ዘይነብ ባዳዊ፡ ብዛዕባ ታሪኽ ኣፍሪቃ ዝበለጸት መጽሓፍ ዘቕረበት ደራሲት

ብዛዕባ ጥንታዊ ታሪኽ ኤርትራ ዓሚቝ መጽናዕቲ ንምክያድ ኤርትራ በጺሓ ቀንያ

ምንጪ ስእሊ, Shabait

መግለጺ ስእሊ, ብዛዕባ ጥንታዊ ታሪኽ ኤርትራ ዓሚቝ መጽናዕቲ ንምክያድ ኤርትራ በጺሓ ቀንያ

ፍልጥቲ ጋዜጠኛን ምህርትን ሱዳናዊት-ብሪጣንያዊት ዘይነብ ባዳዊ፡ ብዛዕባ ጥንታዊ ታሪኽ ኤርትራ ዓሚቝ መጽናዕቲ ንምክያድ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ኤርትራ ዑደት ኣካይዳ ነይራ።

ንሳ ምስ ማዕከን ዜና ኤርትራ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት፡ ምስ ፕረዚደንት፡ ገለ ምኒስተራት መንግስቲ ከምኡ'ውን ትካላት ሕቡራት ሃገራት፡ ከም ዝተራኸበት ትገልጽ።

ኣብ ታሪኻዊ ቦታታት ኤርትራ ዑደት ዘካየደት ዘይነብ፡ ብዛዕባ ዕቝር ሃብቲ ኤርትራ እትገልጽ ሰነዳዊ [ዶክመንታሪ] ፊልም ክትሰርሕ ከም እትደሊ እያ ትገልጽ።

ኣብቲ "መስተንክር ስነ-ጥንታዊ ቦታታት፡" ኢላ ዝገለጸቶ ታሪኻዊ ቦታታት ከም ዝበጽሐት ብምጥቃስ፡ ታሪኽ ባሕሪ ኤርትራ ምስ ዓባይ ጥንታዊት ከተማ ኣዱሊስን ኣብ ዝተኣሳሰር ነገራት ኣተኵሮ ከም ዝገበረት ትገልጽ።

እዚ ድማ ንብዙሓት ሰባት ታሪኽ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ሃብታምን ዓሚቝን ምዃኑ ንኽፈልጡ "ብሓቂ ዓይኒ ዝኸፍት" እዩ ኢላ።

ኣብ መንጐ ኤርትራ፡ ኤርትራውያን፡ ካልእ ክፋል ዓለምን ዓቢይ ጽምዶ ክፈጥር ድማ ተስፋኣ ገሊጻ።

ኣብ ክሊ ምሁራን፡ ምናዳ ኣብቶም ብክፍሊ-ዓለም ኣፍሪቃ ዝግደሱ ተመራመርቲ፡ ንዘይነብ ባዳዊ ዘይፈልጥ ሰብ ክህሉ ኣይክእልን ምባል ምግናን ኣይኰነን።

እዛ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ መደባት ቢ.ቢ.ሲ. ይዅን ኣይ.ቲ.ቪ. ከም ቀንዲ-ኣቕራቢት ኰይና ዘገልገለት ምኵርቲ ጋዜጠኛ ሕጂ ፕረሲደንት ናይቲ ብሶኣስ (SOAS) (School of Oriental Studies) ዝፍለጥ - ኣካል ዩኒቨርሲቲ ለንደን - ኰይና እተገልግል ዘላ ፈላጥን ክብርትን ጋዜጠኛን ተማራማሪት ታሪኽን'ያ።

ሶኣስ ኣብ መጽናዕትታት ኣፍሪቃን እስያን ማእከላይ-ምብራቕን ኣተኲሩ ዝነጥፍ ፍሉጥ ዩኒቨርሲቲ ዓዲ-እንግሊዝ እዩ።

ዝና ዘይነብ ባዳዊ በታ ዝሓለፈ ክረምቲ ዘቕረበታ ሓዳስ መጽሓፋ ዳግም ተሓዲሱ ክብ ኢሉ ይርከብ።

መሸጣ ናይዛ 'ሓደ ኣፍሪቃዊ ዛንታ ናይ ኣፍሪቃ / ወይ ከኣ ብኣፍሪቃውያን ዝቐረበ ታሪኽ ኣፍሪቃ' (An African History of Africa) ዘርእስታ መጽሓፍ ብኡ-ንብኡ ተዘርጊሑ ኣብ መስርዕ-መሸጣ ዓዲ-እንግሊዝ ጸብለል ኢላ እያ።

ኣብ ዝርዝር ብሉጻት-መጻሕፍቲ 'ሳንደይ-ታይምስ' ንኽትኣቱ ኸኣ ግዜ ኣይወሰደላን።

ቢቢሲ'ውን ኣብቲ 'ሰሙናዊ ዝበለጸት መጽሓፍ' ኣብ ዝብል መደቡ 'እታ ኣዝያ መሳጢት መጽሓፍ' ኢሉ ብምስማይ ኣቕሪቡዋ።

ብተወሳኺ፡ 'ቅያዊት ዛንታ ኣፍሪቃ ብኣዘናትዋ ኣፍሪቃውያን' ክብል ኣድናቘቱ ገሊጹ።

ዘይነብ ኣብ ታሪኻዊ ቦታታት ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, Shabait

መግለጺ ስእሊ, ዘይነብ፡ ኣብቲ "መስተንክር ስነ-ጥንታዊ ቦታታት፡" ኢላ ዝገለጸቶ ታሪኻዊ ቦታታት ኤርትራ በጺሓ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቢቢሲ "ዛንታ ኣፍሪቃ ብኣፍሪቃውያን" ኢሉ ኣስሚሩ ዝገለጸሉ ምኽንያት ክሳብ ሕጂ ዛንታ ኣፍሪቃ ብወጻእተኛታት በጻሕቲ፡ ብምስዮናውያን፡ ብኣውሮጳውያን ዳህሰስቲ፡ ብወጻእተኛታት ጋዜጠኛታት ... ወዘተ ክጸሓፍ ስለ ዝጸንሐ፡ ኣፍሪቃውያን ባዕላቶም ንታሪኾም ብግቡእ ጽሒፎም ከቕርቡ ብዕብለላ ካልኦት (ዘይኣፍሪቃውያን ተመራመርቲ) ጸገማት ስለዝነበሮም ንምብራህ ዝዓለመ እዩ።

እዛ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ልዑል ደረጃ ጋዜጠኛነት ዝነጠፈት ደራሲት ነቲ ጸገም ተረዲኡዋ 'ዛንታ ኣፍሪቃ ካብ ኣፍ ኣፍሪቃውያን' ዝብል ናይ ብሕታ ዕላማ ኣበጊሳ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ኣፍሪቃ ብምብጻሕ እንሆ እቶም ዝኣከበቶም ዛንታታት ብመልክዕ መጽሓፍ ከተቕርቦ ብምኽኣላ ብመዛኑኣ፣ እንኮላይ ካብ ፕሮፈሰር ደይቪድ ካናዳይን ብዙሕ ምጐሳ ክትረክብ ከኣለት።

ፕሮፈሰር ካናዳይን ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ጸሓፍትን ተመራመርትን ዓዲ እንግሊዝ'ዩ።

ፍሉይ ውሕልነቱ ኣብ ዘበን-ኣምጽኦ ታሪኽ (modern history) ኰይኑ ኣብ ፕሪንስተን - ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝርከብ ዓቢ ዩኒቨርሲቲ - ፍሉይ ቦታ ዘለዎ ብሉጽ ተመራማሪ-ታሪኽ'ዩ።

ፕሮፈሰር ካናዳይን ንመጽሓፍ ዘይነብ በዳዊ ክገልጻ እንከሎ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፡ "እዛ መጽሓፍ'ዚኣ ነቶም ብክፍለ-ዓለም ኣፍሪቃ ዝግደሱ ተመራመርቲ ጥራይ ዘይኰነትስ እንኮላይ ነቶም ብዛዕባ ኣፍሪቃ ብቝዕ ፍልጠት ኣሎና ዝብሉ ተመራመርቲ እያ ... ፍልጠቶም ንከተሐድስ ዓቕሚ ስለ ዘለዋ" ክብል ብኣድናቘት ይገልጻ።

ማርጋረት ባስቢ - ኣብ ለንደን እትርከብ ዝተፈላለዩ ሽልማታት ዝረኸበት ኣሕታሚት፡ ኣሰናዳኢት፡ ጸሓፊት፡ ጋዜጠኛ ራድዮን ተለቪዥንን - ብዛዕባ መጽሓፍ ዘይነብ ባዳዊ ክትምስክር እንከላ "ብርቂ ዝዀነ ክቡር-ዕንቊ-ሓቂ ሒዛ ቅድሚ ሕጂ ተዘንትዮም ዘይፈልጡ ዛንታታት ኣፍሪቃ እተቕርብ መጽሓፍ'ያ" ትብል።

ዘይነብ ባዳዊ ምስ መጽሓፋ

ምንጪ ስእሊ, @TheZeinabBadawi

ዘይነብ፡ እዛ ብ'ፐንግዊን ቡክስ' ዝተሓትመት፡ ንስድራኣ ዝወፈየታ፡ 532 ገጻት ዘለዋን 17 ምዕራፋት ሓቚፋ ዝቐረበትን መጽሓፋ "ካብ መጀመርታ ፍጥረት ወዲ-ሰብ ክሳብ ግዜ ናጽነት" ዝብል ንኡስ-ኣርእስቲ ኣጠሚቓ ብመሳጢ ኣቀራርባ ትጅምራ።

"ኵሉ ሰብ መበቈሉ ካብ ኣፍሪቃ ስለ ዝዀነ እዛ መጽሓፍ'ዚኣ ንዅሉ ሰብ'ያ ቀሪባ" ኢላ'ያ ተበግሳ።

ጥንታዊ ይዅን ዘመናዊ ታሪኽ ኣፍሪቃ ብሰፊሑ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ዓለምና ብግቡእ ከም ዘይቀረበ እትምጕት ዘይነብ፡ ዛንታ ኣፍሪቃ ምስ ምምጻእ ኣውሮጳውያን ዳህሰስቲ ከም ዘይጀመረ ብምጥቃስ "ኣፍሪቃ ናታ ተዋጋእቲ ነጋውስ፡ ዓበይቲ-ዓዲ ይዅኑ መራሕቲ እምነታት ዝነበርዋ፡ ባዕሎም ዘተኣታተውዎ ስልጣነ ከም ዝነበሮም፡ ምድረ-ነገስታት መስሪቶም ብናታቶም ሕጊ ተቐይዶም ይነብሩ ነበሩ" እናበለት ብመረዳእታታት እናሰነየት ትምጕት።

መብዛሕትኡ ታሪኽ ኣፍሪቃ ብባርነት፡ ሃጸይነት፡ መግዛእቲ-ባዕዲ እዩ ክግለጽ ጸኒሑ ትብል ደራሲት ዘይነብ ባዳዊ።

'ኣነ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ኣፍሪቃ ዝተወለድኩ ሰብ ስለ ዝዀንኩ ታሪኽና ሃብታም ምዃኑ ይርድኣኒ ነይሩ፣ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ካብ ቍልዕነተይ ጀሚረ ክዓቢ ከለኹ እዞም ሕጂ ኣብ መጽሓፈይ ኣስፊረዮም ዘለኹ ዛንታት ሽዑ ተማሂረዮም እንተ ዝነብርሲ ክንደይ'ኰን ምጠቐሙኒ ነይሮም ...? ሓቀኛ ታሪኽና ዘዘንትወለይ ብቝዕ መጽሓፍ ሃሰስ እብል ነበርኩ፣ ግን ኣይረኸብኩን' እናበለት ንድሕሪት ተመሊሳ ዘቕረበቶ ኣስተንትኖ ኣብ መእተዊኣ ኣስፊራቶ ኣላ።

ብዛዕባ መሮወ - እታ ኣብ ምብራቓዊ ሰሜን ሱዳን (ጥቓ ቀይሕ ባሕሪ) እትርከብ ጥንታዊትን ውርይትን ከተማ ዝነበረት - መደበር ኩሻዊ ምድረ-ነገስት - ከመይ ኢላ ከም ዝተተኽለትን ዝበልጸገትን ደሓር ከም ዝተዳኸመትን ምንባብ ብሓቂ መሃሪ'ዩ።

ምድኻም መሮወ ምስ ምምጻእ ኣኽሱማዊ ምድረ-ነገስት ከመይ ኢሉ ከም ዝተኣሳሰር፡ ንሓደ ሽሕ ዓመታት ከኣ ኣብ ዞባና ከም ዝጸንሐ ምንባብ መስተንክር'ዩ ክበሃል ይከኣል።

ንኣብነት ኣብ ምዕራፍ ኣርባዕተ ብዛዕባ መሮወን መንግስተ-ኣኽሱምን እዚ ዝስዕብ ጽሑፍ ንረክብ ... "ድምቀት ኮኾብ መሮወ እናሃሰሰ ምስ ከደ ኮኾብ ኣኽሱም ደመቐ። ዝና ኣኽሱም ከኣ ኣብ ርሕቑን ብሃገሩን ተዘርግሐ። ኣብ ሳልሳይ ክፍለ-ዘመን ዝነበረ ፋርሳዊ ኣስማተኛን ጸሓፍ-ታሪኽን ማኒ (Persian mystic Mani) ብዛዕባ ኣኽሱም እኹል ምርምር ምስ ኣካየደ ብሓቂ ገረሞ፣ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ጥንታውያን ምዕባለታት ዓለምና ምዃኑ ኸኣ መስከረ - ከም በዓል ባቢሎን፡ ሮማ፡ ቺና።"

ቀጺላ ኣብ ምዕራፍ ሓሙሽተ ኣብ ዞባና መስቀልን ሰርቂ-ወርሕን ብኸመይ ከም ዝተኣሳሰሩ ክትገልጽ ምንባብ መስተንክር'ዩ።

ሓይሊ ነገስታት ክርስትያን ኣብ ዞባና ብዕብየት ምስልምና ብኸመይ ኣገባብ ከም ዝተበድሀ፡ ጸኒሖም ከኣ ከመይ ኢሎም ምድረ-ሱልጣን ዝተተኽልሉ ኪደት ከተዘንቱ ንባዕሉ ትምህርቲ'ዩ።

ኣተኵሮኣ ኣብ መንጐ ክርስትያንን ኣስላምን ዝነበረ ውድድርን ምትህልላኽን ዘይኰነስ ኣብ መንጐኦም ዝነበረ ስኒትን ሓቢርካ ምንባርን ጽቡቕ ገይራ ስለ እትገልጾ ናይ ግድን ክንበብ ዝግብኦ መሃሪ ምዕራፍ'ዩ ክበሃል ይከኣል።

ዘይነብ ባዳዊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ ዝነበረ ንሕንሕ ኣብ ሃይማኖታዊ ውድድር ዝተመርኰሰ ከም ዘይነበረ፡ ሕሉፍ-ሓሊፉዎም እቲ ዝነበረ ሓባራዊ ናብራኦም ተኸባቢሮም ንኽነብሩ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ መውስቦ'ውን ዘድሃበ ከም ዝነበረ ትጠቅስ።

ደራሲት እቲ ሽዑ ዝነበረ ስኒት ንኽትገልጽ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸሰተ መስተንክር ነገር ትጠቅስ። እዚ ኸኣ "እቶም ሰለስተ ዓበይቲ ኣብራሃማውያን ሃይማኖታት - ኣይሁድነት፡ ምስልምናን ክርስትናን - ኣብ ዞባና ዝነበሮም ታሪኻዊ ሱርን ሰለስቲኦም ማሕበረሰባት ኣብ ኢትይጵያ ይነብሩ ከም ዝነበሩ - እንኮን ፍሉይን ህላወ - ትገልጽ።

ብሓጺሩ ነበርቲ ዞባና ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት'ኳ ይንበሮም፡ ብዓሌቶም ዝመሳሰሉ፡ ባህሎም ዝወራረስ ኰይኑ ብቋንቍኦም ዘይረሓሓቝ ዓይነት ሰባት ከም ዝነበሩ ትጠቅስ።

ብዛዕባ መሮወ፡ ኣኽሱም፡ ቢዛንትዮማዊ ጽልዋ፡ ምትእትታው ምስልምና፡ ተራ ወደብ ኣዱሊስ፡ ጸኒሖም ግን ነገስታት ኣኽሱም ከመይ ኢሎም ከም ዝተዳኸሙ ዝገልጹ ሓተታታት ምንባብ 'ለካ ዞባና ከምቲ ዝንገረና ዝነበረ ለውሳስ ታሪኽ ዘይኰነስ ፍናን ዝመልስ ታሪኽ ዘለና ኣህዛብ ኢና' እዩ ዘብል።

ደራሲት ዘይነብ ባዳዊ ብሓቂ ሓደ ብርቅን መሃርን መጽሓፍ'ያ ኣበርኪታ። እዛ ኣብ ኦክስፎርድ ዩኒቨርሲቲ ዝተማህረት፡ ብስርሓ ብርክት ዝበሉ ሽልማታት ዝዓተረት ጋዜጠኛ ኣብ ካርቱም ሱዳን'ያ ተወሊዳ።

ታሪኽ ኣፍሪቃ ንነዊሕ ዘመን ብትራኸ ፈረንጂ - ብዛዕባ ባርነትን ባዕዳዊ መግዛእትን - ተዓብሊሉ ብምጽንሑ ብምሒር ተደጋጋምነት ንግዱሳት ኣዳኺሙ ተጐስዩ ክሕለፍ'ዩ ጸኒሑ።

ሕጂ ግን ደራሲት ዘይነብ ነቲ ተዓቢጡ ዝነበረ ታሪኽ ፍሒራ ብምውጻእ፡ ደሮናኡ ነጊፋ ዝና ጥንታውያን ነገስታትና፡ ዝነበረና ስልጣነ፡ ዝነበሩና መራሕቲ ቀቢላታትና፡ ተዋጋእትና፡ ምስ ባህልናን እምነትናን ምሕደራዊ ስርዓትናን ኣተኣሳሲራ፡ ኵሉ-እንተናና ኮታ፡ ዳግማይ ምስ ዓለም ከተፋልጦ ብምኽኣላ ንታሪኽ ኣፍሪቃ ሕብራዊ ህይወት መሊሳትሉ ኣላ ዝብሉ ኣካደምያውያን ሃየስቲ ኣለዉ።

ነዚ መጽሓፍ ንምድላው ንብዙሓት ተመራመርቲ ታሪኽ፡ ስነ-ሰበኛታት፡ ስነ-ጥንተኛታት፡ ኣዘንተውቲ ደቂ-ዓዲ ብምዝርራብ ኣብ ፈቐዶኡ ተቐቢሮም ዝነበሩ ዛንታታት ንምፍታሽ ንሰላሳ ሃገራት ኣፍሪቃ ድሕሪ ምብጻሕ ውጽኢቱ እንሆ።

ሓደ ሰሓብን መስተንክርን ጸብጻብ ናይታ ካብ ኵለን ክፍለ-ዓለማት ብዕድመ ዝዓበየት ኣፍሪቃና ካብ ኣፍ ኣፍሪቃውያን ዝተኣከበ ዛንታታት ጠርኒፋ ብምቕራባ ነቶም ንኣፍሪቃ ብኣድልዎን ጠውቅን ዝፈርዱ ሰባት ክትብድሆም ክኢላ ኣላ ክበሃል ይከኣል።

"መናእሰይ ኣፍሪቃውያን ተምሃሮ ኣብ ዝተፈልየ ዓለም - ካብቲ ኣነ ዝዓበኹሉ ዓለም ማለተይ'ዩ - እዮም ዝነብሩ ዘለዉ። እቲ ሕጂ ዝጠልቡዎ ትምህርቲ ንመንነቶምን ህላወኦምን ሕልምታቶምን ዘንጸባርቕ ክዀነሎም'ዮም ዝደልዩ። እዚ ዘቕርቦ ዘሎኹ መጽሓፍ ንጠለባቶም ብከፊል ከማልእን ከም መጀመሪ ክኸውንን ተስፋ ኣሎኒ" ትብል ዘይነብ ባዳዊ።