ኤርትራ፡ ናትናኤል ብርሃነ ብሰንኪ ቪዛ ካብ 'ጂሮ ዲ ኢታሊ' ቦኲሩ

ምንጪ ስእሊ, ANNE-CHRISTINE POUJOULAT
ፈረንሳዊት ጋንታ ኮፊደስ ንኤርትራዊ ናትናኤል ብርሃነ ምስቶም ኣብ ጂሮ ዲ ኢታሊ ዝወዳደሩ ሸሞንተ ተቐዳደምቲ ሰሪዓቶ እኳ እንተነበረት ብሰንኪ ምድንጓያት ናይ ቪዛ ካብቲ ዝርዝር ከምዝኣለየቶ ናትናኤል ብርሃን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ሓቢሩ።
ናትናኤል "ቪዛይ 11 ነሓሰ እያ ትወድቕ ነይራ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበርኩሉ ኮምሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ናብ ኤምባሲ ጣልያን [ኣብ ኤርትራ] ናይ ደገፍ ደብዳበ ጽሒፉለይ ቪዛ ሓቲተ እንተኾነ እቲ ኤምባሲ ብሰንኪ ኮቪድ 19 ስራሕ ደው ስለ ዘበለ እታ ቪዛ መዓልታ ከይኣኸለ እንከሎ 17 ሓምለ ናብ ኣውሮጳ መጺአ ኣብዚ [ፈረንሳ] ምስ ሓተትኩ'ውን ብተመሳሳሊ ክሰልጠኒ ኣይከኣለን" ይብል።
ናትናኤል ብርሃነ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኤጣልያ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም'ውን ብሰንኪ ናይ ቪዛ ምድንጓያት ክሳተፍ ከምዘይከኣለ እዩ ዝሕብር።
ናትናኤል "እታ ቪዛ ትማሊ ሮቡዕ ተዋሂባትኒ ኣብ ኣፉን ዕርበቱን ስለዝኾነ ግን ጋንታና፡ ብሰንበት 'ይቕሬታ ኣብ ክንዳኻ ካልእ ሰብ ከነእቱ ኢና' ኢሎም ክሳተፍ ከምዘይክእል ሓቢሮሙኒ" ይብል።
ንሱ: ብሰንኪ እዚ ናይ ቪዛ ምድንጓያት ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ውድድራት: ማለት ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለም፤ ንመዳለዊ 'ጂሮ- ዲ- ኢታሊ' ዝግበር ውድድር ትሩና ኣድራያትኮ፤ ከምኡ'ውን ኣብዚ ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ን21 መዓልታተ ዝካየድ ሓደ ካብ ግራንድ ቱራት ዝኾነ ብቐንዱ ጂሮ ዲ ኢታሊ፤ ካብ ምስታፍ ከም ዝቦኾረ እዩ ዝጠቅስ።
"ኩሉ እዚ እንድሕር ርኢናዮ ሎሚ ዓመት ኣስታት 30 ከካይዶ ዝነበረኒ መድረኻት እየ ቦኵረ" ይብል ናትናኤል።
ናትናኤል ብርሃነ ምስ ኮቪድ 19 ተታሓሒዙ ቤት ጽሕፈት ኢምግረሽንን ኢምባሲታትን እተን ሃገራት እኩል ኣገልግሎት ይህብ ስለዘየለ ነቲ ቅድሚ ሕጂ'ውን ዘጋጥሞም ዝነበረ ናይ ቪዛ ምድንጓያት ከምዘጋደዶ እዩ ዝገልጽ።
ናትናኤል: ኣብዚ ሎሚ ዓመት ነናይ ሓደ መዓልቲ ኣብ ሰለስተ ውድድራት [ሰለስቲኡ ኣብ ፈረንሳ] ከምዝተሳተፈ ብምግላጽ፡ ንጂሮ ዲ ኢታሊ ካብ መወዳእታ ናይ 2019 ጀሚሩ ክዳሎ ከምዝጸንሐ ብምሕባር ኣብ መወዳእታ ከምዘይሳተፍ ምስ ተነገሮ ሕማቕ ከምዝተሰምዖ ገሊጹ።
"ግን ንጋንታይ ግድን ክወዳደር ኣለኒ ክብሎም ኣይክእልን'የ: ቪዛ ምርካብን ዘይምርካብን ናተይ ጸገም'ምበር ናቶም ጸገም ኣይኮነን፡ ንሶም ልዕሊ እዚ ዝተጸበዩኒ ክጽበዩኒ ኣይክእሉን እዮም። ንሓደ ተወዳዳሪ ሃንደበት ን21 መኣልታት ንዓ ተወዳዳር ንኽትብሎ፡ ስነኣእምራኣዊ ምድላዋት ክገብር ስለዘድልዩ ቅያረይ ቀልጢፎም ከእትዉ ግድን እዩ" ይብል።
"ንግራንድ ቱርን ንሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዓለምን ነዊሕ ምድላዋት ጌርካ ርሃጽካ ብላሽ ክጠፍእ እንከሎ የሕዝነካ'ዩ።"
ጋንታ ኮፊደስ ኣብ ቮልታ እስጳኛ ዝወዳደሩ ድሮ 11 ተጻወትቲ መሪጻ ካብኦም 8 ኣብቲ ውድድር ከተሳትፍ ኣብ ምድላውት ከምዘላ ዝሕብር ናትናኤል ብርሃነ ኣብቲ ውድድር ናይ ምስታፍ ዕድሉ'ውን ጸቢብ ምዃኑ እዩ ዘብርህ።
ናትናኤል ብርሃነ ጋንታታት ንኤርትራውያን ተጻወትቲ ንኸፈርማ እቲ ጉዳይ ናይ ቪዛ ከም ሮቋሒ ከምዘቐምጠኦ እዩ ዝጠቅስ።
"ቅድሚ ምስ ኮፊደስ ምፍራመይ: ኣብ 2018 ኣብ ስጳኛ ዝመደበራ ኣሜሪካዊት ጋንታ ኢዲኬሽን ድራፓክ ንሰለስተ ዓመታት ውዕል ክፍርም ወዲአ ነይረ እየ፡ ኣብ ስጳኛ መንበሪ ፍቓድ ክረክብ ስለዘይክኣልኩ ግን ምስታ ጋንታ ክፈራረም ኣይከኣልኩን" ይብል ናትናኤል።
ብምስዓብ: "ብብቕዓት እንተመጺእካ ዝኾነት ጋንታ ልዕሊ ማንም ንኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ክትውንን ትደሊ'ያ: እቲ ናይ ቪዛ ጉዳይ ግን ንቡዙሓት ተቐዳደምቲ ካብ ብዙሕ ነገር የትርፈና ኣሎ" ይብል።
ናትናኤል ብርሃነ፡ ኮምሽን ስፖርት ኤርትራን ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራን ነዚ ናይ ቪዛ ጉዳያት ንምፍታሕ ለይትን ቀትርን ይሰርሑ ከምዘለዉ ብምሕባር ከም ብዓል ናትናኤል ተስፋጽዮን ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃንን ካልኦትን ኣብ ውድድራት ኣውሮጳ ተሓዊሶም ንቁጽሪ ኤርትራውያን ፕሮፈሽናላት ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ክብ ከብልዎ ዘለዎ ትምኒት ገሊጹ።
በዚ መሰረት ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ጂሮ ዲ ኢታሊ ካብ ኤርትራውያን ተቐዳምቲ ምስ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ጋንታ ኤንቲቲ ፕሮ ሳይክሊንግ ዝወዳደር ኣማንኤል ገብረእግዚኣብሄር ጥራይ እዩ ክሳተፍ።
ካብ ዓበይቲ ዓወታት ናትናኤል ብርሃነ
2010፡ ተዓዋቲ ዙር ኤርትራ፡ ኣብ ዙር ሩዋንዳ ካልኣይ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ፡ ተዓዋቲ ሻውዓይ መድረኽ ዙር ሩዋንዳ
2011፡ ተዓዋቲ ሻዱሻይ መድረኽ ዙር ጋቦን፡ ሳልሳይ ተዓዋቲ ዙር ኣልጀርያ፡ ተዓዋቲ ቀዳማይ መድረኽ ዙር ኣልጀርያ፡ ኣብ ዙር ሩዋንዳ ተዓዋቲ መድረኽን ኣብ ብጫ ማልያ ካልኣይ ተዓዋቲን
2012፡ ቻምፕዮን ኣፍሪቓ፡ ተዓዋቲ ዙር ኣልጀርያ፡ ተዓዋቲ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ኣልጀርያ
2013፡ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ኣብ ናይ ግዜ ውድድር፡ ተዓዋቲ ዙር ቱርክን ተዓዋቲ ሳልሳይ መድረኽ ዙር ቱርክን
2013-2014፡ ምስ ጋንታ ኢሮፕ ካር
2014፡ ቀዳማይ ኣፍሪቃ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ዙር ጋቦን
2015፡ ቻምፕዮን ኤርትራ፡ ቻምፕዮን ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድር ኣብ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ፡ ሓሙሻይ ተዓዋቲ ዙር ኦስትርያ
2015-2018፡ ምስ ጋንታ ኤም ቲ ኤን ኩቤካ
2016፡ ኣብ ቱር ዲ ፍራንስ ተወዳዲሩ።
2019፡ ምስ ጋንታ ኮፊደስ ፈሪሙ ክሳብ ሕጂ'ውን ምስታ ጋንታ ኣሎ
2019፡ ቻምፕዮን ኤርትራ፡ ተሳታፊ ውድድር ቱር ዲ ፍራንስ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







