ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያን ናብ ዋንጫ ኣፍሪቃ ናይ ምሕላፍ ተስፋኣን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዓርቢ 15 መጋቢት 2015 [ግእዝ] ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኣብ መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ ሰዓት 5፡00 ድሕሪ ቀትሪ ጊኒ ምስ ኢትዮጵያ ክትጻወት ኮፍ ኢሎም ይጽበዩ ነይሮም። እቲ ውጽኢት ግን ንብዙሓት ተስፋ ዘቕበጸ እዩ ነይሩ።
ተጻዋታይ ጋንታ ጊኒ፡ ካማኖ ኣብ መበል 39 ደቒቕ ተኸላኻሊ መስመር ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጲያ - ዋሊያ ደኺሙ ስለዝረኸቦ ቀዳመይቲ ሸቶኡ ኣመዝጊቡ።
ድሕሪ ዕረፍቲ ሓድሽ ነገር ክርእዩ ትጽቢት ዝገበሩ ደገፍቲ ኣብ መበል 73 ደቒቕ ተስፋኦም ረጊፉ። ጊኒያዊ ባዮ ካብሲላ፡ ሸቶ ብምምዝጋብ እቲ ጸወታ 2 ንባዶ ተዛዚሙ።
ሰኑይ 18 መጋቢት 2015፡ ሰዓት 4፡00 ድሕሪ ቀትሪ ኢትዮጵያ ኣንጻር ጊኒ ካልኣይ እግሪ ጸዋታኣ ኣካይዳ።
ኣብዚ ጸወታ፡ ተጻወትቲ ዋልያ ካብ ልቢ ክጻወቱ ጀሚሮም፤ እንተዀነ ጊኒ ኣብ 4ይ ደቒቕ ብናቢ ከይታ ኣቢላ ቀዳመይቲ ሸቶ ኣመዝጊባ።
ኣብዚ ጸወታ ብሉጽ ብቕዓት ካብ ዘርኣዩ ሰለስተ ተጻወትቲ ሓደ ከነኣን ማርክነህ ካብ ቸርነት ጉግሳ ንዝረኸባ ኩዕሶ ኣመዝጊቡ ዋልያ ማዕረ ክትከውን ኣኽኢልዋ።
ድሕሪ ሸሞንተ ደቓይቕ ጊኒ፡ ብሞሪባ ካሩማ ኣቢላ ካልኣይቲ ሸቶ ብምምዝጋብ፡ ኢትዮጵያ ክትሓልፍ ዝነበራ ተስፋ ተጸንቂቑ።
እቲ ግጥም ጊኒ 3ብ2 ብምዕዋት ተዛዚሙ።
ስለምንታይ እዩ እታ ጋንታ ውጽኢት ክሳብ ክንድዚ ርሑቕዋ ዘሎ? እቲ ጸቕጢ ዝፍጠረሉ ዘሎ ኣሰልጣኒኸ ዕጫኡ እንታይ እዩ ክኸውን?
'ዕድልና ዳርጋ ተጸንቂቝ እዩ'
ኢትዮጵያ ካብ 4 ጸወታታት 3 ተሳዒራ። መርበብ ሓበሬታ ካፍ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ ሓደ ጸወታ ድሕሪ ምዕዋታ፡ ብ3 ነጥቢ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ትርከብ።
ዝመጽእ ሰነ፡ ኢትዮጵያ ምስ ማሊ፡ ኣብ መስከረም ድማ ኣንጻር ግብጺ ናይ መወዳእታ ጸወታኣ ከተካይድ እያ።
ግብጺ ብ9 ነጥቢ ነዚ ምድብ ትመርሕ ኣላ። ጊኒ ብተመሳሳሊ ነጥቢ ካልኣይቲ ኰይና ኣላ።
"ብናተይ ኣረኣእያ፡ ኢትዮጵያ ደጊም ዝተረፋ ናይ ምድብ ጸወታታት'ዩ" ይብል ስሙይ ጋዜጠኛ ስፖርት ስዒድ ኪያር።
ብመሰረት ስዒድ፡ ኢትዮጵያ ክትሓልፍ ተኽእሎ እንተሎ እውን "ኣዝዩ ት ትሑት ዕድል'ዩ" ይብል።
"ኢትዮጵያ ክትሓልፍ፡ ግብጺ ወይ ጊኒ ኣብ ክልቲኡ ጸወታታት ክሰዓራ ኣለወን፡ ዋልያ ድማ ኣንጻር ግብጽን ማላዊን ኣብ እትገብሮ ጸወታታት ክትዕወት ኣለዋ።"
ስዒድ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኩዕሶ እግሪ እንታይ ከም ዝፍጸም ስለዘይፍለጥ ዕድላ ክትፍትን ጽቡቕ እዩ ይብል፤ እንተኾነ ኣብተን ዝተረፋ ጸወታታት ክትዕወትን ካልኦት ድማ ክሰዓራ ዝብል እምነት የብሉን።
ንሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ዓበይቲ ተጻወትቲ ብምምልማል ዝፍለጥ ፋርሓን መሓመድ፡ "ዋላ'ኳ በቲ ውጽኢት ተስፋ እንተቘረጽኩ፡ ኣይገርመንን" ይብል።
ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ግጥም ቻን ካፕ ተመሳሳሊ ጌጋታት ክትፍጽም ከምዝረኣየ ዝጠቅስ ፋርሓን፡ ብፍላይ መስመር ምክልኻል ድኹም ምንባሩ ይገልጽ።
ምኽንያታት ውድቀት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሃገራዊት ጋንታ ስደተኛ ምዃና፡ ትሑት ዓቕሚ ተጻወትቲ፡ ብሰንኪ ማህረምቲ ኣጥቃዕቲ ዘይምስታፍ፡ ካብ ታሕቲ ተጻወትቲ ዘይምምዕባል፡ ስትራተጂ ኣሰልጣኒ... ገለ ካብ ምኽንያታት ይጥቀሱ።
ስዒድ ኪያር ካብ ሜዳ ወጻኢ፡ ዝብል ምኽንያት ካብቶም ብፍጹም ዘየእምኖም እዩ።
“ክልቲኦም ኣብ ናይ ካልእ ሜዳ እዮም ተጻዊቶም። ንጊኒ ይኹን ንኢትዮጵያ ዝምችእ ሜዳ የብለንን።
ንፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያን ፈደረሽንን ኣጸቢቑ ዝፈልጥ፡ ስሙ ከይግለጽ ዝሓተተ ውሽጣዊ ምንጪ'ውን፡ ጉዳይ ካብ ሜዳ ወጻኢ "ብዙሕ ዘእምን ኣይኮነን" ኢሉ።
"ኣብ ካልእ መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ፡ ብዙሓት ጋንታታት ካብ ሜዳአን ወጻኢ ክጻወታ፡ ነጥቢ ሒዘን ድማ ክመጻ ርኢና ኢና። ንኣብነት ናሚብያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ዩጋንዳ ነጥቢ ሒዘን እየን ወጺአን። ንግብጺ'ውን ካብ ሜድና ወጻኢ ስዒርናያ።"
‘ካብ ዓድና ወጻኢ ምጽዋት’ኮ ለሚድናዮ ኢና’ ይብል እቲ ምንጪ ሓበሬታ፤ እዚ ምኽንያት ከምዘይከውን ይዛረብ።
ስዒድ፡ ምኽንያት ስዕረት ሃገራዊት ጋንታ፡ "እትጻወተሉ ዝነበረት ኣገባብ ንጊኒ ኣዝዩ ቀሊል ስለዝነበረ እዩ" ይብል።
ምስ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ቅርበት ምንጪ፡ መልመልቲ ተጻወትቲ ፋርሓንን እውን ተመሳሳሊ ርእይቶ እዩ ዘለዎም።
ፋርሓን፡ "ካብዚ ንላዕሊ እቲ ኣሰልጣኒ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ዘሎ ኣይመስለንን። ክለቅቕ ይግባእ 'መስለኒ" ክብል ብትሪ ርእይቶ ይህብ።
"ኣሰልጣኒ ተጻወቲ ክምልምል ከሎ፡ ንምክልኻል ዝዓለመ እዩ ዝመስል፤ ኣብ ጸረ መጥቃዕቲ ኣተኲሮም ክጻወቱ ከም ዝኸዱ ካብቶም ዝመልመሎም ተጻወትቲ ምርዳእ ይከኣል" ክብል ምንጭና በቲ ውጽኢት ብዙሕ ከምዘይግረም ገሊጹ።
ንፋርሓን ሃገራዊት ጋንታ ጊኒ ከቢድ ኣይኮነን። ንዕኡ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ዝፈጸመቶም ጌጋታት፡ ቴክኒካውን ታክቲካውን ጸገማት፡ ከምኡ'ውን ምምሕዳራዊ ጉዳያት ኣብ ክልቲኡ ጸወታታት ውጽኢት ንዘይምርካብ ምኽንያት እዮም።
ኣሰልጣኒ ውበቱ ኣባተ ቅድሚ ክልቲኡ ጸወታታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እንተተኻኢሉ ካብ ጊኒ 6 ነጥቢ፡ እንተዘይኮይኑ 4 ነጥቢ ክረክብ ይሓስብ ከምዘሎ ገሊጹ ነይሩ።
"እቲ ኣሰልጣኒ ካብ ሜድና ወጻኢ ክንጻወት ምዃና ፈሊጡ እዩ ነዚ ዝበለ፤ ስለዚ እቲ ካብ ሜዳ ወጻኢ ኮይኑ ዝብል፡ ረቛሒ ኣይኮነን። ቅድሚ ጸወታ ዘይተላዕለ ምኽንያት ድሕሪ ጸወታ ምኽንያት ክኸውን ኣይክእልን’ዩ” ይብል ስዒድ።
እቲ ጋዜጠኛ፡ ሜዳ ኢትዮጵያ ጭቃ ምዃኑ፡ ወይ ካብ ታሕቲ ዝመጽኡ ተጻወትቲ የለዉን ዝብል፡ ኣወዳድባ ፈደረሽን፡ ዝኣመሰሉ ጉዳያት ዘእምኑ ኣይኮኑን እዩ ዝብል።
“ንኣብነት ኣብ ዝመጽእ ሰነ ኣንጻር ግብጺ ጸወታ ኣሎና። ኣብ ሰነ እቲ ናይ ጭቃ ሜዳ ኣይቅየርን፤ ኣብ ሰነ ትሕቲ ዕድመ ተጻወትቲ ኣይክህልዉን እዮም። እንተዘይኮይኑ ኣቃውማ እቲ ፈደረሽን ኣይቅየርን'ዩ።"
ብመሰረት ስዒድ "በዚ ሕጂ ዘሎ ውህደት ተጻወትን ዓቕሞምን፤ ንመጋጥምቲ ምጥማትን ግቡእ ምድላዋት ምግባርን ከምዘድሊ ይምዕድ።
ስትራተጂ ናይቲ ኣሰልጣኒ
እቲ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ወሃብ ሓበሬታን ስዒድ ኪያርን፡ ኢትዮጵያውያን ተጻወትቲ ጽቡቕ ብቕዓት ከምዘለዎም ይሰማምዑ።
ስዒድ፡ “ነዚ ምስ ኣእምሮ ናይ ምትእስሳር ክእለት የለን፤ 11 ተጻወትቲ ከም ሓንቲ ጋንታ ኴይና እትጻወተሉ መንገዲ የብላን። ወይ ድማ ኢትዮጵያውያን ኣሰልጠንቲ ነዚ ኣብ ግምት ኣእትዮም ኣይሰርሑን።"
"ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ብዘይካ ጥበብ ጸወታ፡ ሓሳብን ፍልስፍናን ጸወታ ካልእ ጸገም የብላን።"
እቲ ምንጪ፡ ብፍላይ ኣብ ቀዳማይ ጸወታ፡ ዋልያውያን ኣብ ምክልኻልን ምጥቃዕን ድኹማት ምንባሮም፡ ስትራተጂ እቲ ኣሰልጣኒ ውጽኢታዊ ከምዘይነበረ ዘርኢ ምዃኑ ይገልጽ።
ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ካብ መጋጥምታ ጊኒ ንላዕሊ ኩዕሶ ኣብ ምሕላፍ ትበልጽ ምዃና ኣሃዛት ይሕብሩ።
"ጽቡቓት ኵዓሳሱ ኣብ ምሕላፍ ዝሓሽና ክንከውን ንኽእል ኢና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግን ኣብ ሜዳና ብጐኒን ንድሕሪትን ኢና ንጻወት።"
ፋርሓን፡ ኢትዮጵያ ከም ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ወጻኢ ዝተወልዱ ኢትዮጵያውያን ክተእቱ እንተዘይክኢላ ለውጢ ዝመጽእ ኣይመስሎን።
ንሞሮኮ ከም ኣብነት ወሲዶም ልዕሊ 90 ሚእታዊት ተጻወትቶም ኣብ ኣውሮጳ ከም ዝጻወቱን ኣብ ወጻኢ ዝጻወቱ ተጻወትቲ ድማ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባ ከም ዘለዎምን ይዛረቡ።
ትውልደ ኢትዮጵያውያን ተጻወትቲ ካብ ደገ ንምምጻእ እኳ እንተፈተነ፡ እቶም ኣሰልጠንቲ ከምዘይቕበልዎ እቲ መልማሊ ይዛረብ።
"እዚ ሕጂ ዘሎ ኣሰልጣኒ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቶም ዝሓለፉ'ውን ናይ ወጻኢ ተጻወትቲ ክመጹ ኣይፈትዉን'ዮም። ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝዀነ ኣይፈልጥን። ማርያኖ ባሪቶ ኣብኡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ግን ሰለስተ ተጻወትቲ መጺኦም ነይሮም።"
"ሕጊ ኢትዮጵያ ክልተ ፓስፖርት ምሓዝ ስለዘይፈቅድ፡ እቲ ፈደረሽን ሕጊ ክቕየር ክንደፍእ ኢና ክብል ብዙሕ ግዜ ሰሚዕና ኢና፡ ብተግባር ግን ኣይረእናን።”
ዕጫ 'ቲ ኣሰልጣኒ
ብመሰረት ምንጭና፣ ብኣሰልጣኒ ውበቱ ኣባተ እትምራሕ ሃገራዊት ጋንታ ቀንዲ ጸገም "ታክቲካውን ተክኒካውን ውሳነታት" እዩ።
እቲ ኣሰልጣኒ ብዛዕባ ዝገብሮም ምቅይያር ተጻወትቲ ሕቶ ኣለዎ።
"ጸወታ ምንባብ፡ ምርዳእ፡ ንጸወታ ዝምጥን 11 ምምራጽ፡ ንሃገራዊት ጋንታ ዝኸውን ተጻወትቲ ኣብ ምምራጽ ዓቢ ሃጓፍ ዘሎ 'መስለኒ።"
ኣሰልጣኒ ውበቱ ኣባተ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ሓድሽ ናይ ክልተ ዓመት ውዕል ፈሪሙ እዩ።
ብመሰረት እቲ ምንጪ ሓበሬታ፡ እቲ ኣሰልጣኒን ፈደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያን ጽቡቕ ርክብ እዩ ዘለዎም።
እቲ ኣሰልጣኒ ውዕሉ ኣብ ዘናውሓሉ እዋን፡ እቲ ዝዓበየ መደቡ ንኢትዮጵያ ናብ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2024 ኣብ ኮትዲቭዋር ንምሕላፍ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።
ብመሰረት እዚ ሕጂ ዘሎ ውጽኢት ግን፡ ኢትዮጵያ ናይ ምሕላፍ ዕድላ ትሑትእዩ። እቲ ኣሰልጣኒ ክጸንሕ ድዩ ኣይጸንሕን ዝብል ኣዘራራቢ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።
ፋርሓን፡ ዋላ'ኳ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ባጀት ከም ዘለዎ ርግጸኛታት እንተዘይኮነ፡ ካብ ደገ ኣሰልጣኒ ክመጽእ ኣለዎ ኢሎም ካብ ዝኣምኑ'ዩ።
"ብውሑዱ ድሕሪ ክልተ ዓመት፡ ኵነታት ክቕይር ዝኽእል ኣሰልጣኒ ክመጽእ ኣለዎ። ኣሰልጠንቲ ውሽጢ ዓዲ ብተደጋጋሚ ፈቲኖም ፈሺሎም እዮም። ድሕሪ ሕጂ ለውጢ ዘምጽኡ ኣይመስለንን።"
ብመሰረት እቲ ምንጪ፡ ዕጫ ናይዚ ኣሰልጣኒ ድሕሪ ናይ መወዳእታ ናይ ምድብ ጸወታ [ኢትዮጵያ ኣንጻር ማላዊ] ክውሰን እዩ።
ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ንመወዳእታ ግዜ ብናይ ወጻኢ ኣሰልጣኒ ማርያኖ ባሬቶ ከምዝሰልጠነት ዝዝክር እቲ ፈላጢ ውሽጢ፡ እቲ ፈደሬሽን ዘለዎ ሕጽረት ገንዘብ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ናይ ወጻኢ ኣሰልጣኒ ናይ ምምጻእ ተኽእሎ ትሑት ምዃኑ ይዛረብ።
"ካብቶም ብድሕሪ'ዚ ዝመጹ ኣሰልጠንቲ፡ ገብረመድህን ሃይለ ጥራሕ'ዩ ድሕሪ ዕዉት ጻንሒት ኣብ ሓጺር እዋን ተባሪሩ። ካብ ገብረመድህን ወጻኢ ካልእ ጽቡቕ ክእለት ዘለዎ የለን፤ ኣብ ፕረምየርሊግ ካብዚ ንላዕሊ ዕዉት ዝዀነ ኣሰልጣኒ ዘሎ ኣይመስለንን።"
ወሲኹ ድማ እቲ ፈደሬሽን ክልተ ኣማራጺታት ኣለዎ፡ "ንገብረመድህ ግዜ ምሃብ፤ ወይ ድማ ብገለ መገዲ ናይ ወጻኢ ኣሰልጣኒ ምቝጻር።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







