ኣብ ማእኸል ሜዳ ወዲቑ ህይወቱ ዝሓለፈት ተጻወታይ ኩዕሶ እግሪ

ጋናዊ ኣጥቃዓይ ራፋኤል ድዋሜና

ጋናዊ ኣጥቃዓይ ራፋኤል ድዋሜና ኣብ ኣልባንያ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ጸወታ ሊግ ኣብ ሜዳ ውኒኡ ስሒቱ ድሕሪ ምውዳቑ ኣብ መበል 28 ዓመቱ ዓሪፉ።

ድዋሜና ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ጋንትኡ ኢግናቲያ ኣንጻር ፓርቲዛኒ ተካይዶ ኣብ ዝነበረት ግጥም ይጸወት ነይሩ።

ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣልባንያ (ኤ.ኤፍ.ኤል) "ዋላ'ኳ ስፔሻሊስት ሓካይም ቅልጡፍ ምርብራብ እንተገበሩ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ’ሎ" ኢሉ።

ድዋሜና ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ኣብ ሊግ ኣልባንያ 9 ሸቶታት ብምምዝጋብ ዝለዓለ ኣመዝጋቢ ሸቶ ኮይኑ ይመርሕ ነይሩ። ምስ ሃገራዊ ጋንትኡ ጋና ተሰሊፉ ድማ ዓወታት ረኺቡን ክልተ ሸቶታት ኣመዝጊቡን።

ህይወቱ ምሕላፉ ስዒቡ እቲ ናይ ቀዳም ጸወታ ክቋረጽ ተገይሩ’ሎ። እቲ ፈደረሽን ከኣ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኣልባንያ ክካየዱ ተመዲቦም ዝነበሩ ኩሎም ጸወታታት ኣሰጋጊርዎም።

"ኤ.ኤፍ.ኤል ነዚ ንመላእ ማሕበረሰብ ኩዕሶ እግሪ ኣልባንያ ዘሰንበደ ክስተት ስዒቡ ንስድራቤት ድዋሜናን ጋንትኡ ኢግናቲያን ዝተሰመዖ ዓሚቕ ሓዘን ይገልጽ" ክብል እቲ ፈደረሽን ወሲኹ ገሊጹ።

ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ጋና ብወገኑ "ኣብዚ ጽንኩር ህሞት ንስድራቤቱ ጽንዓት ይሃብኩም ንብል" ኢሉ።

ፕረዚደንት ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ጋና ኩርት ኤድዊን ሲሞን ኦክራኩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ንሃገሩ ብብቕዓት ኣገልጊሉ'ዩ" ኢሉ።

ኣብ 2017 ብ14 ሚልዮን ፓውንድ ናብ ብራይተን ክጽምበር ዝነበረ ምንቅስቓስ፡ ድዋሜና ሕክምናዊ መርመራ ክሓልፍ ብዘይምኽኣሉ ከይሰመረ ተሪፉ። ቀጺሉ ኣብ ላሊጋ ስፐይን ንሌቫንተ ወኪሉ ክስለፍ ከሎ፡ ብልቓሕ ድማ ምስ ርያል ዛራጎዛ'ውን ተጻዊቱ።

ኣብ 2021 ኣብ ኣውስትርያ ኣብ መንጎ ጋንትኡ ብላው-ዋይስ ሊንዝን ጋንታ ሃርትበርግን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዋንጫ ግጥም ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ወዲቑ’ኳ እንተነበረ ናይ ኩዕሶ እግሩ ህይወቱ ግን ኣይተቛረጸን።

መጥባሕቲ ልቢ ከምዝተገብረሉ ድማ ይዝረብ።

ጋንታ ለቫንተ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት "ኣብዚ ከቢድ ህሞት ሓሳብና ምስ ስድርኡን ዝፈትዎም ሰባትን እዩ። ኣብ ጋንታና ዘለዎ ውርሻ ንዘልኣለም ክጸንሕ'ዩ" ክትብል ሓዘና ገሊጻ’ላ።

ጋንታ ዛራጎዛ 'ውን "ብዘሰንብድ ዜና ሕልፈት ተጻዋታይና ነበር ራፋኤል ድዋሜና ብጣዕሚ ሓዚንና ኣለና። ወትሩ ኣብ ዝኽሪ ደገፍቲ ዛራጎዛ ክትህልው ኢኻ። ብሰላም ዕረፍ" ኢላ።