ፍርቂ-ልምሰት ዘለዎ ኣትለት ኣብ ነፋሪት 'ኣብ ጥርሙስ ክሸይን ተገዲዱ'

ዳረን ቤሊን (የማን)

ምንጪ ስእሊ, DARREN BELLING

መግለጺ ስእሊ, ዳረን ቤሊን (የማን) ኣብ ነፋሪት ተገፊዐ ይብል

ፍርቂ ኣካላቱ ልሙስ ዝኾነ ሓደ ኣውስትራልያዊ ኣትለት፡ ኣብ ነፋሪት መገዲ ኣየር ፍላይ ዱባይ፡ ሽቓቕ ክጥቀም ከም ዘይክእል ስለ ዝተሓበሮ፡ ኣብ ጥርሙስ ክሸይን ከም ዝተገደደ ሓቢሩ።

52 ዕድመ ዘለዎ፡ ዳረን ቤሊን፡ ኣብ ቻምፕዮና ዓለም ለኻዊ ውድድር ቃርሳ ኣካለ ስንኩላን ንምስታፍ ኢዩ ኣብ ጥቅምቲ ናብ ፊንላንድ ተጓዒዙ።

ኣብ መንጎ እቲ ሸውዓተ ሰዓታት ዝወሰደ በረራ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ነፋሪት፡ ዓረብያ ስነኩላን ከም ዘየለ ከም ዝተሓበሮ ይገልጽ።

መንገዲ ኣየር ፍላይ ዱባይ፡ ኣብ በረራ፡ ዓረብያ ክቕርብ ከም ዘይክእል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣሳሰይቲ፡ እቲ በረራ ድሕሪ ምጅማሩ ድሕሪ ሰለስተ ሰዓታት፡ ዓረብያ ከም ዘየለ ከም ዝሓበርዎ ሚስተር ቤሊን ገሊጹ።

"'ኣብ ውሽጢ ነፋሪት፡ ዓረብያ ስንኩላን ኣይንሕዝን ኢና' ብምባል ንሸውዓተ ሰዓታት ክጽመም ሓቲቶምኒ" ኢሉ።

ድሕሪ ምዝርራብ ድማ እቶም ኣሳሰይቲ ጥርሙስ ከም ዘምጽሉን ኣብኡ ክሸይን ከም ዝሓበርዎን ተዛሪቡ።

ብዙሓት መንገዲ ኣየራት፡ ንኣካለ ስንኩላን ዘገልግላ ዓረብያ ዝቕርባ ክኾና እንከለዋ፡ ካልኦት ብዙሓት ግና ኣይገብርኦን።

ኣብ ነፈርቲ ዝስራሕ ሽቓቕ ጸቢብ ብምዃኑ፡ ብዓረብያ ክትኣትዎ ኣጸጋሚ ኢዩ።