ትርሓስ ቃለመሕትት ዑቕባ እንተዘይገይራ ዓለማዊ ውድድራት ክሓልፋ እዩ ተባሂሉ

ተቐዳዳሚት ብሽክሌታ ትርሓስ ተክለሃይማኖት ብሰንኪ'ቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ካብ ሃገራት ተሰዲታ

ዕውትቲ ወርቂ መዳልያ ቻምፕዮን ኣፍረቃ ዝኾነት ኢትዮጵያዊት ተቐዳዳሚት ብሽክለታ ትርሓስ ተክለሃይማኖት ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ዝካየድ ሻምፕዮን ዓለም ክትወዳደር ዕድመ ቀሪቡላ’ሎ። እንተኾነ ንጉዳይ ተሳትፎኣ ኣብ ሕቶ ዘእተወ ነገር ከምዝተፈጠረ እዩ ዝግለጽ።

እታ መንእሰይ ተቐዳዳሚት ብሽክለታ ናብቲ ውድድር ክትከይድ ትኽእል ድያ ኣይትኽእልን ዝብል ንምፍላጥ ቃለ መሕትት ዑቕባ ምጽባይ ግድን ኰይኑ’ሎ።

ትርሓስ ኣብ ኢትዮጵያ ሃገራዊት ሻምፕዮን ዝነበረት ኰይና፡ ኣብዚ ሕጂ ግን ኣብ ሃገራ ዘሎ ግጭት ንክትምለሰላ ውሑስ ከምዘይኮነ ብምግላጽ ኣብ ለንደን ከም ሓታቲት ዑቕባ ትነብር።

እታ ጓል 22 ዓመት መንእሰይ፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝካየድ ሻምፕዮን ዓለም ክትሳተፍ እትኽእል ወረቐት ስደተኛነት ምስ ዝወሃባን ሰነድ መገሻ ምስ እትረክብን ጥራይ እዩ።

ቃለ መሕትት ዑቕባ ካብ እትጽበ ድማ ዳርጋ ዓመት ኣቑጺራ ኣላ።

ኣብዚ ዛዕባ ዝተሓተተ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ውልቃዊ ጉዳያት ርእይቶ ከምዘይህብ ኣፍሊጡ’ሎ።

ትርሓስ ተኽለሃይማኖት፡ ዓለማዊ ኣመሓዳሪ ቅድድም ብሽክለታ - ‘ዩኒየን ሳይክሊስት ኢንተርናሽናል’ - እዩ ኣብቲ ካብ 21 ክሳብ 29 መስከረም 2024 ዝካየድ ውድድር ምስ ጉጅለ ስደተኛታት ተጸምቢራ ክትወዳደር ዓዲምዋ።

ትርሓስ

ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2019 ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ኣህጉር ኣፍሪቃ ወርቂ ተዓዊታ ነይራ።

ትርሓስ "ኣብ ሻምፕዮን ዓለም ተሳቲፈ ኣይፈልጥን" ትብል።

"ናይ ብሓቂ ሕልመይ’ዩ። ክሓልፈኒ ኣይደልን’የ።" ክትብል’ውን ዘለዋ ባህጊ ተዛሪባ።

ንትርሓስ ክድግፍ ዝጸንሐ ማእከል ማሕበረሰብ ዌስት ለንደን ዌልከም፡ ቃለ መሕትት ዑቕባ ንክግበረላ ዝጽውዕ ምትእኽኻብ ድምጺ ጀሚሩ’ሎ።

'ክትወዳደር ይግብኣ እዩ’

ዳይረክተር እቲ ማእከል ማሕበረሰብ ጆኣን ማክኢነስ፡ “ኣዝዩ ተስፋ ዘቑርጽ’ዩ” ክትብል ቅርትኣ ገሊጻ።

ኣስዒባ “እቲ ቃለ መሕትት ሓደ ሰሙን ደንጉዩ ክመጽእ ከምዝኽእል ክግምት እኽእል። እዚ ድማ ንልበይ ዝሰብር’ዩ” ኢላ።

"እዚ [ውድድር] ይግብኣ እዩ። ብኸቢድ እያ ስልጠና ኣካይዳ" ትብል ጆኣን።

ንሳ ወሲኻ፡ “ጉዳይ ዑቕባ ትርሓስ ኣገዳሲ እዩ። ቃለ መሕትት ምፍቃድ፤ ውሳነ ምሃብን ኣድላዪ ሰነዳት መገሻ ምርካብን ጥራይ’ዩ እቲ ሕቶ” ኢላ።

ጆኣን

ተቐዳዳሚት ብሽክሌታ ትርሓስ ምስ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ጉጅለ ጋንታ ‘ኣፍሪካ ራይዚንግ’ እያ ልምምድ ትገብር ዘላ።

ወለንተኛ ጀረሚ ፎርድ፡ “ሓደ ክልተ ሃገራዊ ተኸታታሊ ውድድራት ተሳቲፋ’ያ። ኣብኡ ትጽቢትና ዝነበረ ምናልባት ነቲ ውድድር ክትውድኦ ትኽእል’ያ ዝብል ጥራይ’ዩ ነይሩ።

"ኣብ ክልቲኡ ግን ኣብ ቅድሚት ምስ ዝዛዘማ 30 ተቐዳደምቲ ኰይና ወዲኣ። እዚ ድማ በቲ ዘላትሉ ደረጃ ዓብዪ ዓወት’ዩ” ይብል።

ፎርድ ወሲኹ፡ እቲ ፍጻመ ንዓኣ ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊጹ።

“ኣብ 22 ዓመት ዕድመኻ ኣብ ሞያ ብሽክለታ ዝለዓለ ህሞት’ዩ። ሻምፕዮን ዓለም ድማ ፍጹም ዝዓበየ ውድድር ዓለም’ዩ። ዘለኻ ዓቕሚ ከተርእይ ዝሕግዝ ኣጋጣሚ እዩ” ክብል’ውን ኣረዲኡ።