ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ገብረመድህን ሃይለ ብዛዕባ ቐጻሊ መደባቱ እንታይ ኢሉ?

ኣሰልጣኒ ገብረመድህን ሃይለ

ምንጪ ስእሊ, EFF

ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኰይኑ ዝተመረጸ ገብረመድህን ሃይለ “ቀንዲ ዕላማይ ሜላ ጸወታ ዋልያ ቀይረ ውጽኢታዊ ምዃን’ዩ” ኢሉ።

ገብረመድህን ሃይለ ትማሊ ዓርቢ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ [ዋልያ] ኰይኑ ንሓደ ዓመት ከስልጥን ምስ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ከም ዝተፈራረመ ወግዓዊ ኰይኑ’ሎ።

እቲ ኣሰልጣኒ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ናይ ምስልጣን ሓሳብ ከም ዘይነበሮ እንተዀነ ነቲ ዝቐረበሉ ጻዊዒት ተቐቢሉ እታ ጋንታ ካብ ዝኣተወቶ ዓዘቕቲ ንምውጻእ ናይ ኣጸዋውታ ሜላ ቀይሩ ውጽኢት ከመዝግብ ክሰርሕ ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊጹ።

“ሓቂ ንምዝራብ ኣብ ቀረባ ግዜ ንሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ናይ ምስልጣን ሓሳብ ኣይነበረንን። ምስ መናእሰይ ኰይነ ንሓንቲ ጋንታ ሒዘ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ክበጽሕ’ዩ ነይሩ መደበይ" ኢሉ።

ኣሰልጣኒ ገብረመድህን ቅድሚ 7 ዓመታት ኣሰልጣኒ እታ ሃገራዊት ጋንታ ኰይኑ ኣብ ዝተመረጸሉ ግዜ፡ ነታ ጋንታ ንኽልተ ጸወታ ምስ መርሐ ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ ምስታ ጋንታ ስለ ዝተፈላለዩ ሕጂ ናይ ኣሰልጥንነት ሕቶ ምስ ቀረበሉ ንምቕባል ቅሩብ ተጸጊሙ ከም ዝነበረ ተዛሪቡ።

“ካልኣይ መዓልቲ ኣይመጽእን ኢለ ገዲፈዮም ወጺአ። ኣብቲ ሽዑ ግዜ ተቖጢዐ ነይረ። ሕጂ ነቲ ፌዴሬሽን ዝመርሑ ዘለዉ ሰባት ካልኦት’ዮም። ካልኣይ ‘ውጽኢት ምምጻእ ኣብዩና ኣሎ’ ዝብል ሓሳብ ኣልዒሎም። ‘ሃገር ትደልየካ ኣላ’ ምስ በሉኒ ናይ ምሕጋዝ ግቡእ ከም ዘለኒ ስለ ዝኣመንኩሉ እየ ነቲ ሕቶ ተቐቢለዮ” ኢሉ።

ኣሰልጣኒ ገብረመድህን ነታ ሕጂ ዘሰልጥና ዘሎ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ‘የኢትዮጵያ መድን ድርጅት’ ጐና ጐኒ እዩ ንሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ከሰልጥን ተሰማሚዑ ዘሎ።

ተጻዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ዝነበረ ገብረመድህን ሃይለ፡ ነታ ሃገራዊት ጋንታን መድን ድርጅትን ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ምስልጣን ክኸብዶ ከም ዝኽእል እኳ እንተኣመነ ምስቲ ዘሎ ወድዓዊ ኩነታት ግን ነቲ ዝቐረበሉ ሓላፍነት ክቕበል ከም ዝወሰነ ተዛሪቡ።

ኣብ ቀረባ ግዜ ውድድራት ዋንጫ ዓለም፣ ዋንጫ ኣፍሪቃ ከምኡ’ውን መጻረይ ጸወታ ቻና ከም ዘለዎ ዝሓበረ እቲ ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ኣብዞም ውድድራት ተሳታፊት ንምግባር ጻዕሪ ከም ዝገብር ሓቢሩ።

ኣሰልጣኒ ገብረመድህን ሃይለ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ንዝሳተፋ ጋንታት ብምስልጣን’ዩ ዝፍለጥ።

መቐለ 70 እንደርታ፣ ጅማ ኣባ ጅፋር፣ መከላከያን ሲዳማ ቡናን ብዋና ኣሰልጣኒ ካብ ዝመርሐን ጋንታታት ኰይነን መቐለ 70 እንደርታን ጅማ ኣባ ጅፋርን ዋንጫ እቲ ፕርምየር ሊግ ክወስዳ ኣኽኢሉ’ዩ።

ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ መጻረይ ጸወታ ዓለም ምስ ሴራልዮንን ቡርኪናፋሶን ኣብ እተካይዶ ጸወታ ንምድላው ን30 ተጻወትቲ ጻዊዒት ኣቕሪቡ’ሎ።

ኣሰልጣኒ ገብረመድህን ሃይለ ካብ ሎሚ መዓልቲ ቀዳም ጀሚሩ ምስ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዳማ ስርሑ ክጅምር ትጽቢት ኣሎ።