ትራምፕ ብዘንቀሎ ጉዳይ ንኣደ ሓሙሽተ ቈልዑ ዝቐተለ ስደተኛ ምሉእ ዕድሚኡ ክእሰር ተፈሪዱ

ምንጪ ስእሊ, Harford Co Sheriff's Office
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ጸጥታ ዶባት ንምቍጽጻር ዝወስደሉ ዘሎ ስጕምቲ ዘንቀሎ'ዩ ብዝተባህለ ጕዳይ፡ ንሓንቲ ኣመሪካዊት ኣደ ሓሙሽተ ቈልዑ ዝቐተለ ካብ ኤል ሳልቫዶር ዝመጽአ ዘይሕጋዊ ስደተኛ ብዘይ ምሕረት ንዕድመ ልክዕ ክእሰር ተፈሪዱ።
ወዲ 24 ዓመት ቪክቶር ማርቲነዝ-ሄርናንደዝ፡ ብነሓሰ 2023 ኣብ ቤል ኤር ሜሪላንድ ንጓል 37 ዓመት ራቸል ሞሪን ብምዕማጽን ብምቕታልን ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ።
እታ ግዳይ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ናይ መሕዀሪ (ሃይኪን) መንገዲ ከም ዝተቐትለት ተገሊጹ።
እቲ ውልቀሰብ ድማ፡ ሬሳኣ ኣብ ቢንቶ ቅድሚ ምሕባኡ፡ ርእሳ ብኣኻውሕ ከም ዝሃረማን ከም ዝሓነቓን ቤት ፍርዲ ሰሚዑ።
እቲ ቀታሊ ኣብ 2023 ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ምስ ዝተፈጸመ ወራር ገዛ ዝተኣሳሰር ገበን'ውን ዝፈጸመ ኰይኑ፡ ኣብ ኤል ሳልቫዶር ብቕትለት ካልእ ጓለንስተይቲ ክድለ ከም ዝጸንሐ ኣኽበርቲ ሕጊ ገሊጾም።
እቲ ገበነኛ ኰይኑ ዝተረኽበ ውልቀሰብ፡ ብሰኑይ ፍርዲ ክወሃብ እንከሎ ሒደት ስምዒት ጥራይ'ዩ ኣርእዩ።
ዳኛ ዮላንዳ ክርቲን ብቐዳማይ ደረጃ ቅትለት ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ክትፈርዶ እንከላ፡ ብኽሲ ዓመጽ ንዕድመ ልክዕ ከምኡ'ውን ብሳልሳይ ደረጃ ጾታዊ ገበንን ምጭዋይን ተወሳኺ 40 ዓመት ፈሪዳቶ። ምሉእ እቲ ፍርዲ ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሜሪላንድ ከሕልፎ እዩ።
ኣብ ሰነ 2024 ኣብ ቱልሳ ኦክላሆማ ንዓሰርተ ኣዋርሕ ክድለ ድሕሪ ምጽንሑ እዩ ተታሒዙ።
"ብዘየማትእ መንገዲ፡ ምምሕዳር ሃርፎርድ ካብቲ እዚ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ዝለዓለ ብይን ወይ ተኸሳሲ ርእያ ኣይትፈልጥን፡" ኢላ ዓቃቢት ሕጊ ኣሊሰን ሄሊ።
ኣደ እታ ግዳይ ፓቲ ሞሪን ቅድሚ እቲ ፍርዲ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ እቲ ኣብ ልዕሊ ግዳይ ዝወረደ፡ "ጭካነ ዝተመልኦ ቅትለት ንመላእ ህይወትና ክጸልዎ'ዩ፡" ኢላ።
ዝተቐድሐ ድምጺ ደቂ ግዳይ ራቼል ሞሪን (ካብ ትሽዓተ ክሳብ 15 ዓመት ዝዕድመኦም ቈልዑ) ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሩቡ።
ሓደ ካብቶም ቈልዑ ናብ ኣደኡ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፡ "ሕጂ ካብቲ ምሳኺ ዘሕለፍክዎ ግዜ ንላዕሊ ብዘይብኣኺ ከሕልፎ እየ፡" ኢሉ።
ዓቢ ሓው ራቼል ማይክል ሞሪን፡ ክርስትያናዊ እምነቱ ነቲ ቀታሊ ይቕረታ ክገብረሉ ከም ዘገደዶ ንቤት ፍርዲ ገሊጹ።
ብመሰረት ጸብጻብ ኣኽበርቲ ሕጊ ኢሚግሬሽንን ጕምሩክን፡ እቲ ቀታሊ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ኣመሪካ ከም ዝኣተወን፡ ኣብ 2023 ሰለስተ ግዜ ናብ ዶብ ኣመሪካን ሜክሲኮን ከም ዝተላእከን የመልክቱ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ጐስጓስ መረጻ ዋይት ሃውስ፡ ትራምፕ ዶብ ኣመሪካን ሜክሲኮን ክዓጽዎ ቃል ኣብ ዝኣተወሉ እዋን፡ ንጕዳይ ራቼል ሞሪንን ካልኦት ብዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝተቐትሉ ሰባትን ደገፍ ገይሩ እዩ።
መብዛሕትኦም መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ካብ ዜጋታት ኣመሪካ ንላዕሊ ኣብ ገበን ናይ ምውፋር ተኽእሎኦም ዝለዓለ ኣይኰነን።
ስድራቤት ሞሪን ነቲ ትራምፕ ንጸጥታ ዶባት ዝገብሮ ዘሎ ጐስጓስ ደጊፎም እዮም።
ማይክል ሞሪን ዝሓለፈ ሓጋይ ኣብ ሚልዋኪ ዊስኮንሲን ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ጉባኤ ሪፓብሊካን መደረ ኣስሚዑ ነይሩ።
"ክፉት ዶባት መብዛሕትኡ ግዜ ከም ርህሩህን ጽቡቕ ባህርን ዝርአ'ኳ እንተዀነ፡ ዓመጽቲ ገበነኛታት ናብ ሃገርና ክኣትዉ ምፍቃድን ንህጻናት ኣደኦም ምምንዛዕን ግን ዘራህርህ ነገር የብሉን፡" ይብል።
ኣብ ሚያዝያ፡ ኣብ መንጐ ፕረዚደንትን ፍርዳዊ ኣካልን ብዛዕባ ኢሚግሬሽን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ምትህልላኽ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ዋይት ሃውስ ንኣደ ሚስ ሞሪን ኣብ ናይ ሚድያ መግለጺ ክትዛረብ ዓዲሙዋ ነይሩ።
ፓቲ ሞሪን ብዛዕባ ሞት ጓላ ዘርእዩ ኣሰካፊ ምስሊታት ኣካፊላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







