ቱር ዲ ፍራንስ፡ ቢንያም ግርማይ ‘ንጉስ ኣፍሪቃ’ መራሒ ሰውራ ቅድድም ብሽክለታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብቲ ጸሓይ ስዊዝ ነዚሒ ሙቐታ ኣበርቲዓ ትሰደሉ ዝነበረት ህሞት፡ ቢንያም ቀላጽሙ ኣብ ለዓት ብሽክለትኡ ኣደጊፉ፡ ምሉእ ሚዛኑ ኣብቲ ጅማውቱ ዝተገታተረ የማነይቲ እግሪ ኣንቢሩ፡ ቅድሚ ጸወታ ንዝሃበና ቃለ መሕተት ድሉው ኮይኑ ነበረ።
ቢንያም ኣብታ 15 ሽሕ ፓውንድ ዝዋግኣ ብሽክለታ ተወጢሑ ኣብ መንጐ ብዙሓት ተቐዳደምቲ ክዝውር እንከሎ ዝፈለዮ ነገር የብሉን፡ እንተኾነ ዝፈለዮ ነገራት ከኣ ኣሎ።
ቢንያም ግርማይ ሓደ ካብቶም ትሽዓት ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ኣብቲ ዝለዓለ ዝስራዕ ቅድድም ብሽክለታ ግራንድ ቱር ክወዳደር ዝኸኣለ’ዩ፡ ኣብዚ ኣብ ምክያድ ዝርከብ ቱር ዲ ፍራንስ ከኣ እቲ እንኮ ጸሊም ኣፍሪቃዊ’ዩ።
ኣብ ብዙሕ ውድድራት ከኣ ኣብ መንጐ ብዙሓት ፀዓዱ ተቐዳደምቲ በይኑ ጸሊም ንሱ’ዩ።
ኣብ ታሪኽ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ሓያለ ቅድሚ ሕጂ ተበጺሖም ዘይፈልጡ ዓወታት ብሽሙ ከመዝግብ ዝኽኣለ ተቐዳዳማይ ክኸውን በቒዑ'ሎ፤ ወዲ 23 ዓመት ቢንያም ግርማይ።
- ኣብ ግራንድ ቱር [ጂሮ ዲ ኢታሊ ] ንመጀመርታ ግዜ ናብ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበ ኣፍሪቓዊ
- ኣብ 2022 ኣብ ክላሲክ ውድድር ገንት ወቨልገን ቀዳማይ ብምውጻእ፡ ናይ መጀመርታ ተዓዋቲ ዝዀነ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ
- ብኣዳለውቲ ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ቦንጎ ንተኸታተልቲ ሰለስተ ዓመታት ዝበለጸ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ ዝተሰመየ እንኮ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ።
ቢንያም ግርማይ ልክዕ ከምቲ ኣብ ቱር ፊ ፍራንስ 34 ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበ ማርክ ካቫንዲሽ ኣብ ለጥ ዝበለ ሜዳን ኣብ ንእስ ንእስ ዝበለ ኩርባታት ዘለዎ መወዳዳሪ ናይ ምዕዋት ልዑል ክእለት ዘለዎ ተቐዳዳማይ’ዩ። ኣራግጻ ብሽክለተኦም’ውን ብዙሕ ዘመሳስል ኣለዎ።
ምስ ቤልጂማዊት ጋንታ ኢንተርማርች ሰርከስ ዋንቲ ዝወዳደር ወዲ 23 ዓመት ቢንያም ግርማይ ኣብ ሓንቲ ታፈርስ እትባሃል ንዓይኒ እትማርኽ ናይ ስዊዝ ከተማ ኢና ረኺብናዮ።
እዛ ከተማ ሳልሳይ መድረኽ ቱር ስዊዝ ዝተጀመረላ ቦታ’ያ።
ቱር ስዊዝ ኣብ ድሮ ምጅማር ቱር ዲ ፍራንስ ዝካየድ ሸሞንተ መድረኻት ዘለዎ ውድድር ኮይኑ፡ ዳርጋ ኩሎም እቶም ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ዝወዳደሩ ተቐዳደምቲ ዝሳተፍዎ’ዩ።
ቢንያም ግርማይ ብፍሽኽታ ተሰንዩ “ከም ኣፍሪቃውያን ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ዓወት እንተኣመዝጊብና ኣዝዩ ዓቢ ነገር’ዩ፡ እቲ ዝፈጥረልና ጽልዋ እዚ ኢለ ክገልጾ ኣይክእልን’የ” ይብል።
ቢንያም ግርማይ ኣብ ድሮ እዚ ቃለ መሕተት ኣብ ካልኣይ መድረኽ ዙር ስዊዝ ብቅጽበታዊ ውድድር ንመወዳድርቱ ብዘደንቕ ብቕዓት ፈልዩ ብምእታው ድሙቕ ዓወት’ዩ ኣመዝጊቡ።
ቢንያም ግርማይ ኣብ ካልኣይ መድረኽ ዙር ስዊዝ ናይ መድረኽ ዓወት ኣብ ዘመዝገበሉ፡ ማእለያ ዘይብሎም ኤርትራውያንን ደገፍቱን ባንዴራ ኤርትራ ሒዞም፡ ስሙ እናጸውዑ’ዮም ንዓወቱ ኣጸናቢሎሞ። ልዕሊ ዝኾነ ድምጺ ከኣ ‘ቢኒ ቢኒ’ ዝብል ድምጺ ጎሊሑ ይስማዕ ነበረ።
ንሶም ማዕሪኡ ወይ ልዕሊኡ ዝተሓጎሱ’ዮም ዝመስሉ፡ ሓደ ካብቶም ደገፍቱ ንእሽተይ ባንዴራ ኤርትራ ኣብ ካስኮ ቢንያም ሰኵዕሉ ብሓጎስ እናጨደረ እንከሎ ይርአ። ክሳብ ናብ ናይ ጋንትኡ ኣውቶቡስ ዝስቐል’ውን ብደርፊ የሰንይዎ ነይሮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቢንያም ግርማይ ገና ወዲ 23 ዓመት’ዩ ዘሎ፤ ክሳብ ሕጂ ዘመዝገቦ ዓበይቲ ዓወታት ርኢኻ፡ ብሕጂ ከመዝግቦ ዝኽእል ዓወታት ክትሓስብ እንከለኻ ኣፍካ ማይ ዘምልእ’ዩ።
ብዙሓት፡ ዓወታት ናይ ቢንያም ሰባት ብዛዕባ ቅድድም ብሽክለታ ዘለዎም ኣመለኻኽታ ኣብ ምቅያር ዓቢ ግደ ከምዝህልዎ’ዮም ዝዛረቡ።
ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ቅድድም ብሽክለታ፤ ካብ ተሳታፍነት ጥራይ ሰጊሮም ዓወታት ከምጽኡ ከምዝኽእሉ ቢንያም ኣብነት ኮይንዎም’ዩ፡ እዚ ኸኣ ኣብታ ኣህጉር ብዙሕ ምንቅቓሕ ክፈጥር ከምዝኽእልን ድሮ’ውን ክፈጥር ጀሚሩ ምህላዉን ይፍለጥ።
ሸውዓት ካብቶም ትሽዓት ኣብ ግራንድ ቱር ዝተሳተፉ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ኤርትራውያን’ዮም፡ እቶም ክልተ ከኣ ኢትዮጵያውያን።
ዳንኤል ተኽለሃያማኖትን መርሃዊ ቅዱስን ኣብ 2015 እቶም ቀዳሞት ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ዝተሳተፉ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ክኾኑ እንከለዉ ናትናኤል ብርሃነ’ውን ኣብ 2016 ስዒብዎም።
ብሓፈሻ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ መርሃዊ ቅዱስ፡ ናትናኤል ብርሃን፡ ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ሄኖክ ሙሉብርሃንንቢንያም ግርማይን እቶም ኣብ ግራንድ ቱራት ዝተሳተፉ ሸውዓተ ኤርትራውያን’ዮም።
ገሊኦም ኣብ ሓደ፡ ገሊኦም ኣብ ክልተ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ መርሃዊ ቅዱስን ናትናኤል ብርሃነን ከኣ ኣብ ሰለስቲኡ ግራንድ ቱራት ተወዳዲሮም።
ኤርትራ ውሑድ ህዝቢ ዘለዋ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና፡ ብድኽነት’ውን ብመሰረት ካብ ባንኪ ዓለም ዝተረኸበ ሓበሬታ ካብ ድሕሪት ኣብ መበል 13 እያ ተሰሪዓ ዘላ፡ እንተኾነ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ኣብታ 1.2 ቢልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኣፍሪቃ ወትሩ ጸብለል ምስ በለት’ያ፡ ካብኡ ሓሊፋ’ውን ብደረጃ ዓለም ምስ ቀዳሞት 20 ዝተሰረዐትሉ ውሑድ ኣይኮነን።
ቢንያም ግርማይ ካብተን ብዙሓት ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ዘፍረያ ከተማታት ኣንዶራ ወይ ሞናኮ ኣይኮነን፡ ካብታ ብሽክለታን ቅድድም ብሽክለታን ኣካል ባህላ ዝኾነት ኣስመራ’ዩ መጺኡ።
ቢንያም “ብሽክለታ ምዝዋር ኣብ ደመይ’ዩ ዘሎ፡ ንመጀመርታ ግዜ ብሽክለታ ዝዘወርኩሉ ግዜ ክዝክር እንድሕር ኮይነ ኣዝየ ኣዝየ ንእሽተይ’የ ነይረ፡ ወዲ ሰለስተ ኣርባዕተ ዓመት” ይብል።
ሓደ ካብቶም ኣብ ስዊዝ ንቢንያም ክድግፉ ዝመጽኡ ኤርትራውያን “ኣብ ሃገርና ቅድድም ብሽክለታ ልክዕ ከም ኵዕሶ እግሪ’ዩ፡ ንልዮነል ሜሲ ኣዝየ’የ ዝፈትዎ፡ ካብኡ ግን ንቢንያም ይመርጽ” ኢሉና።
ካልእ ኤርትራዊ’ውን “ምዝዋር ብሽክለታ ባህልና’ዩ፡ ቆልዑ ዋላ ንኣሽቱ እንከለዉ በተን ብየማን ጸጋምን ዳሕረዋይ ጎመአን መደገፊ ዘለወን ብሽክለታት’ዮም ዝቐዳደሙ” ይብል።
ብምስዓብ “ዳርጋ ኩሉ ሰብ ብሽክለታ ኣለዎ ብፍላይ ቆልዑ፡ ንቆልዓ ከም ህያብ እትህቦ ዝዓበየት ነገር ብሽክለታ’ያ፡ ናብ ቤት ትምህርቲ፡ ናብ ስራሕ ክንከይድ እንከለና ብሽክለታ ኢና ንጥቀም፡ ነዚ ናብ ኤርትራ እንተኼድካ ብዓይነኻ ከተረጋግጾ ኢኻ” ኢሉና።
ነዚ ምስ ሰማዕካ፡ ለካ ምስጢር ዓወታት ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ እዚ’ዩ ዘብል’ዩ።
ኤርትራ ንዝሓለፈ ልዕሊ 30 ዓመታት ብሓደ ፕረዚደንትን ብሓደ ሰልፍን ዝተመረሐት ሃገር’ያ። እታ ሃገረ ኣብ ደረጃታት ሓሳብካ ብነጻ ምግላጽ ምስ ዳሕረዎት ሽዱሽተ ሃገራት’ያ ትስራዕ።
ቢንያም ግርማይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንሰለስተ ዓመታት ኣብ ዶባዊ ኵናት ተጸሚደናሉ ኣብ ዝነበረ እዋን’ዩ ኣብ 2000 ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ።
እቲ ሽዕኡ ዝነበረ ኵናት ኣብ ቁልዕነት ቢንያምን ሓሙሽተ ኣሕዋቱን ኣሉታዊ ጽልዋ ገዲፍሎም’ዩ።
ኣብታ መዳውብቲ ኤርትራ ዝኾነት ክልል ትግራይ ናይ ኢትዮጵያ’ውን ፡ ካብ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ኵናት’ዩ ጸኒሑ።
ተወላዲት ትግራይ ዝኾነት ሰላም እማሃ ተቐዳዳሚት ብሽክለታ’ያ “ኣብ 2020 ኩሎም ኣዕሩኽተይ ናብ ኵናት ከይዶም” ትብል ሰላም።
“ገለ ካብ ኣዕሩኽተይ ሞይቶም’ዮም፡ ገለ እግሮም ወይ ኢዶም ዝተቖረጹ ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ዝነበሩ’ውን ኣለዉ፡ ኣዝዩ ከቢድ ስለዝኾነ ኣብቲ ቦታ ክጸንሕ ኣይደለኹን” ተስዕብ።
“ሓደ ዓርከይ ነይሩ፡ ብሓንሳብ ልምምድ ንገብር፡ ብሓንሳብ ቡን ንሰቲ ናብ ኩሉ ብሓባር ኢና ንኸይድ፡ ምስኡ ክኸውን እንከለኹ ኣዝየ’የ ዝሕጎስ ነይረ፡ ሕጂ ግን ብሰንኪ እዚ ኵናት ስኢነዮ፡ ሞይቱ’ዩ”
“ካብዚ ብምብጋስ ናብ ሰብ ኣዝየ ኣይቀርብን’የ፡ እንተቐሪበዮም ዝሞቱ’ሞ ኣነ ኸኣ ዝህሰ ኮይኑ እናተሰማዓኒ”
ሰላም ካብ ትግራይ ወጺኣ ሕጂ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝርከብ መሰልጠኒ ማእከል ዩሲኣይ’ያ ዘላ።
እቲ መሰልጠኒ ማእከላ ካብታ ቢንያም ልምምድ ዘካይደላ ተፈረስ ናይ ሓደ ሰዓት ራሕቒ’ዩ ዘለዎ።
እቲ ቦታ ብበረድ ዝተሸፈነ ጎቦታት ዝበዝሖን ሓቒቕ ዝመስል ማይ ዝውሕዘሉ ፈለግ ዘለዎን ውቁብ ቦታ’ዩ።
ዛንታ ሰላም ከብድኻ ዝበልዕ’ዩ ንኹሉ ክኢላቶ ግን ትነብር፡ ትዝውር፡ ትናፍቕ፡ ትሕጎስ።
ካብቲ ፕረዚደንት ዩሲኣይ ደቪድ ላፓርቲተ ዝምገበሉ ዝነበረ ጣውላ ናይ ክልተ ሜትሮ ርሕቕ ኢላ እናተመገበት’ያ ተዕልለና ነይራ።
ሰላም ኣብቲ ዩሲኣይ ዘዳለዎ መደቐሲ’ያ ትነብር።
“ካብ ገዛና ኣነ ምንኣስ ቦኽሪ’የ፡ ናብቲ ኵናት ክኸይድ’ውን ይደሊ ነይረ’የ፡ ብዝኾነ ሕጂ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣለኹ፡ ኣብዚ ጽቡቕ’ዩ፡ ንዓይ ግን ከቢድ’ዩ፡ ኣብ ልምምድ ኮይነ ብዛዕባ ስድራይ’የ ዝሓስብ ድሓንዶ ይህልዉ፡ ብህይወት'ዶ ይህልዉ እናበልኩ ይጭነቕ፡ ግን ካብ ኣብኡ፡ ኣብዚ ይሓይሽ”

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቢንያም ግርማይ ሕጂ መምህር ብዙሓት’ዩ፡ ቅድም ግን ንሱ’ውን ኣብ ዩሲኣይ’ዩ ተመሃራይ’ዩ ነይሩ።
ምስ ናይ ሰላም ብምውድዳር ጉዕዞ ናይ ቢንያም ዝሓሸ’ዩ ነይሩ፡ ቀሊል ግን ኣይነበረን።
ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝኾነሉ፡ ጸብጻብ ልምምዳቱ ናብ ዩሲኣይ ንምስዳድ፡ ምስቲ ዝሑል ዓቐን ኢንተርኔት ናይ ኤርትራ እናተቓለሰ ሓያለ ግዜ’ዩ ዝበልዕ።
ኣብ ማእከል መሰልጠኒ ዩሲኣይ ሓላፊ ምልላይ ዓቕሚ ተቐዳደምቲ ዝኾነ ፈረንሳዊ ጅያን ሄንሪ “ንመጀመርትኡ ናባና ክመጽእ እንከሎ [ቢንያም] ወዲ 18 ዓመት’ዩ ነይሩ” ብምባል፡ ኣብ ቢንያም ዘለዎ ተዘክሮ ኣካፊሉና።
“ንቢንያም ንክነዳልዎ ብዙሕ ኢና ሃሊኽና፡ ብዙሕ ነገር ክቕይር ነይርዎ፡ ኣነባብርኡ፤ ልምድታቱ፡ ርግጽ’ዩ እቶም ናባና ዝመጽኡ ተቐዳደምቲ ምስ ልምድታቶም’ዮም ዝመጽኡና ልምዲ ከኣ ምስ ብቕዓት ዘይዛመደሉ ነገራት ኣለዎ”
“ኣብ ሓምለ’ዩ መጸኡና፡ እቲ ወርሒ ንዓና ሙቐት’ዩ ንቢንያም ግን ከትከት ዘብል ቁሪ’ዩ፡ ካልእ ኣብ ‘ኮብልስቶን’ ምዝዋር ኣይፈቱን’ዩ ነይሩ፡ እቲ ቴክኒክ ዝብሃል ነገር ከኣ ኣይርድኦን’ዩ ነይሩ ንዕኡ ጋሻ’ዩ፡ ሕጂ ግን ኩሉ ዘማለአ ተቐዳዳማይ ኮይኑ ንዝኾነ ዎርልድ ቱር ከዐውት ዝኽእል ዓቕሚ ኣለዎ”
“ቢንያም ምስ ኩሉ’ዩ ፍሽኽ ዝብል፡ ዝኾነ ጸቕጢ ዘይስምዖ ተቐዳዳማይ’ዩ፡ ሕጉስ ህይወት’ዩ ዘሕልፍ” ይብል ጅያን ሄንሪ።
ኣብ ኣፍሪቃ ዋላ ካብ ጸዓዱ ዝተወለድካ ኣብ ጆውሃንስበርግ ትነብር ኩን ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ክትከውን ዓቢ ግድል’ዩ።
ኣርባዕተ ግዜ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ቱር ዲ ፍራንስ ክኸውን ዝኸኣለ ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ዝተወለደ ክሪስ ፍሩም፡ ቅድድም ብሽክለታ ኣብ ዝጀመረሉ፡ ንነብሱ ኣብ ሓደጋ እናኣእተወ ደድሕሪ ዓበይቲ መካይን እናኸደ’ዩ ልምምድ ዘካይድ ነይሩ።
ኣብ ዓበይቲ ውድድር ንኽወዳደር ካብ ሰብመዚ ገንዘባዊ ሓገዝ ኣብ ዝሓተሉ ዝነበረ ግን ይሰልጦ ኣይነበረን።
ክሪስ ፍሩም “ሕስብ’ሞ ኣብሎ፡ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝዓበየ ቆልዓ እንተኾይና ግን ርሑቕ ከይከድካ ኢኻ ስሩዕ ስልጠና ናይ ልምምድ ዝህባ ክለባት ክትረክብ ትኽእል፡ ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ግን እዚ ዕድል’ዚ የለን፡ ስለዚ ወዲ 12 ዓመት እንተኮይንካ ልምምድ ናይ ብሽክለታ ኣበይን ብኸመይን ኢኻ ክትጅምሮ እንዶ የብልካን።
“ሕራይ ድሓን ብናትካ ሃርኮትከት ነገራት ጽቡቕ ከይዶም ንበል፡ እተን ኣብ ኣውሮጳ ዘለዋ ክለባት ግን ብኸመይ’የን ክረኽባኻ ንስኻኸ ብኸመይ ኢኻ ክትረኽበን? እዚ’ውን ካልእ መስገደል’ዩ፡ እቶም ኣብዚ ኣውሮጳ ንርእዮም ዘለና ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ኣቓልቦ ናይዘን ሒዘንኦም ዘለዋ ጋንታታት ንኽረኽቡ ሓመድ ደፈጭኦም’ዮም ሰትዮም”
![ክሪስ ፍሮም [ኣብ ማእከል ናይ ጋንታ ስካይ ማልያ ገይሩ ዘሎ] ምስቶም ኣብ ናይሮቢ ደቂ ጋንትኡ ዝነበሩን ምስ ጋንታ ሳፋሪ ሲምባዝ ዝስልጥኑ ዘለዎ ህጻናትን](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/0eb3/live/baa411e0-2265-11ee-941e-23d1e9ab75fa.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንኸምዚ ጸገማት ንምቅላል እታ ክሪስ ፍሩም ዝጻወተላ ዘሎ ክለብ ኢስራኤል ፕሪሜር ቴክ ኣብ ርዋንዳ ‘ፊልድ ኦፍ ድሪምስ’ ዝተባሃለ መሰልጠኒ ማእከል ብምምስራት ንህጻናትን መንእሰያትን ኣብ ምስልጣን ትሰርሕ ኣላ።
እታ ክሪስ ፍሩም ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ካብ 2013 ክሳብ 2018 ዝበዝሐ ዓወታቱ ዝሓፈሰላ ቅድም ስካይ ትባሃል ዝነበረት ሕጂ ግን ኢንዮስ ትብሃለ ዘላ ጋንታ’ውን ኣብ ኬንያ ልክዕ ከምቲ ናይ ርዋንዳ ማእከል መሰልጠኒ ቅድድም ብሽክለታ ትምስርት ኣላ።
እዘን ጋንታታት ነቲ ዘይተበርበረ ጸጋ ተቐዳደምቲ ናይ ኣፍሪቃ ኣቃልቦ ሂበን ክሰርሓሉ ምጅማረን ዓቢ ተስፋ ዝህብ’ዩ።
ክሪስ ፍሩም “ብናተይ ኣረአእያ፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣዝየ ብዙሕ ተጻዋርነትን ዓቕምን ዘለዎም ኣትሌታት ኣለዉ፡ ክምህ ዘይብል ልብን ሳንቡኡን’ዩ ዘለዎም፡ እንተኾነ ነዚ ዓቕሚ እዚ ዓለም ኣይረኣየቶን ዘላ እቲ ምኽንያት ከኣ ትሕተ ቅርጽን ሓገዝን ስለዘይረኸቡ’ዩ” ይድምድም።
ከም ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዲውግ ርይደር ጌሩ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ናብ ኣውሮጳዊ ውድደራት ንክወዳደሩ ዝጽዓረ ሰብ የለን።
“እምነት ሓደ ዓቢ ነገር’ዩ፡ ስለዚ ገለ ሰባት ካብ ኣፍሪቃውያንን ኣፍሪቃን ብዙሕ ነገር’ዮም ወሲዶም፡ እንተኾነ ኣብ ውልቀ ሰባት እምነት ንኽጥረ ዘመናት’ዩ ወሲዱ”
ዲውግ ርይደር ናይታ ኩቤካ ትብሃል ዝነበረት ሕጂ ብ Q365 ትጽዋዕ ዘላ ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ማናጀር’ዩ።
እዛ ጋንታ እዚኣ ኣብ ኣፍሪቃ ሰረት ቅድድም ብሽክለታ ንምብራኽ ንኣፍሪቃውያን ብሽክለታታት ብነጻ ትዕድል’ያ።
“ንዓይ ኣብተን ኣውሮጳውያን ጋንታት ባንዴራ ዝተፋለለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ክርኢ ደስታ’ዩ ዝፈጥረለይ፡ ንሕና [ጋንታQ365] ከም ጋንታ ነዚ ክንገብሮ ኣይክኣልናን ኣለና። እንተኾነ ካልኦት ጋንታታት’ውን ነዚ እንተ ኣስተብሂለናሉ ዓቢ ዕማም’ዩ”
ኣብዚ ዓመት ካብተን 18 ዎርልድ ቱር ጋንታታት እተን ኣርዕተ ጋንታታት ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝመጽኡ ተጻወትቲ ሓቍፈን ኣለዋ።
ዓወታት ናይ ቢንያም ከኣ ንብዝሒ ኣብ ኣውሮጳ ዝወዳደሩ ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ንኽብርኽ ድርኺት ክፈጥር ዝኽእል ዓቢ ነገር’ዩ።
ክሪስ ፍሩም “ቢንያም ግርማይ ኣብ ሓንቲ ካብ መድረኻት ቱር ዲ ፍራንስ እንተተዓዊቱ፡ ኣብ ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ኣዝዩ ዓቢ ነገር ክኸውን’ዩ፡ ኣብ ዝመጽእ ሓሙሽተ ክሳብ ዓሰርተ ዓመታት ከኣ ማዕበል ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ኣውሮጳዊ ውድድራት ከዕለቕልቕ ክንርእዮ ኢና” ይብል።
ፍሩም ነዚ ዘረብኡ ርጉጽ ኮይኑ’ዩ ተዛሪብሉ፡ ምኽንያቱ ከም ቻምፕዮን ኮይኑ ዘይኮነ፡ ኣብ መንጎ ጸለምቲ ኮይኑ ኣብ ናይሮቢ እናተወዳደረ እንከሎ ነቲ ዕቑር ዓቕሚ ኣፍሪቃውያን ክርእዮ ክኢሉ’ዩ።
ልዕሊ ዝኾነ ግን ነዚ ክሪስ ፍሩም ዝበሎ ደገፍቲ ቢንያም ግርማይ’ውን ኣጸቢቖም’ዮም ዝኣምንሉ።
ሓደ ኤርትራዊ “[ቢንያም]ናይ ኣፍሪቃ ንጉስ’ዩ” ድሕሪ ምባል፡ “ንሕና ኣዚና ሕቡናት ኢና፡ ኤርትራ ብከም ኵናት ዝኣመሰለ ሕማቕ ነገራት ጥራይ’ያ ክትልዓል ጸኒሓ፡ ሕጂ ግን ተቐይሩ’ዩ” ኢሉና።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







