ቱር ዲ ፍራንስ፡ ቢንያም ኣብ መድረኽ 13 ራብዓይ ወጺኡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዓርቢ 12 ሓምለ ዝተኻየደ መበል 13 መድረኽ ቱር ዲ ፍራንስ ካብ ኣገን ናብ ፓዋ 165.3 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ ኰይኑ እዩ ተኻይዱ።
እዛ መድረኽ’ውን ሓሓሊፉ ፈኰስቲ ኩርባታት ዘለዋ ኣብ መብዛሕትኡ ድማ ጐልጐል ዝበዝሓ ስለዝዀነት ብቅጽበታዊ ውድድር ከም እትውዳእ ኣቐዲሙ ተገሚቱ ነይሩ።
ተቐዳደምቲ ኣብ መበል 89 ኪሎሜተር ነጋሮ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ኣብ ማእከል ነጥቢ እተውህብ መስመር ስለዝነበረቶም፡ ኣብኣ ነጥቢ ንምኽሳብ ጸወታ ጅምር ምስበለ ልዕሊ ዕስራ ዝዀኑ ተጻወትቲ ካብ ዓባይ ጕጅለ ሃዲሞም ብምውጻእ ናቶም ጕጅለ ፈጠሩ።
እዚ ኣብ መጀመርታ እተን ክሳብ ሕጂ ናይ መድረኽ ዓወት ዘየመዝገባ ጋንታታት ነቶም ናይ ቅጽበታዊ ውድድር ተቐዳደምቲ በዲሀን ዓወት ናይ ምምዝጋብ ዕድለን ስለዝጸብብ ተጻወትቲ ብምህዳም ናይ መድረኽ ዓወት ንምምዝጋብ ሃቀና።
ኣብ መንጐ መራሒት ጕጅለ ኣርባዕተ ተቐዳደምቲ ሃዲሞም ብምውጻእ ናብታ ኣብ መበል 89 ኪሎሜተር ተሰሪዓ ዝነበረት ነጥቢ ተውህብ ሕንጻጽ ስለዝረገጹ፡ ንሓድሕዶም ብዝገበርዎ ቅጽበታዊ ውድድር ነተን ዝነበራ ነጥቢ ተማቐልወን፤ እተን ዝተረፋ’ውን ኣብ ካልኣይቲ ጕጅለ ዝነበሩ ተቐዳደምቲ ስለዝኣተውወን ኣብ ቀጠልያ ማልያ ኣብ መንጐ ቢንያምን ጃስፐር ፍሊፕሰንን ዝነበረ ፍልልይ ከምቲ ዝሓደሮ ረጊኡ ቀጸለ።
ክሳብ’ዚ ርሕቀት ኣብ ቀጠልያ ማልያ ቢንያም ብ328፡ ጃስፐር ብ221፡ ኣንቶኒ ቱርጊስ ብ141 ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ኰይኖም ጸወታኦም ይቕጽሉ።
እተን ኣብ ቅድሚት ዝነበረታ ኣብ ክልተ ዝተመቓቐላ ጕጅለ ናህረን ስለዝቐነሰ ኣብ ድሕሪት በዓል ቢንያም ግርማይ ኣብ ዝነበርዋ ዓባይ ጕጅለ’ውን ናህሪ ስለዝወሰኸ ክልቲአን ጕጅለታት ኣብ ሓጺር ርሕቐት ብዓባይ ጕጅለ ተዋሕጣ።
እቶም ኣብ ነጥቢ ዝወዳደሩ ተቐዳደምቲ ነታ ኣብ መበል 127 ከምኡ ከኣ ኣብ 136 ኪሎሜተረት ንዝነበራ ነጥቢ ዘውህባ ብራኸ ነጥቢ ንምኽሳብ ንዓባይ ጕጅለ ብስካቶታት በጽበጽዋ።
ዓባይ ጕጅለ’ውን ክትመቓቐል ጀመረት፤ ነጥቢ ናይ ዓቐበት ዘየገድሶም በዓል ቢንያምን መወዳድርቱን ከኣ ንምሕቋን ዓባይ ጕጅለ እናተዓዘቡ ብርግኣት ርሕቀቶም ሓልዮም ይጋልቡ።
ሪቻርድ ካራፓስ ካብ ኢኤፍ ኤጁኬሽን ከምኡ ከኣ ሃላንድ ጆውሃንሰን ካብ ጋንታ ዩኤክስ ካብ ዓባይ ጕጅለ ሃዲሞም ብምውጻእ ናይ በይኖም ጕጅለ ብምፍጣር ነተን ዝነበራ ናይ ዓቐበት ነጥቢ ብዘይ ተቃጻጺ ወሰድወን።
ምስ ዓባይ ጕጅለ ዝነበሮም ፍልልይ ከኣ ክሳብ ፍርቂ ደቂቕ ከብጽሕዎ ከኣሉ።
ኣብ ሳልሳይቲ ጕጅለ ኣብ ቅጽበታዊ ውድድር ስሙያት ዝዀኑ ከም በዓል ማርክ ካቫንዲሽ፡ ኣሌክሳንደር ክሪስቶፍ፡ ደይላን ግሮነወገን ስለዝነበሩ ነቶም ኣብ ካልኣይቲ ጕጅለ ዝነበሩ ከም ቢንያም ግርማይን ጃስፐር ፍሊፕሰንን እፎይታ ዝፈጥር’ዩ። ጸወታ 23 ኪሎሜተር ክተርፎ እንከሎ ሳልሰይቲ ጕጅለ ካብ በዓል ቢንያም ናይ 2 ደቂቕን ፈረቓን ፍልልይ ነይርዋ።
22 ኪሎ ሜትር ምስተረፈ ከኣ ካልኣይቲ ጕጅለ ነታ ክልተ ተጻወትቲ ዝነበርዋ መራሒት ጕጅለ ወሓጠታ። ንበዓል ማርክ ካቫንዲሽ ዝሓዘት ጕጅለ ከኣ ካብ መራሒት ጕጅለ ብልዕሊ ሰለስተ ደቂቕን ፈረቓን ድሒራ ነይራ።
ጸወታ ትሕቲ 20 ኪሎሜተር ምስ ተረፎ እተን ኣብ ቅጽበታዊ ውድድር ብዘለውወን ተጻወትቲ ዘይትኣማመና ጋንታታት ተጻወትቲ ኣህዲመን ናይ መድረኽ ዓወት ንምምዝጋብ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት የካይዳ ነይረን።
ዘዝተፈተነ መጥቃዕትታት ግን ብዓባይ ጕጅለ ይመክን ነይሩ። ዓባይ ጕጅለ እናተሓቛቘነት ከኣ ጸወታ 10 ኪሎሜተር ተረፎ።
ሓለዋ ቢንያም ግርማይን ጋንታኡን ከኣ ነቲ ብነጥቢ ክቀርቦም ዘይደለይዎ ጃስፐር ፍሊፕሰን ኰነ።
ኣብ ዓባይ ጕጅለ ዝርገጽ ዝነበረ ልዕሊ 60 ኪሎሜተር ኣብ ሰዓት ነታ ጕጅለ ተር ብምባል ኣብ ልዕሊ 250 ሜትሮ ከምእትዝርጋሕ ገበራ።
ጸወታ 5 ኪሎሜተር ተርፎ።
ቢንያምዶ ይርብዓ፡ ቫን ኣርትዶ ኣብዚ ዓመት ፈላሚ ዓወት ይዓትር ወይስ ጃስፐር ፍሊፕሰን ካልኣይ ናይ መድረኽ ዓወት የመዝግብ? ማዕረ እቲ ጸወታ ተዓዘብትን ደገፍትን ህርመት ልቦም ነሃረ።
3 ኪሎሜተር ምስ ተረፈ ማልያ ናይ ዓቐበት ዝሓዘ ጆናስ ኣብርሃምሰን በርቃዊ መጥቃዕቲ ፈንዩ ንዓባይ ጕጅለ ሓፍ ኮፍር ኣበላ፤ ነዊሕ ከይከደ ግን ተዋሕጠ።
ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝተገበረ ቅጽበታዊ ውድድር ጃስፐር ፍሊፕሰን ቀዳማይ ብምእታው ነጥቡ ናብ 271 ከበርኽ እንከሎ ቫንኣርት ካልኣይ፡ ፓስካል ሳልሳይ ቢንያም ከኣ ራብዓይ ወጺኦም።
ጃስፐር ፍሊፕሰን ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ቱር ዲ ፍራንስ ካልኣይ ናይ መድረኽ ዓወት’ዩ ኣመዝጊቡ።
ቢንያም ግርማይ ሎሚ ኣብ 18 ነጥቢ ብምውሳኽ ነጥቡ 346 ኣበሪኽዎ፤ ምስ ጃስፐር ፍሊፕስን ዘለዎም ፍልልይ ከአ 75 ኰይኑ ይቕጽል።
ዙር ፈረንሳ ክሳብ ሕጂ 13 መድረኻት’ዩ ኣካይዱ ዘሎ። ካብተን ንተቐዳደምቲ ቅጽበታዊ ውድድር ዝመቻኣ ሸሞንተ መድረኻት ከኣ ቢንያም ግርማይ ሰለስተ ግዜ ቀዳማይ ክልተ ግዜ ካልኣይ ሓንሳብ ሳልሳይ ክልተ ግዜ ከኣ ታሽዓይ ብምውጻእ’ዩ 348 ነጥቢ ኣዋህሊሉ ንቀጠልያ ማልያ ብ75 ጸብለልታ ነጥቢ ወኒንዋ ዘሎ።
ቅድሚ ሕጂ ሮበርት ሃንት ዝተበሃለ ጻዕዳ ደቡብ ኣፍሪቃዊ 1999 ከምኡ ከኣ ኣብ 2001 ኣብ ቮልታ ስጳኛ፡ ኣብ 2007 ከኣ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ናይ መድረኽ ዓወት ኣመዝጊቡ ነይሩ። ቢንያም ግርማይ ነዚ ክብረ ወሰን ብምስባር’ዩ ስሙ ብወርቂ ቀልም ኣጽሒፉ ዘሎ።
ቢጫን ማልያ ኣንበሳ ዓቐበትን ሕጂ’ውን ኣብ ዝባን ታደይ ፖጋቻ’የን ዘለዋ።
ሬምኮ ኤቨንሎብ ንመንእሰይ ትወሃብ ጻዕዳ ማልያ ሒዝዋ ኣሎ።
እቲ ኣብ ሓሙሻይ መድረኽ ንቀጠልያ ማልያ ዝተረከባ ቢንያም ግርማይ ከኣ ቀጠልያ ማልያ ኣብ ዝባኑ ኣላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







