‘ዝተሰርቀት’ ወርቃዊት ኩዕሶ ማራዶና ኣበይ ኣተወት?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ድየጎ ማራዶና፡ ኣብ ዋንጫ ዓለም 1986 ብሉጽ ተጻዋታይ ተባሂሉ ዝተሸለማ ተሰሪቓ ዝነበረት ዋንጫ ወርቃዊ ኩዕሶ ኣብዚ ቕነ ተዘራርብ ኣላ።
ኣብ ዝመጽእ ዘሎ 6 ሰነ፡ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ሓራጅ ክትሽየጥ ምዃና ፀብፃባት ይሕብሩ።
ቤት ሓራጅ ኣጉተስ፡ እታ ዋንጫ ብ"ሚልዮናት" ክትሽየጥ ትጽቢት ከምዘለዎ ብሰሉስ ኣፍሊጡ።
ኣብ 2020 ካብዛ ዓለም ዝተረፈለየ ማራዶና፡ ኣብ ሜክሲኮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ዋንጫ ዓለም ኣርጀንቲና ክትዕወት ድሕሪ ምሕጋዙ እዩ እቲ ክብሪ ተዋሂብዎ።
"ብዙሕ ዛንታታትን ኣፈ-ታሪኻትን ኣሎ፡ ብማፍያ ተሰሪቓ ዝብል ኣሎ" ክብል ክኢላ ስፖርት ኣብ ቤት ሓራጅ ኣጉተስ ፍራንኮይስ ቲየሪ ንቢቢሲ ስፖርት ተዛሪቡ። "ኵሉ ዘድሊ ተፍትሽ ጌርና ብዛዕባ'ዚ ናብ ፖሊስ ኣፍሊጥና።"
"እዛ ኩዕሶ ንኣስታት ሓደ ዓመት ሒዝናያ ኣለና። ብመንጽር ርእይቶታት ኣፍረይቲ ብዙሕ ዝርዝራት ስለዘሎ፡ ሓቀኛ ምዃና ክሳዕ ነረጋግጽ ብዙሕ መጽናዕቲ ጌርናላ።"
እታ ወርቃዊት ኩዕሶ፡ በቲ ስሙ ዘይተገልጸ ሸያጢ ኣብ 2016 ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ሓራጅ ዝተዓደገት እያ። ይዅን እምበር፡ እንታይ ዓይነት ኣቕሓ ከምዝዓደገ ኣይፈለጠን።
"ምስ ካልእ ብዙሕ ነገራት እዩ ገዚእዋ፣ ኣብ መጀመርታ ኣገዳሲ ነገር ምዃኑ ኣይፈለጠንን ነይሩ" ክብል ቲየሪ ወሲኹ ገሊጹ።
"ካብተን ዝገዝአን ብዙሓት ዋናጩ እያ ነይራ። ብድሕሪኡ ኣብ ኢንተርነት ዳህሲሱ ወርቃዊት ኩዕሶ ክትከውን ከምትኽእል ፈሊጡ።"
"ናብ ማራዶናን ፊፋን ክድውል ፈቲኑ፡ ዕድል ግን ኣይሰመረሉን።"
ዋንጫ ዓለም 1986 ማራዶና ኣብ ርብዒ ፍጻመ ኣንጻር እንግሊዝ ብዘመዝገበን ክልተ ሸቶታት ዝያዳ ዝዝከር ምዃኑ ብዘየማትእ መንገዲ ይግለጽ።
ማራዶና ንሓላዊ ልዳት እንግሊዝ ፒተር ሺልተን ብምስዓር ቀዳመይቲ ሸቶኡ ብኢዱ ብምውቃዕ እዩ ኣመዝጊብዋ፡ ድሒሩ እታ ሸቶ ብ"ኢድ ኣምላኽ" ከምዝተመዝገበት ተገሊጹ።
እታ ካልአይቲ ሸቶኡ ኣብ ፊፋ ኣብ ዝተኻየደ መረጻ "ሸቶ ክፍለ ዘመን" ተባሂላ ተመሪጻ፤ ማራዶና ንሓሙሽተ እንግሊዛውያን ተጻወትቲ ኣሽኪዑ ዘመዝገባ ነይራ።
ኣብታ መዓልቲ ዝለበሰን ክልቲአን ማልያ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሓራጅ ብሚልዮናት ተሸይጠን እየን።
ቲየሪ፡ "እዛ ዋንጫ ምልክት ልዑል ዓወቱ'ያ፡ ብሉጽ ተጻዋታይ ክፍለ ዘመን'ውን'ዩ" ኢሉ።
" ቅድሚ ሕጂ ኣብ 1986 ኣንጻር እንግሊዝ ኣብ ዝነበረ ጸወታ ዝለበሳ ማልያ ብ9 ሚልዮን ፓውንድ ክትሽየጥ ከላ፡ ኣብቲ ጸወታ ዝነበረት ኩዕሶ ድማ ብ2 ሚልዮን ፓውንድ ተሸይጣ እያ። ስለዚ [እታ ዋንጫ] ሚልዮናት ክትሽየጥ ንጽበ።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







