ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ‘ማራቶን ኣስመራ’ ውልዶ ጎያያይ ኖሆም ኤርምያስ ቀዳማይ ወጺኡ

ኣትሌት ናሆም ኤርምያስ ሽልማቱ ኣናተቐበለ

ምንጪ ስእሊ, Tesfaldet Mebrahtu

ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን ኣስመራ 2023 ካብ ደቂ ተባዕትዮ ብዙሕ ትጽቢት ዘይተገበረሉ ውልዶ ጎያያይ ኖሆም ኤርምያስ ንኦሎምፓክውያን ኤርትራውያን፡ ኡጋንዳውያን፡ ኬንያውያን፡ ኢትዮጵያውያንን ደቡብ ሱዳናውያንን ብምቕዳም ተዓዋቲ ሽዱሽተ ሽሕ ዶላር ኮይኑ።

ናሆም ኤርምያስ ኣብቲ ከም ግርማይ ገብረስላሰ ዝኣመሰሉ ስሙያት ተቐዳደምቲ ዝተሳተፍሉ ውድድር፡ ንምኵር ኡጋንዳዊ ኣትሌት በን ቸሊሞ ብምብላጽ’ዩ ነዚ ድሙቕ ዓወት ከመዝግብ ክኢሉ።

ናሆም ንውድድሩ ብ2 ሰዓት 14 ደቂቕን 21 ካልኦን ብምዝዛም'ዩ ቀዳማይ ብምውጻእ ተሸላሚ 6000 ዶላር ኮይኑ።

ካልኣይ ኮይኑ ውድድሩ ዝዛመ ኡጋንዳዊ በን ቸሊሞ 4000 ዶላር ክሽለም እንከሎ ሳልሳይ ዝወጽአ ኤርትራዊ ክብሮም ዑቕባእግዝኣብሄር 3000 ዶላር ተሸሊሙ።

ኣትሌት ናሆም ዝያዳ ብሰንዓፈ ዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ውድድር ሽንግርዋ ብዘርኣዮ ‘ሰንዓፈ ስታይል’ ኢሉ ዝሰመዮ ፍሉይ ቅዲ ሳዕስዒት’ዩ ብብዙሓት ሰባት ዝዝከር።

ኖሆም ኣብ ማራቶን ክወዳደር ናይ መጀመርትኡ ኮይኑ፡ ኣብ ቀዳማይ ውድድሩ’ዩ ነዚ ዓወት’ዚ ክጎናጸፍ ክኢሉ።

ቅድሚ ቅሩብ ኣዋርሕ ምስ ሄንፓስ ዝተብሃለ ዩትዩብ ቻነል ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ሕጽረት ናይ ምወላ ስለዘለዎ’ምበር ንኤርትራ ከስሚ ዝኽእል እኹል ናይ ምጉያይ ዓቕሚ ከምዘለዎ ተዛሪቡ ነይሩ።

ብተወሳኺ፡ ካብ ሰንዓፈ ናብ ኣስመራ ብጉያ ከምዝመጽእ ብምግላጽ ቀንዲ ዕላምኡ ዝነወሐ ሰዓታትን ርሕቐትን ብምጉያይ ናይ ዓለም ክብረ ወሰን ንምሓዝ ከምዝኾነ ገሊጹ ነይሩ።

ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝገበረኦ ናይ ዓሰርተ ሽሕ ሜትሮ ውድድር ኦሎምካውያን ኣትሌታት ራሄል ዳንኤልን ናዝሬት ወልዱን ብጸቢብ ተፈላልየን ቀዳመይትን ካልኣይትን ኮይነን ውድድረን ዛዚመን።

ኣብቲ ሎሚ ብድሙቕ ህዝባዊ ተሳትፎ ዝተኻየደ ማራቶን ኣስመራ 2023፡ ኣሽሓት ሰባት ክሳተፍዎ እንከለዉ፡ ናይ ኣካላ ስንኩላን ውድድር’ውን ተኻይዱ ነይሩ።

ካብ ቀዳመይቲ ክሳብ ሳልሰይቲ ዝወጽኣ ኣትሌታት

ምንጪ ስእሊ, Tesfaldet Mebrahtu

ሎሚ ኣብ ኣስመራ ናይ ስነኩላን ውድድር'ውን ተኻይዱ ነይሩ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Tesfaldet Mebrahtu

ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን ኣስመራ ኣሽሓት ሰባት'ዩ ተሳቲፎም

ምንጪ ስእሊ, Tesfaldet Mebrahtu

ኣትሌት ናሆም ኤርምያስ ድሕሪ ዓወቱ ብደገፍቱ ተሓንጊሩ ሓጎሱ እናገለጸ

ምንጪ ስእሊ, Tesfaldet Mebrahtu