‘ኣደይ መዓልታዊ ብሽክለታይ ተንፍሰለይ ነይራ’ - ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ሙሉ ክንፈ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ወትሩ - ኣብ ብሽክለታ ይዅን ካብ ብሽክለታ ወሪዱ ፍሽኽታ ዘይፍለዮ ስፖርታዊ እዩ።
ኣብ ወግዑ’ውን ስሓቕ ሕውስ’ዩ ዘብል -ነቶም ኣብ ውልቃውን ሞያውን ህይወቱ ዘጋጠሙ ብድሆታት እንከይተረፈ እናዋዘየን እናስሓቐን ይዛረበሎም።
ወዲ 24 ዓመት ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ሙሉ ክንፈ ሃይለሚካኤል፡ ካብ ከተማ ዓዲግራት ቅሩብ ውጽእ ኢልካ ኣብ እትረከብ ቀርሰበር ዝተባህለት ከባቢ’ዩ ተወሊዱ።
ምቍር ዝኽሪ እዋን ቍልዕነቱ ከም ዘለዎ ይዛረብ።
እዚ ምስ ብዙሓት ከብትን ጠለ-በጊዕን ዝዓበየ መንእሰይ፡ የማናይ ኢድ ኣደኡ ኰይኑ ዓብዩ። ወዲ 14 ዓመት ምስ ኰነ ድማ ኣብ ስራሕ ብሽክለታ ዓዲገናሉ።
በዚ፡ ትምህርቲ ካብ ቀርሰበር ናብ ዓዲግራት እናተመላለሰ ይምሃር ስለ ዝነበረ፡ እቲ ኣስታት ሸሞንተ ኪሎ ሜትሮ ዝኸውን ጕዕዞ ቀልጢፉ ክበጽሖን ካብኡ’ውን ቀልጢፉ ብምምላስ ኣብ ስራሕ ክሕግዝን ትጽቢት ይግበሮ ነይሩ።
“ወዲ ሓረስቶት’የ፤ ኣላሕም ነይረናና። ናብ ዓዲግራት ከኣ ጸባ የመላልስ ነይረ፤ ንትምህርቲ’ውን ናብ ዓዲ ግራት ይኸይድ ስለ ዝነበርኩ’ዩ ሳይክል ክዝውራ ጀሚረ” ይብል።
ሙሉ፡ ኣብ መጀመርታ ኵዕሶ ደኣ ይፈቱ እምበር ብዛዕባ ሳይክልን ውድድራቱን ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረን።
ሓደ መዓልቲ፡ ብሽክለታኡ ዘዐርየሉ ዝነበረ ሓደ ሰብ “ ‘ሙሉ ውድድር ሳይክል ዘይትጅምር? ጽቡቕ ዓቕሚ’ኰ ኣለካ’ ኢሉኒ። ኣነ ኸኣ፡ ውድድር ሳይክል ርእየ’ውን ስለ ዘይፈልጥ፡ እንታይ’ዩ? ንክጅምርከ እንታይ የኽፍለኒ? ኢለዮ። ምንም ኣይትኸፍልን ሰንበት ምጻእ እሞ ሒዘካ ክኸይድ እየ ኢሉኒ።”
ብኸምዚ፡ ወትሩ ሰንበት “ትምህርቲ ኣለኒ” እናበለ ናብ ከተማ ዓዲግራት ብምኻድ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝካየዱ ውድድራት ክጻወት፡ ብሽክለታ ብዓይኒ ሞያ ብኸመይ ትዝወር ክመልኽ ጀሚሩ።
ከም ልማደን ክሕግዘን ኣብ ገዛ ዝጽበያኦ ወላዲቱ ወይዘሮ ኣኽበረት ዕቑባይ ወዲቑ፡ ተለሓሒጹ ክመጽአን እንከሎ፡ ክጠራጠርኦ ጀሚረን።
ወይዘሮ ኣኽበረት (ኣኪዬ ክብል ይጽውዐን) ዝሓብኦ ነገር ምስ ተፈልጠ፡ ኣይተሓጐሳን። ሓደን ሓደን ዘይብላ ‘ሳይክል ግደፎ’ እየን ኢለን።
“ምስ ኣኪዬ ብዙሕ ክንሰማማዕ ኣይክኣልናን፤ ከምዚ ዝዕውል፡ ስራሕ ዝገድፎ ይመስላ ስለ ዝነበረ ግደፎ ትብለኒ። ኣነ ኸኣ ሳይክል ክገድፎ እንተዀይነ ትምህርቲ’ውን ክገድፎ’የ ይብላ ነይረ። በዚ ዝተላዕለ ብዙሕ ነገር ኢና ኣሕሊፍና . . . (ሰሓቕ) . . . ናብ ውድድር ንኸይከይድ ድማ ብሽክለታይ ተንፍሰለይ ነይራ . . . (ሰሓቕ)።”

ምንጪ ስእሊ, Mulu
ኣደኡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ተሸላሚት መርኣያ ሓረስቶት ኰይነን እየን። ኣብ ገዛኣን ሜዳልያን ዋንጫን ኣሎ።
ሓደ መዓልቲ፡ ቃለመጠይቕ እቲ ኣብ 2013 (ኣ. ኣ) ኣብ ዓለምለኻዊ ውድድር ሳይክል ቱር ዲ ታይዋን ዝተዓወተ ፈላማይ ኢትዮጵያዊ ፕሮፌሽናል ተጻዋቲ ጽጋቡ ገብረማርያም እናርኣዩ እንከለው፡ መዳልያ ኣደኡ ኣልዒሉ ኣነ’ውን ‘ከምዚ ከምጽኣልኪ’የ፤ ከም ጽጋቡ ክኸውን’የ’ ኢሉወን።
ኣደይ ኣኽበረት ኰርአን ስለ ዘይነፈሰለን ግድስ፡ ‘ዓቕምኻ ዘይትሓልም፤ ስቕ ኢልካ ግዳ ዘይትሕግዘኒ’ ኢለን ኣብ ሳይክል ክሓድሮ ዝጀመረ ጥሙሕ ክውሓጠለን ከም ዘይክኣለ ነጊረናኦ።
ኣብ ሜዳ ዓጋመ ኣብ ዝካየዱ ውድድራት ዝተፈላለያ ፕሮጀክታት ደረጃታት ክሕዝ ክርእያኦ ዝጸንሓ ጋንታታት ኣዲስ ፋብሪካ መድሃኒት፡ ደስታ ኣልኮል ፋብሪካ ቀጺሉ ድማ ጉናን ትራንስን ክቀባበልኦ ጀሚረን።
ኣብ መወዳእታ 2010 (ግ) ሻምፒዮን ኢትዮጵያ ኰይኑ ጠማቲኡ ክዓቢ ጀሚሩ፤ ሕጂ’ውን ግን ልቢ ወላዲቱ ከሰንፍ ኣይከኣለን።
“ሕጂ ቀንዲ ደጋፊተይ’ያ፤ መጀመርታ ግን ገዲፍካኒ ዲኻ ክትኸይድ ማለት ትብለኒ። ሻምፒዮን ኢትዮጵያ ኰይነ’ውን ትቕልዱ ዲኹም ዘለኹም እናበለት ኣይትኣምንን ነይራ። ጣልያን ምስ ከድኩ እያ ኵሉ ተቐቢላቶ፤ ዓባይ ሓፍተይ ናይ ወትሩ ደጋፊተይ’ያ ነይራ” ይብል።
ምስ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ኣብ ሓደ ጋንታ
ሙሉ፡ ኣብ ውድድራት ዓቐበት ዕዉት’ዩ።
ብ2018 ወዲ 19 ዓመት ኰይኑ ድማ ነቲ ካብ 2015 ጀሚሩ ኣብ ዎርልድ ቱር ዝወዳደር ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ጽጋቡ ገብረማርያም፡ ኣብ ውድድር ሻምፒዮና ኢትዮጵያ ስዒርዎ።
በዚ ኣብቲ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝካየድ ዝሓየለ ምዃኑ ዝግለጽ ዙር ርዋንዳ ኣብ 2018፡ 2019 ከምኡ ከኣ 2020 ብምስታፍ ዓቕሙ ከርኢ ክኢሉ’ዩ።
“ከም ጕጅለ ጽቡቕ ውጽኢት ኢና ኣምጺእና፤ ኣጋጣሚ ኰይኑ ናይ ዓቐብ ወሲደ ብጠቕላላ ከኣ ሳልሳይ ኰይነ’የ ወዲአ። ኣብ ሓንቲ ስቴጅ ድማ ሳልሳይ ወጺአ፤ ቢጫ ማልያ ድማ ሳልሳይ ኰይነ ወዲአ” ይብል።
እዚ ውድድር፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ተጻወትቲ ብኻልኦት ጋንታታት ኣውሮጳ ክሕረዩ ዕድል ዝረኽብሉ መድረኽ’ዩ።
ብሓፈሻ ኣብ ዙር ርዋንዳ፡ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ፡ ምስ ኮንቲነንታል ጋንታ ዳይመንሽን ዳታን ምስታ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ዝወዳደረላ ዝነበረ ፕሮ ኮንቲነንታል ጋንታ ኒፖ ዴልኮን ብምዃን ኣብ ዝገበሮ ውድድር ኣብ 2018 ኣብ ሓደ መድረኽ ሳልሳይ ናይቲ ውድድር ኣምበሳ ዓቐብ ብምዃን’ውን ውድድሩ ክዛዝም ክኢሉ።
ሙሉ ክንፈ፡ ኣብ 2019 ሓንሳብ ሻዱሻይ፡ ወጺኡ ነይሩ፡ ኣብ 2020 ከኣ ካብ ኪጋሊ ናብ ሁየ ኣብ ዝተሰርዐት ካልኣይቲ መድረኽ ንኮሎምብያዊ ጆናታን ስቲረፖን ንወዲ ጋንታኡ ዝነበረ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ብቅጽበታዊ ውድድር ብምርታዕ ቀዳማይ ወጺኡ።
“ምስ ቢኒ ኣብ ሓንቲ ጋንታ ኣብ ርዋንዳ ኢና ተራኺብና። ከም ጋንታ ጽቡቕ ውጽኢት ነይሩና - ክልተ ስቴጅ ስዒርና፤ እታ ሓንቲ ኣነ ዝስዓርኩላ እያ። ብዝሒ ዓቐበት ስለ ዝዀነ ከኣ 8ይ ኰይነ ወዲአ። ክልተና ትግርኛ ስለንዛረብ፡ ብዝቐለለ ንረዳዳእ ነይርና - ሓደ ቋንቋ ክትዛረብ ከለኻ ኵሉ ነገር እዩ ዝቐለካ።”
ኣብ 2020 ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ክኸውን እንከሎ፡ ሙሉ ክንፈ ኣብ ብጫ ማልያ ካብ ናትናኤል ብ4 ደቒቕን 27 ካልኢትን ድሒሩ መበል 8 ኰይኑ’ዩ ዛዚሙ።
ሙሉ ክንፈ ኣብ 2018 ንሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ብምውካል ኣብ ዙር ርዋንዳ ብምስታፍ ኣብ ብጫ ማልያ ካብቲ ቀዳማይ ኰይኑ ዝተወዓተ ርዋንዳዊ ሳሙኤል ሞጉሻ ብሓደ ደቒቕን ኣርባዕተ ካልኢትን ጥራይ ድሒሩ ሳልሳይ ኰይኑ’ዩ ውደድሩ ዛዚሙ።
ንመንእሰይ ኣብ እትወሃብ ጻዕዳ ማልያ ከኣ ካልኣይ ኰይኑ ብምዝዛም ናብ ፖንድየም ደይቡ።
ሙሉ፡ ኣብ 2019 ኣብ ዓዲ ጣልያን ኣብ ዝኻየድ ሓሙሽተ መድረኽ ዘለዎን 2.2 ዝልካዕን ጂሮ ቺክሊስቲኮ ደላ ብምውድዳር ኣምበሳ ዓቐበት ክኸውን እንከሎ ንመንእሰይ ኣብ እትወሃብ ጻዕዳ ማልያ ከኣ ሳልሳይ ኰይኑ ወዲኡ።
ሙሉ ክንፈ ኣብዛ ዓመት 2023፡ 49 መዓልታት ውድድር ብምክያድ 7594 ኪሎ ሜትር ዘዊሩ ንውልቁን ንሃገሩን ኣብ ዩሲኣይ 76 ነጥቢ ኣዋህሊሉ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
‘ወይ ክኣቱ’የ፡ ወይ ክመውት’የ’
ሙሉ፡ ኣብ መጀመርታ 2020 ኣብ ጸወታታት ኣውሮጳ ክትወዳደር ብቕዕቲ ምስ ዝዀነት ፈረንሳዊት ጋንታ ኒፖ-ዴልኮ-ዋን ክሳብ 2022 ውዕል ገይሩ ነይሩ።
ኣብ ኣውሮጳ ዝነበሮ ጸወታታት ወዲኡ ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲ 2020 ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሱ። ፖለቲካ እታ ሃገር ብዛዕባ ሒዙዎ ዝመጽእ ዝነበረ ብድሆታት ግን ዝዀነ ግምት ኣየሕደረን።
ንነዊሕ ዓመታት ዓሌታዊ ወጥሪ ከተአንግድ ዝጸንሐት ኢትዮጵያ፡ ኣብ መጀመርታ ሕዳር መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ፖለቲካ ትግራይን ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣትዮም።
ሓደ ሕዳር ዓዲግራት ዝኣተወ ሙሉ፡ “ዕለት ሰለስተ ናብ መቐለ መጺአ፤ ሽዑ ኲናት ተጀሚሩ። ኵሉ ነገር’ዩ ዝፈረሰኒ፤ ሓደ/ ክልተ ሰሙን ኣዕሪፈስ ሓድሽ ምድላው ክጅምር ዝብል መደብ’ዩ ነይሩኒ እምበር ካልእ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረን” ብምባል ይዝክር።
ኣብቲ ግዜ፡ ኣገልግሎት መጓዓዝያ፡ መብራህቲ፡ ስልክን ባንክን ኵሎም ዓይነታት ማሕበራዊ መራኸቢታት ተቛሪጾም፤ ጽዑቕ ኲናት ይካየድ ነይሩ።
“መቐለ ምስ ኣተኹ ኵሉ ነገር ተዓጻጽዩ፤ ዝነበረኒ ነገራት ኵሉ ኣብ ዓዲግራት እየ ገዲፈዮ፤ ኣነን ስድራይን መቐለን ዓዲግራትን ኴንና ደሃይ ስድራ’ውን ኣይነበረንን፤ ኣብ መቐለ ምስ ኣዕሩኽተይ ተጸጊዐ እየ ዝነብር ዘለኹ፤ ባንኪ ተዓጽዩ ገንዘብ የለን፤ ከቢድ ግዜ፣ ሓያል ጭንቂ ነይሩ” ይብል።
ክሳብ ጥሪ ብዘይ ዝዀነ ምድላው ኣብታ ዝተዓጽወት ከተማ ጸኒሑ። እቲ ጭንቅን ጸበባን ከም ምሕላፉ እንተሓለፈ’ውን፡ ኣብ ስግር ማዕዶ ዘሎ ስርሑ ኣብ ሓደጋ ወዲቝ።
4 ጥሪ 2021 ክምለስ እንተዘይክኢሉ፡ እቲ ንኽልተ ዓመት ዘገልግሎ ናይ ኣውሮጳ ናይ ስራሕ ቪዛ ዋጋ ኣይክህልዎን። ግን፡ እዚ ሓደጋ እንከይመጽአ እንከሎ ከመይ ኢሉ ካብታ ዝዀነ ዓይነት ስሩዕ መጓዓዝያ ጠጠው ዝበለላ ትግራይ ይውጻእ?
“ሳይክል ክቕጽል እንተዀይነ ሓንቲ ኣማራጺ ጥራይ እያ ዘላትኒ፤ ግድን ብኡ መስዋእቲ ከፊለ ወጺአስ ናብታ ጋንታ ምምላስ’ዩ። ስለዚ ካብ መቐለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ሓደገኛ ብዝዀነ መገዲ ብመኪና እናቘራረጽኩ ናብ ኣዲስ ኣበባ ጕዕዞ ጀሚረ፤ ወይ ክኣቱ’የ ወይ ክመውት’የ ኢለ ንዕድለይ’የ ወጺአ። ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ጕዕዞ ናብ ፈረንሳይ ወጺአ።”
ኣብቲ እዋን እቲ፡ ብዙሓት ኣብ ትግራይ ዝነበሩ ንኣሽቱን ዓበይትን ተጻወትቲ፡ ተስፋ ቈሪጾም፡ ብሽክለታኦም ክሳብ ምምላስ ዝበጽሑ ኣለው።
እቲ ኲናት፡ ሓያሎ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ዘውረደ ክኸውን እንከሎ፡ ኣስታት 600 ሽሕ ሰባት በቲ ኲናት ሞይቶም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት።
ካብ ፕሮፌሽናል ናብ ኣማተር ወሪድካ ምድያብ
ንኵሉ ብድሆታት ተሳጊሩ ኣውሮጳ ኣትዩ፤ ደሃይ ኣብ ዓዲ ዝገደፎም ስድራ ዝረኽበሉ ኰነ ብሰላም ምእታው ዝሕብረሉ መገዲ ርክባት ግን ተቛሪጹ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ከቢድ ጭንቅን ስነ ልቦናዊ ጸቕጥን ከም ዝኣተወ ይዛረብ።
ንሰለስተ ኣዋርሕ ልምምድ ዘይምግባሩ ተደሚሩ ከኣ ኣብ ውጽኢቱን ብቕዓቱን ጽልዋ ከም ዘሕደረ ጠቒሱ።
“ናብ ፈረንሳይ ተመሊሰ ድማ ጽቡቕ ኣየጋጠመንን፤ መጺአ ተሰይረ። ብሰንኩ ንልዕሊ ሽዱሽተ ወርሒ ካብ ሳይክል ወጺአ ጸኒሐ። ኣብ መወዳእታ ዓመት ጀሚረ፤ ጽቡቕ ውጽኢት ግን ኣይነበረንን።”
እታ ብኮቪድን ካልእን ተጸልያ ዝጸንሐት ጋንታ ደሊኮ’ውን፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን ክልተ መወልታ ስለ ዝሰኣነት ስርሓ ኣቋሪጻ። እዚ ንሙሉ ጽቡቕ ዜና ኣይኰነን።
ጋንታ የብሉን፣ ኣብ ጽቡቕ ብቕዓት የለን፣ ብሰንኪ ኲናት ናብ ዓዱ ክምለስ ኣይኽእልን፤ ኵሉ ጽልምትምት ምስ በለ . . . “ብሽክለታ ገዲፈ ካልእ ስራሕ ክእልሽ” ናብ ዝብል መሪር ሓሳባት ኣትዩ።
ኣብ መንጐ፡ ካብ 2019 ኣትሒዙ ኣሰልጣኒኡ ዝነበረ ስጳኛዊ ኢጐይ ማርቲነዝ መልኣኽ ኰይኑ ኣብ ጐድኑ ደው ኢሉ። ‘ከተቋርጾ የብልካን፤ ምስ ኣማተር ኴንካ ትጅምር’ ብምባል ኵሉ ዓይነት ምትሕግጋዛት ገበረሉ።
ኣብ መጀመርታ 2022 ድማ፡ ንጸወታ ጥራይ ምስ ሓንቲ ‘ግሎባል 6’ ዝተባህለት ጋንታ ካብ ፕሮፌሽናል ወሪዱ ናብ ኣማተር ጋንታ ኣትዩ።
እቶም ኣብ ዓበይቲ ጸወታታት እንከይተረፈ ከነጻውተካ ኢና ኢሎም ዘፈረሙዎ ከጻውትዎ ስለ ዘይክኣሉ ግን ሕጂ’ውን ተስፋ ክቘርጽ ጀመረ።
“ኵሉ ተደራሪቡኒ ርእሰይ ብትኽክል ክሰርሕ ኣይክኣለን፤ ናብ ፕሮፌሽናል ንኽትምለስ ብጣዕሚ’ዩ ከቢድ። ንክነብር ግን ዝኽፈለሉ ስራሕ ክሰርሕ ነይሩኒ፤ ኣብ ስደት ክራይ ገዛ፡ መግቢ፡ ኣሎ። ከቢድ እዩ። ብሽክለታ ከቋርጾ መሪጸ።”
ውሽጠይ ግን፡ ኣብ ሙሉ ተስፋ ስለ ዘይቈረጸ፡ “ ‘ኣይትገድፎን፤ ነታ ዘለኹዋ ጋንታ (ካሃ ሩራል - Caja Rural) ከዛርቦም’የ። ምስኣ ኣማተር ኴንካ ትጅምር’ ይብለኒ። ንሶም’ውን ‘ናይ ቀደም ዓቕምኻ ስለ እንፈልጦ እዚ ዕድል ክንህበካ ሰለስተ ወርሒ ኣለካ፤ ዓቕምኻ ኣርእየና ከነዕብየካ ኢና’ ኢሎምኒ” ይብል ሙሉ።
ሙሉ ክንፈ፡ ነዛ እንኮ ዝተረፈት ዕድል ተጠቒሙ፡ ሽዱሽተ ግዜ ቀዳማይ ብምውጻእ ተዓዊቱ፤ ዓቕሙን ኣፈጻጽማኡን ተመሓይሹ። እታ ጋንታ ድማ ን2023 ናይ ሓደ ዓመት ውዕል ኣፈሪማ ናይ ብሽክለታ ሕልሙ ክናዋሕ ገይራ።
ንኽልተ ዓመት ካብ ስድራኡን ዓዱን ርሒቑን ዘሕለፎም ግዜያት ኣዝዮም ከበድቲ እንተነበሩ’ውን፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ሕዳር 2022 ዝተበጽሐ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ተዅሲ ደው ብምባሉ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ናብ ትግራይ ተመሊሱ ምስ ስድራኡን መሓዙቱን ክራኸብ ክኢሉ።
“ኣብ ዓዲ በጺሐ ምስ ተመለስኩ ዓቕመይ ይምለስ ኣሎ፤ ኣብ ውድድር ቻምፒዮን ኢትዮጵያ ተጻዊተ ሳልሳይ ኰይነ ወዲአ። ጽቡቕ ለውጢ ርእየ ኣለኹ፤ ጋንታና ካብዘን ኣለዋ ዝበሃላ ዓበይቲ ጋንታተት ስጳኛን ሓንቲ (ፕሮ ኮንቲነንታል) እያ። ኣብ ዓለምና ሰለስተ ዓበይቲ ጸወታታት ኣለው - ቱር ዲ ፍራንስ፡ ጂሮ ዲ ኢታሊ፡ ቮልታ ስጳኛ። በዛ ጋንታ ኣብ ስጳኛ ክንጻወት ንኽእል ኢና፤ ኣብ ኵሉ ዓበይቲ ጸወታታት ክኣ ክንሳተፍ ንኽእል ኢና” ብምባል ጋንታኡ ንዝሃበቶ ዕድላት የመስግን።

ምንጪ ስእሊ, Mulu Kinfe/ Instagram
'ብሽክለታ እናተቐንዘኻ ኢኻ ትፈትዎ'
ፕሮፌሽናል ተጻዋታይ ሙሉ ሃይለሚካኤል፡ ንተቐዳዳማይ ብሽክለታ ዝኸብዳ ክልተ ነገራት - ብሽክለታን ዝናን ምዃነን ይዛረብ።
ብደረጃ ዓለም ፕሮፌሽናል ተጻወትቲ ዝሕዙወን ብሽክለታ ኣዝየን ክቡራት፡ ዘካይድዎም ውድድራትን ምድላዋትን ድማ ኣዝዮም ከበድቲ ክንሶም፡ ኣብ ውድድራት ዝወሃቦም ገንዘብ ኣዝዩ ትሑት ከም ዝዀነ ይጠቅስ።
“እንሕዘን ብሽክለታ ኣቝሑተን ይፈላለ እዩ፤ ብውሑድ 6.8 ኪሎ እያ ናብ ውድድር ሒዝካያ ክትኣቱ እትኽእል (እታ ዝፎኸሰት)። ኣብ ዓድና ዝኸብደካ ምስቲ ዘለና ቁጠባ ሓደ ሰብ ብውልቁ ሳይክል ሒዙ ክዓቢ ከቢድ እዩ። ሓንቲ ሳይክል ብውሑድ ካብ 3 ክሳብ 10 ሽሕ ዩሮ ትበጽሕ፤ ናተይ ኣስታት 5 ሽሕ ዩሮ እዩ ዋግኣ” ኢሉ።
ሙሉ፡ ብውሑድ ንልዕሊ ኣርባዕተ ሰዓታት ኣብ ሰሙን ሽዱሽተ ግዜ ልምምድ ከም ዝገብር ይዛረብ።
እዚ፡ መውደቕቲ፡ መጕዳእቲ፡ ቁሪ፡ ጽሓይን በረድን ተወሲኹዎ ኣዝዩ ከቢድ ይገብሮ።
“ብሽክለታ፡ ሓያል ድኻም ኣለዎ፤ እናተቐንዘኻ ኢኻ ትፈትዎ። ግን ፍቕሪ እንተሃልዩካ ኵሉ ነገር ትሓልፎ ኢኻ” ዝብል ሙሉ፡ ከምዚ እንተዀይኑ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ውድድራት ክትዕወቱ እንከለኹም ክንደይ ትሽለሙ? ኢለ ሓቲተዮ።
“ንኣብነት ይዝክር፡ ኣብ ቱር ርዋንዳ ኣብዛ ናይ ዓቐብ ቀዳማይ ወጺአ፡ ኣደይ ‘ወድኺ መኪና ተሸሊሙ’ ተባሂላ። ሽዑ ግን 300 ዶላር እየ ተሸሊመ፤ እዚ ክኣ፡ ኣብ መንጐ ሓሙሽተ ተጻወትቲ፡ ኣሰልጣኒ፡ መካኒክ ኢኻ ትማቐሎ። ካብዚ ክንደይ ትበጽሐካ? ብጣዕሚ እዩ ዝኸብድ። ዝና ደኣ ኣለዎ ደስ ይብለካ እምበር ሽልማትስ የብሉን፤ ካብ ቅርሺ ዋንጫ ክሽለም ይመርጽ፤ ምኽንያቱ ኵሉ ሻብ ስለ እትርእዮ” ክብል መሊሱ።
ብፍላይ ምስቲ ዘጥረዮ ዝና፡ ኣብ ዓዲ ዘሎ ቤተሰብ ዝህልዎ ትጽቢትን ዝፈጥረሉ ስክፍታን ክገለጽ እንከሎሙሉ፡ "ዝሓለፈ ዓመት ሕማቕ ግዜ ኰይኑ ብስኸፈት’የ ኣሕሊፈዮ። እቲ ህዝቢ’ውን ኣብ ጸገም ስለ ዝጸንሐ ቤተሰበይ፣ መሓዙተይ ካባይ ክደልዩ’ዮም። ኣነ ዘጋጠመኒ ሓደጋ፡ ጋንታ ዘይብለይ፡ ደሞዝ ዘይብለይ ምዃነይ ግን ኣነ ጥራይ’የ ዝፈልጦ። ሽዑ ዓድኻ ክትምለስ ከለኻ ካባኻ ዝጽበ ዝነበረ ካባኻ ዋላ ሓደ ዘይክረክብ እንከሎ ይስምዓካ፡" ይብል።
ኣብ መወዳእታ፡ 'ብሽክለታ ብኻ ምተረፈኒ . . . ምገደፍኩዎ ትብል’ዶ?' ተባሂሉ ንዝቐረበሉ ሕቶ፤ 'ዳርጋ ወትሩ ኢኻ እምበር ከምኡ ትብል፡ ክስምዐካ እንከሎ፡ ደኺምካ ኣብቲ ዝደለኻዮ ከይበጻሕካ ክትተርፍ ከለኻ፡ ወይ ተቘሪጽካ በይንኻ ክትከይድ ከለኻ ወይ ሕማቕ ቍሪ ከጋጥመካ እንከሎ . . . ኵሉ ነገር ጭንቕ ክብለካ እንከሎ ታይ ኰይነ እየ ብሽክለታ ዝጀመርኩ ትብል እሞ፡ ተመሊስካ ምስ ኣዕረፍካ ኵሉ ትርስዖ፤ [ሰሓቕ]

ምንጪ ስእሊ, Mulu
ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ሙሉ ሃይለሚካኤል፡ ኣብዚ እዋን ምስታ ዘለዋ ጋንታ እንተቐጺሉ ኣብ ቮልታ ስጳኛ ንክኣቱ ይትስፎ።
ንዕረፍቲ ኣብ ዝህልዎ ግዜ ግን፡ ናብ ዓዲግራት ተመሊሱ ሓረስቶት ስድራኡ ክሕግዝ እዩ።
“ሎሚ፡ ንዓጺድ ዘርክብ ኣይመስለንን፡ መኼዳ እንተሃልዩ ግን ክሕግዝ’የ። ክሓርስ ደስ ይብለኒ። ኣብኡ እየ ግዜይ ከሕልፎ።”
እተን ኣብ ፈለማ ብሽክለታ ዘንፍሳሉ ዝነበረ ኣደኡ፡ ሕጂ ቀንዲ ደጋፊት ወደን ኰይነን ኣብ ስጳኛ ብዛዕባ ዘሕልፎ ዘሎ ግዜን ጸወታታትን ከውግዐን ይጽበያ ኣለዋ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







