ናኦሚ ግርማ፡ ሓሙሽተ መሳጢ ሓቅታት እታ ኣብ ዓለም ዝኸበረት ተጻዋቲት ኵዕሶ እግሪ

ናኦሚ ግርማ ሕጂ ኣብ ዓለም እታ ዝኸበረት ጓል ኣንስተይቲ ተጻዋቲት ኵዕሶ እግሪ እያ።

ኣብ መስመር ምክልኻል ጋንታ ኵዕሶ እግሪ ኣመሪካ ክትጻወት ዝጸንሐት ናኦሚ፡ ኣብ መወዳእታ ጥሪ 2025፡ ክብረወሰን ዓለም ብዝዀነ ዋጋ ንጋንታ ቸልሲ ፈሪማ።

ሱፐር ሊግ ደቀንስትዮ ትመርሕ ዘላ ጋንታ ቸልሲ፡ ንናኦሚ ግርማ 900 ሽሕ ፓውንድ ወይ 1.1 ሚልዮን ዶላር ብምኽፋል ኣፈሪማታ።

እዛ ጓል 24 ዓመት ተጻዋቲት ኵዕሶ እግሪ፡ ክሳብ 2029 ምስታ ጋንታ ክትጸንሕ እያ።

ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ደቀንስትዮ ኣመሪካ ክትስለፍ ዝጸንሐት ናኦሚ፡ ንሃገራ ዝወከለት ፈላሚት ትውልደ ኢትዮጵያዊት'ያ።

ናይ ፍሉጣት ተጻወትቲ ብራዚል -ሮናልዲኖ፡ ሮናልዶ፡ ፔለን ካልኦትን - ቪድዮታት ብምርኣይ ሞያዊ ብቕዓታ ከተዕቢ ጻዕሪ ክትገብር ጸኒሓ።

ሕጂ፡ ማልያ ቍጽሪ 16 ተኸዲና ንቸልሲ ክትጻወት'ያ።

"ኣመና ተሓጒሰ፤ ናብዚ ብምምጽአይ ደስ ኢሉኒ፡ ሓቂ'ዩ ኢለ ንምእማን ተጸጊመ'የ፡" ክትብል ናኦሚ ተዛሪባ።

እታ ጋንታ ኣብ መርበብ ሓበሬታኣ ኣብ ዘስፈረቶ ጽሑፍ፡ ናይ ኣርባዕተ ዓመትን ፈረቓን ውዕል ከም ዘፈረመታ ገሊጻ።

ናኦሚ፡ ብ26 ጥሪ 2025 ንጋንታ ደቀንስትዮ ቼልሲ ፈሪማ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ናኦሚ፡ ብ26 ጥሪ 2025 ንጋንታ ደቀንስትዮ ቸልሲ ፈሪማ

ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ተጻዋቲት ኵዕሶ እግሪ ኮሌጅ ዝነበረት ናኦሚ፡ ሕጂ ኣብ ዓለምና ኣብ ታሪኽ ኵዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ ሓደ ሚልዮን ዶላር ዝኽፈላ ተኸላኻሊት እያ ኰይና።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ መራሒት እቲ ሊግ ነዛ ሓዳስ ፈራሚት ንደገፍቲ እታ ጋንታ ምስ ኣላለየቶም፡ ቸልሲ ንኣርሰናል ሓደ ብባዶ ስዒራ።

"ናብ ቸልሲ ክመጽእ ዝገበሩኒ ነገራት ብዙሓት'ዮም፤ እቲ ባህሊ፡ ንኽትዕወት ዘሎ ሃንቀውታ፡ ሰራሕተኛታትን ተጻወትቲን ፍሉይ ስምዒት ኣሕዲሮምለይ። እዚ ክትመሃረሉን ክትዓብየሉን እትኽእል ዓብይ ቦታ'ዩ፡ ሕጂ ንሱ'የ ክገብር ዝደሊ፡" ክትብል ንቢቢሲ ስፖርት ተዛሪባ።

ሓላፊ ኵዕሶ እግሪ ደቀንስትዮ፡ ፖል ግሪን "ናኦሚ፡ ዝበለጸት ተኸላኻሊት እያ፤ ሕጂ ናብቶም ኣገደስቲ ናይ ሞያኣ ዓመታት ዝመጽኣትሉ'ዩ፡" ክብል ርእይቶ ሂቡ።

ንምዃኑ፡ ብዛዕባ እዛ ኣመሪካዊት ተጻዋቲት ኵዕሶ እግሪ ዘለው ሓሙሽተ መሰጥቲ ሓቅታት እንታይ'ዮም?

መስመር

1. ዘሐብን ኢትዮጵያዊ ውርሻ

ናኦሚ ግርማ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ናኦሚ፡ ንሃገራዊት ጋንታ ደቀንስትዮ ኣመሪካ ወኪላ ዝተጻወተት ፈላመይቲ ኢትዮጵያዊ መበቈል ወይ ድሕረ-ባይታ ዘለዋ ተጻዋቲት ኵዕሶ እግሪ እያ።

ወለዳ [ኣቦኣን ኣደኣን] ኣብ ዕስራታት ዕድመኦም'ዮም ናብ ኣመሪካ ተሰዲዶም።

ንሳ ድማ፡ ኣብ ካሊፎርኒያ፡ ሳን ሆዘ ተወሊዳ ዓብያ።

ወላዲ ኣቦኣ ግርማ ኣወቀ፡ ብሰንኪ ኲናት ካብ ሃገሩ ክወጽእ እንከሎ፡ ኣዲኣ ሰብለ ደምሴ ንትምህርቲ'ያ ናብ ኣመሪካ ከይዳ።

"እቲ ውርሻ ኢትዮጵያ፡ ባህሊ፡ መግቢ፡ ቋንቋ፡ ኵሉ... እቲ ሕብረተሰብ ብምሉኡ ኣብ ኣተዓባብያይ ዓቢይ እጃም ነይርዎ። ኣብ ሳን ሆዘ ዓቢይ ማሕበረሰብ ነይሩና። ወትሩ ዓቢይ ክፋል [መንነተይ] እዩ ነይሩ። ብመበቈለይ፡ ስድራይ ዝመጽእሉ ኣዝየ እሕበን፡" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ቋንቋታት እንግሊዝኛን ኣምሓርኛን እትዛረብ ናኦሚ ግርማ፡ ኣመሪካዊት ብምዃና'ውን ትሕበን።

በቲ ሕጂ በጺሓትሉ ዘላ ደረጃ ድማ ንቐጻሊ ወለዶ ከተተባብዕ ትደሊ።

"መብዛሕትኡ ግዜ፡ ውላድ ስደተኛታት ከም ምዃነይ መጠን፡ ሰባት ኣብቲ ክትኸዶ እትደሊ ቦታ፡ ክትሰርሖ እትደሊ ነገራት ኣይትርእዮምን ኢኻ። ከም ውጽኢቱ ድማ ዝዓበየ ነገር ክትሓልም ኣዝዩ ከቢድ'ዩ፡" ትብል።

ወሲኻ፡ "ንዓይ፡ ንጹር'ዩ - 'ዝመጻእኩሉ እዚ'ዩ፡ ከምዚ ንምዃን ድማ በቒዐ ኣለዅ'፤ እዚ ካልኦት ቈልዑ ክርእይዎ ምግባር ንዓይ ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ። ናይዚ መርኣያ ምዃን ንዓይ ብሓቂ ኣገዳሲ'ዩ፡" ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።

ናኦሚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት [2024] ሕጽይቲ ብልጽቲ ተጻዋቲት ኵዕሶ እግሪ እቲ ዓመት ከም ዝነበረት ይዝከር።

2. ኣቦኣ፡ ፍቕሪ ኵዕሶ እግሪ ኣትሒዙዋ

ናኦሚ ግርማ፡ ኣቦኣ ኣብ ፍቕሪ ኵዕሶ እግሪ ክትወድቕ ከም ዝሓገዛ ገሊጻ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ናኦሚ ግርማ፡ ኣቦኣ ኣብ ፍቕሪ ኵዕሶ እግሪ ክትወድቕ ከም ዝሓገዛ ገሊጻ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ናኦሚ፡ ፍቕሪ ኵዕሶ እግሪ ካብ ኣቦኣ እያ ወሪሳቶ።

ኣብ ሳን ሆዘ 'ማሌዳ ሶከር' ዝተባህለ ክለብ መስሪቱ። ጓሉ ኣብዚ እያ ኵዕሶ እግሪ ክትጻወት ጀሚራ።

"ኢትዮጵያውያን ቈልዑ ተኣኪቦም፡ ኵዕሶ ክጻወቱ፡ ክዘናግዑ ብዝብል'ዩ መስሪቱዎ፤ ወለዲ ኣብ ጐኒ ይዛነዩ ነይሮም፡ ኣዝዩ መዘናግዒ ድማ ነይሩ። ኵሉ ግዜ ጸቕጢ ከይተገብረለይ እቲ ጸወታ ከም ዝለመድኩዎ እዝክር። ንመዘናግዒ ጥራይ ብዝብል፡" ትብል።

ድሕሪኡ፡ ምስ ሰንትራል ቫሊ ክሮስፋየር ተጻዊታ።

ኣብኡ ድማ ኣሰልጣኒኣ ቦብ ጆይስ ናብ ፕሮግራም ልምዓት ኦሎምፒክ ክትጽንበር ኣተባቢዕዋ።

ብድሕሪኡ ናብ ጋንታ ትሕቲ 14 ዓመት ክትጽንበር ዕድመ ቀሪቡላ።

ካብኡ ንፓዮንየር ላዕለዋይ ቤት ትምህርቲ ቀጺላ ድማ ኣብ ስታንፎርድ ዩኒቨርሲቲ ተጻዊታ።

ወትሩ ግን ነቲ ዝነበራ ምቕሉል ኣጀማምራ ኣይትርስዖን።

"እቲ መባእታዊ ማሕበረሰብ ኣብ ምሉእ ግዜ ዝድግፈኒ ዝነበረ ኰይኑ ይስምዓኒ ነይሩ፤ ምሳይ ምህላዎም ድማ ኵሉ ግዜ ፍሉይ ኰይኑ ይስምዓኒ ነይሩ።"

እታ ወላዲ ኣቦኣ ብዝጀመሮ ክለብ ኵዕሶ እግሪ ጸወታ ዝጀመረት ናኦሚ፡ ሕጂ ዋጋኣ ሓደ ሚልዮን ዶላር ኰይኑ፤ እታ ኣዝያ ዝኸበረት ጓለንስተይቲ ተጻዋቲት ድማ ተባሂላ።

ቅድሚ ሕጂ፡ ዝለዓለ ዋጋ ጓለንስተይቲ ተጻዋቲት ኵዕሶ እግሪ 685 ሽሕ ፓውንድ'ዩ ነይሩ።

እዚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ለካቲት፡ ቤይ ኤፍሲ ንሬቸል ኩንዳናንጂን ክትፍርም ከላ ዝኸፈለቶ መጠን ገንዘብ እዩ።

ቸልሲ፡ ኣብ ጥሪ ዝሓለፈ ዓመት ንማይራ ራሚሪዜን ከተፈርም እንከላ 384 ሽሕ ብምኽፋል ክብረ ወሰን ሒዛ ነይራ።

ትውልደ ኢትዮጵያዊት ናኦሚ ግርማ "ምስ ሚሊ ብራይት ንኽጻወት ተሃንጥየ ኣለዅ፡" ብምባል ንቢቢሲ ክትዛረብ እንከላ፡ ሚሊ ብራይት ብወገና ናኦሚ ናብ ቸልሲ ብምምጽኣ ሕጕስቲ ከም ዝዀነት ገሊጻ።

ናኦሚ፡ ብልጽቲ ተጻዋቲት ኣመሪካ ተባሂላ ዝተሓረየት ፈላሚት ተኸላኻሊት እያ።

ሃገራዊት ጋንታ ደቀንስትዮ ኣመሪካ ሜዳልያ ወርቂ ክትወስድ እንከላ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደቒቕ ተጻዊታ እያ፥

'ደጀን' ተባሂላ እትግለጽ ናኦሚ፡ ኵዕሶ ብምቍጽጻርን ናይ መሪሕነት ክእለታን ፍሉይ ናእዳ ክትረክብ ይገብሩዋ።

ሃገራዊት ጋንታ ኣመሪካ፡ ኣብ ፓሪስ ኦሎምፒክ 2024 ወርቂ፡ ኮንካካፍ ጎልድ ዋንጫን ቢሊቭስ ዝተባህለ ዋንጫን ክትወስድ ክኢላ እያ።

3. ተጣባቒት ጥዕና ኣእምሮ እያ

ናኦሚን ኬቲን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስታንፈርድ ጥቡቕ ምሕዝነት ነይሩወን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ናኦሚን ኬቲን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስታንፈርድ ጥቡቕ ምሕዝነት ነይሩወን

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስታንፈርድ ምስ ሓላዊት ልዳት ኬቲ ሜየር ናይ ቀረባ መሓዙት ኰይነን።

ንሰለስተ ዓመታት ክኣ ብሓባር ተጻዊተን፤ ኣብ 2019 ድማ ብሓባር ሃገራዊ ሻምፕዮን ኤን.ሲ.ኤ.ኤ. [NCAA] ተዓዊተን።

ኬቲ ሜየር ኣብ መጋቢት 2022 ነብሰ-ቅትለት ፈጺማ፤ ነዚ ስዒቡ፡ ናኦሚ ኣብ ስፖርት ዝያዳ ደገፍ ጥዕና ኣእምሮ ንኽግበር ጐስጓስ ጀሚራ።

እታ ተኸላኻሊት ምስ ገለ ኣመሪካውያን ደቂ ጋንታኣ ብምዃን፡ 'ክሪኤት ዘ ስፔስ' ዝብል ማሕበረሰብ ኵዕሶ እግሪ ስነ-ኣእምሮኣዊ ውሕስና ዝረኽበሉ ሃዋሁ ንምፍጣር ዝዓለመ ምንቅስቓስ ኣበጊሳ።

"ንዓይ፡ ጥዕና ኣእምሮ ኣዝዩ ኣገዳሲ'ዩ። መሓዛይ ብነብሰ-ቅትለት ስኢነ'የ፤ እዚ ድማ ነቲ ከም ስፖርተኛታት ዘለና ሕጽረት ጸጋታትን ደገፍን ኣዒንተይ ክኸፍት ገይሩ'ዩ፡" ትብል ናኦሚ።

ወሲኻ፡ "ኣብ ኵሉ ጽፍሒታት ኣብ ዓለዊ ኵዕሶ እግሪ ዓቢ ምንቅስቓስ ክህልወኒን፡ 'እዚ ከመይ ጌርና ዝሓሸ ክንገብሮ ንኽእል? ዝብል ለውጢ ንምምጻእ ዘኽእሉ ጭቡጣት ነገራት እንታይ እዮም?' ዝብል ክሓስብን እየ ዝደሊ። ንዓይ ኣገዳሲን ኣበርቲዐ ዝሰርሓሉን ነገር'ዩ፡" ኢላ።

4. ታሪኽ ሞርጋን ኣተባቢዑዋ

ናኦሚ ግርማ፡ ኣድናቒት ኣሌክስ ሞርጋን ከምኡ'ዉን መሓዛን ጓል ጋንትኣን ከም ዝዀነትን ትዛረብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ናኦሚ ግርማ፡ ኣድናቒት ኣሌክስ ሞርጋን ከምኡ'ውን መሓዛን ጓል ጋንታኣን ከም ዝዀነትን ትዛረብ

ናኦሚ፡ ምስ በዓልቲ ሻም ኣመሪካ ዝዀነት ኣሌክስ ሞርጋን ጥቡቕ ዝምድና ነይሩዋ።

ጓል 35 ዓመት ተጻዋቲት ኵዕሶ እግሪ ዝነበረት ኣሌክስ ሞርጋን፡ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ጥሮታ ቅድሚ ምውጽኣ፡ ብደረጃ ክለብን ኣህጕራውን ተጻዊታ'ያ።

ኣሌክስ፡ ጥሮታ ኣብ ዝወጽኣትሉ መዓልቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ትህብ ነይራ።

ናኦሚ፡ ኣብዚ ፍጻመ ሕቶ ክትሓትት እያ ተረኺባ።

ነዛ ኣጥቃዒት ነበር ድማ፡ ኣብ ሜዳን ካብ ሜዳ ወጻኢን ከመይ ጌርካ መርኣያ ክትከውን ትኽእል ንዝብል ሞርጋን፡ "ብልጽቲ ኣብነት" እያ ክትብል ገሊጻታ።

ናኦሚ፡ ንፖድካስት 'The Women's Game' ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ ኣሌክስ ሞርጋን፡ "ንዝረኸበቶ መድረኽን ጽልዋን ብኣግባቡ ክትጥቀም ዝኽኣለት እያ። ጽልዋኻ ንጽቡቕ ነገር ምጥቃምን ነቲ ዘለካ መድረኽ ምጥቃምን ካብኣ ዝወሰድክዎ ነገር'ዩ፡" ኢላ።

ብተወሳኺ፡ "ኣብ ጐድኒ" ሞርጋን ኮፍ ክብል ምኽኣለይ፡ "ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ከመይ ጌርካ ከም እትሰርሕ" ግንዛበ ከሕድር ኣኽኢሉኒ እዩ ኢላ።

ሞርጋን'ውን ንናኦሚ ንኢዳታ እያ።

"ምስ ከማኺ ዝበለት በላሕ ተኸላኻሊት ተጻዊተ ኣይፈልጥን፡" ዝበለት ሞርጋን፡ "[ኣብ ጸዋታ] ንነብሳ ኣብ ሕማቕ ቦታታት ኣእትያ ኣይትፈልጥን። እተጥቅዓሉ ግዜ ኣጸቢቓ'ያ ትፈልጥ፤ ሳሕቲ'ያ ከም ተኸላኻሊት ናብ መሬት ክትወድቕ እትርአ፡" ኢላ።

5. ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ኮኸብ ክትከውን በቒዓ

ናኦሚ ግርማ፡ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ'ያ ሓንቲ ካብተን ብሉጻት ተኸላኸልቲ ዓለምና ንምዃን በቒዓ።

ኣብ 2022 ንሓዳስ ክለብ ሳንዲያጎ ዌቭ ኣብ ዝተመርጸትሉ እዋን፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጋንታኣ ኣብ ዝነበረት ስታንፎርድ ካርዲናል ብዘርኣየቶ መስተንክራዊ ብቕዓት ተሸሊማ።

ብድሕሪኡ ኣብታ ዓመት ምሉእ ኣህጉራዊ ጸወታ ኣካይዳ።

ብቕልጡፍ ድማ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ደቀንስትዮ ኣመሪካ ጽልዋ ዝፈጠረት ኰይና።

ሃገራዊት ጋንታ ደቀንስትዮ፡ ኣብ ፓሪስ ኦሎምፒክ ክትዕወት እንከላ ኣባል እታ ጋንታ ከም ዝነበረት ይፍለጥ።

ኣመሪካ ኣብ ፓሪስ ኦሎምፒክ ወርቂ ክትወስድ እንከላ፡ ናኦሚ ኣብ ምሉእ ደቓይቕ እቲ ጸወታ ተሰሊፋ ምንባራ ይዝከር።

ኣብ ሜዳ ዘርኣየቶ ብቕዓት ማእለያ ዘይብሉ ናእዳን ትዅረትን ኣውሒዙላ።

ገለ ካብቲ ዝረኸበቶ ዓወታት፤

  • ኣብ 2022፡ 2023 ብልጽቲ ተኸላኻሊት እቲ ዓመት ኰይና ኣብ ኣመሪካ ዓመታዊ ንሃገራዊት ጋንታ ደቀንስትዮ ዝወሃብ ሽልማት ሊግ ወሲዳ
  • ኣብ 2023 ብልጽቲ ጓለንስተይቲ ተጻዋቲት ኣመሪካ ተባሂላ ተሸሊማ
  • ኣብ 2024 ኣብ ፊፋ ንሽልማት ብልጽቲ ተጻዋቲት ደቀንስትዮ ተሓጽያ፤ ኣብ 11 ብሉጻት ፊፋ ደቀንስትዮ ድማ ተሸሊማ
  • ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድማ፡ ሕጽይቲ ብልጽቲ ጓለንስተይቲ ተጻዋቲት ኵዕሶ እግሪ ቢቢሲ ነይራ