኺባቶ” ኢሉ።

ኣብቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ኣብ ዓዋተ ዶት.ኮም ብዝገነሮ መጠነ-ብዙሕ ኣበርክቶ፣ ከምኡ 'ውን ኣብ 2010ን 2013ን ብዘሕተሞ ክልተ ፈጠራዊ መጽሓፍትን ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ብዝጀመሮ ናይ ነጋሪት እተሰምየ ፈነወ ዩትዩብ ነቲ ሽልማት ዘብቕዕዎ ነጥብታት ከምዝኾኑ ጸብጻብ መማይት ሽማግለ የረድእ።

ዝሓለፈ ዓመት ጋዜጠኛን ገጣሚትን ይርግኣለም ፍስሃ፡ ኣብ ሮተርዳም - ሆላንድ ኣብ እተኻየደ ዓመታዊ ኣኼባ ፔን ኤርትራ፡ ብሓርነት ምግላጽ ሓሳባት ናይ ኣፍልጦ ሽልማት ከምዝተውሃባ ዝዝከር እዩ።

ንሽዱሽተ ዓመት ዝተኣሰረት ገጣሚትን ጋዜጠኛን ይርግኣለም ኣብቲ ሽዕኡ እዋን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት " እቲ ሽልማት፡ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርትን ሸላታትን ኤርትራ ዘለዉ፡ ሓሳባቶም ክገልጹ ዘይክኣሉ፡ ብዓቢኡ፡ ኣብታ ድሌትካ ክትብለላ ዘይትኽእል ኤርትራ ንዘለዉ ንዓይ ዝመስሉ ወኪለ ከም ዝተቐበልክዋ እየ ዝሓስቦ" ኢላ ነይራ።

መርበብ ሓበሬታ

ምንጪ ስእሊ, ቃ.ሳ

ንዓዋተ ልዕሊ እቲ ንደቀይ ዘውጻእክሎም ሰልዲ’የ ኣፍሲሰላ

ኣቶ ሳልሕ ቃዲ ጆሃር ኣበቲ ናይ ሽልማት ምዕዳል ስነስርዓት፡ ዓዋተ ኣብቲ ናይ 20 ዓመታት ጉዕዞኣ “ነቲ ሰማይ ኣይሕረስ ንጉስ ኣይኽሰስ ዝብል ኣተሓሳስባ ሰይርናዮ ኢና ከምኡ’ውን ገለ ህይወቶም ንቃልሲ ዘሕለፉ ሰባት ከም ጓኖት ኮይኖም ይሓልፍዎ ነይሮም እዮም ንኸምዚኦም ዓይነት ሰባት ድማ ታሪኾም ንኽነግሩ ዕድል ክንህብ ፈቲንና ኢና” ኢሉ።

ንሱ፡ ዓዋተ.ኮም ኣብ ወርሒ መስከረም ናይ 2000 ኣብ ዝጀመረትሉ ተኣማንነታ ንኽዓቢ ሳልሕን፥ መሳርሕቱን ከይተሓለሉ ከምዝሰርሑ ብምሕባር “ኣብ ደገ ዘሎ ጥራይ ኣይኮነን እቲ ተቃላሳይ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ’ውን ናይ ገለ ዓበይቲ ሓለፍቲ ፓስዎርድ ናይ ኢመይል ዝህቡና ሰባት ነይሮም እዮም” ኢሉ።

ኣቶ ሳልሕ ቓዲ ጆሃር ኣብ መወዳእታ “ብሓፈሻ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ካብ ደቀይ ዝበልዕዎ መርመብ ሓበሬታ ዓዋተ ዝበልዓቶ ገንዘበይ ይበዝሕ” ክብል ተዛሪቡ።