ታይኮንዶ፡ በዓል ሓሙሽተ ጸሊም ቀበቶ -ግሎባል ማስተር ሄኖክ ገብረማርያም መን’ዩ?

ምንጪ ስእሊ, Henok
ኣቦይ ገብረማርያ ረዳ ስፖርት ኣዝዮም ስለ ዝፈትዉ፡ "እትፈትዉዎ ዓይነት ስፖርት እንታይ'ዩ" ክትብሎም ኣይትኽእልን፤ ንኹሉ እዮም ዝፈትዉዎ።
ወዶም ሄኖክ ገብረማርያም ድማ ኩዕሶ እግሪ ኣዝዩ ዝፈትዎ ዓይነት ስፖርት ስለ ዝነበረ፡ እቶም ካልኦት ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዝሕረዩ ኣይነበሩን።
ሄኖክ ምስ መዘናታቱ ኩዕሶ ኣብ ዝጻወተሉ ግዜ እናተብኣሰ ዘሸገሮም ኣቦይ ገብረማርያም፡ "ካብዝስ ከናግፈካ ኣለኒ" ኢሎም ናብ ታይኮንዶ ክኣቱ ወሲኖም።
ንሱ ግን ክጅምሮ እንከሎ ስለ ዘይፈተዎ ወላዲ ኣቡኡ ከይሓምቕ ዝበልዖ ነገር ዝሓሸ ክኸውን፣ ከየብኩር ድማ 'ሎሚ ኣይትኸይድን ዲኻ?' ኢሎም እግሪ እግሩ እናተኸታተሉ ክለምዶን ክመልኮን ገይሮም።
"ክጅምር ከለኹ ኣይፈትዎን ነይረ፤ ኣቦይ እዩ ወሲዱኒ። እናሰራሕኹ ውጽኢት እናርኣኹሉ ድሓር ድማ ኣብ ውድድራት ኣዲስ ኣበባ ወኪለ ክስዕር ምስ ጀመርኩ እናፈተኹዎ መጺአ" ይብል።
ንሱ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኦሎምፒያ ተባሂሉ ዝጽዋዕ መንደር ተወሊዱ ዓብዩ።
ታይኮንዶ [ቴኳንዶ] ኣብ ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ብዓይነት ስፖርት'ውን ዘይተለምደ ስለ ዝነበረ እኹል ግንዛበን ነቲ ስፖርት ዝሕግዝ ምቹእ ኩነታትን ኣይነበሮን።
ሄኖክ፡ ኣብ ታይኮንዶ ን18 ዓመታት ክጸንሕ እንከሎ ንነዊሕ ሰዓታት ብምስራሕን ናይ ባዕሉ ጻዕሪ ብምግባርን ከም ዘዕበዮን ናብ ውጽኢት ከም ዝለወጦን ይገልጽ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ግሎባል ማስተር ኮይኑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ'ውን ናይ መጀመርታ ዓለምለኻዊ ፍቓድ ግሎባል ማስተርስ [International license] ከም ዝኾነ ይዛረብ።
"ብ2016 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ብናይ ባዕለይ ጻዕሪ ዕድል ረኺበ ናብ ኮርያ ከይደ ሰልጢነ ዓለምለኻዊ ፍቓድ [ላይሰንስ] ሒዘ መጺአ" ይብል።
ታይኮንዶ ሓደ ካብ ዓይነታት ማርሻል ኣርት ኮርያ ኮይኑ፡ ካብ 2000 ጀሚሩ [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣብ ውድድራት ኦሎምፒክ ክኣቱ ክኢሉ።
ውድድራት ማስተር ቴኳንዶ ሄኖክ
ግሎባል ማስተር ሄኖክ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓሙሽተ ጸሊም ቀበቶ ኣለዎ።
ሕጂ ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ዋሽንግተን ኣሰልጣኒ ቴኳንዶ ኮይኑ፡ ንርእሱ'ውን ክሳተፈሎም ዝግባእ መድረኻት ብምሕባር፣ መዘኻኸሪ ምህሮ ክወስድ ዝከታተሎን ዝገንሖን ኮርያዊ ኣሰልጣኒ ኣለዎ።
ኣብ ዘዕሃለፈ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 ኩለን ምምሕዳራት ዋሽንግተን ዝሳተፋሉ ታይኮንዶ ቻምፒዮንሺፕ '2021 Washingotn state Governer's cup' ብምስታፍ ተዓዊቱ'ዩ።
ታይኮንዶ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ኣብ ብዙሓት ዓለምለኻዊ ውድድራት እተሳተፈ ሄኖክ እንትርፎ ኣብ ሓንቲ መድረኽ ኣብ ኩሎም ቐዳማይ ብምውጻእ ከም ዝዛዝም ይዛረብ።
"መጀመርታ ኣብ ታይላንድ እየ ጀሚረ፤ ኣብኡ ምስ ሓደ ኮርያዊ'የ ተወዳዲረ። እቲ ስፖርት ናታቶም ስለ ዝኾነ ክፍትነኒ'ዩ ዝብል ስግኣት እኳ እንተነበረ፡ ንዕኡ ከም ዝስዓርኩ ምስ ፈለጥኹ ተተባቢዐ ክቕጽል ኣለኒ ኢለ" ይብል።
በዚ መሰረት፡ ሰለስተ ግዜ ኣብ ታይላንድ ኣብ ዝተጋብኡ ዓለምለኻዊ ውድድራት ብምውድዳር፡ ድሕሪኡ ህንዲ፣ ዱባይ፣ ኣመሪካ፥ ኮርያ፣ ስፔንን ኣውስታራሊያን ኣብ ዝነበሩ ውድድራት ተሳቲፉ።
"ኣብ ኣውስትራሊያ ጥራይ'የ ካልኣይ ወጺአ፤ ኩሎም ቐዳማይ ኮይነ ዋንጫን ሜዳሊያን ተዓዊተሎም" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Henok
ሄኖክ፡ በዚ ስፖርት ኣብ ኦሎምፒክ ጥራይ'ዩ ዘይተሳተፈ። ነዚ እቲ ሕጂ ዘለወሉ ክሊ ዕድመ ጽቡቕ ኣይኮነን ካብ ዝብል ዓርሰ ገምጋም ዝምንጪ እምበር ካልእ ዝዓግቶ ነገር ከም ዘየሎ ይዛረብ።
ናብ ውድድር ኦሎምፒክ ንምስታፍ ኣርባዕተ ዓመት ምድላው ዝሓትት ኮይኑ፡ ኣብ መጀመርታ 20ታት ምስ ዝኸውን ዝሓሸ ውጽኢት ከተምጽእ ከም ዝክኣል ይግመት።
እቲ ክሳብ ሕጂ ዘዋህለሎ ሓሙሽተ ጸሊም ቀበቶን ዓለምለኻዊ ኣፍልጦን ድኣ ንምንታይ ይጠቕም? ክንብል ሓቲትናዮ።
እዚ፡ ደረጅኡ ዝሓለወ ስልጠናታት ንክትህብን ክትሰርሐሉን ዘኽእል እዩ ዝብል ሄኖክ ልዕሊ ኹሉ ኣብቲ ስፖርት ከም ዘድህብ ይዛረብ።
"ቀበቶ ምብዝሑ ዘይኮነስ ብስነ ስርዓት ስልጠና ዝገብርን እቲ ስፖርት ዝሰርሕን ምዃን እዩ እቲ ዝዓቢ። ኣነ ዝዓበኹሉ መንደር ጽቡቕ ኣይነበረን [ኦሎምፒያ]። መሓዙተይ ኩሎም ኣብ ወልፊ ኣትዮም ጽቡቕ ኣይኮኑን ዘለው። ካብኦም ምፍላይ ይኸብደኒ ነይሩ። እዚ ስፖርት ምስ ጀመርኩ ግን ካብ ኩሉ ክድሕን ስለ ዝገበረኒ በዚ ደረጃ ጠቒሙኒ እዩ" ኢሉ።
ካልእ ዓብዪ ጸጋ እዚ ስፖርት ዝብሎ ግን ኣብ ህንጸት ዓርሰ እምነትን 'ኣይኽእሎን' ዝብል ስምዒት ምስባርን ዘለዎ ኣበርክቶ ምዃኑ ይጠቅስ።
"ኣባይ ኣይኽእሎን ወይ ኣይኸውንን ዝብሃል የለን። ናተይ እዩ ክገብሮ እየ እንተኢለ ዓመት ዋላ ይውሰድ ይገብሮ እየ፤ ናተይ ዝብሎ ኣሕሊፈ ኣይህብን። ዋጋ ይኸፍል እየ፤ ንዓይ ትግባእ ነገር ንዓይ እያ ትኸውን። እዚ ስፖርት ተስፋ ዘይቖርጽ ሰብ ገይሩ'ዩ ዝሃንጸካ" ኢሉ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን በዚ ስፖርት ኣብ ዓለም ናይ ኢትዮጵያ ወኪል እየ ኮይኑ፡ ናይ ሳንግሮ ኮል ቴኳንዶ ኣካዳሚ ከምኡ'ውን ኪዶኮንኮ ዝብሃል ኣብ ኢትዮጵያ ጌና ዘይተጀመረ ዓይነት ቴኳንዶ ወኪል'ዩ።
ታይኳንዶ ኣብ ትግራይ
ሄኖክ ብ1995 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ናብ ስፖርት ታይኮንዶ ዝተጸንበረ ኾይኑ፡ ኣብ 2002 ዓ.ም ኣብ ትግራይ ናይ መጀመርታ መሰልጠኒ ማእከል ከፊቱ።
ኣብቲ ከባቢ ግን ናይ ግንዛበ ጸገማት ስለ ዝጸንሖ ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ግንዛበ ኣብ ምዕባይ ብናጻ ክሰርሕ ተገዲዱ።
ኣብቲ ግዜ፡ ኣብ መቐለ MYC ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ማእኸል መናእሰይ ክሰርሕ እኳ እንተጀመረ ፌደሬሽን ስፖርት እቲ ክልል ግን ኣብ መጀመርታ ሓንጎፋይ ኢሉ ንክቕበሎ ድልዊ ኣይነበረን።
"ፌደሬሽን ነቲ ስፖርት ስለ ዘይፈለጡዎ ክቕበሉኒ ኣይክኣሉን፤ ሽዑ ነጻ ገይረዮ'ውን ክልተ ሰብ'ዮም ዝመጽኡ ነይሮም። ቀስ እናበለ ሰብ ክለምዶ ጀሚሩ፤ ኣብ ሰለስተ ወርሒ ክኣ ኣሰልጢነ 86 ሰባት ኣመሪቐ" ይብል።
ድሕሪኡ፡ እቲ ፌደሬሽን ከም ሓደ ፕሮጀክት ክሕዞን ክስርሓሉን ምስ ጀመረ፡ ሄኖክ እቲ ስፖርት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እቲ ክልል ዝሰፍሐሉ ስራሕ ሰሪሑ።
ኣብ መጀመርታ ትግራይ'ውን ስለ ዘይፈልጣ፡ እቲ ስፖርት ብሬድዮን ናይ ቢልቦርድ መወዓውዒታትን ተጠቒሙ እቲ ስፖርት ንከረድእ ግዜ ከም ዝወሰደሉ ይዛረብ።
"ክጅመር ከለኹ ገለ ሰባት እቲ ስፖርት ናይ ባእሲ ገይሮም ይሓስቡዎ ስለ ዝነበሩ ከቢድ ነይሩ፤ ዝበዝሕ ግዜይ ኣብ ትግራይ ስለ ዘሕለኽፉዎ ግን ሕዚ ዝሓሸ ግንዛበ ኣሎ። ብብዝሒ ክኣ ቖልዑት'ዮም ዝመጽኡ" ይብል።
ታይኮንዶ፡ ነብሰ-ምትእምማን እትሃንጸሉ ስፖርት እዩ ዝብል ግሎባል ማስተር ነቶም ዘሰልጥኖም ቖልዑት ናይ ትምህርቲ ውጽኢቶም ብምክትታልን ምስ ወለዲ ብምርኻብን ብኹለ መዳይ ውጽኢታውያን ኮይኖም ንክኸዱ ትኹረት ይገብር ነይረ ይብል።
"ታይኮንዶ ክሳብ ውድድራት ኦሎምፒክ ክኸይድ ዝኽእል፣ ንጥዕና'ውን ጽቡቕ እዩ እናበልና ግንዛበ ብምፍጣር ብዙሓት መናእሰይ ዝሰርሑዎ ስፖርት ኮይኑ'ዩ፤ ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Henok
ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ውድድራት ታይኮንዶ ንምስታፍ ዝበቕዑ ሰልጠንቲ ከም ዘፍረየ ሄኖክ ይጠቅስ።
ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝጀመረሎም ኣዋርሕ 2020፡ ኣብ ኣርጀንቲና ብዙም ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፋና ተስፋይን ኣማኒኤል ጸጋይን ዝተባህሉ ተወዳደርቲ ነፍሲ ወከፎም ሳልሳይ ብምውጻእ ተዓዊቶም'ዮም።
ሚካኤል ተክላይ ድማ ናብ ታይላንድ ብምኻድ ብዘመዝገቦ ውጽኢት 3ይ ኮይኑ ሜዳሊያ ረኺቡ'ዩ።
ሄኖክ፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝኸፈቶም ማእከላት መሰልጠኒ ታይኮንዶ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ሓደ ዓመታት ንመበል 10 ግዜ ከመርቕ ክኢሉ'ዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ብምኽንያት እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ካብ መቐለ ወጻኢ ዘለው ማእከላት ጠጠው እኳ እንተበሉ ክሳብ ሕጂ ግን ካብ 15 ዓመት ክሳብ 60 ዓመት ዝበጽሑ ሰልጠንቲ ከም ዝነበሩዎ ሓቢሩ።
ታይኮንዶ ኣብ ዝኾነ ክሊ ዕድመ ዘሎ ሰብ ክሰርሖ ዝኽእል ዓይነት ስፖርት ከም ዝኾነ ይእመን።

ምንጪ ስእሊ, Henok
ታይኮንዶ እንታይ ዓይነት ዋጋ ይኽፈሎ?
"ዝኹላይ ኢድና እግርና ተሰይሩ . . . ደም ብደም ኮይንና ሽልማትና ሰርተፊኬት'ዩ" ዝብል ሄኖክ ውድድራት ቴኳንዶ ካብ ሜዳሊያን ሽልማት ኣፍልጦን ወጻእ፡ እዚ'ዩ ዝብሃል ገንዘብ ዝርከቦ ስፖርት ከም ዘይኾነ ይዛረብ።
ነዚ ስፖርት ዝኽፈል ዋጋ ከቢድ ስለ ዝኾነ ድማ "እንታይ እየ ዝኸውን ዘለኹ ኢለ ይሓስብ'የ" ይብል።
ወትሩ መክሊት ህይወተይ ንግዲ'ዩ ኢሉ ስለ ዝኣምን፡ ኣብዚ ስፖርት እንተዘይህሉ ኣበይ ምበጻሕኹ እናበለ'ዩ ዝሓስብ።
ብዙሓት ግን "ኣብ ብዙሕ ቦታ ወርቂ ሜዳሊያ ስለ ዝተዓወትኹ ሃብታም'የ ዝመስሎም" ዝብል ሄኖክ ናብርኡ ንምምራሕ ኣብቲ ዝነብረሉ ሃገር ስራሕ ከይመረጸ ቀትርን ለይትን ከም ዝሰርሕ ይዛረብ።
በዚ ኣየማርንን።
"ኩነታትን ቦታን ይመችወኒ ጥራይ እምበር ግድን ብሞያይ ዘይሰራሕኹ ኣይብልን" ድማ ይብል።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







