ናትናኤል ተስፋጽዮን ዕዉት ብጫ ማልያ ዙር ርዋንዳ 2022 ኮይኑ

20 ለካቲት ዝጀመረ መበል 14 ዙር ርዋንዳ 2022 ሎሚ ብዓወት ናትናኤል ተስፋጽዮን ተዛዚሙ።
ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብዚ ሎሚ ኣብ ውሽጢ ኪጋሊ ዝተኻይደ ዓቐበታት ዝነበሮ ናይ 75.3 ኪሎ ሜትር መድረኽ ዓስራይ ብምውጻእ'ዩ ወናኒ ብጫ ማልያ ክኸውን ክኢሉ ዘሎ።
ነዚ ናይ ሎሚ ናይ መወዳእታ መድረኽ ርዋንዳዎ ሞየሽ ሞሁሻ ክዕወተሉ እንከሎ ሳንዲ ካልኣይ ኣሌክሳንደር ግኔዝ ሳልሳይ ወጺኦም።
ሄኖክ ሙሉብርሃን ሎሚ ሓሙሻይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ።
እዚ ኣብ 19 ጋንታታት ዝተሓቖፉ 95 ተቐዳደምቲ ኣብ መጀመረታ መድረኽ ዝጀመረሉ ናይ 2.1 መዓቀኒ ዘለዎ ቱር ተቐዳደምቲ ኣብ ሸሞንቲኡ መደረኻት 933.2 ኪሎ ሜትር ሸፊኖም።
እቶም ኣብ መጀመርታ መድረኽ ዝተሰለፉ 95 ገለ ብሕማም ገለ ስኣን ዓቕሚ እናተጓደሉ ሎሚ 65 ተቐዳደምቲ'ዮም ጸወታ ጀሚሮም።
ዙር ርዋንዳ ኣብ 2019 ብዩሲኣይ ናይ 2.1 መዐቀኒ ካብ ዝወሃቦ ክሳብ ሕጂ ኣብ 2019 መርሃዊ ቅዱስ ኣብ 2020 ናትናኤል ተስፋጽዮን ክዕወትሉ እንከለዉ ኣብ 2021 ኸኣ ስጳኛዊ ክሪስትያን ሮድሪገዝ ብጫ ማልያ ተዓዊቱ።
ክሪስትያን ሮድሪገዝ ንዙር ርዋንዳ ንመጀመረታ ዝተዓወተሉ ኣውሮጳዊ'ዩ።
ናትናኤል፡ ናይ ሎሚ ዓመት ዓወቱ ንዕኡ ንኻልኣዩ ንሃገሩ ኤርትራ ኸኣ ምስቲ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ኣብ 2010 ንዙር ርዋንዳ ዝተዓወትሉ፡ ኣርባዕተ ግዜ ዕውትቲ ዙር ርዋንዳ ከምእትኽውን ገይሩ።
ዓወታት ናትናኤል ካብ መድረኽ ናብ መድረኽ
ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ኣብ ዝተገበረ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር፡ ናትናኤል ካብቲ ቀዳማይ ኮይኑ ነታ ዝተዳለወት 4 ኪሎ ሜትር ብ4 ደቒቕን 41 ካልኢትን ዝዛዘማ ፈረንሳዊ ኣሌክሳንደር ገኔዝ ብ19 ካልኢት ብምድሓር ውድድሩ መበል 24 ብምዃን'ዩ ዛዚሙ።
ካብ ኪጋሊ ናብ ርዋማንጋና ኣብ ዝተኻየደ ናይ 148.3 ኪሎ ሜትር ካልኣይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ ንናትናኤል ግዜ ከይከሰረ መበል 21 ክኣቱ እንከሎ ካብቲ ብጫ ማልያ ዝሓዘ ኣሌሳንደር ግኔዝ ብ19 ካልኢት ድሒሩ ኣብ ብጫ ማልያ መበል 23 ተቐሚጡ።
ኣብ ኪጋሊ ናብ ሩባቩ ኣብ ዝተኻየደ ናይ 155.9 ኪሎ ሜትር ሳልሳይ መድረኽ ናትናኤል ተስፋጽዮን ግዜ ከይከሰረ ራብዓይ ክኣቱ እንከሎ፡ ካብቲ ብጫ ማልያ ዝተረከብ ወዲ ጋንትኡ ጆናታን ሬስትሬፖ ብ13 ካልኢት ድሒሩ ኣብ ራብዓይ ተቐሚጡ።
ናትናኤል ኣብዛ መድረኽ እዚኣ ኣብ ንመንእሰይ ትወሃብ ማልያ ካልኣይ ክኸወን እንከሎ፡ ኣብታ ንዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ትውሃብ ማልያ ንሄኖክ ሙሉብርሃን ኣኸቲሉ ቀዳማይ ኮይኑ።
ራብዓይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ ካብ ከተማ ኪጋሊ ናብ ጉቹምቢ 124.3 ዝሽፍን'ዩ ነይሩ።
ኣብዛ መድረኽ እዚኣ ናትናኤል ካብ ቀዳማይ ዝወጽአ ደቡብ ኣፍሪቃዊ መይን ኬንት ሰለስተ ካልኢት ድሒሩ ሻሙናይ ክኣቱ እንከሎ ኣብ ብጫ ማልያ ካብቲ ብጫ ማልያ ዝተረከበ ኣክዘል ላውረንስ ብ10 ካልኢት ድሒሩ ኣብ መብለ 10 ተሰሪዑ።
ኣብቲ ካብ ሙሀንጋ ናብ ሙሳንዘ ዝተኻየደ ሓሙሻይ መድረኽ ናትናኤል ካብቲ ነታ መድረኽ ዝተዓወተላ ኣሌክሳንደር ገኔዝ 20 ካልኢት ድሒሩ መበል ሻሙናይ ኮይኑ'ዩ ዛዚምዋ።
ኣብ ብጫ ማልያ ኸኣ ምስቲ ኣብታ መድረኽ ብጫ ማልያ ዝተረከበ ስጳኛዊ ኣንገል ማድራዞ ብማዕረ ግዜ ብመዓልቲ ተበሊጹ ናብ ካልኣይ ደረጃ ደይቡ።
እተን ንዝበለጸ መንእሰይን ኣፍሪቃውን ዝውሃባ ማልያታት ግን ተዓዊትለን።
ሻዱሻይ መድረኽ ዙር ርዋንዳ ካብ ሙሳንዘ ተበጊሱ ኣብ ኪጋሊ ኮንቬንሽን ሴንተር እዩ ተዛዚሙ።
ኣብዛ መድረኽ ቡዱያክ ኣናቶሊ ክዕወተላ እንከሎ፡ ናትናኤል ግዜ ከይከሰረ ካልኣይ ኮይኑ ኣትዩ።
ኣብ ብጫ ማልያ ኸኣ ንኣናቶሊ ቡድያክ 6 ካልኢት ኣንጺፉሉ ናትናኤል ወኒንዋ።
እተን ንዝበለጸ መንእሰይን ኣፍሪቃውን ዝውሃባ ማልያታት'ውን ንሄኖክ ሙሉብርሃን ኣኸቲሉ ቀዳማይ ብምዃን ወኒንወን።
ሻውዓይ መድረኽ ተቐዳዳማይ ቢ ኤንድ ቢ ሆቴልስ ፈረንሳዊ ኣላን ክዕወተላ እንከሎ፡ ናትናኤል ካብ ቀዳማይ 52 ካልኢት ድሒሩ ሓሙሻይ ኮይኑ'ዩ ኣትዩ።
ኣብ ብጫ ማልያ ኸኣ ነቲ ምስ ቡድያክ ኣንቶሊ ዝነብሮ ፍልልይ ናብ 26 ካልኢት ክብ ብምባል ብጫ ማልያ ናብ ሻሙናይን መዛዘምን መድረኽ ገይርዋ ከምዝኣቱ ኣረጋጊጹ።
ናትናኤል ተስፋጽዮን ብጃካ ብጫ ማልያ ንመንእሰይን ንዝበልጸ ኣፍሪቃውን ዝውሃባ ማልያታት'ውን ኣብ ሕቑፉ ኣእትይወን።
ናትናኤል ኣብዚ ሎሚ ዝተዛዘመ መበል 14 ዙር ርዋንዳ 2022 ብጫ ማልያ፡ ንዝበለጸ ኣፍሪቃውን ዝበለጸ መንእሰይን ዝውሃባ ማልያታት ወኒንወን ኣሎ።
ዝተሳተፋ ጋንታታት
- ዎርልድ ቱር፣ ኢስራኤል ስታርት ኣፕ ነሽን፣ ፕሮ ቲም
- ቶታል ዳይሬክት ኢነርጂ [ፈረንሳ]፣ ቢኤንድ ኤንድ ሆቴልስ [ፈረንሳ]፣ ቲም ኖቮ ኖርዲክ [ኣመሪካ] ድሮን ሆፐር ኣንድሮኒ ጂካቶሊ [ጣልያን]፡ ቡርጎስ ቢኤች [ስጳኛ]
- ዩሲኣይ ኮንቲነንታል ቲም፣ በንዲክሽን ሳይክሊንግ ቲም [ርዋንዳ] ፕሮ ታች ቲም [ደቡብ ኣፍሪቃ]
- ባይክ አይድ [ጀርመን]፣ ትራንጋኑ ፖሊጎን [ማሊዥያ]፣ ቲም ኩፕ [ኖርወይ]፣ ዋይልድ ላይፍ ጀነሬሽን [ኣመሪካ]፣ ቲም ኤስከይሴስ [ጀርመን]፣ ታርተሌቶ ኣይዞረክስ [በልጂም]
- ሃገራውያን ጋንታታት ርዋንዳ፣ ኣልጀርያ፣ ሞሮኮን ዓባይ ብሪጣንያን
ሃገራዊት ጋንታ ኤርራ ኣብ መጀመርታ ኣብዚ ውድድር ክትሳተፍ ምዃን'ኳ ተገሊጹ እንተነበረ፡ እቲ ውድድርን ዩሲኣይን ዝጠለቦ ተጻወትትን ኣካየድቲ ጋንታን ጸረ ኮሮናቫይረስ ክኽተቡ ኣለዎም ዝብል ነጥቢ ስለ ዘየማልአት ኣብዚ ውድድር ክትሳተፍ ኣይክኣለትን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







