ዉሩይ ብራዚላዊ ተጻዋታይ ሮቢንሆ ብኽሲ ጾታዊ ዓመጽ ንትሽዓት ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕሮፈሽናል ተጻዋታይ ብራዚል ነበር ሮቢንዮ ብጾታዊ ዓመጽ ተኺሲሱ ን 9 ዓመት ክእሰር ተበይንዎ።
ሮቢንሆ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ 2022፡ ኣብ ኢጣልያ ኣብ 2013 ኣብ ሚላኖ ኣብ ዝርከብ ለይታዊ ትልሂት ንሓንቲ ኣልባንያዊት ጓል ኣንስተይቲ ብጉጅለ ካብ ዝዓመጽዋ ምዃኑ ስለዝተረጋገጸ’ዩ ንኽእሰር ተፈሪዱ።
መንግስቲ ኢጣልያ፡ ብራዚል ንሮቢንሆ ኣሕሊፋ ክትህቦ’ኳ ሓቲቱ እንተነበረ፡ ሕትኡ ብመንግስቲ ብራዚል ተቐባልነት ስለዘይረኸበ’ዩ ዓመታት ማእሰርቱ ኣብ ብራዚል ከይኑ ከሕልፎ።
ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ብራዚል ዝርከብ ቤት ፍርዲ ነቲ ውሳነ ብምድጋፍ፡ሮቢንሆ ኣብ ክንዲ ናይ ገዛ ሕዩር ዝኸውን ዓመታት ፍርዱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ ከሕልፎ ውሳነ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።
ትማሊ ሓሙስ ጠበቓታቱ እቲ ማእሰርቱ ደው ክብል’ኳ ሓቲቶም እንተነበሩ፡ ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብራዚል ግን ንይግባይ እቶም ጠበቓታት ብምንጻግ እቲ ፍርዲ ክትግበር ናይ መወዳእታ ውሳነ ሂቡ።
ኣቐድም ኣቢሎም ንመስርሕ ፍርዲ ሮቢንሆ ክከታተሉ ዝጸንሑ ሰባት ሮቢንሆ ብዝንኡን ሃብቱን ካብ ፍትሒ ከይሃድም’ኳ ስግኣት እንተነበሮም በቲ ዝተውሃበ ፍርዲ ዘለዎም ዕግበት ገሊጾም። እቲ ውሳነ ብማዕከናት ዜና እታ ሃገር’ውን ዓቢ ናእዳ ረኺቡ ኣሎ።
እዚ ንሃገሩ ወኪሉ ኣብ 100 ጸወታታት ዝተሰለፈ ተጻዋታይ ነቲ ገበን ኣብ ዝፈጸመሉ ምስ ኢጣልያዊት ጋንታ ኤሲሚላን’ዩ ዝጻወት ነይሩ።
ሮቢንሆ ገበነኛ ኮይኑ ምስ ተረኸበ ኣብ 2020 ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ጣልያን ይግባይ’ኳ እንተበለ እቲ ቤት ፍርዲ ንሕቶ ይግባዩ ኣብ 2022 ነጺግዎ።
ብድሕሪ እዚ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ጣልያን ሮቢንሆ ኣብ ዝተረኸቦ ክእሰር ውሳነ ኣሕሊፉ።
እቲ ምስ ማንቸስተር ሲቲ ንክልተ ዓመት ተጻዊቱ ዝነበረ ሮቢንሆ ብሰንበት ምስ ማዕከናት ዜና ብራዚል ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕተት እቲ ስጋዊ ርክብ ‘ብሰናይ ፍቓዳ’ ከምዝተኻየደ’ዩ ከረድእ ፈቲኑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







