ቢንያም ግርማይ ንሳልሳይ ግዚኡ ዝበለጸ ኣፍሪቃ ተቐዳዳማይ ኮይኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኤርትራዊ ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ቢንያም ግርማይ ንሳልሳይ ግዚኡ ኣከታቲሉ ዝበለጸ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ ተባሂሉ።
ብዘይካ እዚ ካልኦት ኣርባዕተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ምስ ዝበለጹ 10 ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ተሮቊሖም ኣለዉ።
ንቢንያም ግርማይ ተኸቲሉ፡ ወዲ ጋንትኡ ንቢንያም ደቡብ ኣፍሪቃዊ ልዊስ መንትጀስ ካልኣይ ክኸውን እንከሎ ዕዉት ዙር ርዋንዳ 2020 ከምኡ ከኣ 2022 ናትናኤል ተስፋጽዮን ሳልሳይ ኮይኖም ተመሪጾም።
ርዋንዳዊ ሞጉሻ ሞየስ ራብዓይ፡ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2022 ሄኖክ ሙሉብርሃን ሓሙሻይ፡ ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር ሻውዓይ፡ ዕዉት ዙር ሰርብያ 2022 ዳዊት የማነ ከኣ ሻሙናይ ብምዃን፡ ምስ ዝበለጹ ዓሰርተ ተቐዳደምቲ ተሰሪዖም ኣለዉ።
ነዚ ሽልማት 20 ተቐዳደመቲ ተሓጽዮም ከምዝነበሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ካብቶም ዝተሓጸዩ 20 ተጻወትቲ ሓሙሽተ ኤርትራውያን'ዮም ነይሮም፡ ሓሙሽቲኦም ኤርትራውያን ከኣ ምስቶም ዝበለጹ ዓሰርተ ክምረጹ ክኢሎም ኣለዉ።
እዚ ዓመታዊ ብኣዳለውቲ ዙር ጋቦን [ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ] ዝውሃብ ሽልማት ሎሚ ዓመት ንመበል 11 ግዜ’ዩ ንዝበለጸ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ ሽልማት ዝህብ ዘሎ።
ናትናኤል ብርሃነ ኣብ 2012 ንቦኽሪ እዚ ሽልማት ክዕወተሉ እንከሎ፡ ኣብ 2014 መኽሰብ ደበሳይ፡ ኣብ 2015 ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ ኣብ 2016 ተስፎም ዑቕባማርያም ተዓዊተሙሉ ነይሮም።
ቢንያም ግርማይ ከኣ ካብ 2020 ጀሚሩ ሎሚ ዓመት ኣከታቲሉ ንሳልሳይ ግዜ ነዚ ሽልማት ክዕወተሉ ክኢሉ ኣሎ።
ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ካብቲ 11 ሽልማታት ሸውዓት ግዜ ብምዕዋት ላዕለዋይ ኢድ ክሕዙ እንከለዉ፡ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ልዊስ መንቲጀስ ክልተ ግዜ (ኣብ 2013ን 2017ን) ነዚ ሽልማት ተዓዊትሉ።
እቲ 2.1 መዐቐኒ ዘለዎ ዓመታዊ ኣብ ጋቦን ዝካየድ ውድድር ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ፡ ንዝሓለፈ ክልተ ዓመት ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተቛሪጹ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካብ 23 ክሳብ 29 ጥሪ 2023 ንመበል 16 ግዜኡ ክካየድ ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።
ሃገራዊት ጋንታታት ኤርትራ፡ ርዋንዳ፡ ሞሮኮ ዝርከብአን 14 ሃገራውያን ጋንታታትን ፕሮፈሽናል ክለባትን ኣብቲ ውድድር ክሳተፋ ምዃነን’ውን መርበብ ሓበሬታ እቲ ውድድር ኣፍሊጡ ኣሎ።
ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ኣውሮጳ ብሰንኪ በረድ ውድድራት ስለዘይካየድ፡ ዓበይቲ ተጻወትቲ ዓለምና ኣብ ውድድር ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ ክወዳደሩ ምርኣይ ንቡር’ዩ።
ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝካየዱ ዙራት፡ ዙር ርዋንዳን ዙር ጋቦንን [ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ] ጥራየ’ዮም 2.1 መዓቐኒ ዘለዎም።
ቅድሚ ሕጂ ነዚ ሽልማት ዝተዓወትሉ
- 2022፡ ቢንያም ግርማይ [ኤርትራ]
- 2021፡ ቢንያም ግርማይ [ኤርትራ]
- 2020፡ ቢንያም ግርማይ (ኤርትራ)
- 2019፡ ኢምፐይ ዳርይል (ደቡብ ኣፍሪቃ)
- 2018፡ ኣርሩያ ጆሴፍ (ርዋንዳ)
- 2017፡ ልዊስ መንቲጀስ (ደቡብ ኣፍሪቃ)
- 2016፡ ተስፎም ዑቕባማርያም (ኤርትራ)
- 2015፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት (ኤርትራ)
- 2014፡ መኽሰብ ደበሳይ (ኤርትራ)
- 2013፡ ብልዊስ ምውንቲጀስ (ደቡብ ኣፍሪቃ)
- 2012፡ ናትናኤልብርሃነ (ኤርትራ)
ገለ ካብ ዓበይቲ ዓወታት ቢንያም ግርማይ 2022
ቢንያም ግርማይ ኣብዛ ገና ዘይተዛዘመት ዘላ ዓመተ 2022 ኣብ ዝተፈላለየ ውድድራት 56 መዓልታት ውድድራት ብምክያድ 9478 ኪሎሜትር ዘዊሩ፤ ኣብ ዩሲኣይ 1900 ነጥቢ ኣመዝጊቡ ኣሎ።
ኣብዚ ዓመት ካብ ዘካየዶ ውድድራት ካብ ዘመዝገቦ ዓወታት እቲ ኣውራ፤
- 14 መስከረም ኣብ ቤልጅም ኣብ ዝተኻየደ ግራንድ ፕሪክስ ዲ ዋሎኒ ንቫንደርፖል ተኸቲሉ፡ ካልኣይ
- 9 መስከርም ኣብ ካናዳ ኣብ ዝተኻየደ ግራንድ ፕሪክስ ሳይክሊስተ ፕሪክስ ዲ ኵቤካ፡ ሳልሳይ
- 25 ሓምለ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ዋሎይነ፡ ካልኣይ
- 4 ሰነ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝተኻየደ ቻምፕዮን ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር፡ ተዓዋቲ ወርቂ መዳልያ
- 17 ግንቦት ኣብ ዓስራይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢታልያ፡ ቀዳማይ ብምውጻእ ቀዳማይ ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበ ኣፍሪቃዊ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ውድድር ኣብ ሻሙናይን ሓሙሻይን መድረኽ ሓሙሻይ፡ ኣብ ሻዱሻይን ሳልሳይን መድረኽ ራብዓይ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ካልኣይ ወጺኡ
- 27 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ገንት ውቨልገን ቀዳማይ ወጺኡ
- 27 ጥሪ ኣብ ትረፍዮ ኣልሱዳ ፖርት ዲ ኣልሱዳ ቀዳማይ ወጺኡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







