ማሕበራዊትን ባህሪያዊትን ሒላብ፡ 'ናብ ከረን ጻዕዳ ምምላስ ኣይክተርፈንን’ዩ'

ናብቲ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝተኻየደሉ ጎቦ ሰንኪል ዘማዕዱ ካቴድራል ቅዱስ ኣንቶንዮ ከረን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ናብቲ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝተኻየደሉ ጎቦ ሰንኪል ዘማዕዱ ካቴድራል ቅዱስ ኣንቶንዮ ከረን

“ሓደ መዓልቲ ከረን ናብቲ ዝነበረቶ ክትምለስ ምዃና እኣምን’የ፣ ኣነ’ውን ናብ ከረን ክምለስ’የ። ምኽንያቱ ናይ ግዜ ሕቶ ገይረ ስለ ዝርእዮ” ይብል ሳልሕ ‘ጆሃር’ ቓዲ።

“ንበል ወርቂ ካትም ኣብ ጭቃ እንተድኣ ኣጥፊእካ ንኽትረኽባ ትሽገር ትኸውን፣ ምስቲ ጭቃ ስለ እትበዓጥ። ምስ ረኸብካያ ግን ሓጺብካ ኣጽሪኻ ናብቲ ዝነበረቶ’ያ ትምለስ - ከም ቀደማ ኸኣ ተብለጭልጭ፤ ከምኡ’ውን ከረን፡” ይብል ሳልሕ።

ሳልሕ ‘ጆሃር’ ቓዲ፡ ኣብ ዓዲ ስደት - ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ - ዝነብር ፍሉጥ ጸሓፋይን ጐስጓስ ሰብኣዊ መሰላትን ውጹእ ወዲ ከረንን’ዩ።

ንሱ ከም ዝበሎ፡ “ንዓይ ከረን ኣብነት ልዙብነት’ያ ክብል እኽእል። ሃያብን ሊበራዊትን ኰይና፡ ኣብነት ሓርበኝነት ዘረጋገጸት፡ ምንጪ ማዕርነትን ጕርብትናን ምዃና ክምስክረላ እደሊ። መሳጊድን ኣብያተ-ክርስትያንን ማዕረ-ማዕረ ደው ዝብላሉ፡ ሓልዮት ሓድሕድ ብሄራት ዘለዋ፡ ገያሾን ስደተኛታትን ብፍስሃ እተአንግድ፡ ምጭውትን ንዅሉ እተዛንን ከተማ’ያ” እናበለ ይገልጻ።

ሳልሕ ብዛዕባ ከረን ዉዕዉዕ ስምዒት ዘለዎ ሰብ ምዃኑ ጽሑፋቱ ይምስክሩሉ’ዮም። ምናዳ እቶም ብቐረባ ዝፈልጥዎ ሰባት ብዛዕባ ከረን ከዕልሎም ከሎ ሓደ ድሙቕ ስእሊ ከረን ናይ ምቕባእ ክእለትን ዓቕምን ከም ዘለዎ ይዛረብ።

ካብ ከረን ላዕላይ ጀሚሩ ክሳብ ከረን ታሕታይ፡ ብጂራ ፍዮሪ ኣቢሉ ዘምጽኦም ዕላላት፡ ካብ ሹቕ ጀሚሩ ንዅሉ መሸጓሹግ ብምብጻሕ፡ ንነበርቲ ከረን ከኣ ካብ እንዳ ካቫሌር ከራር ጀሚሩ ክሳብ እንዳ’ቦይ ንጉሩ ንዅሎም ሓደ-ብሓደ ብምዝካር ዘይውዳእ ዛንታታት ዘለዎ ሰብ’ዩ።

ከተማ ከረን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንምንታይ ከረን ብጻዕዳ ትግለጽ

ከረን

ምንጪ ስእሊ, ዳዊት

ንምንታይ ከረን ብጻዕዳ ትግለጽ ንዝብል ሕቶ፡ ሳልሕ እንክገልጾ፡ “ዳርጋ ብምሉኦም ሰረታት ፈለጋት ከረን ብጻዕዳ ሑጻ’ዮም ተኸዲኖም። ምስኡ ኸኣ መብዛሕትኦም እቶም ገዛውቲ፡ ብትእዛዝ ምኒቺፕዮ፡ ብኖራ’ዮም ዝልቕለቑ ነይሮም። እቲ ንፈለማ እዋን ንከረን ክበጽሕ ዝመጽእ ሰብ ንጽዕዳወኣ’ዩ ዘስተብህል ነይሩ። ስለዚ፡ ኣነ ከም ዝመስለኒ፡ እቲ ስም ‘ከረን ጻዕዳ’ ካብኡ ዝመጸ’ዩ ክብል እኽእል” ይብል ሳልሕ።

ናይ ቅብጥሮት ወይ ከኣ መግለጺ ፍቕሪ ዝተሓወሶ ስያመ ከይኰነ ኣይተርፍን’ዩ ዝብሉ’ውን ኣለዉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሳልሕ ወሲኹ፡ “ብዛዕባ ከረን ዘሐብነኒ ምኽንያት ኣሎኒ ... ዓዲ ኢብራሂም ሱልጣን ስለ ዝዀነት። ክእለትን ዓቕምን ኢብራሂም ሱልጣን ንበይኑ’ዩ ነይሩ” ብምባል ኣብ ፍልይ ዝበለ መንፈስ ይኣቱ።

ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን (1909–1987) ኣብ 40’ታትን 50’ታትን ንናጽነት ኤርትራ ዓቢይ ተራ ዝተጻወቱ፡ ሰልፊ ኣ'ራቢጣ ኣል-እስላምያ ዝመስረቱን ዝመርሑን፡ ክሳብ ግዜ ስንብታኦም ብዙሕ ዝሃለኹ መራሒ ነበሩ። ብዘይ ጐስጓስ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን፡ ኤርትራ ኣብ ክልተ ምተኸፍለት ነይራ ኢሎም ኣቦይ ወልደኣብ ወልደማርያም ዝመስከሩሎም ምዕሩግ ተቓላሳይ ነበሩ። ሓመድ ሬሳ ናይ’ዞም ኣቦ ኤርትራ ንምንታይ ካብ ከሰላ (ሱዳን) ንከረን ንኽምለስ ዘይከኣለ ብዙሕ ሰብ ዘልዕሎ ዛዕባ’ዩ። 

ከረን፡ ድሕሪ በዓል ኢብራሂም ሱልጣን ዝተቐልቀሉ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ከረን ዘፍረይዎም፡ ከም በዓል ሚኪኤል ጋብር፡ ወልደየሱስ ዓማርን ዝበሉ ፍሉጣት ተቓለስቲ ገድሊ ኤርትራ ዘፍረየት’ያ። 

ቀጺሉ፡ “እቲ ክሊማ ንጹህን ምሹዉን፡ ኣብ እንዳ ሻሂ ኣብ ግዳም ትሕቲ ጽላል ገረብ-ኒም ኮፍ ኢልና ዝሑል ንፋስ እናተወቓዕና ሻሂ ናዕናዕ ክንሰቲ እዝከረኒ” ይብል ሳልሕ። 

ብተወሳኺ፡ “ቅርጸ-መሬት ከረን ብጎቦታት ዝተኸበት ትፍስህትን ቅሳነትን ትፈጥር ከተማ’ያ” እናበለ ንጽምኢ ናፍቘት ዘርዊ ዕላል ገይሩ ይገልጻ።

‘ኣተዓባብያኻ ኣብ ከረን ከመይ ይመስል ነበረ?’ ኣብ ዝብል ሕቶ ሳልሕ ሰገጥ ከይበለ ከምዚ ይብል፡ “ኣቦይ ነጋዳይ’ዩ ነይሩ፣ ናይ ኮካኮላ ኤጀንት’ውን ነይሩ። ኣቦይ ክኢላ በዓልዋኒንን ሓርበኛን’ዩ ነይሩ፣ ኣደይ ከኣ ባህልና እተኽብር ፈቃር ኣደ’ያ ነይራ። እቲ ዝዓበኹሉ ማሕበረሰብ ንዓይ ብኽንክን’ዩ ኣዕብዩኒ፣ ብመቕርብና ተኸቢብና ኢና ዓቢና። እቲ ማሕበረሰብና ብርክት ዝበሉ መምህራን ዘበርከተ’ዩ ነይሩ። ሓደ ካብቶም ኣኮታተይ ፍቕሪ መጻሕፍቲ ከም ዝሓድረኒ ዝገበረ ጐብለል’ዩ ነይሩ” እናበለ ንፍቕርን ሓልዮትን ቤተሰቡ ይገልጽ። 

ናብ ዓድ-ሓባብ ዘማዕዱ መስጊድ ዓቢ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ናብ ዓድ-ሓባብ ዘማዕዱ መስጊድ ዓቢ

ማሕበራዊትን ባህርያዊትን ‘ሒላብ’ 

ኣብ ከረንን ከባቢ ከረንን ዝነበሩ ሕብረተሰብ ብሌን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካብ ርእሰከተማ ኣስመራ ንሰሜናዊ ምዕራብ 91 ኪሜ ርሒቓ እትርከብ ከረን፡ ኣብ ኤርትራ ብዕብየታ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትስራዕ። ኣስታት 120 ሽሕ ነበርቲ ከምዘለዋ ድማ ይግለጽ።

ሒላብ-መሰል ቅርጺ መሬት ዘለዋ፡ ብኣኽራናትን ሮራታትን እተኸበት ኣብ ሕምብርቲ ኤርትራ እትርከብ ተፈታዊት ከተማ ከረን፡ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ 1,400 ሜትሮ ብራኸ ዘለዋ ኰይና፡ ማእከላይ ክሊማ ትውንን ብምዃና ንኽትነብረላ ሰሓቢት እያ። 

ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ዝርከብ እምባ ላልምባ እቲ ዝዓበየ እምባ እዩ፣ ኣብ ምዕራብ ዝርከብ ጎቦ ሰንኪልን፡ ኣብ ደቡብ ዘሎ ሰፊሕ ዝባን ጎቦ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ዝርከብ ጎቦ ኢትዓብር ካብቶም ግርማ ዘልብስዋን ፍልይቲ ክትከውን ዝገብሩዋን ባህርያዊ ህያባትን እዮም።

ቀንዲ ሰፈራት ናይታ ርእሰከተማ ዞባ ዓንሰባ - ከረን ላዕላይ፡ ገዛ-ባንዳ፡ መጋርሕ፡ ሹቕ፡ ዓድ-ሓባብ፡ ገዛ ወረቐት፡ ሕለት ሱዳን፡ ከረን ጀዲድ፡ ሽፍሽፊት፡ መጋርሕ፡ ዓድ-ሓሸል፡ ዋሊኲን ሓሸላን ይርከብዎም።

ብማእከል እታ ከተማ ዝሓልፍ ሩባ ሸፍሸፊት (ገባሪ ሩባ ዓንሰባ) ግርማ ከረን’ዩ።

“ከረን ጻዕዳ” ዋላ ኣብ ኣእምሮ'ቶም ዘይበጽሑዋ ኤርትራውያን’ውን ተሰቚራ እትነብር፡ ኣብታ ሃገር ኣዝያ ህብብቲ ከተማ እያ። 

ካብን ናብን ዞባታት ጋሽ-ባርካ፡ ሳሕል (ናይ ሎሚ ክፋላት ሰሜናዊ-ቀይሕ ባሕሪን ዓንሰባን) ከምኡ’ውን ከበሳ በጻሕታ እትቕበለሉን እተፋንወሉን ኣፍደገታት መስመራት ጽርግያ ዘለዋ ብምዃና፡ ንቝጠባዊ ኣገዳስነታ የዕዝዞ።

ብቐንዱ ካብ ከበሳ ናብቲ ዘንቢል ሕርሻዊ እቶት ዝዀነ ዞባ ጋሽ-ባርካ ዝሓልፍ፡ ምስ ሱዳን’ውን ዘራኽብ ቀንዲ መትኒ መስመር ጽርግያ ኮነ፡ ናብ ኣፍዓበትን፡ ማርያታትን ናቕፋን ዝወስዱ መስመራት ብማእከላ’ዮም ዝሓልፉ። 

ተደኲናት’ሉ ዘላ ቦታ ንባዕሉ’ውን ኣብ መላግቦ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ብምዃኑ፡ ገለ ኣድነቕታ “ንእሽቶ ኤርትራ” ወይ ማሕበራዊት ሒላብ (መልቲንግ ፖት) ክብሉ ይጽውዕዋ። 

ቀንዲ ትእምርትታት ዝዀኑ፡ ኣቓልቦ በጻሕቲ ዝስሕቡ መስጊድ ዓቢ፡ ካቶሊካዊ ካቴድራል ቅዱስ-ኣንቶንዮን፡ ኦርቶዶክሳዊ ቤተ-ክርስትያን ቅድስቲ ማርያምን ብምዕዛብ ጥራይ፡ ንማሕበራዊ ብዙሕነት እታ ከተማ ብቐሊሉ ከትርዳእ ትኽእል። 

ሳልሕ ጆሃር፡ “ሕብረተሰባዊ ነቓዓት ዳርጋ የብላን ክብል ምግናን ኣይኰነን” ብምባል ንማሕበራዊ ጥምረት ነበርታ ይገልጾ። “ቋንቋታት ትግረን ቢለንን ትግርኛን እትሰምዓሉ፡ ተቐማጣይ ከረን ኣብ ሓድሕዱ ዘርእዮ ፍሉይ ፍቕርን ስኒትን፡ ኣብ በዓላት ሓቢሩ ዝጽንብል ህዝቢ’ዩ” ብምባል ነታ ዝተወልደላን ዝዓበየላን ከተማ ኣድኒቑ ኣይጸግባን’ዩ። ንበዓል ማርያም ደዓሪ ኸኣ ከም ኣብነት የቕርቦ።

ቤት ጸሎት ማርያም ደዓሪ፡ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ከባቢ ሩባ ዓንሰባ፡ ኣብ ውሽጢ ጕሕጓሕ ገረብ-ድማ ዝተሰርሐ፡ ኵሎም ደቂ ከረን ካብ ዝተፈለለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝመጹ ሰባትን ዓመት-ዓመት ዝነግዱሉ ኣገዳሲ ቅዱስ ቦታ‘ዩ።

እቲ ፈለማ ብፈረንሳውያን ደናግል ንመዕበያ ዘኽታማት ኢለን ዝሰርሓኦ ዀይኑ፡ ደሓር ግን ድገኛ ናይ ንግደት ቦታ ኰይኑ ተረፈ። 

“ኣብ ንግደት ማርያም ደዓሪ፡ 29 ግንቦት፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ደቂ ከረን ንዓዶም ዝምለሱሉ፡ ምስ ደቂ ከረንን ምስ ሰቦምን ሓቢሮም ዘብዕልዎ መንፈሳዊ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንኣስላምን ክርስትያንን፡ [ንካቶሊክን ኦርቶዶክስን] ብሓጺሩ ንዅሉ ዘአንግድ ንግደት’ዩ” ኢሉ ሳልሕ ነቲ በዓል ይገልጾ። 

“ካህናት ሕብራዊ ልብሶም ለቢሶም፡ ዑደቶም ምስ ፈጸሙ ደቂ ከረን ኣብ ሳዕስዒትን ጽንብልን ይኣትዉ። ኣቦይ ነቲ በዓል ዝኸውን ዝሑል መስተ ብምቕራብ፡ ኣሽሓት ጠራሙዝ ኮካኮላ ክሸይጥ እዝከረኒ” ኢሉ ብናፍቘትን ፍሽኽታን ነቲ በዓል ይዝክሮ። 

ንግደት ማርያም ደዓሪ ኵሎም ደቂ ከረን ሓቢሮምን ተሓጕሶምን ዘኽብርዎ በዓል ስለ ዝዀነ፡ ኣብነታዊ ምዃኑ ሳልሕ የስመረሉ።

እቲ ቅዱስ ቦታ ሓደ ካብ መስሕባት ከተማ ከረን ምዃኑ ይፍለጥ። 

‘ወለት ከረን ጻዕዳ ታ. . .ላሎይ’

‘ወለት ከረን ጻዕዳታ. . .ላሎይ’

እታ ከተማ ኣብ እዋን ክረምቲ ጥዑም ጨና ናይቲ ናብ ዕዳጋ ብብዝሒ ዝቐርብ ፍሩታታት ዘይቱን ማንጉስ ሃነን ዝብለላ’ያ። 

እታ ሩባ ዓንሰባ ተጎዝጒዙዋ ዝሓልፍ ከተማ፡ ብጀራዲን ዝተኸበት ብምዃና፡ ብፍሩታን ኣሕምልትን እያ ትፍለጥ። ድምጻዊት ፋጥና ዑስማን ንከረን “ሎሃታ ከረን. . . ጀራዲና ጃሕ ወደ ክረም ወሓጋይ” ክትብል ኣዚማትላ’ያ። 

በሃር ሱዳናዊ ስነጥበባዊ መሓመድ ወርዲ’ኳ ብግዲኡ፡

''ወለት ከረን ጻዕዳ ታ- ላሎየ-ጓል ከረን ጻዕዳ’ያ

ማይ ዳዓሪ ሳትየት’ታ-ላሎየ-ማይ ዳዓሪ ሰትያ’ያ

ዕሽረት በዲር ናያ ታ-ኣኽብሮት ናይ ቀደማ’ያ

ሓሰብ እምኪ ወ እቡኪ ላሎየ-በጃኺ፡በቦኺ በደኺ

ኣስዕምኒ ለኣፉኪ-ላሎየ-ኣስዕምኒ እቲ ኣፍኪ

ስጋዳ ዓርኮከባይ ታኪ-ክሳዳ ዓርኮከባይ

 . . . ክብል ዘይሓልፍን ዘይሃስስን ንወለዶታት ዘላገበ ዜማ ኣወፍዩላ ሓሊፉ’ዩ። 

ንከረንን ኣዋልዳን ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝተሰርሑ ደርፍታት እቲ ዝበዝሐ ብስም ከተማታት ዝወጸ ጣዕመ-ዜማታት ኤርትራ ከይኮነ ኣይተርፍን’ዩ።

ምቕሉል ሰባን ማሕበራዊ ሂወቱን ሓደ ካብቲ ከረን እትፍለጠሉ ባህሪኣ ምዃኑ ይግለጽ። 

ኣብ ስፖርት፡ ብፍላይ ኣብ ኩዕሶ እግሪን ቅድድም ብሽክለታን’ውን ካብ ነዊሕ እዋን ጀሚሩ ኣካል ሂወት ከረናውያንን ከባቢኣን'ዩ ነይሩ። ብፍላይ ድሕሪ ናጽነት ዝዓንበባ ክለባት ኩዕሶ እግሪ እታ ከተማ፡ መንእሰያታ ብሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኲናትን ስደትን ፋሕፋሕ ከይበሉ እንከለዉ፡ ውዕውዕ ሃዋሁ ፈጢሩ ምንባሩ ደቂ-ከረን ዘይርስዕዎ ዝኽሪ’ዩ። 

ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ከባቢ ‘ባላሶሪቫ’ ፉል ዝሸጣ ዝነበራ፡ “ሓጃ መሮሮ’ ብምባል ዝፍለጣ ኣደ’ውን፡ ሓንቲ ካብቶም ነታ ከተማ ዝገልጽዋ ነበርታ እየን። እተን ወሓለ ኣደ ዘዳልዋኦ ዝተቐልወን ብጨው ዝተቓመመን ፉል፡ ኣእዳውካ ዘቘርጥም ምንባሩ ዘርከበለን ሰብ ዝምስክሮ ሓቂ’ዩ።

ቅድሚ ሓያለ ዓመታት ከምዝዓረፋ ይፍለጥ።

ኣብ ከባቢ ከረን ዝበቁል ፉል፡ ሓደ ካብቲ ኤርትራውያን ይዅኑ ወጻእተኛታት በጻሕቲ ቈጺሮሞ ዝኸዱ ፍርያት እታ ሃገር’ዩ።

መናፈሻታት ሳሕልን ናጽነትን’ውን መዘናግዒ ነበርቲን ማሕድሮ ሓድሽ ፍቕሪ መንእሰያትን እዮም። 

ንኢጣልያውያን ሰፋሮ ከገልግል ብዝግባእ ዝተሃንጸ ዓቢ ሲነማ ኢምፔሮ’ውን ንወለዶታት መንእሰያት ከረን ዘዕበ’የ መግዛእታዊ ሓድጊ፡ ክሳብ ሎሚ ኣሎ። 

ሆቴላት ሲቺልያን ባስኲሲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ናይ ሕጂ ከረን ሆቴል ድማ፡ ገለ ካብቲ ኢጣልያውያን ዝገደፍዎ፡ ክሳብ ሎሚ ኣብ ስራሕ ዝርከብን’ዩ።

ድሕሪ ናጽነት እታ ሃገር ዝተሃንጹ፡ ከም በዓል ሸገ፡ ሳሪናን ኮስቲናን ዝተባህሉ ሆቴላት'ውን ኣለዉ። 

ሓደ ካብ ብሂላት ከረናውያን ቈልዑ፡ ብዛዕባ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ማእከል ከተማ ተኾዲሙ ዘሎ “ፎርቶ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ኩርባ ዝንገር’ዩ።

ኣብ ኣፍደገ ናይቲ በቶም ቀዳሞት ገዛእቲ ኣብ ፎርቶ ከምዝተሃንጸ ዝዝረበሉ በዓቲ “ኣፍታሕ ኣል ቤት ሹፍ በኽተክ” (ክፈትዎ ዕድልኩም ትሪኡ) ዝብል ዘፍርሕ ጽሑፍ ኣለዎ ተባሂሉ ይእመን። 

ታሪኻዊ ድሕረባይታ ከረን፡ ሓድግታት ቱርኪን ግብጽን

ንግደት ከረን

ምንጪ ስእሊ, ዳዊት

መላግቦ መስመራት መጓዓዝያ ዝዀነት ከረን፡ መዓርፎ-ቃፍላይ ብምንባራ ቀዋሚ-ሰፈር ቢለን ክትከውን በቕዐት።

ብትግረ፡ በጃ፡ ሱዳናውያን ከምኡ’ውን ኣዕራብ ትብጻሕ ከም ዝነበረት’ውን ዎልበርት ስሚት ዝተባህለ ተመራማሪ ታሪኽ ይገልጽ። 

ኣብ ከባቢ 1839 ኣቢሉ፡ ካቶሊካዊት ሚስዮን፡ ብሓደ ጂዩሰፐ ሳፐቶ ዝበሃል ላዛሪስት ተመሪሑ፡ ኣብ ከባቢ ከረን ክድህስስን ወንጌል ክሰብኽን ዕድል ረኺቡ ነበረ። 

በዓል ኣባ-ሰላማ ዘኣመሰሉ መራሕቲ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ግን ሕጉሳት ስለ ዘይነበሩ ኣንጻር ሚስዮን ካቶሊክ ተላዕሉ።

መራሕቲ ናይ ሽዑ ኣቢሲንያ ድማ ብደጃዝማች ውበ ሃይለማርያም ኣቢሎም ደፍኡ።

ጸኒሖም ሃጸይ ቴዎድሮስ፡ ሃጸይ ዮሃንስ ንሚስዮን ካቶሊክ ንኸርሕቑ ተራ ተጻዊቶም’ዮም።

ኣብ 1851 ጂዮቫኒ ስተላ ዝተባህለ ሚስዮናዊ ጣልያን (ፈዋናይ-ሕርሻ) ኣብ ከረን ዝበጽሓሉ እዋን፡ እቲ ቦታ 2000 ዝቝጽሮም ደቂ ቢለን ከም ዝረኸበ የዘንቱ።

ጂዮቫኒ ስተላ ብ1855 ንከረን ተመሊሱ፡ ምዕቡል ሕርሻ ኣተኣታትዩ፡ ጓል ከረን (ቢለን) ተመርዕዩ ክነብር ጀመረ።

ግብጻውያን ገዛእቲን መሳፍንቲ ትግራይን ግን ነቲ ቦታ ደጋጊሞም ብምውራር፡ ነቲ ህዝቢ ሰላም ይኸልእዎ ነበሩ። ጂዮቫኒ ስተላ ክሳብ ግዜ ሞቱ (1869) ኣብ ከረን ይነብር ነበረ።

ቨርነር ሙንዚንገር ዝተባህለ ተመራማርን (ደሓር ብግብጺ ዝተመዘዘ ኣማሓዳሪ) ብ1854 ናብ ከረን ብምግዓዝ፡ ካብ ቤት ገብሩ ተመርዕዩ ናቱ ታሪኽ ዘለዎ ሰብ ነበረ። 

በቲ ዘመን ከረን፡ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ሱዳን/ግብጺ/ባጽዕ ኣተወት። ሙንዚንገር ኣብ ከረን ዝርከብ ፎርቶ ይዅን ቤት ክርስትያን ቅዱስ ሚኪኤል ብምህናጹ’ውን ይዝከር’ዩ።

ብዘመን ሙንዚንገር ከረን መዕረፍን መተሓላለፊት ነጋዶ፡ መደበር ሚስዮናውያን ኰይና ፍሉይ ቈላሕታ ክትረክብ ከም ዝኸኣለት ሰነዳት ታሪኽ ይምስክሩ።

ብድሕሪኡ ህዝቢ ከረን ብግዲ ቀረጽ ንገዛኢ መረብ-ምላሽ (ራእሲ ኣሉላ እንግዳ) ይኸፍል ነበረ።

ራእሲ ኣሉላ ንግብጻውያን ደፊኡ ከውጽእዎም’ኳ እንተዘይከኣለ፡ ብ1879-83 ንከባቢ ከረን ደጋጊሙ ይወርር ነይሩ'ዩ።

ኣብ 1884 ከረን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ናይ ሽዑ ነገስታት ኣቢሲንያ ትእቶ’ምበር፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኢጣልያ ኣተወት። 

ማእከል ኢንዱስትሪ- ከረን ኣብ እዋን መግዛእቲ ኢጣልያ

ዕዳጋ ፍረታታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ 1890 ኢጣልያውያን ንኤርትራ ምስ ተቘጻጸሩ፡ እቶም ኣብ ምህናጽ ከረን ተራ ዝነበሮም ኣባላት ሚስዮን ላዛሪስት ብካፑቺን ተተክኡ። 

ኢጣልያውያን ገዛእቲ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ንዝነበሮም መግዛእታዊ ብጽሒት ንምስፋሕ ዝነበሮም ጥሙሕን ኣብ ደቡብ ኢጣልያ ንዝነበረ ድኽነት ንምቅላልን፡ ናብ ኤርትራ ሰፈራ ህዝቢ ጀሚሮም።

ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኢጣልያውያን ድማ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክውሕዙ ጀሚሮም። መሬት ካብ ደቀባት ብምምንዛዕ ድማ ከተማታትን ሕርሻታትን ወኒኖም። 

ኣብ ከባቢ ከረን ዘንቈሩ ህዝቢ ኢጣልያ፡ ሓለፋታት ይግበረሎም ስለ ዝነበረ፡ ሰፊሕ ዘመናዊ ሕርሻታት ከልምዑ ጀሚሮም።

ኣብ መወዳእታ 19 ክፍለዘመን ኣብ ዒላበርዕድ ንግዳዊ ሕርሻ ድሕሪ ምፍላሙ፡ ኣብ ከባቢ ከረን’ውን ዝተፋለለዩ ሕርሻዊ ንጥፈታት ክምዕብሉ ተራእዮም። 

ኢጣልያውያን፡ ኤርትራ ግዝኣቶም ከምዝዀነት ድሕሪ ምእዋጆም፡ ከረን ማእከል ኢንዱስትሪ ናይቲ ከባቢ ክትከውን ዕድል ረኺባ።

ንኣብነት፡ እዚ ሎሚ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ከረን ዝርከብ ‘እንዳ ኦርቶላ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ቦታ፡ ሓደ ኤርነስቶ ኦርቶላ ዝተባህለ ኢጣልያዊ ናይ ጸባ ከብቲ ብምርባሕ፡ ጸባን ውጽኢት ጸባን ናብ ዝተረፈ ክፋል ኤርትራ የቕርብ ምንባሩ ሰነዳት ታሪኽ ይሕብሩ። 

እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝፈሪ ዝነበረ ፍሩታታትን ካልእ ምህርትን፡ ክንዮ እቶም ኣብ ኤርትራ ዝሰፈሩ ኢጣልያውያን ሓሊፉ ናብ ወጻኢ ክስደድ ጀሚሩ ነይሩ’ዩ። 

ኣብቲ እዋን ዝነበረ ኣብ ወርሒ ኣስታት 2 ሚልዮን መላጉምን ኣልኮላዊ ቀመም ዘፍሪ ፋብሪካ’ውን፡ ኣብቲ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ መኽዘን ወተሃደራዊ ኣጽዋር (ኤምዳድ) ዝዀነ፡ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል እታ ከተማ ዘሎ ህንጻታት ተደኲኑ ነይሩ’ዩ።

እቲ ፋብሪካ ኣብ 70ታት ስራሕ ደው ከምዘበለ ይንገር።

እቲ መላጉም፡ ካብቲ ኣብ ባርካ ዝበቁል ፍረ ገረብ ዓርኮብኮባይ ዝዀነ ዓካት ዝስራሕ ኰይኑ፡ ኣብ ሓደ እዋን ንወተሃደራዊ ክዳን ሰራዊት ብሪጣንያ የገልግል ምንባሩ ታሪኽ የዘንቱ።

ነታ ከተማ መብራህትን በረድን ዘቕርብ ዝነበረ ናይ ብሕቲ መደበር ‘ኮነል’ እውን ሓደ ካብ ኣገደስቲ ትካላት ናይቲ እዋን’ዩ ክበሃል ይክኣል። 

ውጽኢት ልሕጺ ዒቃን፡ ፍርያት ኣሕምልቲ፡ ስጋ ሓሰማ (ሞርተዴላ) ከምኡ’ውን ፍሩታታት ኣብ ምምስራሕን ምዕሻግን ዝተዋፈሩ ንኣሽቱ ትካላት’ውን ኣካል ቍጠባ ከረን ናይቲ ዘመን’ዮም ነይሮም። 

ከረን እትፍለጠሉ፡ ክሳብ’ዚ ቀረባ እዋን ትልኽ እናበለ ክቕጽል ዝጸንሐ ትካል ዕጣን’ውን፡ ንሰደድን ዕዳጋታት ውሽጢ ዓዲን ዘገልገለ ምዃኑ ክርሳዕ የብሉን።

እቶም ማእከሎትን ንኣሽቱን ኢንዱስትሪታት ንኣሽሓት ነበርቲ እቲ ከባቢን ካብኡ ወጻኢን ናይ ስራሕ ዕድል ብምፍጣሮም፡ ብመሃያ ዝናበር ማሕበረሰብ እናበርከተ ምምጽኡ’ውን ኣብ ዕብየት እታ ከተማ ግደ ነይርዎ። 

ንሂወት ነበርታ ዝድግፉ ምሉእ ህዝባዊ ኣገልግሎት፡ ማለት፡ ሕክምና፡ ኮንቸስዮነታት፡ ኣባይቲ ምሕደራ፡ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ሰሚናርዮ፡ ሲነማ፡ ሆቴላት፡ ኣብያተ መግብን መስተን፡ ዓንድታት-ተሌግራፍ (ተሌፎን) ነበራ። በታ ከተማ ዝሓልፍ ዝነበረ መስመር ባቡር’ውን ክሳብ ኣቝርደት ይበጽሕ ነይሩ’ዩ። 

ኣብ ጐልጎል መጋርሕ ዝተሃንጸ መዓርፎ ነፍርቲ’ውን፡ ንማእከሎት ነፈርቲን ሄሊኮፕተራትን የገልግል ምንባሩ ይዝከር።

ኣብ1941 እንግሊዝ ኣብ ኤርትራ ምስ ኣተወ ግን፡ ጣልያን ካብ ከባቢ ከረን ከንሳሕቡ ጀመሩ፣ ቍጠባዊ ንጥፈታት እታ ከተማ ድማ እናጎደለ ከይዱ።

ብፍላይ ኣብ እዋን መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ምስቲ ብፍላይ ኣብ ሳሕል ንዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ኣንጻር ሰውራ ኤርትራ፡ ከረን ወተሃደራዊ ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ስለዝነበራ ንዝበዝሐ እዋን ዳርጋ ናብ መዓስከር ሰራዊት’ያ ተቐይራ ነይራ። 

ኣብዚ እዋን እዚ፡ ብዘይካ’ቲ ኣብ 1995 ጀሚሩ ኣብ ጐልጎል መጋርሕ ብቻይናውያን ዝተሃንጸ ፋብሪካ መድሃኒት፡ ዓቢይ ግምት ዝወሃቦ ኢንዱስትሪ የብላን። 

ከረን ብዓይኒ ዓለም

እታ ድሮ ምስ ግብጻውያንን ኢጣልያውያን ሃይማኖታውያን ዳህሰስቲን ተላልያ ዝነበረት ከተማ ከረን፡ ኣቓልቦ ዓለም ዝሰሓበት ኣብ ቀዳማይ መፋርቕ 20 ክፍለዘመን ብዝተኸስተ ፍጻመ’ዩ- ካልኣይ ኲናት ዓለም።

ካልኣይ ኲናት ዓለም (1939-1945)፡ ብቐንዱ ኣብ መንጐ ክልተ ተቐናቐንቲ ወገናት’ዩ ተኻይዱ።

ብ1 መስከረም 1939 ናዚ ጀርመን ንፖላንድ ድሕሪ ምውራራ ብሪጣንያን ፈረንሳን፡ ድሒራ ድማ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊኣ ኲናት ኣዊጀን።

ኢጣልያን ጃፓንን ንጀርመን ብምድጋፍ፡ ሰለስቲአን ኪዳን (ኣክሲስ) መስሪተን፡ ኣንጻር ብሪጣንያ፡ ኣሜሪካን ፈረንሳን ዝርከብአን መሻርኽቲ ሃገራት ገጢመን፣ እቲ ኲናት ድማ ናብ ዓለም ምሉእ ሰፊሑ። 

በዚ መሰረት፡ ድሮ ኣብ 1936 ንኢትዮጵያ ዝወረረት ኢጣልያ ምስታ ንሱዳን ትገዝእ ዝነበረት ብሪጣንያን መሻርኽታን ክትገጥም ግድን ነበረ። 

ህንዳውያን፡ ሱዳናውያንን ፈረንሳውያንን ዝነበርዎ ሰራዊት ብሪጣንያ፡ ካብ ሱዳን ተበጊሱ ብምዕራብ መጥቃዕቲ ምስከፈተ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ዝሓየለ ውግእ ኣብ ኣፍደገ ከረን ተኻየደ።

እቲ ብዓለም ደረጃ "ውግእ ከረን” (The Battle of Keren) እናተባህለ ዝፍለጥ ብዙሕ ዝተተረኸሉ፡ ንኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ወተሃደራዊ ረጽሚ፡ ኣብ ምዕራብ እታ ከተማ፡ የማን ጸጋም ካብ ሩባ ጥንቁልሓስ ኣብ ዘሎ በረኽቲን ጸዳፍን ጐቦታት ፋልሴቶ፡ ሰንኪልን ዝባንን’ዩ ብ27 መጋቢት 1941 ተዛዚሙ። 

ሰራዊት ብሪጣንያ ኣብ ኣፍደገ ከረን (ጥንቁልሓስ)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ህንዳውያን፡ ሱዳናውያንን ፈረንሳውያንን ዝነበርዎ ሰራዊት ብሪጣንያ፡ ካብ ሱዳን ተበጊሱ ብምዕራብ መጥቃዕቲ ምስከፈተ፡ ኣብ ኣፍደገ ከረን ሓያል ውግእ ኣካይዱ

ውግእ ከረን ንመግዛእቲ ኢጣልያ ኣብ ኤርትራ ሓንሳብን ንሓዋሩን ከብቅዕ ዝገበረ ምንባሩ ይፍለጥ። ብድሕሪኡ ምሉእ ስዕረት ሓይልታት ኢጣልያ ድሕሪ ሒደት መዓልታት’ዩ ኣብ ባጽዕ ተደምዲሙ።

ኣብቲ ኲናት ልዕሊ 12,000 ወተሃደራት ክልቲኦም ወገናት ከምዝተቐትሉን፡ ልዕሊ 20 ሽሕ ካልኦት ከምዝቘሰሉን ጸብጻባት ይሕብሩ። 

ኣብ ጥቓ’ቲ ዓውደ ኲናት ዝነበረ ምዕራባዊ ወገን እታ ከተማ ዘሎ ‘መቓብር እንግሊዝ'፡ ደማዊ ሓድጊ ናይቲ ኲናት ኰይኑ፡ መስሕብ ቱሪዝም ከተማ ከረን ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ። 

ኢጣልያውያን ግዳያት ናይቲ ውግእ’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ደቡባዊ ወገን፡ ጥቓ ማእከል ከተማ ኣብ ዝርከብ ቦታ ዓቢይ መቓብር ገዲፎም ኣለዉ። 

ኣብ ጐቦታት ሰንኪል ዝተደበየ ቦምባታትን ፈንጂታትን ክሳብ ቀረባ እዋናት ኣብ ሰብ ጉድኣት የውርድ ምንባሩ’ውን ነበርቲ ዘይርስዕዎ ዛንታ’ዩ። 

ከረን ኣብ እዋን ገድሊ ንናጽነት ኤርትራ’ውን ደማዊ ውግኣት ኣሕሊፋ’ያ።

ኣብ 1977 ብሓይልታት ህዝባዊ ግንባር ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ሓርነት ኣስተማቒራ ነይራ።

ኣብ 1978 ስትራተጂካዊ ምዝላቕ ድሕሪ ምክያዱ ግን ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ መዓስከር ቀይርዋ’ዩ ነይሩ።

ገለ ከባቢታት’ውን ብመዓስከር ኣሃዱታት ሰራዊት ደርግ ክጽዋዕ ጀሚሩ ነይሩ።

ድሕሪ 10 ዓመት ከኣ ኣብ ግንቦት 1988 ሓይልታት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ - ድሕሪ'ቲ ኣብ መጋቢት '88 ኣብ ኣፍዓበት ዘካየድዎ ዕውት ስርሒት ምድምሳስ እዚ ናደው - ነታ ከተማ ንምቍጻጻር ሰፊሕ መጥቃዕቲ’ኳ እንተካየዱ፡ ኣይተዓወቱን።