ንውድድር ናብ ናይጀርያ ዝኸዱ ኣፍሪቃውያን ኣትሌታት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ተዓጊቶም

ምንጪ ስእሊ, Abdinoor Aden
ኣፍሪቃውያን ኣትሌታት ኣብ ውድድር 'ኣፍሪቃ ሲኒየር ኣትሌቲክ ሻምፒዮንሺብ' ንምስታፍ ኣብ ከተማ ሌጎስ ናብ ዘሎ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሳብ ምስበፅሑ ከይንቀሳቐሱ ዝተዓጊቶም።
እቲ ውድድር ሎሚ ረቡዕ ኣብ ክፍለ ሃገር ደልታ ከተማ ኣሳብ ዝጅምር ኮይኑ፡ እቶም ኣትሌታት ተሳተፍቲ ሃገራት ክዕገቱ ምኽኣሎም እናዘራረበ ይርከብ።
ካብ ሃገራት ኤርትራ፣ ቡሩንዲ፣ ኬንያን ቡርኪናፋሶን ዝመፁ ኣትሌታት ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ዝተዓጊቶም ይርከቡ።
ነቲ ዘጋጠመ ፀገም ብዕድል ዝሰገሩ ኣትሌታት ድማ ልምምድ ክገብሩ ምጅምሮም ተገሊፁ። ክሳብ 52 ጉጅለታት ተሳተፍቲ ከምዝኸና ተረጋጊፁ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Abdinoor Aden
ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኣልጀርያ ቤኒድ ኣማር ብፓሪስ ኣቢሉ ናብ ሌጎስ ናይጀርያ ከምዝኸደን፡ እቶም ኣትሌታት ንኽልተ መዓልታት ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ከምዝተዓገቱ ምዕዛቡን ተዛሪቡ።
"ኣብ ዝተፈላለዩ ውድድራት ተሳቲፈ ኣሎኹ፡ እቲ ውድድር ግን ዝደኸመ ምድላው ዝተገበረሉ'ዩ" ኢሉ።
ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ናይጀርያ ጆን ማቲያኒ ነቲ ዝተፈጠረ ፀገም ናይቲ ከባቢ ኣዳላዊት ኮሚቴ ተሓታቲ ከምዝኸነት ገሊፁ።
"ኣብ ለጎስ ክልተ መዓልቲ ኣሕሊፍና። ፓስፖርትና የለን ክሳብ ሕዚ'ውን ኣበይ ከምዘሎ ኣይንፈልጠን" ክብል ሓቢሩ።
ናይጀርያዊ ኣትሌት ብለሲንግ ኦካባሬ "ነዚ ውድድር ክነዳሉ ንመጀመርታ ግዜ እዩ፤ ኩላህና ትምህርቲ ንወስደሉ እዩ" ኢሉ።
ካብ ሰበ ስልጣን ናይጀርያ ዝተውሃበ መብርሂ'ኳ እንተዘይሃለወ፤ ነቲ ፀገም ክፈትሑ ይሰርሑ ከምዘለዉተገሊፁ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







