ኣትሌት ገ/እግዚኣብሄር ገ/ማርያም፡ “ትግራይ ኣብ ዓሰርተ ዓመት ዓባይ ማእከል ስፖርቲ ክትኸውን'ያ"

ምንጪ ስእሊ, EMMANUEL DUNAND
ተወሊዱ ዝዓበየሉ ኣብ ትግራይ፡ ቅድም ክብል ኣብ ወረዳ ሓውዜን (ናይ ሎሚ ሳዕሲዕ ጻዕዳ እምባ)፡ ጣብያ ጻንቃኒት እዩ።
ኣትሌት ገብረእግዚኣብሄር ገብረማርያም ብ1992 ዓ/ም ተምሃራይ ካልአይ ብርኪ ኮይኑ እዩ ጉያ ጀሚሩ።
ኣብ ኒውዮርክ ማራቶን ድማ ብ2003 ዓ/ም ናይ መጀመርታ ወርቂ መዳልያ ረኺቡ።
ሃገራዊ ፌዴሬሽን ኣትለቲክስን ኦሎምፒክ ኮሚተን ብምክትልነት ይመርሕ።
ሕዚ ብዕሊ እንተዘይኣቋረጸ'ኳ፡ ኣብ ጉያ ዳርጋ ኣይረአይን። ኣብ እዋናዊ ስፖርታዊ ጉዳያትን ኩለመዳያዊ ንጥፈታቱን ኣመልኪቱ ቢቢሲ ትግርኛ አዘራሪቡዎ ኣሎ።

"ጉያ ከምቲ እትፈልጦ ብዙሕ ትኹረት ይደሊ እዩ። ኣብ ቢዝነስ ሓዊሱ፡ ኣብ ብዙሕ ጉዳያት ይሳተፍ ኣለኹ። ዕድመ'ውን ከምኡ እናደፋእኹ እየ። ዛጊድ ብዚ መዓልቲ ጫማ ክሰቅል እየ እንተዘይበልኩ'ኳ: ግን ናብኡ እዩ ዝቐርብ" ኢሉ።
ጉያ ኣበይ ቦከረ ?
ብ1976 ዓ/ም ዝተወልደ ኣትሌት ገብረእግዚኣብሄር: ካብ ገዝኡ ናብ ቤት ትምህርቱ 20 ደቒቓ ዝኸውን ዝርሕቕ እናተመላለሰ እዩ ተማሂሩ።
"ኣነ ወዲ ሓረስታይ እየ። ወለደይ ዝኣዘዙኒ ሰሪሐን ሓጊዘን ናይ ትምህርት ሰዓት ከይኣኽለኒ፡ ብጎየ እየ ዝበጽሕ ነይረ። ካብ ቤት ትምህርቲ'ውን ከምኡ ጎየ ይምለስ ነይረ" ይብል።
እዚ ናይ መብዛሕትኡ ወዲ ሓረስታይ ትግራይ ዛንታ እዩ። ንገብረእግዚኣብሄር ግን ፍሉይ ዕድል ፈጢሩሉ። "በዚ መንገዲ፡ ተፈጥሮኣዊ ዝኾነ ዓቕሚ ንከዕቢ ረዲኡኒ" ይብል።
ካብኡ ወፃኢ፡ ብዛዕባ ውድድር ጉያ እምብዛ ኣፍልጦ ኣይነበሮን:: ብስፖርቲ'ውን እዚ ዝኣክል ተፈላጥነት ክረክብ ከም ዝኽእል ኣድህቦ ኣይነበሮን።
ይኹን'ምበር ኣብ ቤት ትምህርቲ ናይ በዓል ኣትሌታት ምሩጽ ይፍጠርን ሃይለ ገበረስላሰን ዛንታ ክሰምዕ ምስ ጀመረ ፍሉይ ድሌት ሓዲሩዎ።
ተምሃራይ 9ይ ክፍሊ ኮይኑ፡ ኣብ ቤት ትመህርቱ ቀዳማይ ኮይኑ ምውጽኡ ይዝክር።
ብስሩዕ ውድድር ዝጀመረ ግን ተምሃራይ 11 ክፍሊ ኮይኑ ብ1993 ዓ/ም ኣብ ዕዳጋ ሓሙስ ፋና ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ እዩ። 'ቀጢን ቃላይ' ዝበሃል ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቱ ወኪሉ እዩ ተወዳዲሩ። ካብኡ ድማ ንወረድኡ ወኪሉ 1500 ኪሜ ጎዩ። ንመጀመርታ ግዘ ድማ ምስክር ወረቐት ረኺበ-ይብል።

- 1994-2006 ዓ/ም ኣባል ሃገራዊ ጋንታ ኮይኑ ተወዳዲሩ
- ሃገር ምቁራጽ ውድድር ኣብ ኣየርላንድ 2002 ( 1994 ዓም) ብጥራይ እግሩ፡ 800 ኪሜ ወርቂ ሜዳልያ ተዓዊቱ።
- ኣብ 2009 ( 2001 ዓም) ሃገር ምቁራጽ ኣብ ኒው ዮርክ ማራቶን ወርቂ ሜዳልያ ።
- 2000 ዓ/ም እትዮጵያ ሚሊንየም ኣፍሪካን ሻምፕዮን ወርቂ ሜዳልያ ።


ምንጪ ስእሊ, sampics
ኣትሌት ገብረእግዚኣብሄር፡ ካብ ኩሉ ንሰለስቲኦም ዓወታት ፍሉይ ተዘክሮ ኣለዎ፤ ብፍላይ ኣብ ኣዲስ አበባ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ኣፍሪቃ ዝረኸቦ ዓወት ብገለ ምኽንያታት ኣብሊጹ ከምዝሪኦ ይዛረብ። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝተዳለወ ምዃኑ፡ ሓያል ዝናብ ዝነበሮ ምዃኑን ይዝክር።
ከምኡ ድማ፡ ናይቲ ውድድር ናይ መጀመርታ መዓልቲ ስለዝነበረ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ውን ወርቂ ንከምጽኡ ጉልበት ከምዝኾኖም እዩ ዝኣምን።
ናይ መን ኣሰር ተኸቲሉ ?
ጉያ እንትጅምር ብኣጋጣሚ እንተኾነ'ውን: ብፍላይ ንሻለቃ ኣትሌት ሃይለ ገብረስላሰ ፍሉይ ክብሪን ናእዳን ኣለኒ ይብል ።
ብብዙሕ መልክዑ ሃይለ ገ/ስላሰ ኣርኣያ ከምዝኾነ እዩ ዝዛራብ። ኣብ ጉያ ምዕዋቱ ጥራሕ ከይኮነ ንነዊሕ እዋን ኣብ ጉያ ዝጸንሐሉ ምስጢር:: ኣብ ቢዝነስ ዝገብሮም ንጥፈታት ከም ኣብነት ገይሩ ከምዝሪኦ ይዛረብ።
"ምሩፅ ኣቦይ ማለተይ እዩ"
ንፈለማ እዋን ብዛዕባ ውድድር ጉያ ዝሰምዐ፡ ምስ ናይ ኣትሌት ምሩጽ ሽም ተኣሳሲሩ እዩ። ናይ ሻድሻይ ክፍሊ ተምሃራይ ኮይኑ፡ መምህር በሪሁ ዝበሃሉ ናይ ሳይንስ መምህሩ፡ ብዛዕባ ምሩጽ ይፍጠር 'ማርሺ ቐያሪ' ዝብል እንትነግሩዎም ይዝክር።
"እቲ ዝነበሮ ዓቕሚ ኣባዚሑ ክጎዪ ዝኽእል ሰብ ምሩጽ ይፍጠር ይበሃል። ትውልዱ ዓዲ ኣብዚ ኣብ ክልል ትግራይ: ጉሎ መኸዳ 'ዩ" ዝበሉዎም ኣይርሰዖን።
"ምሩጽ ስሙ እውን ምሩጽ እዩ፤ ስርሑ'ውን ምሩጽ እዩ። ካብ ሽዑ ጀሚረ- ሱቕ ኢለ ኣብ ውሽጠይ ይቐርጾ ነይረ። እንታይ ዓይነት ሰብ ይኸውን? ኢለ ይሓስብ ነይረ"።
ደሓር ድማ ኣትሌት ምሩጽ ብህይወት እንተሎ ብዙሕ ይቀራረብ ነይሮም ።
"ከም ኣቦይ እየ ዝሪኦ። ክብሪ ዓዲ: ክብሪ ሃገር : ክብሪ ዓለም እዩ ነይሩ" ይብል ዝተወሰነ ዓመታት'ውን ከምዘሰልጠኖ ይዛረብ።
ብፍላይ ኣብ ትግራዋይነቶም ዝነበሮም ኣረዳድኣ ተቐራሪቦም ይመኻኸሩ ከምዝነበሩ ይዝክር። "ከም ዓብይን ንእሽቶን ኢና ንመኻኸር ነይርና" ኢሉ። ኣብ ሕልፈቱ እዋን ድማ ስነ-ስርዓት ቀብሩ ባዕሉ ብሓላፍነት መሪሑ ከም ዘፋነውዎ ይዝክር።
ስፖርታዊ ትንሳኤ- ትግራይ ከመይ ይሪኦ?
እቲ ሕዚ ኣብ ኵዕሶ እግሪ ኾነ ኣብ ኣትሌቲክስ ዘሎ ምልዕዓላት ናበይ ከምዘምርሕ ይእንፍት።
"ኣነን ንስኻን ዕድመ ሂቡና ንርኣዮ'ምበር ትግራይና ኣብ ዓሰርተ ዓመታት ዓባይ ማእከል ስፖርቲ ክትኸውን እያ" ክብል ይትስፍው። እዚ ዝኾነሉ ምኸንያት ብትምኒት ኣይኮነን። ሕልሚ'ውን ኣይኮነን። ዝረአ ነገር ኣሎ- እዩ ዝብል።
"ማሕበረሰብና ጠንካራ እዩ። እቲ ጥንካሬ ዘበናዊ ምግባር ጥራሕ እዩ ዘድሊ። ከባቢና'ውን ነዚ ዝተመቸወ እዩ" ይብል።
እዚ ክውን ንክኸውን ግን፡ ክግበሩ ኣለዎም ዝብሎም ሓሳባት ኣለው። ናብቲ ቢሮ ስፖርትን መናእሰይን፡ ናይቲ መንእሰይን ናይቲ ሞያን ስምዒት ዝርደኦም ሰብ ሞያ እንተዝኣትውዎ ይብል።
ከምኡ ድማ ማሕበረሰብና ንስፖርቲ ግቡእ ዋጋ ክህቦ ይምሕፀን። ማሕበረሰብና ሕዚ እኹል ዋጋ ኣይህቦን ዝብል ስክፋት ዘለዎ ይመስል።
"መብዛሕትና ተጋሩ ኣብ ስፖርቲ ዘለና አረዳድኣ ንኡስ እዩ። ስፖርቲ: ስራሕ ምፍታሕ ማለት እዩ። ወይ ሱቕ ኢሉ ናይ ሰነፍ ስራሕ ኣምሲልና ኢና ንሪኦ።" ይብል፤ እዚ ኣረኣእያ ክልወጥ ከምዘለዎ ብምትሕስሳብ።
"ሰባት ካብ 12 ዓመታት ተማሂረ፡ 12 ዓመት ኣብ ስፖርቲ ጸኒሐ ፕሮፌሽናል ከኾን'የ ዝብልሉ እዋን ኢና በጺሕና ዘለና:: ኣብ ስፖርቲ ዘለና አረደዳድአ እንተተማሓይሹ ለውጢ ክመጽእ ይኽእል እዩ" ኢሉ።
እቲ ዝህቦ ረብሓ፡ ንብራዚል ከም ኣብነት ይጠቅስ። ኵዕሶ ተጻወትቲ እታ ዓዲ ንሃገሮም ክንደይ ዝኣክል ኣታዊ ከምዘእትው፡ ክንደይ ዝኣክል ዓዶም ከምዘላለዩ የዘኻኽር።
ንገሬ: እቲ ዝዓበየ ጥቕሚ: ቁጠባዊ ረብሓታት እዩ። ትግራይ ንዓለም ኣብ ምፍላጥ ስፖርት ዓብይ እጃም ከምዘለዎ ድማ ይዛረብ። ኣብ ትግራይ ዘለዉ ጸጋታት ቱሪዝም ብዝግባእ ኣይተፋለጡን ኢሉ ይኣምን። ነዚ ድማ ስፖርት ዘይትካእ ግደ ኣለዎ።
ገለ እዋናት ኣብ መንጎ ክልላት ኮነ ወረዳታት ጥዕና ዘይብሉ ንሕንሕ እንትፍጠር ይረአ። ስፖርት ንሓድነት እንትበሃል ብኣንጻሩ ክኸውን ግን ይረአ ዝብል ሕቶ ኣልዒልናሉ።
"መትከል ስፖርቲ ኣብ ዝኸድካ ኬድካ ሓንቲ እያ። ስፖርቲ ንሰላም፣ ንፍቕሪን ሓድነትን እያ ትብል። እዚኣ ኣብ ሃገር ኮነ ኣብ ክልል ክሳብ ታሕቲ ኣብ ቁሸት ተሰርሕ እያ። ኣብ ዓለም ውን ትሰርሕ እያ። እቶም ካብዚ ውጽእ ዝበሉ ኣታሓሳስባታትን ስምዒታትን ንስፖርቲ ብትኽክል ካብ ዘይምርዳእ ዝነቐሉ እዮም" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Michael Steele
"ናይ ስፖርቲ ማልያ ተኸዲነ: ክኾና ዝኽእል ስፖርተኛ ጥራሕ እያ። ፍቕሪ ክሓስብ ኣለኒ፡ ሰላም ክሓስብ ኣለኒ" ኢሉ።
"ክልተ ሓውን ሓሰርን ዝኮኑ ዓድታት ኮነ ውልቀሰባት ኣብ ስፖርቲ ሓደ እዮም።
ብፍላይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ስምዒት፡ ስፖርት ክንደየናይ ሓያል ምዃኑ እዩ ዘርኢ-ይብል።
ጋንታ ኵዕሶ እግሪ መቐለ-ሰብዓ እንደርታ ሻምፕዮን ፕሪምየር ሊግ እዚ ዓመት 2011 ዓ/ም ድማ ኮይና።
ኣትሌት ገብረእህዚኣብሄር: ብፍላይ ንጋንታታት መቐለ ሰብዓ እንደርታ፤ ወልዋሎ-ዓድግራትን ስሑል ሽረን ብርሕቐት ይከታተሎም ከምዝነበረ ይዛረብ። ወልዋሎ ዓሚ ዝበጽሓ በደልን ቅጽዓትን ይዝክር። ብድሕሪት ኮይኑ ዝከኣሎ ይሰርሕ ከምዝነበረ'ውን ይዛረብ።
መቐለ 70-እንደርታ ድማ ብፍላይ ነቲ ፕሪሚየር ሊግ መሪሕነት ከመይ ክተቐጽሎ ከምዘለዋ ብዙሕ ንሰርሖ ስራሕቲ ነይሩ ይብል። ምስ ኣሰልጣኒ እታ ክለብ ውን ሓቢሮሞ ከምዝሰርሑ ይዛረብ። እቶም ብድሆታት ብኸመይ ክሕለፉ ከም ዘለዎም ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ከም ዝዘትይሉ'ውን ይዛረብ።
ብፍላይ ጋንታ መቐለ 70-እንደርታ ካብቲ ዝነበረቶ ደረጃ ናይ ምውራድ ዝንባለ ምስ ኣርአየተ "ከብድና ደጊፍናያ ኢና ነይርና" ይብል። ኣብ መበል 26 ጸዋተኦም ኣብ ስታድዮም ትግራይ ተረኺቡ፡ "ኣጀኹም! ከትዕወቱ ኢኹም" ኢሉ ሞራል ከም ዝሃቦም ይዛረብ።
"ተዓዊቶም ምስ ሰማዕኹ በኽየ። ንገሬ [ኣሰልጣኒ] ድማ ጽሒፈሉ። ንዶክተር ደብረጽዮን እውን መልእኽቲ ልኢኸ" ክብል ኣብቲ እዋን ዝተሰመዖ ይዝክሮ።
ምስ ፋሲል ከነማ እንትነጻጸር፡ ዝጸበበ ዕድል ከም ዝነበሮ እሞ እታ ናይ ስሑል ሽረ ዓወት ወሳኒት ከም ዝነበረት ይዝክር።
"ካብ ስፖርታዊነቱ ሓሊፉ እቲ ወቕታዊ ነገር ይስሕበካ። እንድሕር ተሳዒሮም፡ ምስኳን ህዝቢ ትግራይ መሲሉ እዩ ተሰሚዑኒ ነይሩ። እዚ ህዝቢ ክንደየናይ ናይ ሞራል ውድቀት ይስመዖ ይኸውን ኢለ ሓሲበ፡ ድሕሪ ዓወት ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ተነቓኒቑ። ስፖርቲ ክንድዚ ሓያል እዩ። ክንደየናይ ሓጎስ ከም ዝተሰመዓኒ ክነግረካ ኣይክእልን። እሞኻኣ ገንፊሉ ዝመጽእ ስምዒት"

ምንጪ ስእሊ, Awetehagn Birhane
ማሕበራዊ ሓላፍነታት
ኣትሌት ገሬ: እተን ዝተረኸባ ገንዘብ ኣብ ሞያ ከምዘውዕለን እዩ ዝዛረብ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክልተ ህንጻ ኣለዎ። ኣብ መቐለ'ውን ሆቴል ይሰርሕ ኣሎ። ዳርጋ ናብ ምዝዛሙ እዩ::
ኣብ ስፖርታዊ ዕጥቂ'ውን ከምዝሳተፍ ይዛረብ። መቐለ 70 እንደርታ ዝተኸደኑዎ ማልያ ናቱ ካምፓኒ ዘምጸኦ እዩ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ዓበይቲ ሃገራዊ ሓላፍነታት'ውን እናገልገለ ይርከብ።
ሃገራዊ ኣትሌቲክስ ፌዴሬሽንን ኮሚቴ ሎምፒክን 'ውን ብምክትልነት ይመርሕ።
"ኣብ ብዙሕ ብምስታፈይ፡ ኣብ ውጽኢታዊነት ድኽመት ከየርኢ ይፈርሕ እየ" ይብል ኣትሌት ገሬ::
ኣብ ፖሊቲካ ንምስታፍ ድሌት ከምዘይብሉ እዩ ዝዛረብ።
'ይኹን'ምበር' ይብል ኣትሌት ገሬ፡ "ይኹን'ምበር ሓደ ሰብ እንድሕር ኣሚኑለይ፤ ነቲ ዝወከለኒ ኣካል ኣየሕፍርን። ዓቕሚ ኣለኒ ኢለ ግን ኣይኮንኩን።" ኢሉ።
ብምቕጻል ድማ፤ "ፖለቲካኛ ናይ ምዃን ድሌት ኮነ ሓሳብ ግን የብለይን። ብርግጽ ኣብ ዝተፈላለዩ ማህበረ-ፖሊቲካዊ ዛዕባታት ንክሳተፍ ዕድመ ይቐርበለይ እዩ። ብንጹህ ልቦና ዝኽእሎ ኹሉ ይገብር እየ። ንወዲሰብ ይጠቅም ዶ ይኸውን ዝበልኩዎ ሓሳብ የቕርብ እየ። እዚ ካብ ልምዲ ኮነ ትምህርቲ ዝተልዓለ ኣይኮነን። ባዕሉ ካብቲ ዝውከለኒ ኣካል ሰናይ ፍቓድ ዝመጽእ እዩ" ኢሉ።
መብዛሕትኡ ሰብ ተሳትፎኡ ብቕንዕና ከምዝሪኦ ይዝረብ: "ገለ ዓበይቲ ሰባት፡ ሓደራኻ ናብ ፖለቲካ ከይትኣቱ ይብሉኒ። ቅኑዕ ከምዝኾንኩ ድማ ይነግሩኒ" ይብል: ወገን ከይፈሊ ብዝብል ስግኣት::
ንበዓልቲ ገዝኡ ወርቅነሽ ኪዳነ 'ወርቄ' እናበለ እዩ ዝጽወዓ። ንሳ'ውን ስምይቲ ኣትሌት እያ። ወዲ ዓሰርተ ክልተን ዓሰርተ ሰለስተን ክልተ ቖልዑ ኣፍርዮም ኣለዉ። ንሳ'ውን ካብ ጉያን ሚድያን ርሒቓ- ዝብል ሕቶ ኣቕሪብናሉ። "ወርቄ ንሃገራን ንኽልላን እሞ ኻኣ መስዋእቲ እናኾነት ብዙሕ ሰሪሓ እያ። ሕዚ ናብ ምድካም ደረጃ ንኸድ ኣለና። ዝግበአና ገይርና ኢና ንብል" ኢሉ። ብበዝሒ ኣብ ውልቃዊ ስራሕቲ ትነጥፍ ከምዘላ እዩ ዝዛረብ::
ቅድም ክብል ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት፡ ኣብ ዝካየዱ ዓለም-ለኸ ውድድራት ንኢትዮጵያ ወርቂ ክርከብ ብጉጅለ ጻዕሪ ክገብሩ ይስትውዓል። እዚ ብዝምልከት ግን ኣብ ሚድያ መጠነኛ ቅርታ ኣለዎ።
"ኣነ ኮነ ቀነኒሳ፤ ጥሩነሽ ኮነት ወርቅነሽ ኩላትና እንሰርሕ ኢትዮጵያ ወርቂ ንክትረክብ እዩ። 'ሃገር ብኣና ምኽንያት ክትስኮን የብላን' ዝብል ኣመለኻኽታ እዩ ዘለና። ስለዚ ቀነኒሳ ቅድሚት ኣትዩ ባንዴርኡ ኣልዒሉ ክጎዪ ከሎ ሓቢርናዮ ስሒቕና ዘሊልና ተሓጒስና ኢና፡ ወርቄ'ውን ከምኡ ማለት እዩ" ይብል።
"ይኹን'ምበር ኣብ ሃገራዊ ኣሰራርሓ ነቲ ወርቂ ዘምጸአ ጥራሕ ክብሪ ምሃብ ዓርሱ ዝኸኣለ ጸገም ከምዝኾነ ነጊርናዮም ነይርና ኢና" ይብል።
እዚ ኣብ ኣትሌቲክስ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ኩሉ ዓውዲ ዘሎ ጸገም ምዃኑን ክእረም ከምዘለዎን ይዛረብ።
"ንሕና ግን ተሰሚዑና ኣይፈልጥን። እቲ ንኽእሎ ንገብር ኣለና። ማለት እዚ መስዋእቲ ምኻን 'ካበይ እዩ መጺኡ'- ክትብለኒ ትኽእል ኢኻ። ካብቲ ህዝቢ :ካብቲ ክልል ክኸውን ይኽእል እዩ። ወዲ'ዙ ክልል ህዝቢ'ኮ ነዛ ሃገር ብዙሕ እዩ ዝገብር: ኣፍልጦ ግን የለን"።
ቐጺሉ ድማ ኣብነታት ይጠቅስ::
"ኣብ ሓሙሽተ ዓለም ዋንጫ ተሳቲፈ እየ። ኣብ ሓምሽትኡ ግን ዋንጫ ኣይረኸብኩን። ወርቂ ንኽመጽእ ግን ምኽንያት እየ። ኣብ ክልተ ኦሎምፒክ ተሰሊፈ እየ። ኣብ ክልቲኡ ወርቂ ንምምጻእ ምኽንያት ኮይነ እየ። ወርቄ እውን ኣብ ሽድሽተ ናይ ዓለም ዋንጫን ኣብ ሰለስተ ኦሎምፒክን ተሰሊፋ እያ: ኸምኡ። ወርቂ ንምምጻእ ናይ መጀመርታ ተጸዋዒት ወርቅነሽ ኪዳነ እያ- 'ዘ ካንትሪ ውማን' ይብሉዋ። ንሳ ቅድሚት ወጺኣ ቆሪጻ ቆሪጻ ደረጃ እያ ትህበን ባዕላ። ወርቂ ንምምጻእ ምኽንያት ወርቅነሽ እያ። ካብተን ተሸለምቲ ንላዕሊ። ሓደ ሓዲአን ይገልጸኣ እየን'ውን። ኣብ መንግስቲ መጺኻ ግን፡ ሱቕ ኢልካ እዩ። እዚ ናይ ኣተሓሳስባ ጽበት እዩ"።
ናትና ጉያ፦
ጉያ ንዓለም ዘፋለጡ ኢትዮጵያውያን እዮም ዝብል እምነት ዘለዎ ኣትሌት ገብረእግዚኣብሄር፤ 'ናትና ስፖርት' ዝብል ምስ በዓልቲ ገዝኡ ኣትሌት ወርቅነሽ ኪዳነ ኣጣይሾም ናትና ጉያ- ብዝብል ኣብ መቐለ ሎሚ ዘበን ንሳልሳይ ግዘ አካይዶም። እዚ ቀፃሊ ምኻኑ እዩ ዝዛረብ::
እዚ: ከተማ መቐለን ትግራይን ገጽታ ክልውጥን ከላልን እዩ ኢሎም እዮም ዝኣምኑ። ናይቲ ከተማ ኾነ ናይቲ ክልል መንእሰይ ውን ንስፖርቲ ዘለዎ አመለኻኽታ ከዕቢ እዩ ዝብል እምነት ኣለዎም።
ብቐንዱ ድማ ተተካእቲ ኣትሌታት ንምፍራይ ዝዓለመ ከምዝኾነ እዩ ዝዛረብ። በቲ ኣታዊኡ: ኣቀማምጠኦምን ከባቢ ኣየር ጸባዮም ጽቡቕ እዩ ኢሎም ኣብ ዝኣምኑሎም ሰለስተ ከባብታት ትግራይ: ማእኸላት ኣትሌቲክስ ሃኒጽካ ንክልል ምምሕዳር ንምርካብ ምንቅስቓስ ተጀሚሩ ኣሎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







