'ኣብ ወርሓዊ ጽግያተይ እንከሎኹ ክጻወት ተገዲደ'

 ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍሪቃ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ወርሒ ሓምለ ክካየድ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ተፈታውነቱ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ዘካትዕ ኣይኰነን።

እዚ ምዕባለ'ዚ ግን ብብዙሕ መዳይ ብድሆ የጋጥሞ ከምዘሎ እዩ ዝንገር።

ሓደ ካብዞም ብድሆታት ድማ ምስ ጥዕና ወርሓዊ ጽግያት ተጻወትቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝተኣሳሰር እዩ።

ኣብ ኤውሮጳ ብፕሮፌሽናል ጸወታታት ኰይና ብዙሕ ግዜ ዘሕለፈት ኬንያዊት ኤሰ ኣኪዳ፡ ኣብ ኣህጉራ ኣፍሪቃ ዓቢ ፍልልይ ኣተሓሳስባ ኣስተብሂላ'ያ።

ኣኪዳ፡ "እተን ብፕሮፌሽናል ደረጃ ዝተጻወትኩለን ጋንታታት፡ ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት ናይ ዘይምጽዋት ኣማራጺ ነይሩና፤ ኣብዚ ኣብ ኬንያ ግን ከምኡ የለን" ክትብል ብዛዕባ'ቲ ዘሎ ጸገም ንቢቢሲ ስፖርት ኣፍሪቃ ገሊጻ።

"ከቢድ ዋሕዚ መድመይቲ ዘለወን ክጻወታ ዘይኽእላ ደቂ ጋንታይ ነይረን። ኣነ ኣብ ወርሓዊ ጽግያተይ እንከለኹ ሸቶ ኣመዝጊበ ይፈልጥ'የ፡ ግን ምቾት ኣይስምዓንን ነይሩ።"

ኣብ ግሪኽ፡ ቱርኪን እስራኤልን ድሕሪ ምጽዋት ኣብዚ ሕጂ እዋን ናጻ ዝዀነት ኣጥቃዒት፡ ምስ ኬንያውያን ክለባት ማቱን ቲካ ኲንስን ኣብ ሃገራ እያ ኩዕሶ ምጽዋት ጀሚራ።

ኣብ ኣፍሪቃ ዝነበራ ተመኵሮ ድማ፡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ዝያዳ ርድኢት ከምዘድሊ እዩ ዘጉልሕ።

"ኣብ ግዜ ወርሓዊ ጽግያት ንምጽዋት ደስ ከምዘይብለኒ ንሓደ ካብ ኣሰልጣንየይ ክነግሮ ይዝክር" ትብል እታ ጓል 32 ዓመት ተጻዋቲት።

"ኰኸብ ተጻዋቲት እየ ኢለ ስለ ዝሓሰብኩ ጥራይ ምጽዋት ዘይደለኹ እዩ መሲልዎ።"

ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ (ካፍ) ካብ 2021 ጀሚሩ፡ ጥዕና ወርሓዊ ጽግያት ብዝምልከት ባህሊ ስቕታ ንምምካት ክሰርሕ ጸኒሑ እዩ።

ናይዚ ዕላማ፡ ኣሰልጠንትን ሰራሕተኛታት ጋንታታት ብብዝሒ ብደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝተዓብለሉ ኵነታት፡ ተጻወትቲ ንምስሳን ዝሕግዝ ዝያዳ ምቹእ ሃዋህው ንምፍጣር እዩ።

ኣብ ካፍ ሓላፊት ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ መስከረም ጎሽሜ፡ ንቢቢሲ ስፖርት ኣፍሪቃ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ጥዕና ወርሓዊ ጽግያት "ምስ ስድራና እኳ እንዛተየሉ ነገር ኣይኰነን" ኢላ።

ኤሰ ኣኪዳ ካብ 2012 ጀሚራ ምስ ኬንያዊት ክለብ ሃራምቢ ስታርሌትስ ተጻዊታ

ምንጪ ስእሊ, Hassan Juma

መግለጺ ስእሊ, ኤሰ ኣኪዳ ካብ 2012 ጀሚራ ምስ ኬንያዊት ክለብ ሃራምቢ ስታርሌትስ ተጻዊታ

"ብዛዕባ ዑደት ወርሓዊ ጽግያትን ተጻወትቲ ብኸመይ ኣርባዕተ ምዕራፋት ከምዝሓልፉን ተዛቲና ኣለና፡ ብመሰረት እቶም ምዕራፋት ድማ ብቕዓተን ክፈላለ ይኽእል'ዩ" ትብል እታ ኢትዮጵያዊት ሓላፊት።

"ጓል ኣንስተይቲ ኣትሌት ልክዕ ከም ወዲ ተባዕታይ ኣትሌት ዝሕሰባሉ ኣረኣእያ ኣሎ፡ ደቂ ኣንስትዮ ግን ንኣሽቱ ደቂ ተባዕቶት ኣይኰናን። ደቂ ኣንስትዮ ብመንጽር 'ፊዚዮሎጂ' ዝተፈልያ እየን።"

"ዑደት ወርሓዊ ጽግያት ኣብ ብዙሕ ባህልታት ኣፍሪቃ ከም ነውሪ እዩ ዝረአ" ክትብል እቲ ዘሎ ጸገም ተብርህ።

"ብዛዕባኡ ደጋጊምካ ክትዛረብ ከለኻ ግን ኣካል ናይቲ ዘተ ክኸውን ትገብሮ ኣለኻ።"

ድኽነት ወርሓዊ ጽግያት

ኣብ ኣፍሪቃ ገለ ደቂ ኣንስትዮ ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ'ውን ምስ 'ድኽነት ወርሓዊ ጽግያት' እናተቓለሳ ይርከባ። እዚ ድማ ኣብቲ ጸወታ ከመዝግብኦ ዝኽእላ ምዕባለ ክድርት ተኽእሎ ኣሎ።

ጥዕና፡ ድሕነትን ኣፈጻጽማን ደቂ ኣንስትዮ ዝተበሃለ ፕሮጀክት ፊፋ ኣብ 2023 ከምዘመልከቶ፡ ኣስታት 35 ሚእታዊት ኣብታ ኣህጉር ዝርከባ ተጻወትቲ ሓደ ሓደ ግዜ ኣረጊት ጨርቂ ከም መተካእታ ናውቲ ጽሬት ይጥቀማ።

"ኣብቲ ኣነ ዝርከበሉ ማሕበረሰበ፡ ወርሓዊ ጽግያት ኣዋልድ ናብ ኩዕሶ እግሪ ንኸይኣትዋ ዕንቅፋት እዩ፡ ምኽንያቱ ዋላ'ውን ናውቲ ጽሬት ንምግዛእ ገንዘብ ምርካብ ባዕሉ ብድሆ'ዩ ነይሩ" ትብል ኬንያዊት ኣኪዳ።

"ኣዋልድ ኣብ መንጎ ምጽዋትን ኣብ ገዛ ምጽናሕን ዘሎ ናይ ግዜ ሚዛን ክሕልዋ ኣለወን። ኣነ ደጋፊት ኣደ ብምርካበይ ዕድለኛ እየ።"

"ኵለን ኣብ ከባቢና ዝነበራ መዛኑየይ ከምኡ ዓይነት ዕድል ኣይነበረንን። ተስፋ ዘቑርጽ'ዩ ነይሩ።"

ኣኪዳ፡ ካፍን ፊፋን ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ፡ ኵነታት ተጻወትቲ ከማሓይሽ ከምዝኽእል ተስፋ ትገብር፤ ንሳ'ውን ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከባ ጋንታታት ተወሰኽቲ ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ክምልምላ እናተጣበቐት ትርከብ።

"ደቂ ኣንስትዮ ተጻወትቲ ንምዕቃብ ደቂ ኣንስትዮ ኣሰልጠንቲ ምቑጻር" ከምዘድሊ ወሲኻ ትገልጽ።

"ብታክቲክ ንፉዓት ዝዀኑ ኣሰልጠንቲ ከምዘድልየና መጠን፡ ተጻወትቲ ምስ ደቂ ኣንስትዮ ኣሰልጠንቲ ብዛዕባ እዞም ጉዳያት ክዛተያ ዝያዳ ይቐለን።"

ካብ ዲሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝዀነት ቲፒ ማዘምቤ፡ ንደቡብ ኣፍሪቃዊት ማሜሎዲ ሳንዳውንስን ሞሮኮኣዊት ኤኤስ ፋርን ስዒባ ዋንጫ ካፍ ቻምፕዮንስ ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ዝዓተረት ሳልሰይቲ ክለብ እያ

ምንጪ ስእሊ, Confederation of African Football

መግለጺ ስእሊ, ካብ ዲሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝዀነት ቲፒ ማዘምቤ፡ ንደቡብ ኣፍሪቃዊት ማሜሎዲ ሳንዳውንስን ሞሮኮኣዊት ኤኤስ ፋርን ስዒባ ዋንጫ ካፍ ቻምፕዮንስ ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ዝዓተረት ሳልሰይቲ ክለብ እያ

ሻምፕዮንስ ሊግ ንዕብየት ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ

ካፍ ኩዕሶ እግሪ ክለባት ብፍላይ ድማ ሻምፕዮንስ ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጸወታታት ደቂ ኣንስትዮ ምምሕያሻት ከምዘምጽእ ይትስፈ።

እዚ ዓመታዊ ዝካየድ ውድድር ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 2021 እዩ ተኻይዱ። ብዞባዊ ውድድራት ሸሞንተ ክለባት ዝሓልፋሉ ኰይኑ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ግን ኣብ መወዳእታ ዙር ዝሳተፋ ቁጽሪ ክለባት ንምውሳኽ ዝተታሕዘ መደብ የለን።

"ደቂ ኣንስትዮ ተጻወትቲ ብደረጃ ኣህጉር ክእለተን ንምርኣይ ዘኽእለን መድረኽ ዝፈጥር'ዩ፡ እዚ ድማ ብግዲኡ ብሓፈሻ ንፕሮፋይል ናይቲ ስፖርት የዕቢ" ትብል መስከረም።

"ብዙሓት ተጻወትቲ ብጋንታታት ኤውሮጳ ይኹን ኣፍሪቃ ከይተረፈ ንኽምልመላ ዕድል ከፊቱ'ዩ።"

ኣምበል ዛምብያዊት ክለብ ባርብራ ባንዳ፡ ድሕሪ ናይጀርያዊት ኣሲሳት ኦሾኣላ፡ ብሉጽቲ ተጻዋቲት ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ቢቢሲ ዝዓተረት ካልኣይቲ ኣፍሪቃዊት እያ
መግለጺ ስእሊ, ኣምበል ዛምብያዊት ክለብ ባርብራ ባንዳ፡ ድሕሪ ናይጀርያዊት ኣሲሳት ኦሾኣላ፡ ብሉጽቲ ተጻዋቲት ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ቢቢሲ ዝዓተረት ካልኣይቲ ኣፍሪቃዊት እያ

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ መበል ሳልሳይ ውድድር፡ ካብ ዲሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ቲፒ ማዘምቤ ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሻምፕዮን ሞሮኮኣዊት ኤኤስ ፋርን 1 ብ0 ብምዕዋት ዋንጫ ዝዓተረት ሳልሰይቲ ክለብ ኰይና።

ኣብቲ ኣብ ሞሮኮ ዝተኻየደ ውድድር ውሑድ ተሳትፎ ሓደ ብድሆ ከምዝነበረ መስከረም ትገልጽ። ጸወታታት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምውዕዋዕ ድማ "ገና ብዙሕ ስራሕ" ከምዘድሊ ትኣምን።

ይኹን እምበር ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ዝደመቓ ኣፍሪቃውያን ተጻወትቲ ነቲ ውድድር ኣብታ ኣህጉር ኣብ ምልላይ እናሓገዛ ይርከባ።

ዛምብያዊት ኣጥቃዒት ባርብራ ባንዳ ብሉጽቲ ተጻዋቲት ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ቢቢሲ 2024 ክትከውን እንከላ ጓል ሃገራ ራኪል ኩንዳናንጂ ድማ ኣብ ዓለም ልዑል ዋጋ ዘለዋ ጓል ኣንስተይቲ ተጻዋቲት ከምዝዀነት ይዝከር።

ክልቲአን ኣብቲ ኣብ ኣመሪካ ልዑል ሽም ዘለዎ ሃገራዊ ሊግ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ብቕዓተን ዘመስከራ ኮኾባት ኰይነን ኣለዋ።

መስከረም ድማ ከምዚኦም ዓይነታት ዓወት ንሓድሽ ወለዶ ከነቓቕሕ ከምዝኽእል ትሓስብ።