ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ታሪኽ ዝሰርሕ ዘሎ ኣፍሪቃዊ

ደገፍቱ ድሮ ንጉስ ኣፍሪቃ ኢሎም ክጸውዕዎ ጀሚሮም ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ደገፍቱ ድሮ ንጉስ ኣፍሪቃ ኢሎም ክጸውዕዎ ጀሚሮም ኣለዉ

እቲ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ናይ መጀመርታ ናይ መድረኽ ዓወት ከመዝግብ ዝኸኣለ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ቢንያም ግርማይ ብዙሓት ደገፍቱ ‘ንጉስ ኣፍሪቃ’ ኢሎም’ዮም ዝገልጽዎ።

ቢንያም ኣብዚ ጽባሕ ዝዛዘም ቱር ዲ ፍራንስ ሰለስተ ናይ መድረኽ ዓወታት ብምምዝጋብ ኣፍሪቃውያን ርእየሞ ዘይፈልጡ ዓወት’ዩ ኣግዚምዎም፡።

ምስቲ ኣብ ጂሮ ዲ ኢታሊ 2022 ዘመዝገቦ ናይ መድረኽ ዓወት ተደሚሩ ከኣ ቀዳማይ ኣብ ግራንድ ቱር ኣርባዕተ ናይ መድረኽ ዓወት ከመዝግብ ዝኸኣለ ፈለማይ ኣፍሪቃዊ ክኸውን ክኢሉ'ዩ።

ወዲ 24 ዓመት ቢንያም ግርማይ ኣብ መድረኽ 16 ሓደጋ መውደቅቲ’ኳ እንተኣጋጠሞ፡ ነታ ዝበልጹ ናይ ሽኳ ተቐዳደምቲ እተውሃብ ቀጠልያ ማልያ ኣብ ሓሙሻይ መድረኽ ምስ ሓዛ ነዛ ሎሚ ትካየድ መድረኽ ብሰላም እንተወዲእዋ፡ ብነጥቢ ከየርክቦ ዘስግኦ ተቐዳዳማይ የለን።

ቢንያም ግርማይ ግን ናብዚ ንኽበጽሕ ብዙሕ መሰናኽል’ዩ ሓሊፉ።

ምስ ሓዲሽ ባህልን ከባብን ምልምማድ፡ ቪዛ ንምርካብ ዘሎ ውረድ ደይብ፡ ጽምዋ ከምኡ'ውን ካብ ብዓልቲ ቤቱ፡ ጓሉን ስድራቤቱን ተፈልዩ ምንባር፡ ኩሉ እዚ ቀሊል ኣይነበረን።

ሕጂ ግን ንኹሉ ሰጊሩ ኣብ ሃገሩ ኤርትራ ጅግና ኣስምይዎ’ዩ፡ ንብዙሓት ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዉ ተቐዳደምቲ ከኣ ኩሉ ክብጻሕ ከምዝክኣል ኣርእይዎም ኣሎ።

ካብዞም ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ኣብ 22 ጋንታታት ተጠርኒፎም ጸወታ ዝጀመሩ 176 ተቐዳደምቲ ቢንያም እቲ እንኮ ጸሊም ኣፍሪቃዊ’ዩ። ብዙሓት ከኣ እቲ ብጻዓዱ ተዓብሊሉ ዝነበረ ዓወታታት ቅድድም ብሽክለታ ዓወት ቢንያም መልክዑ ክቕይሮ ከምዝኾነ ይኣምኑ።

እቲ ደገፍቱን ዳርጋ ኹሎም ኤርትራውያንን ‘ቢኒ’ ኢሎም ክጽውዕዎ ዝቐሎም ቢንያም ግርማይ፡ ካብ ብንእሽትኡ ብዘርእዮ ዝነበረ ብቕዓትን፡ ኣብ ክለብ ኣስቤኮ ምስ ተጠርነፈ ብዘመዝግቦ ዝነበረ ዓወታትን ከምኡ ከኣ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ወኪሉ ኣብ ዝተፈላለየ ውድድራት ብዘርኣዮ ብቕዓትን ኣብ ዩሲኣይ ከይዱ ስልጠና ክረክብ ዕድል ረኺቡ።

ቢንያም ግርማይ ቻምፕዮን ኤርትራ ኮይኑ ኣይፈልጥን’ዩ፡ ኣብዚ ሎሚ ዓመት ዝተኻየደ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ሳልሳይ ምስ ወጽአ ምስ ሃገራዊት ተሌቪዥን ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ኣብ ኤርትራ ብዙሓት ንፉዓት ተቐዳደምቲ ስለዘለዉ “ንዓይ ካብ ቻምፕዮን ኤርትራ ክኸውን ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ መድረኽ ክዕወት ይቐለኒ” ኢሉ ነይሩ።

እዚ ከኣ ኣብ ኤርትራ ኣዝዩ ብዙሕ ጸጋታት ናይ ቅድድም ብሽክልታ ከምዘሎ ዘርኢ’ዩ።

ብርገጽ ኣብ ኤርትራ ከም ቅድድም ብሽክለታ ዝፍቶ ዓይነት ስፖርት የለን፡ እቲ ፍትወት ናይ ቅድድም ብሽክለታ ከኣ ካብ 1930ታት'ዩ ዝጅምር።

ንቡዙሓት ኤርትራውያን ከኣ ምንጪ ሓበኖም’ዩ።

ነታ ብዙሕ ግዜ ግዜ ምስ ዶባዊ ኵናትን እቲ መንግስቲ ብተደጋጋሚ ጸለመ መዃኑ ዝገልጾ ምስ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ስማ ዝለዓል ኤርትራ ከኣ ቅድድም ብሽክለታ ሓደ ካብ ብጽቡቕ ንኽትልዓል ዝደረኹ’ዩ።

ቢንያም ግርማይን ካልኢት ኤርትራውያንን ተቐዳደምትን ጸወታ ምስ ዝህለዎም ብዙሓት ኤርትራውያን’ዮም ክድግፍዎም ኢሎም ናብ ቦታ ውድድር ዝኸዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቢንያም ግርማይን ካልኢት ኤርትራውያንን ተቐዳደምትን ጸወታ ምስ ዝህለዎም ብዙሓት ኤርትራውያን’ዮም ክድግፍዎም ኢሎም ናብ ቦታ ውድድር ዝኸዱ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቢንያም ግርማይ ዋላ ድኣ ምዕባዩ ሓዉ ተቐዳዳማይ እንተነበረ ቀንዲ በቲ ኣኩኡ ዝኾነ ቻምፕዮን ኤርትራ 2013 ሜሮን ተሾመ ተጸልዩ ቅድድም ብሽክለታ ከምዝጀመረ’ዩ ዝግለጽ።

ቢንያም ግርማይ ምስቲ ኣብ ጽረበት ዕንጨይቲ ዝሰርሕ ኣቡኡ ግርማይ ሃይሉ ብሓባር ኮፍ ኢሎም ውድድር ቅድድም ብሽክለታ ቱር ዲ ፍራንስ ይርእዩ ምንባሮም ከኣ ይጥቀስ።

ኣብታ ንዛንታ ቢንያም ግርማይ እተዘንቱ ‘ዚስ ኢዝ ማይ ሞመንት [እዋነይ’ዩ] ዝተሰመየት ሰነዳዊት ፊልም፡ ቢንያም ግርማይ ገና ወዲ 12 ዓመት እንከሎ ኣብ ውድድር ማውንተይን ከምዝጀመረ ተዘንቱ።

ቢንያም ግርማይ ኣብ 2018 ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ናብ ርዋንዳ ብምኻድ ኣብ ናይ ጁንየር ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2018 ክኸውን ክኢሉ።

ካብ ሽዕኡ ኣትሒዙ ከኣ ኣቃልቦ ዩሲኣይ ክስሕብ ክኢሉ።

ኣብ ዩሲኣይ ክስልጥን ዕድል ስለዝከረኸበ ከኣ ኣብ 2018 ገና ወዲ 17 ዓመት እንከሎ ንስልጠና ናብ ስዊዘርላንድ ኣምሪሑ።

ቢንያም ግርማይ ናብ ስዊዘርላንድ ምስ ኣምረሐ ኩሉ ነገራት’ዩ ከቢድዎ - ጽምዋ፡ ኩነታት ኣየር፡ ናፍቖት።

ኣብ ዩሲኣይ ላዕለዋይ ሓላፊ ምልላይ ዓቕሚ ዝኾነ ጅያን ጃኵ ሄንሪ ነቲ እዋን ብምዝካር “እቲ እዋን ንቢኒ ኣዝዩ ከቢድ’ዩ ነይሩ፡ ብዙሕ ነገራት ክቕይር ነይርዎ - ኣነባብርኡን እቲ ቅድሚኡ ለሚድዎ ዝነበረ ኣካይዳን” ይብል።

ብምስዓብ “እቲ ቢኒ ዝመጽኣሉ ግዙ ሓምለ’ዩ ነይሩ፡ ወርሒ ሓምለ ንዓና ሙቖት’ዩ ቢንያም ግን ኣዝዩ ይቆርር ነይሩ፡ ካልእ እዚ ኣብ ኮብል ስቶን ዝግብር ውድድር ኣይፈትዎን’ዩ ነይሩ፡ እቲ ታክቲክ ዝብሃል ኣምር’ውን ብዙሕ ኣይርድኦን’ዩ ነይሩ” ይብል።

ቢንያም ግን ንኹሉ ነዚ ሰጊሩ ኣብ ዝልዓለ ጥርዚ ክበጽሕ ምዃኑ ይርድኦ ነይሩ፡ ክሕግዘኒ’ዩ ብምባል’ውን ምልከት ቋንቋ እንግሊዚ ንኸማዕብል ተወሳኺ ጻዕሪ ኣካይዱ።

ቢንያም ምስ ዩሲኣይ ኣብ ዝስለጥነሉ ዝነበረ እዋን ፈረንሳዊት ጋንታ ዴልኮ ኣብ 2020 ናብ መሳርዓ ጸንቢራቶ።

እንተኾነ እቲ ኣብ 2020 ዝጀመረ ለበዳ ኮረናቫይረስ ልክዕ ከም ኩሎም ተቐዳደምቲ ንቢንያም’ውን ካብ ብዙሕ ውድደራት ኮለፎ።

እዚ ጥራይ ግን ኣይነበረን ኣብ 2021 ጋንታ ደልኮ ስለዝፈረሰት ቢንያም ግርማይ ብዘይ ጋንታ ተረፈ፡ ኣብ ከምኡ እዋን እንከሎ ከኣ ምስታ ኣፍቃሪቱ ዝነበረት ሳሌም ቃል ኪዳን ኣሰሩ።

እታ ምስኣ ብምዃን ብዙሕ ዓወታት ዝተጎናጸፈ ቤልጂማዊት ጋንታ ኢንተርማርቸ ዋንቲ ከኣ ዓይና ኣውዲቃትሉ ስለዝጸንሐት ኣብ 2021 ኣፈረመቶ፡ ብወግዒ ከኣ ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ኮይኑ ምስታ ኣብ ዎርሉድ ቱር እትስራዕ ጋንታ ተጸንበረ።

 ቢንያም ግርማይ ምስ ብዓልቲ ቤቱ

ምንጪ ስእሊ, Cassette

መግለጺ ስእሊ, ቢንያም ግርማይ ምስ ብዓልቲ ቤቱ

ቢንያም ኣብ ኣውሮጳ ንኽወዳደር ቪዛ ንኽረክብ ክንደይ ብዙሕ ጸገማት ከምዘጋጥሞ ኣብታ ንታሪኹ እተዘንቱ ሰነዳዊት ፊልም ተገሊጹ ኣሎ።

ቢንያም ናብ 29 ሃገራት ሸንገን ንነዊሕ ዝጸንሕ ቪዛ’ኳ ኣንተሃለዎ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ወርሒ ካብ ኣውሮጳ ክወጽእ ግን እቲ ሕጊ የገድዶ’ዩ፡ ናብ ኣስመራ ብምኻድ ከኣ የዕሪፉ እንደገና ናብ ኣውሮጳ ይምለስ።

ቢንያም ግርማይ ኣብ 2019፡ 2020 ኣብ ከም ዙር ርዋነዳን ዙር ጋቦንን ናይ መድረኽ ዓወታት’ኳ ኣመዝጊቡ እንተነበረ፡ እቲ ቀንዲ ቅድሚ ሕጂ ብኣፍሪቃውያን ተበጺሑ ዘይፈልጥ ዓወታት ከመዝግብ ዝጀመረሉ ግን ኣብ 2022’ዩ።

ቢንያም ግርማይ ኣብቲ ኣብ ቤልጂም ዓመታዊ ዝካየድ ናይ ሓደ መዓልቲ በዳሂ ዝኾነ ውድድር ገንት ወቨልገም ምስ ኣርባዕተ ተቐዳደምቲ ሃዲሙ ብምውዓል ጸወታ ክዛዘም 250 ሜትሮ ምስ ተረፎ ባዕሉ ቅጽበታዊ ውድድር ብምጅማር ቀዳማይ ኮይኑ ብምእታው ኣብቲ ውድድር ሓዲሽ ታሪክ ኣመዝጊቡ።

ኣብ ውድድር ገንት ወቨልገም ክዕወት ዝኸኣለ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ክኸውን ክኢሉ።

ነቲ ውድድር ዝትንትኖ ዝነበረ ብሪጣንያዊ ጋዜጠኛ ቢንያም ግርማይ ቀዳማይ ኮይኑ መስመር ሕንጻጽ ምስ ሰገረ "Veni... vidi... Bini!" ክብል ተሰሚዑ ትርጉሙ “መጺአ፡ ርእየ፡ ተቆጻጺረዮ” ንምባል’ዩ። እዛ ኣበሃህላ እዚ ጋዜጠኛ ከኣ ከም ጭርሖ ኮይና ብደገፍቲ ቢንያምን ብማሕበራዊ መራኸቢታትን ክትደጋገም ትስማዕ ኣላ።

ካብቲ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ካብ ሓሙሻይ ክሳብ ዓስራይ መድረኽ ማልያ ኣንበሳ ዓቐበት ዝተኸደነሉን ቅድሚኡን፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ዝያዳ ኣብ ዓቐበት ከምዘድምዑ’ዩ ዝግለጽ ነይሩ። ቢንያም ግን ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ቅጽበታዊ ውድድር’ውን ከምዘይሰንፉ ኣመስኪሩ።

ቢንያም ግርማይ ኣብ ዓስራይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢታሊ 2022 ናይ መድረኽ ዓወት ብምምዝጋብ ከኣ ንሽሙ፡ ንሽም ሃገሩን ንኣፍሪቃን ሰማይ ሰቐሎ፡ ምኽንያቱ ቅድሚኡ ኣብቲ ውድድር ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ኣይነበረን።

እንተኾነ ቢንያም ግርማይ ኣብ መድረኽ ምዕዳል ሽልማት ቻምፓኝ ክትኩስ እንከሎ እታ መክደኒ ዓይኑ ስለዝሃረመቶ ጸወታ ክቅጽል ኣይክኣለን።

ቢንያም ግርማይ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ 2024

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ቢንያም ግርማይ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ 2024

ብዓልቲ ቤቱን ጓሉን ናብ ፈረንሳ ኣትየን ስለዘለዋ፡ ንዕኡ ኣብ ልዕሊ እቲ ፍሉይ ዓወቱ ተወሳኺ ሓጎስ ክፈጥረሉ ከምዝኽእል’ዩ ዝገልጽ። ብዓቢኡ እቶም ኣብ ኤርትራ ኮይኖም ብዘደንጹ ኣገባብ ንዓወቱ ዝጽንብልዎ ዘለዉ ኣፍቀርቲ ብሽክለታ’ውን ተወሳኺ ነዳዲ’ዮም ንቢንያም።

ብፍላይ ኣብ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ሳልሳይ ናይ መድረኽ ዓወት ምስ ኣመዝገበ፡ እቲ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ጽንብል ኣዝዩ ፍሉይ’ዩ ነይሩ።

ቢንያም ውድድር ኣብ ዝህልወሉ እቶም ዝያዳ ድምጾም ጎሊሑ ዝስማዕ ደገፍቲ፡ እቶም ንቢንያም ክድግፉ ዝመጽኡ ኤርትራውያን’ዮም።

ኣብ 2023 ኣብ ቱር ደ ስዊስ ንቢንያም ንምድጋፍ ዝመጽአ ሓደ ኤርትራዊ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕተት “[ቢንያም] ንጉስ ኣፍሪቃ’ዩ፡ ኣዚና ሕቡናት ኢና፡ ኤርትራ ዝያዳ ብኵናት’ዩ ሽማ ዝለዓል ነይሩ ሕጂ ግን ካልእ ዝተፈለየ’ዩ” ኢሉ።

ቢንያም ንኤርትራ ጥራይ ኣይኮነን ዝውክል ዘሎ፡ ኣፍሪቃ’ውን ኣብ ብዙሕ ውድድራት ብቢንያም ግርማይ’ያ ትውከል።

ማኒ ኣርቱር ኣካያዲ ብላክ ሳይክሊስት ኔትዎርክ ኮይኑ ንጋና ወኪሉ ኣብ ብዙሕ ውድድራት ዝተቐዳደም ስፖርታዊ’ዩ።

ንሱ ምስ ፎከስ ኣፍሪቃ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት “ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ብዙሕ ግዜ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ክንርኢ ኣይጸናሕናን” ይብል።

ማኒ ኣርቱር ብምስዓብ “ንቢንያም ግን ክሳተፍ ጥራይ ኣይኮንናን ንርእዩ ዘለና፤ ዘይክኣሉ ዝመስሉ ዓወታት’ዩ ዘመዝገብ ዘሎ፡ ንሱ ሓደ ካብ ዝበለጹ ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ምዃኑ ኣመስኪሩ’ዩ” ኢሉ።

ንጋንታ ኤሪ ቴል፤ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራን ዘሰልጥን ዝነበረ ሕጂ ከኣ ኣብ ርዋንዳ ዝመደበራ ኤርትራዊት ኮንቲነንታል ጋንታ መይስታርስ ዘሰልጥን ዘሎ ኣኽሊሉ ሃይለ [ባሕሪ] ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ብወገኑ “ቅድምም ብሽክልታ ናይ ጸዓዱ ውድድር ጥራይ’ዩ ዝመስል ነይሩ፡ ሕጂ ግን ቢንያም ንኹልና እዚ ውድድር ንኹሉ ምዃኑ ምሂርና’ዩ” ኢሉ።

ቢንያም ግርማይ ጽባሕ ሰንበት ውድድር ቱር ዲ ፍራንስ ምስ ወደአ፡ ኣብቲ ኣብ ፓሪስ ዝካየድ ኦሎምፒክ ንኤርትራ ወኪሉ ክወዳደር’ዩ።

ቢንያም ግርማይ ኣብ ኦሎምፒክ’ውን ወርቂ መዳልያ ንምርካብ ዓሊሙ’ዩ ናብ ጸወታ ክኣቱ፡ እቲ እንኮ ንኤርትራ ኣብዚ ውድድር ዝውክላ ዘሎ ተጻዋታይ ከም ምዃኑ መጠን ግን እቲ ውድድር ከቢድ ክኾኖ ከምዝኽእል ይግመት።

ኣብቲ ኣብ 2025 ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ኣብ ርዋንዳ ኪጋሊ ዝካየድ ቻምፕዮና ዓለም’ውን ከምቲ ኣብ ዙር ርዋንዳ 2019 ኣብ ሓሙሻይ መድረኽ ቀዳማይ ዝወጽኦ፡ ቀዳማይ ብምውጻእ ቀዳማይ ኣብ ቻምፕዮና ዓለም ዝተዓወተ ኣፍሪቃዊ ንምዃን ክቃለስ ምዃኑ ኣየጠራጥርን።