ማንቸስተር ሲቲ ዝቐረቡላ 115 ክስታት ዝረኣየሉ መስርሕ ፍርዲ ጀሚሮም፣ እንታይ ከ እዮም?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እንግሊዛዊት ክለብ ማንቸስተር ሲቲ ንፋይናንሳዊ ሕጊ ፕረምየርሊግ ጥሒሳ ብዝብል ዝቐረበላ 115 ክስታት ዝረኣየሉ መስርሕ ፍርዲ ብሰኑይ 16 መስከረም 2024 ጀሚሩ።
ሲቲ ብድሕሪ’ቲ ኣርባዕተ ዓመት ዝወሰደ መርመራ ኣብ ለካቲት 2023 ከምዝተኸሰሰትን ጉዳያ ናብ ናጻ ኮሚሽን ከምዝተላእከን ይዝከር።
እታ ጋንታ ኣብ መንጐ 2009ን 2018ን ኣብ ዝነበሩ እዋናት ንፋይናንሳዊ ሕጊታታ ከም ዝጠሓሰት ይግለጽ።
ንዅሉ ክስታት ብትሪ ትኽሕዶ ኰይና ጉዳያ ብ"ዘይርታዕ ኵለመዳያዊ መርትዖታት" ከምዝድገፍ ኣፍሊጣ።
ፕረምየርሊግ ግን እታ ጋንታ "ንፋይናንሳዊ ኵነታታ ዘርኢ ሓቀኛን ርትዓውን ፋይናንሳዊ ሓበሬታ" ክትህብ ዝጠልብ ሕጊታት ከም ዝጠሓሰት ይኸስስ።
እዚ ሓበሬታ ንኣታዊታት እታ ጋንታ ዘጠቓልል ኰይኑ፡ ኣታዊታት ስፖንሰርሺፕን ወጻኢታት ስራሕን የጠቓልል።
እታ ሻምፕዮን ፕሪምየር ሊግ ዝዀነት ጋንታ ምትሕብባር ብዘይምግባር እውን ተኸሲሳ ኣላ።
መርመራ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ሲቲ እቲ ክስታት "ምሉእ ብምሉእ ሓሶት" ምዃኑ ብምሕባር፡ እቲ ፈለማ ኣብ ጀርመናዊት ጋዜጣ ደር ስፒገል ዝተሓትመ ክስታት ድማ ካብ "ዘይሕጋዊ ጭውያ ሓበሬታን ንኢመይላት ሲቲ ካብ ዓውዲ ወጻኢ ምሕታምን" ከምዝመጽአ ገሊጻ።
ሲቲ ኣብ 2008 ዋንነታ ናብቲ ኣብ ኣቡዳቢ ዝርከብ ዩናይትድ ግሩፕ ካብ ዝዘውር ንደሓር 8 ዋንጫ ፕሪምየር ሊግ፡ ካልኦት ብዙሓ ዋናጩን ሻምፕዮንስ ሊግን ክትዓትር ክኢላ እያ።
እቲ ንኣስታት 10 ሰሙናት ክጸንሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ዕጽው መስርሕ ፍርዲ፡ ኣብ ከተማ ለንደን ኣብ ዝርከብ ዓለምለኻዊ ማእከል ምፍታሕ ክትዕ (‘ኢንተርናሽናል ዲስፒዉት ረዞልሽን ሰንተር’) ይካየድ ከምዘሎ ተፈሊጡ።
እቶም 115 ክስታት እንታይ እዮም?
54 ካብ 2009-10 ክሳብ 2017-18 ቅኑዕ ፋይናንሳዊ ሓበሬታ ዘይምሃብ
14 ካብ 2009-10 ክሳብ 2017-18 ንዝኽፈል ክፍሊት ተጻወትን ኣሰልጣንን ቅኑዕ ዝርዝር ዘይምሃብ።
5 ካብ 2013-14 ክሳብ 2017-18 ፋይናንሳዊ ‘ፌር ፕለይ’ [ጋንታታት ካብ ዝረኽብኦ ኣታዊ ዝዛየደ ወጻእታት ከይገብራ ዝቈጻጸር መስርሕ] ዘጠቓልል ንሕጊታት ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ (ዩኤፋ) ዘይምኽባር።
7 ካብ 2015-16 ክሳብ 2017-18 ንሕጊታት መኽሰብን ዘላቕነትን ፕሪምየር ሊግ [‘ፕሮፊት ኢንድ ሰስተይናብሊቲ ሩልስ - ፒኤስኣር] ምጥሓስ
35 ካብ ታሕሳስ 2018 ክሳብ ለካቲት 2023 ምስ መርመራታት ፕረምየርሊግ ምትሕብባር ክትገብር ዘይምኽኣል
ጸብጻብ ታይምስ ከምዘመልክቶ ጭቡጥ ቍጽሪ ናይቶም ሕጊ ምጥሓስ ብዝብል ዝቐረቡ ክስታት 130 እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ ጉዳይ ክሳብ መዓስ እዩ ዝጸንሕ?
እቲ መስርሕ ፍርዲ ንኣስታት 10 ሰሙናት ክጸንሕ ትጽቢት ከምዘሎ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ይሕብሩ። በዚ ድማ ክሳብ መወዳእታ ሕዳር ከምዝጸንሕ ምርዳእ ይከኣል።
ኣሰልጣኒ ሲቲ ፔፕ ጋርድዮላ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ቀረባ እዋን ክጅምር'ዩ፤ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ክዛዘም ተስፋ ንገብር" ብምባል ነቲ ውሳነ ብሃንቀውታ ከምዝጽበዮ ተዛሪቡ።
"ሰኑይ ምጅማሩ ሕጕስ እየ። ተወሳኺ ወረታት ከም ዝህሉ እፈልጥ እየ፤ ክንርእዮ ኢና። ሰባት እውን ትጽቢት ከምዝገብሩ እግንዘብ” ኢሉ።
"ገበነኛነት ክሳብ ዝረጋገጽ ኵሉ ሰብ ነጻ'ዩ። ስለዚ ክንርእዮ ኢና" ክብል ወሲኹ።
መዓስ እዩ ፍርዲ ክወሃብ?
እቲ መስርሕ ፍርዲ ምስ ተዛዘመ ቅልጡፍ ፍርዲ ኣይክህሉን እዩ። ውሳነ ዝወሃበሉ ልክዕ ዕለት ኣይተፈልጠን። ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ 'ኣብ መጀመርታ 2025' ውሳነ ክሓልፍ ይኽእል’ዩ።
ይግባይ ክህሉ ድዩ?
እዚ ዓይነት ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ግልግል/ዕርቂ ስፖርት ክኸይድ ኣይክእልን እዩ። ግን ከኣ ክልቲኦም ወገናት ይግባይ ክብሉን ብናጻ ፓነል ዝምራሕ ሓድሽ መስርሕ ፍርዲ ክዳሎን ይኽእል።
ሕጋዊ ወጻኢታትከ?
እዚ ፍሉይ ጉዳይ ንሽዱሽተ ዓመት ኣብ ምድላው ስለዝጸንሐ ቅድሚ እቲ መስርሕ ፍርዲ ምጅማሩ ከይተረፈ ብኽልቲኡ ወገን ዝኽፈል ሕጋዊ ክፍሊት ብዓሰርተታት ሚልዮናት ፓውንድ ተገሚቱ ነይሩ።
ኣብቲ ሕጋዊ ክትዕ 'ዝዕወት' ወገን ከኣ ንወጻኢታት ክሓትት ትጽቢት ይግበር።
ንግንዛበ ዝኣክል፡ ንኣብነት ኤቨርተን ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ-ስፖርት ምስ ጥሕሰት ሕግታት መኽሰብን ዘላቕነትን ፕሪምየር ሊግ [‘ፕሮፊት ኢንድ ሰስተይናብሊቲ ሩልስ - ፒኤስኣር] ብዝተኣሳሰር ኤቨርተ ካብ ዘዋህለለቶ ነጥቢ ክጎድላን 4.9 ሚልዮን ፓውንድ ሕጋዊ ወጻኢታት ክትኸፍልን ብፕሪምየርሊግ ተሓቲታ።
ሽዑ ጠበቓ ኤቨርተን ሴልያ ሩኒ ነቲ ዘቕረብዎ ይግባይ ብዝምልከት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እቲ ገንዘብ ብዙሕ ምዃኑ እያ ሓቢራ።
ቦርድ ይግባይ ከኣ ኤቨርተን 1.7 ሚልዮን ፓውንድ ክትከፍልን ፕረምየርሊግ ድማ ነቲ ዝተረፈ 3.2 ሚልዮን ፓውንድ ሕጋዊ ክፍሊት ክሽፍኖን ወሲኑ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብዚ ጉዳይ ዝሳተፉ ዘለዉ ጠበቓታት በዓል መን እዮም?
ኣብቲ ነቲ ጉዳይ ዝሰምዕን ዝውስንን ናጻ ፓነል መን ከምዘሎ ኣይንፈልጥን። ብጽሑፍ ዝወሃብ ፍርዲ ወግዓዊ ምስኮነ ጥራይ ምፍላጥና ኣይተርፍን።
ጕጅለ ሰብ-ሞያ ሕጊ ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ ግን ብሎርድ ፓኒክ ኬሲ እያ ትምራሕ ዘላ፤ ንኣገልግሎታቱ ከኣ ኣብ ሰዓት 5000 ፓውንድ ከም ዝኽፈሎ ይግለጽ።
ፓኒክ ኬሲ፡ ኣብ 2020 ሲቲ ንክልተ ዓመት ካብ ጸዋታታት ኣውሮጳ ክትእገድ ዝተወሰነ ውሳነ ክስረዘላ ሓጊዙዋ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







