ካብ ትግራይ ዝተሰደደት ትርሓስ፡ ብኸመይ ኣብ 'ለንደን ራይድ' ክትወዳደር ዕድል ረኺባ?

ትርሓስ ተስፋይ፡ ኣሰር ኣብ ጋንታታት ብሽክለታ ኢትዮጵያ ዝወዳደር ሓዋ ስዒባ ጓል 13 ዓመት እንከላ እያ ብሽክለታ ምዝዋር መሊኻ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ምዕራብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ናይ ተዓቖብቲ ሆቴል እትርከብ፡ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ዝነበረት ትርሓስ፡ ኣብ ሓደ ካብ ዓበይቲ ውድድራት ቅድድም ብሽክለታ ለንደን ክትወዳደር ትዳሎ ኣላ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝኣተወት ጓል 22 ዓመት ትርሓስ ተስፋይ፡ ኣብታ ሃገር ዑቕባ ሓቲታ ኣላ።
ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ሰሙን ትሕቲ 10 ፓውንድ (ትሕቲ 700 ብር) ጥራይ እናተዋህባ፡ ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ኣብ ዘዳለዎም መንበሪ ኣባይቲ ትነብር።
እቲ ዘላትሉ ኵነታት፡ “ከቢድ” ኰይኑ ከም ዝረኸበቶ እትገልጽ ትርሓስ፡ ኣብቲ 26 ግንቦት 2024 ዝካየድ ውድድር 'ራይድ ለንደን' ንምስታፍ ግን ሓገዝ ትረክብ ከም ዘላ ተዛሪባ።
ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት፡ እቶም ናይ ዑቕባ ተዓቖብቲ ሆቴላት ደረጃታት ‘ኤንኤችኤስ ኢትዌል’ ከም ዘማልኡ ይገልጽ።
መንእሰይ ትርሓስ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ወርቂ ብምዕዋት ኣብ ዝተፈላለዩ ሻምፕዮናት ኢትዮጵያ ተሳቲፋ እያ።
እቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020፡ ኣብ ሞንጐ ማእከላይ መንግስትን ሓይልታት ትግራይን ዝተወልዐ ኲናት፡ ምኽንያት ምዝንባል ክልተ ሚሊዮን ሰባት ክኸውን እንከሎ፡ ካልኦት ብዙሓት ካብታ ሃገር ይስደዱ ኣለው።
ትርሓስ ድማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እያ ናብ ብሪጣኒያ ኣትያ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ድማ፡ ኣባል ባይቶ ሃመርስሚዝ ዝዀነ ኣንዲ ስሎውተር ኣብ ጉዳይ ኣመጋግባ እታ ብሽክለተኛ ዘለዎ ስግኣት ናብ ታሕተዋይ ባይቶ ብሪጣኒያ ጠሪዑ።
ኣብቲ ሆቴል ምዃና፡ “ኣዝዩ ሕማቕ ስለ ዝዀነ ሓሚማን ክትወዳደር ከም ዘይትኽእልን” ገሊጹ።
ትርሓስ፡ ኣብ መጀመርታ “እቲ ዝኸበደ ነገር ኣብቲ ሆቴል ዝቐርብ መግቢ’ዩ ነይሩ። ጣዕሚ እቲ መግቢ፡ ካብ ዝዳሎ ሓደ ሰሙን ዝገበረ እዩ ዝምስል። መብዛሕትኡ ግዜ ፓስታ፡ ማካሮኒ፡ ሩዝ ብፕላስቲክ ተዓሺጉ’ዩ ዝመጽእ” ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።
ወሲኻ፡ “ኣብቲ ሆቴል ክትዛነ'ውን ከቢድ እዩ” ኢላ።
እንተዀነ፡ ካብ ማእከል ማሕበረሰብ ምዕራብ ለንደንን ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ጉጅለ ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ‘ቲም ኣፍሪቃ ራይዚንግን’ ሓገዝ ክትረክብ ምጽንሓ ገሊጻ።
እቲ ማእከል፡ ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ምስቲ ሕብረተሰብ ክወሃሃዱን ዝገጥሞም ተነጽሎ ንክንክን፡ ዝሕግዝ ትምህርቲ ቋንቋ ኢንግሊዝኛ ከምኡ’ውን መግብን ማዕዳን ይልግስ።
"እቲ ማሕበረሰብ ኣነ ብሽክለታ ንኽረክብ ገንዘብ ምስ ኣዋህለለለይ ኣዝየ ተሓጒሰ” ትብል።

ወሲኻ፡ “መጀመርታ ትምህርቲ ንክመሃር እየ ናብዚ [ዌስት ለንደን ዌልካም] መጺአ፤ ድሕሪኡ ሓቲቶምኒ፤ ኣነ ድማ ተቐዳዳሚት ብሽክለታ ምዃነይ ነጊረዮም። ንዝገበሩለይ ኩሉ ኣዝየ እየ ዘመስግኖም” ኢላ።
ትርሓስ ድማ፡ ኣብቲ ውድድር ንምስታፍ ዘድልያ ናውቲ ካብ ምምላእ ጀሚሩ ክሳብ ኣብ መዓልቲ ንኣስታት ሽዱሽተ ሰዓታት ዝጸንሕ ስልጠና ቅድድም ብሽክለታ ክትረክብ ሓጊዙዋ።
ዳይሬክተር ማእከል ማሕበረሰብ ጆኣን ማክኢነስ፡ ትርሓስ ኣብ ኢትዮጵያ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ምዃና ምስ ሰምዐት እታ ማእከል ዓብዪ ፍናን ከም ዝተሰምዓ ተዛሪባ።
“ውፍይትን ተፈታዊትን ሰብ ስለ ዝዀነት፡ ንትርሓስ ምሕጋዝ ኣዝዩ ቀሊል’ዩ። ኣብቲ ማእከል ናይ ማውንቴይን ብሽክለታታት ኣለዋና፤ ብልግሲ ዝረኸብናያ ሓንቲ ብሽክለታ ፈቲናታ። ግን ክኣ 'ፕሮፌሽናል' ብሽክለታ ከም ዘድልያ ተገንዚብና” ትብል።
ሓገዝ ብምትእኽኻብ ከኣ እታ ብሽክለታ ክትግዝኣላ ክኢላ።

እቲ ማእከል ገንዘብ ንምትእኽኻብ ኣብ ዝገበሮ ወፍሪ፡ ብድምር 5000 ፓውንድ ኣዋህሊሉ።
እዚ ገንዘብ ድማ፡ ትርሓስ ኣብቲ ውድድር ንክትሳተፍ ንዘድልያ ልምምድ፡ መግብን መጓዓዝያ ንምሽፋን ከም ክውዕል ተገይሩ።
“ሰባት ኣብተን ሆቴላት ብዙሕ ግዜ ከሕልፉ ኢኻ ትርኢ። ብዙሕ ተስፋ ሒዞም ይመጽኡ እሞ ንኣዋርሕ ድሕሪ ዝቐርበሎም ኣዝዩ ዘስካሕክሕ መግቢ ይሳቐዩ፤ ካብዚ ብዝብገስ ዝዀነ ክሰርሑ ኣይኽእሉን። በታ እትወሃበካ 8.86 ፓውንድ ወጺእኻ ቡን ክትሰቲ'ኳ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ሰባት ናይ ብሓቂ ጭንቀት ይሕዞም።
“ትርሓስ ግን፡ ዝዀነ ሰብ ጂምና ፓስ የምጽኣላ ነይሩ፤ ንሳ ድማ ብቕዓታ ንክትሕሉ ኣብ ማሽን ብሽክለታ ሓሙሽተ፡ ሽዱሽተ ሰዓታት ተሕልሕ ነይራ። ብዘደንቕ መልክዑ ውፍይትን ንኻልኦት እተተባብዕን’ያ” ትብል።
ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣኒያ፡ እቲ ንሓተቲ ዑቕባ ዝኸውን መንበሪ ኣባይቲ ንመዐቀኒታት ኤንኤችኤስ ኢትዌል (NHS Eatwell) ዘማልእ ምዃኑን፡ ወሃብቲ ኣገልግሎት ድማ ኵሉ ባህልን ኣመጋግባን ዝጠልቦ ምላሽ ከም ዝህቡን ገሊጹ።
ወሃቢ ቃል እቲ ቤት ጽሕፈት “ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን መዳይ ናይቲ ኣብ ሓደ ሆቴል ዝወሃብ ኣገልግሎት ስክፍታታት ኣብ ዝለዓሉሉ እዋን፡ እዞም ስክፍታታት ፍታሕ ንክረኽቡ ምስቲ ኣገልግሎት ዝህብ ትካል ንሰርሕ” ኢሉ።
ብምስዓብ “ብዝሒ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኣትዉ ሰባት ኣዝዩ ልዑል’ኳ እንተዀነ፡ ነዳያት ንዝዀኑ ሓተትቲ ዑቕባ እንገብሮ ደገፍ ንቅጽል ኣላና። ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ዝተዳለወሎም መንበሪ ኣባይቲ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ግዜ፡ መግብን ማይን፡ ከምኡ'ውን ሰሙናዊ ኣበል ይወሃቦም’ዩ” ክብል ኣብሪሁ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







