''ብሽክለታ ተቐበለኒ፡ ነቦይን ኣደይን ክሕግዝ፤ ጠሚና'' - ስፖርት ትግራይ ኣብ ዕጽዋ

ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ኣብ ስልጠና

ምንጪ ስእሊ, HAILE MELEKOT

ብሰንኪ ኲናት ማእለያ ዘይብሉ ሞት፡ ምፍንቓልን ስደትን መከራን ጸይራ ዘላ ትግራይ፡ ሕጂ'ውን ወግዓዊ ዘይኮነ ዕጽዋ ሸፊንዋ ነበርታ ብስእነት መሰረታዊ ቀረባት መግቢ፡ መድሃኒት ኣገልግሎታትን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ሸሚምዎም ከምዘሎ ካብቲ ክልል ዝወጽኡ ሓበሬታታትን ጸብጻባት ትካላት ሰብኣዊ ረድኤትን የመልክቱ፡፡

ልክዕ ከምቲ ኣብ ትምህርቲ፡ ጥዕና፡ ሕርሻን ካልኦት ዓውዲታትን ዝበጽሐ ዕንወት፡ ስፖርታዊ ንጥፈት ትግራይ'ውን ከቢድ ክሳራን ደውታን ኣጋጢምዎ ኣሎ፡፡

ኣብ ኩዕሶ እግሪ ትግራይ ዓብዪ ወያነ (ሰውራ) ኣልዒለን ኣብ ሓጺር እዋን ኣብ ፕረምየር-ሊግ ኢትዮጵያ ብቕዓተን ዘርኣያ ጋንታታት፡ መቐለ 70 እንደርታ፡ ወልዋሎን ስሑል ሽረን ተጻወትተን ተበቲኖም ካብ ሞያኦም፡ ተገሊሎም ገለኦም ድማ ናብ ሓይልታት ትግራይ ተጸምቢሮም፡፡

ንዓመታት ትግራይ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነገሰትሉ ቅድድም ብሽክለታ፡ ተናሓናሒት ዝነበረትሉ ኣትሌቲክስን'ውን ሎሚ ታሪኽ ኰይኑ እዩ፡፡

ስታድዮማት ጨና ሰብ ኣብ ዝሰኣኑሉ፡ ጐደናታት ብጽምዋ ኣብ ዝተወሓጥሉ፡ ብዝኸፍአ ድማ በሊዕካ ምሕዳር ብርቂ ኣብ ዝዀነሉ ኵነታት፡ ብዛዕባ ስፖርት ምዝራብ ሕንቃቐ ክመስል ይኽእል፡፡

'ክንዲ ድላዩ ይንዋሕ እዚ ለይቲ ምውግሑ ኣይተርፎን' ዝብል ሓደ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ግን፡ ኣፍላ መንእሰያት ሒዙ፡ ሎሚ'ውን ኣብ ቀዝሕን ሃሩርን ብተስፋ ሒዙ ሓዀት ይብል ኣሎ፤ ሃይለመለኮት ወልደኣብዝጊ፡፡

ዕዉት ቅድድም ሻምፕዮና ብሽክለታ ኢትዮጵያ 2017ን 2021 ሃይለመለኮት፡ ቱር ርዋንዳን ላ ትሮፒካለ ኣሚሳባንጎን ሓዊሱ ኣብ ዝፈላለዩ ሃገራት ኣፍሪቃን ኣውሮጳን ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ተሳቲፉ እዩ፡፡

ኣብ 2016 ምስ ስጳኛዊት ክለብ ኣልድሮ፡ ከምኡ ድማ ኣብ 2018 ድማ ምስ ካልእ ስጳኛዊት ክለብ ካሃ ሩራል ተጻዊቱ፡፡

ብድሕሪኡ ናብታ ዝዓበየላ ጋንታ ጉና ምስተመለሰ፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ካብ ስጳኛውያን ብዝረኸቦ ሓገዝ 20 ብሽክለታታት፡ ትሕቲ 15 ዓመት ተተካእቲ ብሽክለኛታት ዝፈርዩሉ 'ሶሊዳሪቲ ሳይክሊንግ ፕሮጀክት' ኣብ ከተማ መቐለ መስሪቱ፡፡

ሃይለመለኮት

ምንጪ ስእሊ, HAILE MELEKOT

ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ናብ ካልኦት ጋንታታት ንምጽምባር ዝነበሮ ባህጊ ዝተጓተቶ ሃይለመለኮት፡ እቲ ኣብ 4 ሕዳር 2020 ኣብ መንጎ መንግስታት ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዝተወለዐ ኲናት ዝያዳ ክጽልምት ገይርዎ፡፡

''ሻምፒዮን ኢትዮጵያ ስለዝዀንኩ ኣብ መስከረም 'ወርልድ ሻምፒዮና፥ ነይሩና እዩ፡፡ ሓንቲ ናይ ትራንስ ተጻዋቲት እውን ኣብ ስፐይን ፕሮፌሽናል ጋንታ ረኺባ ነይራ፡፡ ኰይኑ ግን መንገዲ ተዓጽዩዋ፡፡''

''እዚ ዅሉ ዝደኸምካሉን ጻዕዳ ጨው ዘውጻእኻሉን ሕልምኻ ብኸምዚ ክተርፍ ከሎ ውሽጥኻ ደስ ኣይብሎን፡፡ ብፍላይ ስፖርት፡ ቢሮን ወረቐትን ዘይኮነስ ብዙሕ ድኻምን ጻዕርን ዘድልዮ እዩ፡፡ ብዙሕ ለፊዕካ፡ ብዙሕ ዓመት ተጸቢኻ እትረኽቦ እዩ፡፡ ብጣዕሚ ጸልዩና እዩ፡'' ይብል እቲ ንኣስታት 18 ኣዋርሕ መዕለቢ ዘይረኸበ ኲናት ኣብ ህይወቱን ህይወት ካልኦት ስፖርታውያንን እቲ ክልልን ንዘውረዶ ጉድኣት ብምስትንታን፡፡

ኰይኑ ግን፡ ነታ ጽባሕ ተተካእቲ ክፈርዩላ እዮም ኢሉ ዝኣምነላ ፕሮጀክት ህጻናት ደው ኣየበላን፡፡ ኣብታ ኣብ ዕጽዋ ዘላ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ጸገማት ኰይኑ ምስቶም ህጻናት ዓቐብ ቁልቁል ይጋልብ ኣሎ፡፡

''ተተካእቲ ክንስእን የብልናን''

ኣብ ከተማ መቐለ ተወሊዱ ዝዓበየ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ሃይለመለኮት፡ ወዲ 13 ዓመት ኰይኑ እዩ ምስ ውድድር ብሽክለታ ተላልዩ፡፡

ኣብቲ እዋን ብሽክለታ ንምግዛእ ዓቕሚ ስለዘይነበሮ፡ ብሽክለታ እናተኻረየ እዩ ልምምድ ጀሚሩ፡፡

ኣብ 2001 ዓ/ም ሻምፒዮና ከተማ መቐለ ምዃኑ ድማ ኣብቲ ዝቕጽል ዓመት ካብተን ፍሉጣት ጋንታታት ብሽክለታ ትግራይ ሓንቲ ናብ ዝኾነት ጋንታ ጉና ክጽምበር ሓጊዝዎ፡፡

ብፍላይ ካብ 2013 [ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ] ጀሚሩ ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ከምዝተሳተፈ ዝገልጽ ሃይለመለኮት፡ ናብ ዝሓሸ ጸፍሒ ስርሑ ኣብ ዘማዕድወሉ እዩ ኲናት ትግራይ ኣጋጢሙ፡፡

''ክልተ ግዜ ኣብ ርዋንዳ፡ ሓደ ግዜ ኣብ ጋቦን፡ ሞሮኮ፡ ዱባይ ከምኡ እውን ኣብ ኣውሮጳ ኣብ ፈረንሳይን ስፐይንን ተሳቲፈ እየ፡'' ይብል፡፡

ተቐዳደምቲ ብሽክለታ

ምንጪ ስእሊ, HAILE MELEKOT

ኣብ 2015 ኣብ ስፐይን ዝረኸቦ ዕድል ስልጠና፡ ኣብ ስፖርት ብሽክለታ ዕዉት ንምዃን ከቢድ ጻዕሪ ከምዝሓትት ክርዳእ ከምዝገበሮ ዝዝክር ሃይለመለኮት፡ ኣብቲ ዓውዲ ኣብ ትግራይ ኣበርክቶ ክገብረሉ ዝኽእል ፕሮጀክት ክኸፍት ምልዕዓል ከምዝፈጠረሉ ይዛረብ፡፡

''ቅድሚ ሰለስተ ዓመት እየ ኣካዳሚ ከፊተ፤ 20 ህጻውንቲ ደቂ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ዘለውዎ፡፡ 2015 ዓቕምና ክነርኢ ዘይኮነስ ክንስልጥን ኢና ኬድና፡፡ ብዙሕ ዘይንፈልጦ ነገራት ነይሩ፡፡ እቲ ዝተምሃርናዮ ኣብዚ መጺእና ክነምህር ድማ ግድን ነይሩ፡፡''

ሃይለመለኮት ካብ ስጳኛውያን ብሓገዝ ብዝረኸበን 20 ብሽክለታታት፡ 'ሶሊዳሪቲ ሳይክሊንግ ፕሮጀክት' ኣብ ከተማ መቐለ መስሪቱ፡፡

ዋላኳ ንሱ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስን ኲናት ትግራይን ካብ ውድድራት እንተበኾረ፡ እቶም ህጻናት ከይብተኑን ካብ ሕልሞም ከይተርፉን ብተስፋ ላዕልን ታሕትን ምባል ቀጺሉ፡፡

''ዓበይቲ፡ መብዛሕትኦም ኣብ በረኻ እዮም ዝቃለሱ ዘለዉ፡፡ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ዓመት ካብ ምጽባይ ንምንታይ ህጻናት እናስራሕኩ ዘይጸንሕ ብዝብል እየ ቀጺለ፡፡ ካብ ጀመርኩዎ ንምንታይ ደው የብል ብዝብል ክሳብ፡ ሕዚ ምስፈተናታቱ የሰልጥኖም ኣለኹ፡፡

''ምስጸገማትና ትሬይኒን ደው ኣየበልናን፡፡ ዓበይቲ ደው ኢልና ኢና ዘለና፤ ማንም ዝወዳደር የለን፡፡ ስለዚ ተተካኢ ክንስእን የብልናን፡፡''

ቅድም ኢሉ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታ ትግራይ ደብዳብ ነፈርትን ድሮንን ይካየድ ስለዝነበረ ስግኣት ከምዝነበሮም ዝገልጽ ሃይለመለኮት፡ ኮይኑ ግን ንሕልሚ እቶም ህጻናትን ስፖርት እቲ ክልልን ክብል ሓደጋ እንተጋጠመ'ውን ከም መስዋእቲ ክንቅበሎ ወሲንና፡ ይብል፡፡

''ዝበልክዎም ኣሚኖም እዮም ዝገብሩ፡፡ ትሬይኒን ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ዘሎ ሓቂ'ውን እየ ዘረድኦም፡፡ ንሕና እንድሕር ዘይሃሊና መን ይትክእ'የ ዝብል፡፡ ዕድሚኦም መሰረት ጌርካ፡ ኣብ ብሽክለታ ኣብ ዕድመ ኢኻ ትጻወት፡፡ ካብ 17 ክሳብ 23 ዓመት ግድን ወጽኢት ክተምጽእ ኣለካ፡፡ ስለዚ እንድሕር ሰሪሖም ንሳቶም እዮም ክትክኡ ዝኽእሉ፡፡ በዚ መንጽር እየ ዝቓንዮም፡'' ክብል ይገልጽ፡፡

ሃይለመለኮት

ምንጪ ስእሊ, procyclingstatus.com

''ብሽክለታ ተቐበለኒ፡ ነቦይን ኣደይን ክሕግዝ፤ ጠሚና''

ዋላ'ኳ ካብቶም ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ስልጠና ዝጀመሩ ህጻናት መብዛሕትኦም ስልጠናኦም ይቕጽሉ እንተሃለዉ፡ ሓሙሽተ ሰልጠንቲ ግን ብሰንኪ እቲ ዕጽዋ ብዘጋጠመ ጥምየት፡ ካልኦት ጸገማትን ንስድራቤቶም ንምሕጋዝን ስልጠና ደው ከምዘበሉ ሃይለመለኮት ይዛረብ፡፡

''ሓደ ሓደ ግዜ ቁርሲ ከይበልዑ መጺኦም ዝሰርሕሉ እዋን ኣለው፡፡ ሓደ ሓሙሽተ ዝዀኑ ኣቋሪጾም እዮም፤ ገሊኦም ብጥምየት ከምዘቋረጹ ይገልጹ፡'' ይብል፡፡

ገሊኦም ካብቶም ህጻናት ደብዳበ ጽሒፎም ጠጠው ምባሎም ከምዝነገርዎ ዝገልጽ እቲ ኣሰልጣኒ፡ ሓንቲ ንሰለስተ ዓመታት ምስኡ ዝጸንሐት ትስፍውቲ ህጻን ብሰንኪ ጥምየት ስልጠና ደው ክተብል ከምዝተገደደት ገሊጻ ብሽክለታ ከምዘረከበቶ ብሓዘን ይገልጽ፡፡

''ሃይለመለኮት ኢላ ናብ ገዛይ መጺኣትኒ። 'ታማ ብዳሕና'… ይብላ? 'ኣይይይ ደሓን እየ' ትብለኒ ዓይና ንብዓት መሊኡ... ብሽክለታ ተቐበለኒ ነደይን ኣቦይን ክሕግዝ - ጠሚና፡ እሞ ኣብ ካፈ ብርጭቆ ክሓጽብ፡'' ከምዝበለቶም ኣዝዩ እናሓነዘ ከምዘፋነዋን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምስሊ ናይታ ሰገን ኣሰንዩ ጽሒፉ ነይሩ፡፡

ኣብ ፈለማ ካብ ስጳኛውያን ሓገዝቲ ደገፍ ይግበረሎም ከምዝነበረ ዝገልጽ ሃይለመለኮት፡ ኣብዚ እዋን ግን ክረኸብዎም ብዘይምኽኣሎም ከምዝተጸገሙ ይዛረብ፡፡

ኮይኑ ግን ካብ ባዕሉን ፈተውቱ ብምትሕብባርን ብሽክለታን ካልኦት ኣድለይቲ ነገራት ንምምላእ ከምዝፍትን ይሕብር፡፡

''ፕሮፌሽናል ተወዳዳሪት ክኸውን ይደሊ''

ራህዋ ተስፋይ ካብቶም ኣብ ጋንታ ሃይለመለኮት ዝስልጠኑ ህጻናት ሓንቲ እያ፡፡ ነዞም ብድሆታት ሓሊፋ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳሚት ብሽክለታ ክትከውን ከምእትደሊ ትገልጽ፡፡

''ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኢና ስልጠና ጀሚርና፡፡ ጽቡቕ ንሰርሕ ኣለና፡፡ ጸገማት ግን ኣለውና፡፡ ብሽክለታታት ይበላሸዋና እየን፤ ሕጽረት ምግቢ'ውን ኣለና፡፡ ትምህርቲ'ውን ስለዘየለ ንስልጥን ኣለና፡፡ ፕሮፌሽናል ተወዳዳሪት ክኸውን ይደሊ እየ፡፡''

''ንትግራይ ዓድና ክነጸውዓ ስለእንደሊ ክሳብ ሕዚ ብዓቕምና ንሰርሐ ኣለና፡'' እትብል ካልእ ሰገን ድማ፡ ኣብ ዝምነይዎ ንምብጻሕ ደገፍ ከምዘድልዮም ትዛረብ፡፡

''ክሳብ ሕዚ ብዙሕ ተፈቲንነ ኢና፡፡ ብምግቢ ብናይ ብሽክለታ ኣቑሑት ግን ንጽገም አለና፡፡ ገንዘብን መሃያን ስለዘየለ ብብዙሕ ነገር ንጉዳእ ኣለና፡፡ ኣብ ምግቢ፡ ጂምን ናይ ብሽክለታ ማተርያላትን ደገፍ ንደሊ ኢና፡፡''