ናይ ምውዳቕ ሓደጋ ዘንጸላልዎ ዘሎ ሓወልቲ ኣኽሱም ንምጽጋን እንታይ ይግበር ኣሎ?

ሓወልቲ ኣክሱም

ሓደጋ ኣንጸላልዩዎም ንዝጸንሐ ሓድግታት ኣኽሱም ንምጽጋን ዘገልግሉ መሳርሕታት ናብ ዓዲ ከምዝኣተዉ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ጽገና ናይቶም ሓድግታት ኣብ ቀረባ እዋን ክጅምር ምዃኑ'ውን ብወግዒ ኣፍሊጡ።

ካብ ሓድግታት ዓለም ሓደ ዝኾነ ሓወልቲ ኣክሱም፡ ሓደጋ ኣንጸላልዩዎ ብምህላዉ፡ ንቡዙሓት ከሻቕል ጸኒሑ እዩ።

ሓድግታት ኣኽሱም ዘንጸላለዎም ሓደጋ እንታይ እዩ?

ብዙሓት ሰባት፡ እታ ሽምጣ ብገመድ ተኣሲራን ዝንብል ኢላን እትረኣይ ሓወልቲ ቁጽሪ 3 ከይትወድቕ እዮም ስግኣቶም ክገልጹ ጸኒሖም።

እቲ ርኡይን ዝዓበየ ሓደጋን ዋላ'ኳ ንሱ እንተኾነ፡ ካልኦት ሓድግታት ኣክሱም'ውን ኣብ ከቢድ ሓደጋ እዮም ዘለዉ።

"ልክዕ ከምቶም ሓወልታት ዋጋ ዘለዎም፡ ትሕቲ እቲ ሓወልቲ ዘለዉ መቓብራት ብምልኦም ነቒዖም እዮም ዝርከቡ" ይብል ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ስነ ኳዕትን ቱሪዝምን ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ኣቶ ተኽለብርሃን ለገሰ።

ሓወልቲ ኣክሱም

"ንኣብነት፡ ኣብ እግሪ እታ ዝዓበየት ሓወልቲ ዝርከብ ናይ ነገስታት መቓብር 10 ገዛውቲ ኣለዎ። ንሱ ብሙልኡ ነቒዑ፡ ዳርጋ ኣብ ክድርዓመሉ ዝኽእል ደረጃ እዩ በጺሑ ዘሎ። ገሊኦም ማይ መሊኦም፡ ገሊኦም ነቒዖም፡ ገሊኦም ድማ ብላዕሊ ሓመድ ጽዒንዎም ክድርዓሙ ዝበሉ እዮም" ብምባል ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋታት ኣብሪሁ።

ሓወልቲ ኣኽሱም ንምንታይ እያ ዘቢላ?

እተን ኣብ ኣክሱም ዘለዋ ቀንዲ ሓወልትታት፡ ሓወልቲ ቁጽሪ ሓደ፡ ክልተን ሰለስተን ተባሂለን እየን ዝፍለጣ።

ሓወልቲ ቁጽሪ ሓደ፡ እታ ወዲቓ ዘላን 520 ቶን እንትምዘን ኮይና 33 ሜትሮ ንውሓት ዘለዋ እያ።

ሓወልቲ ቁጽሪ ክልተ ድማ፡ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ብ 1997 ካብ ሮም ዝተመለሰትን ተመሊሳ ዝተተኸለትን ሓወልቲ ክትከውን ከላ፡ 170 ቶን እንትምዘንን 27 ሜትሮ ንውሓት ዘለዋን እያ።

ሓወልቲ ኣኽሱም 'ቁጽሪ ሰለስተ' ድማ፡ እታ ሕዚ ብገመድ ተኣሲራን ዘቢላን እትረኣይ፡ 160 ቶን ክብደትን 24 ሜትሮ ንውሓት ዘለዋን ሓወልቲ እያ።

እታ ሓወልቲ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳውያን 1906 ጀሚሩ ቁሩብ ዝንብል ዝበለት ምንባራ ኣቶ ተኽለብርሃን ይገልጽ። ሽዑ፡ እታ ሓወልቲ ብ0.9 ዲግሪ ናብ ኣንፈት ሰሜናዊ ምብራቕ ዘቢላ ምንባራ እዩ ዝግለጽ።

እዚ ግን፡ ኣብ ከይዲ እናወሰኸ እዩ መጺኡ።

"እታ ካብ ሮም ዝተመለሰት ሓወልቲ (ቁጽሪ ክልተ) ክትትከል ከላ፡ ብኮንክሪት ዓበይቲ ክሬናት ኣትየን ስለዝተኸለኦ፡ እቲ ናይ ምዝንባል ሓደጋ ወሲኹ፡ ተኣሲሩ እዩ ጸኒሑ" ኢሉ ኣቶ ተኽለብርሃን።

ሓወልቲ ኣክሱም

በዚ ምኽንያት ምዝባል ናይታ ሓወልቲ ናብ 0.23 ዲግሪ ከምዝዓበየ እዩ ዝፍለጥ።

እቲ ሓደጋ ሽዑ ተፈሊጡ እታ ሓወልቲ ንግዚኡ ተኣሲራ ክትጸንሕ፡ ቅልጡፍ ጽገና ተገይሩ ግን እቲ ገመድ ክፍታሕ እዩ ነይሩ እቲ ውጥን።

እንተኾነ፡ እቲ ሓደጋ ተፈሊጡ እንከሎ፡ እታ ሓወልቲ ተኣሲራ ን 12 ዓመታት ጸኒሓ።

ኣብ'ዚ እዋን፡ ናብቲ ትሕቲ መሬት ዝርከብ መቓብራት ማይ እናኣተወ፡ ከምኡ ድማ፡ ብእግሪ እቲ ሓወልቲ መካይን ስለዝመላለሳ ብዝፍጠር ምንቅጥቃጥ እቲ ኣብ ልዕሊ ሓድግታት ኣኽሱም ዝበጽሕ ሓደጋ እናገደደ ከምዝኸደ እቲ በዓል ሞያ ይገልጽ።

ሕጂ እቲ ጽገና መን እዩ ዘካይዶ?

እቲ ኣብ ሓድግታት ኣክሱም ወሪዱ ዘሎ ሓደጋታት ንምጽጋን፡ ብሞያዊ ዓቕሚ ውሽጢ ዓዲ ዝከኣል ከምዘይኮነ ዝገልጽ ኣቶ ተኽለብርሃን፡ ዓለምለኻዊ ጨረታ ከምዝወጸ ይገልጽ።

ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ላታንዚ ዝበሃል ናይ ጣልያን ኩባንያ ነቲ ጽገና ከካይድ ምዃኑ ሓቢሩ።

እዚ ጣልያናዊ ኩባንያ፡ ነታ ካብ ሮም ዝተመልሰት ሓወልቲ ዘጓዓዓዘን መሊሱ ዝተኸለን ኩባንያ እዩ።

እቲ ሕዚ ዝካየድ ጽገናታት፡ ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ይውድእ ዝብል እኳ እንተዘይተገለጸ፡ ቅድም ክብል ዝተኻየደ መጽናዕቲ ግን፡ ንሓድግታት ኣክሱም ንምጽጋን ክሳብ 3.9 ሚልዮን ዩሮ ክውድእ ከምዝኽእል ገሊጹ ነይሩ።

ካብ'ቲ ኣብታ ዘቢላ ዘላ ሓወልቲ ቁጽሪ ሰለስተን ኣብቶም ዝነቕዑ ጥንታውያን መቓብራትን ዝካየድ ጽገና ብተወሳኺ፡ ናብ'ቲ ትሕቲ ምድሪ ዘሎ ሓድግታት ዝልሑኽ ማይ ንምቁጽጻርን ንምእላይን'ውን ስራሕቲ ክውገኑ ምዃኖም ኣቶ ተኽለብርሃን ንቢቢሲ ገሊጹ።

ሓወልቲ ኣክሱም

ካብ'ዚ ብተወሳኺ ነቲ ኸባቢ ሓምለዋይ ንምግባር ዝግበሩ ስራሕቲ'ውን ክህልዉ እዮም ኢሉ።

አብ ልዕሊ እቲ ሓወልቲ ኣብ መጻኢ ክበጽሕ ንዝኽእል ሓደጋ ንምቕናስ ድማ፡ ብጥቓ እቲ ሓወልቲ ዝንቀሳቐሳ መኻይን ንምእጋድ ዘኽእል ፍታሕ ክመጽእ'ውን ትጽቢት ይግበር።

እቲ ጽገና ብጣልያናዊ ኩባንያ ላታንዚ ዝስራሕ'ኳ እንተኾነ፡ ነዚ ዕዮ ዝቆጻጸር ናይ ውሽጢ ዓዲ ሰብ ሞያ ዘለውዎ ሓይሊ ሕማም ከምዝቖመ ኣቶ ተኽለብርሃን ተዛሪቡ።

እቲ ሓይሊ ዕማም፡ ናይ ዩንቨርሲቲ ኣኽሱም፣ መቐለን ኣዲስ ኣበባን ምሁራን ዝርከብዎ ምዃኖም'ውን ገሊጹ።

እቲ ናይ ጽገና ስራሕ ኣብ ውሽጢ ሽድሽተ ኣዋርሕ ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዘሎ ኾይኑ፡ ነዚ ዘድሊ መሳርሕታት ድሮ ናብ ውሽጢ ዓዲ ኣትዩ ምህላዉ ተፈሊጡ።