ኤርትራ፡ ኣብ ኣዱሊስ ዝተረኽበ ሓዱሽ ጥንታዊ ቅርስታት እንታይ'ዩ?

መሰረት ጥንታዊ ህንጻ ኣዱሊስ

ምንጪ ስእሊ, MoI/X

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ጥንታዊት ወደብ ኣዱሊስ ብዝተኻየደ ኩዕታ ገለ ቅርስታት ከምዝተረኽበ ተመራመርቲ ስነጥንቲ ሓቢሮም ኣለዉ።

እቲ ብምትሕብባር ኤርትራውያንን ኢጣልያውያንን ተመራመርቲ ዝተኻየደ ኩዕታ ካብ 1500 ክሳብ 500 ቅድሚ ልደተ-ክርስቶስ ንዝነበረ እዋን ዘብርህ ሓድግታት ስርሓት ከይላ (ሰራሚክስ) ረኺቡ።

"ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ተመራመርቲ ስነጥንቲ ከምዝብልዎ፡ እዚ ርኽበት'ዚ፡ ነቲ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሻውዓይ [ክፍለዘመን] ዝነበረ እዋናት ኣብ ምትእስሳር ኣገዳስነት ኣለዎ" ከምዝበሉ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ጸብጺበን።

ኣወሃሃዲ ናይቲ ፕሮጀክት ዶ/ር ጸጋይ መዲን፡ እቲ ዝተረኽበ ኣሰራት "ንታሪኽ እታ ሃገርን እቲ ዞባን ኣብ ምህብታም ዓቢ ኣገዳስነት" ኣለዎ ኢሉ።

ኢጣልያዊት ተማራማሪት ሰሬና ማሳ ብወገና፡ ኣዱሊስ "ዓለምለኻዊ ታሪኻዊ ኣገዳስነት" ከምዘለዋ ብምግላጽ፡ "እቲ ጥንታዊ ሰነዳትን ሓወልትታትን፡ ኣብ መንጎ ስልጣነ ኣዱሊስን ፑንትላንድን ንምትእስሳር ኣገዳሲ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ክትብል ተዛሪባ።

ፕሮፌሰር ማሳ ኣብ 2018 ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ-መሕትት፡ "ሓንቲ ኣብ ትሕቲ ጭቃ ናይቲ ኣዕንይዋ ክኸውን ዝኽእል ዕልቕልቕ ዝተዓቀበት ምልእቲ ከተማ ምርካብ ማለት፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓድሽ ናይ ታሪኽ ምዕራፍ ክጻሓፈሉ ዘኽእል ፍሉይ ሓበሬታ ምርካብ ማለት'ዩ" ኢላ ነይራ።

ፕሮጀክት ኩዕታ ጥንታዊት ወደብ ኣዱሊስ ብምትሕብባር ኢጣልያውያን ተመራመርቲ'ዩ ኣብ 2011 ተጀሚሩ።

ጥንታዊ ስብርባር ከይላ

ምንጪ ስእሊ, MoI/X

ኣብ ጉንቦት 2018፡ ብዘተኻየደ ጥንቃቐ ዝመልኦ ኩዕታ ምዕራባዊ ዓቢ በሪ ናይታ ጥንታዊት ከተማ ተረኺቡ ነይሩ።

ብዘይካ'ዚ፡ ብዘደንቕ ክእለት ዝተነድቀን ብእምነበረድ ዘጌጸ መሰረት ቤተክርስትያን (ባዚልካ) ረኺቦም ምንባሮም ንቢቢሲ ሓቢሮም ነይሮም።

ኣብቲ ኩዕታ፡ ዝተፈላለዩ ጥንታዊ ሰናቲምን ስራሓት ካይላ ዝኾኑ ዕትሮታትን መሳተዪን ምርካቦም'ውን ይዝከር።

ጥንታዊ ሳንቲም ኣዱሊስ

ምንጪ ስእሊ, SERENA MASSA

ኣዱሊስ፡ ካብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ንደቡዊ ምብራቕ 50 ኪ/ሜ ርሒቓ እትርከብ ኮይና፡ ብሰሜን ዓፍታ ብደቡባ ዙላ ማእኪላ ኣብ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ተደኲና ትርከብ።

ኣብ መበል 8ይ ክፍለ-ዘመን ድሕሪ ልደተ-ክርስቶስ ብናይ ዝናብ ዕልቕልቕ ዓንያን ተደብያን ክትከውን ከም እትኽእል ተመራመርቲ ታሪኽ ይእምቱ።

ኣብ መበል 6ይ ክፍለ ዘመን ናብታ ከተማ ከም ዝበጽሐ ዝንገረሉ ኮሰማስ ኢንዲኮፕሉስተስ ዝተባህለ ነጋዳይ ዝነበረን ጸኒሑ'ውን ባሕታዊ ዝኾነን ግሪዃዊ፡ ሓደ ካብቶም ብዛዕባ ሂወት ጥንታዊት ኣዱሊስ ካብ ዝሰነዱ ቀዳሞት ጸሓፍቲ'ዩ።