ኤርትራ፡ ኣብ ቡያ ዝተረኽቡ ኣሰራት ሰለስተ ጥንታውያን ዓሌታት ሓሰማ

ሓሰማ

ምንጪ ስእሊ, KEW LITTLE PIGS

መግለጺ ስእሊ, ልዕሊ 70 ዝወለደ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝርከብ ሓሰማ

ኣብ ምብራቓዊ ኤርትራ ናይ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዓመታት ዕድመ ዘለዎ ሓድግታት ጥንታውያን ሓሰማታት ከምዝተረኽበ መጽናዕቲ ይሕብር።

ብመሰረት ኤርትራውያንን ኢጣልያውያንን ተመራመርቲ ንዓመታት ዘካየድዎ መጽናዕቲ እቶም ኣሰራት ዝተረኽቦም ዝጸነቱ እንስሳታት 'ኮልፖኰረስ ኦልዱቬንሲስ' (Kolpochoerus olduvaiensis), 'ኮልፖኰረስ ማጆስ' (Kolpochoerus majus)፡ ከምኡ'ውን 'ሜትሪዲዩረስ (Metridiochoerus) ተባሂሎም ዝኽፈሉ እዮም።

ኣብ ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ሓላፊ ጨንፈር ምርምርን ስነ-ጥንትን ዶ/ር ጸጋይ መዲን ኣብ መንግስታዊት መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ኣብ ዘሕተሞ ዝሑፍ፡ እቲ ኣሰራት ኣብቲ ሓያለ ሓድግታትን ኣሰራት ዝተዃዕተሉ ቡያ ዝተባህለ ታሪኻዊ ቦታ ከምዝተረኽበ ይሕብር።

"ኣስታት 1.0 ሚልዮን ዓመት ዕድመ ዘለዎም ጭርምራም ኣሰራት ሓድጊ ሓሰማ ኣብ ጋብላ ቡያ ተመዝጊቦም ኣለዉ" ይብል እቲ ሓደ ካብቶም ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ዶ/ር ጸጋይ።

እቲ ኣሰራት ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተዋህለለ'ዩ።

ኣስናን ናይቶም እንስሳታት ብምምርማር፡ ንዝነበሮም ኣመጋግባ፡ ኣከባቢን መፈጠራዊ ለውጥታትን ክርድኡ ከምዝኸኣሉ እቲ ኪኢላ ይዛረብ።

ንዝነበሮም ብልጫታት ብምጥቃም ለውጥታት ከርእዩን ናብ ካልእ ቦታ ከስፋሕፉን ከምዝኻሉ ድማ እቲ መጽናዕቲ የመልክት።

እቶም ኣሰራት ኣብቲ ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝርከብ ቤተመዘክር ተዓቂቦም ከምዘለዉ ዶ/ር ጸጋይ ይገልጽ።

ቡያ፡ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ስነጥታዊ ሓድግታትን ኣሰራትን ዝተረኽበሉ ልዑል ታሪኻዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ከባቢ ምዃኑ ይፍለጥ።

ጥንታዊ ሽክና "ወይዘሮ ቡያ"

ምንጪ ስእሊ, Shabait.com

ኣብ 2016 ኣብ ምድረ-በዳ ቡያ ብዝተኻየደ ኲዕታ ኣብ ከውሒ ዝተረኽበ 800 ሽሕ ዓመታት ዕድመ ዘለዎ ናይ 6 ሰባት ኣሰር እግሪ ብሓደ ነባሪ ናይቲ ኸባቢ ተረኺቡ ነይሩ'ዩ።

ኣብ ሙልሁሊ-ኣሞ ዝተባህለ ቦታ'ውን፡ ናይ ሓደ ሚልዮን ዓመታት ዕድመ ዘለዎ ኣዕጽምቲ (ክልተ ሽክናን ክልተ ፍንጫል መሰንገለን) ሰብ፡ ከምኡ'ውን ኣስናን ተረኺቡ ነይሩ።

ኣብ 1994 ኣብ ዝተኻየደ ስነምድራዊ (ጂኦሎጂካዊ) ዳህሳስ ኣሰራት ድሕሪ ምርካቡ'ዩ ቡያ ኣተኲሮ ተመራመርቲ ክስሕብ ጀሚሩ።

ኣብ 1995 ድማ፡ "ወይዘሮ ቡያ" ዝተሰምየ ምሉእ ጥንታዊ ሽክና ጓልኣንስተይቲ፡ ካብ ኣእማን ዝተሰርሑ መሳርሒታት፡ ከምኡ'ውን ናይ ዓሳን ሓርገጽን ዝርከብዎም ጥንታውያን ኣሰራት ተረኺቦም።

ሽክና "ወይዘሮ ቡያ" ካብ 650 ሽሕ ክሳብ 1.4 ሚልዮን ዓመታት ዕድመ ዘለዎ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ኣብ ታሪኽ ፍልቀት ሰባት ኣገዳሲ ስፍራ ምዃኑ ዝንገረሉ ቡያን ከባቢኡን፡ ተወሳኺ ኣሰራት ክርከቦ ይኽእል'ዩ ተባሂሉ ይእመን።